ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓደ ደባይ ተዋጋእን ሰራቕን ዝነበረ ሰብ ኣነባብራኡ ንኪቕይር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ሓንቲ ጐብለል ማርሻል ኣርት፡ ኣብ ህይወታ ዝገበረቶ ሸቶታት ዝቐየረት ስለምንታይ እያ፧ ሓደ ኣቦ ንወዱ ብዚምልከት ጻማ ጻዕሩ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት ንምርካብ፡ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ጸብጻባት ኣንብብ።

“ሕማቕ ናብራ እነብር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሕጂ ሕጉስ እየ።”—ጋሪ ኣምብሮስዮ

ዕድመ፦ 47

መበቈል ሃገር፦ ፊሊፒንስ

ታሪኽ፦ ደባይ ተዋጋኢ

ሕሉፍ ታሪኽ፦ ቪንታር ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። እቲ እንነብረሉ ዝነበርና ሰፊሕ ለሰ ብልሙዕ ኣኽራንን ሓቒቕ ብዚመስል ርባታትን ብንጹህ ኣየርን እተኸበበ እዩ ነይሩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን፡ ህይወት ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ሰባት ንማልና ይሰርቅወንን ናብ ቤትና ሰይሮም ይኣትዉን ነበሩ።

ገና ዀተት ከለኹ፡ ምስ ኣዕሩኸይ ኰይነ ብዙሕ እሰትን ሽጋራ አትክኽን ነዚ ወልፍታተይ ንኸርዊ ዜድልየኒ ገንዘብ እሰርቕን ነበርኩ። ሓደ ግዜ እሞ ኸኣ፡ ካብ ዓባየይ ስልማት ሰሪቐ እየ። ወተሃደራት መንግስቲ፡ ኣባል እቶም ሰራዊት ሓድሽ ህዝቢ ዚበሃሉ ደባይ ተዋጋእቲ ዝዀንኩ ስለ ዝመሰሎም፡ ብተደጋጋሚ ይቕጥቅጡኒ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ምስቶም ደባይ ተዋጋእቲ ኽጽንበር ወሰንኩ። ንሓሙሽተ ዓመት ዚኸውን ምስቶም ተዋጋእቲ ኣብ ኣኽራን እነብር ነበርኩ። ህይወት ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ካብቶም ወተሃደራት ንምህዳም፡ ኵሉ ግዜ ቦታ ንቐያይር ነበርና። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ኣኽራን ምሕባእ ስለ ዘሰልከየኒ፡ ናብ ኣመሓዳሪ ሓንቲ ኢሎኮስ ኖርታ እትበሃል ኣውራጃ ኸይደ ኢደይ ሃብኩ። ንሱ ድማ ብጽቡቕ ተቐበለኒ፣ ስራሕ ንኽረክብ እውን ሓገዘኒ። ይኹን እምበር፡ ከም ኣመለይ፡ ናብ ኣባይቲ እናኸድኩ እሰርቕን ንሰባት አፈራርህን ነበርኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ፡ ሎይዳ እትበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ነበረት። ንሳ ድማ ምስ ሆቨንስዮ ኣላለየትኒ፣ ንሱ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓለይ ጀመረ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ናይ ቀደም ናብራይ ክሓድጎ ኣጸጊሙኒ ነበረ። ሆቨንስዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓለይ ቅድሚ ምምጻኡ፡ ሽጋራ አትክኽ ነበርኩ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት እውን እካፈል ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ፡ ሕጊ ብምጥሓሰይ ብፖሊስ ተታሒዘ ን11 ወርሒ ተኣሰርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ይቕረ ንኺብለለይን ብመንፈሱ ኣቢሉ መምርሕን ምብርታዕን ንኺህበንን ለመንክዎ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸለኹ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኪበጽሓኒ ኢሉ መጸ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሃበኒ። ምስ ኣንበብክዎ፡ የሆዋ መሓርን ፈቃርን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ፈለጥኩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ምሕረት ከም ዝገበረለይን ብዛዕባ መገድታቱ ንኽመሃር ኣጋጣሚ ኸም ዝሃበንን ተገንዘብኩ። ነቲ ሕማቕ ኣመላተይ ንኽሓድጎ ዜኽእለኒ ብርታዐ ኺህበኒ ድማ ለመንክዎ። ምሳሌ 27:11 ሓያል ጽልዋ እያ ኣሕዲራትለይ። የሆዋ ብቐጥታ ይዛረበኒ ዘሎ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ እያ ገይራትኒ። እታ ጥቕሲ፡ “ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ” ትብል።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸልኩ፣ ምሳታቶም ኣብ ኣኼባታት ክሓብርን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወተይ ከውዕልን እውን ጀመርኩ። ኣብ መወዳእታ፡ ሳላ ሓገዝ የሆዋ፡ ንዅሉ ሕማቕ ኣመላተይ ሓደግክዎ። ድሕሪኡ፡ ህይወተይ ንየሆዋ ኣምላኽ ወፈኹ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕማቕ ናብራ እነብር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሕጂ ሕጉስ እየ። ባርያ ጽዩፍ ኣመላት እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሕጂ ተቐዪረ እየ። (ቈሎሴ 3:9, 10) ሎሚ፡ ምስቶም ንጹሃት ህዝቢ የሆዋ ኽሓብርን ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኺመሃሩ ኽሕግዝን ምኽኣለይ ከም ዓብዪ ኽብሪ ገይረ እየ ዝቘጽሮ።

“ንብራዚል ወኪለ ኽወዳደር እደሊ ነይረ።”—ጁልያና ኣፓረሲዳ ሳንታና ኢስኩዳሮ

ዕድመ፦ 31

መበቈል ሃገር፦ ብራዚል

ታሪኽ፦ ክኢላ ማርሻል ኣርት

ሕሉፍ ታሪኽ፦ ሎንድሪና ኣብ እትበሃል ከተማ እየ ዓብየ። መብዛሕትኦም እቶም ነበርቲ ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ እታ ኸተማ ግን ንጽህትን ሰላማዊትን እያ ነይራ። ጓል ዓሰርተ ዓመት ከለኹ፡ ዓብዪ ሓወይ ምስኡ ዀይነ ቴኳንዶ—“ብኢድን ብእግርን ዚግበር ምንቅስቓስ” ዚትርጕሙ—ዚበሃል ማርሻል ኣርት ክለማመድ ኣተባብዓኒ። ኣብ ፈለማ፡ ኣቦይ ነቲ ዝጀመርክዎ ስፖርት ኣይፈተዎን፣ ጸኒሑ ግን ተሰማምዓሉ።

ኣበርቲዐ እለማመድ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ከተማ ፓራና ኣብ ብዙሕ ውድድር ቴኳንዶ ተዓወትኩ። ጸኒሑ፡ ኣብ ሃገራዊ ውድድር ተዓወትኩ፣ ብ1993 ድማ ጐብለል ቴኳንዶ ብራዚል ተባሂለ ተጸዋዕኩ። ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር እየ ኽካፈል ዝደሊ ነይረ። ኰይኑ ግን፡ ስድራ ቤተይ ድኻታት ስለ ዝነበሩ፡ ንመጐዓዓዚ ዝዀነኒ ገንዘብ ኣይነበሮምን።

ቴኳንዶ ኣብ ኦሎምፒክ ከም ውድድር ኰይኑ ኺጠቓለል እምነ ነበርኩ፣ ከምቲ ተስፋ ዝገበርክዎ ድማ ኰነ። ንብራዚል ወኪለ ኣብ ኦሎምፒክ ክወዳደር እደሊ ነይረ፣ ስለዚ፡ ኣበርቲዐ እለማመድ ነበርኩ፣ ኣብ ፈረንሳ፡ ቬትናም፡ ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓን፡ ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዚግበር ውድድራት ንኽካፈል ዜኽእለኒ ገንዘባዊ ደገፍ ረኸብኩ። ፓን ኣመሪካን ገይምስ ተባሂሉ ኣብ ዚፍለጥ ውድድር ንኽካፈል ሸቶ ነበረኒ፣ ጽቡቕ ብቕዓት ስለ ዘርኣኹ ድማ፡ ካብቶም ብ2003 ኣብ ሳንቶ ዶሚንጎ፡ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ኣብ ዚግበር ውድድር ዚካፈሉ ሰለስተ ሰባት ክኸውን ተመረጽኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብ2001 ኣነን ዓርከይን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኪመርሑልና ጀመሩ። ኣብ ፈለማ፡ ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበረንን። ኣዝየ ስለ ዝደክም፡ መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና መብዛሕትኡ ግዜ እታኸስ ነበርኩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ትምህርቲ ንልበይ ተንከፎ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ዚቕጽል ሓያል ውድድር ብዝያዳ ንጹር ኰነ።

ኣብቲ ፓን ኣመሪካን ገይምስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ውድድር ክካፈል ስለ እተሓረኹ፡ መምህራነይ ኣቐዲመ ንኽዳሎ ዜኽእለኒ ኻልእ ውድድር ከም ዝወዳደር ገበሩ። ተራይ ምስ በጽሐ፡ ንኽወዳደር ዝነበረኒ ድሌት ጠፊኡ ኣብቲ ምንጻፍ ተዓኒደ ደው በልኩ። ሓደ ክርስትያን ንስፖርት ኢሉ እውን ከይተረፈ ምስ ካልኦት ኪቃለስ ከም ዘይብሉ ትዝ በለኒ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ” ዚብል ትእዛዝ ድማ ዘከርክዎ። (ማቴዎስ 19:19) ብኡንብኡ ኸኣ ወጻእኩ። ክወጽእ ከለኹ፡ ሰባት ተገሪሞም ይጥምቱኒ ነበሩ።

ኣብ ገዛይ ምስ በጻሕኩ፡ ኣብ ህይወተይ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ሓሰብኩ። ኣምላኽ ከነማልኦ ብዛዕባ ዚደልየና ብቕዓት እትገልጽ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ብሮሹር ድማ ከንብብ ጀመርኩ። ኣብታ መጽሔት፡ መዝሙር 11:5 ተጠቒሳ ረኣኹ፣ እታ ጥቕሲ ብዛዕባ የሆዋ ኽትገልጽ ከላ፡ ‘ነፍሱ ንፈታው ግፍዒ ትጸልኦ’ ትብል። እዘን ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣዝየን ስለ ዝተንከፋኒ፡ ንቴኳንዶ ኸቋርጾ ወሰንኩ።

እቶም መምህራን ቴኳንዶ በዚ ስለ ዝጐሃዩ፡ ንፍዕቲ ምዃነይን ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ክካፈል ቍሩብ ከም ዝተረፈንን ብምንጋር፡ ሓሳበይ ኬቐይሩኒ ፈተኑ። ኣነ ግን ቈሪጸ እየ ነይረ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣነን ዓርከይን ተመርዒና ኢና ኔርና። ንሱ ድማ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ስብከት ኪካፈል ጀሚሩ ነበረ። ናብ ገዛ ኺመጽእ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ሰባት ዝገበሮ ምምይጥ ተሓጒሱ ይነግረኒ ነበረ። ኣነ እውን ኣብቲ ዕዮ እቲ ኽካፈል እንተ ደልየ፡ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነበርኩ። ነቲ ናይ ቀደም ሃይማኖተይ ሓዲገ ድማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ኣነን ሰብኣየይን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳርና ኸነውዕሎ ስለ እንጽዕር፡ ሕጉሳትን ስሙራትን ኢና። ሰብኣየይ ንጉባኤና ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ እድግፎ እየ። ኣብ ኦሎምፒክ ተቓሊሰ መዳልያ ወርቂ ኽረክብን ውርይቲ ክኸውንን እኽእል ነይረ እየ። ይኹን እምበር፡ እዛ ዘይፍትሓዊት ዓለም እዚኣ እትህቦ ነገራት፡ ምስቲ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ፈጺሙ ኺወዳደር ዘይክእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ።

“ኣቦይ ብኣይ ተስፋ ኣይቈረጸን።”—ኢንጎ ዚመርመን

ዕድመ፦ 44

መበቈል ሃገር፦ ጀርመን

ታሪኽ፦ ሓላዊ ኽበብ ትልሂት

ሕሉፍ ታሪኽ፦ ጀልሰንኪርከን ኣብ እትበሃል መዐደኒ ኸሰል ዘለዋ ኸተማ እየ ተወሊደ፣ ስድራ ቤትና ድማ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት እያ ነይራ። ኣቦይ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ። ኣደይ ግን፡ ነቲ ኣቦይ ንዓይን ንሓወይን ንኽልተ ኣሓተይን ብመሰረት እምነቱ ንምዕባይ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ትጻረሮ ነበረት። ኣቦይ ናይ ጽዕነት ማኪና እናዘወረ ኣብ መዓልቲ ንዓሰርተ ሰዓት ይሰርሕ ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንግሆ ሰዓት ክልተ ወይ ሰለስተ እዩ ዚትንስእ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ወትሩ መንፈሳዊ ስልጠና ይህበና ነበረ። ኣነ ግን ነቲ ጻዕሩ ኣየማሰኹሉን።

ወዲ 15 ዓመት ከለኹ፡ እቲ ምስ ኣቦይ ዝኸዶ ዝነበርኩ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ስለ ዘሰልከየኒ፡ ዓለኹ። ንዓመታኡ ድማ ኣባል ጕጅለ ተጓሰጥቲ ዀንኩ። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኽልተ ዓመታት፡ ንኣቦይ ዜጕህዮ ተግባራት እገብር ነበርኩ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ካብ ቤት ወጻእኩ።

ስፖርት ኣዝየ እፈቱ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ ሳዕ መኸተ-ጕስጥን ስፍሰፋን (ክብደት ምልዓል) እለማመድ ነበርኩ። ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ድማ፡ ምስ ኣዕሩኸይ ኰይነ ናብ ክበብ ትልሂት እኸይድ ነበርኩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ምስ ሓደ ዜፍርህ ሰብኣይ ተበኣስኩ፣ ኰይኑ ግን፡ ብቐሊሉ ኣሰነፍክዎ። ወናኒ እቲ ኽበብ ነዚ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ክኸውን ሓተተኒ። ጽቡቕ ደሞዝ ከም ዝኸፍለኒ ስለ ዝነገረኒ፡ ነቲ ስራሕ ተቐበልክዎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ-ሰናብቲ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ኽበብ ደው ኢለ፡ ንዝደለኽዎ አእቱ፡ ንዘይደለኽዎ ኸኣ እኽልክል ነበርኩ። ኣስታት 1,000 ዝዀኑ ሰባት ናብቲ ኽበብ ይመጹ ስለ ዝነበሩ፡ ብስራሕ ትሑዝ እየ ነይረ። ኵሉ ግዜ ድማ እበኣስ ነበርኩ። ገሊኦም ሰባት ብተደጋጋሚ ብሽጉጥን ብስባር ጠራሙዝን የፈራርሁኒ ነበሩ። ገሊኦም ናብቲ ኽበብ ምእታው ዝኣበኽዎም ወይ ዝሰጐጕክዎም ሰባት፡ ኣብ ደገ ጸኒሖም ሕነ ኺፈድዩ ይፍትኑ ነበሩ። ወዲ 20 ዓመት ስለ ዝነበርኩ፡ ዘይሰዓር ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ከም ሓቂ ግን፡ ሓራቕን ዕቡይን ደረቐኛን እየ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ኣቦይ ብኣይ ተስፋ ኣይቈረጸን። መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! a ናብቲ ዝነብረሉ ቦታ ኸም ዚለኣኸለይ ይገብር ነበረ። ኰይኑ ግን፡ እቲ መጽሔታት ኣብ ገዛይ ተጸፍጺፉ ነበረ። ሓደ መዓልቲ፡ ንገሊኡ ኸንብቦ ወሰንኩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሃይማኖታውን ስርዓት ብኸመይ ከም ዚጠፍእ ዚገልጽ ዓንቀጻት ምስ ኣንበብኩ፡ ንሓፍተይ ደወልኩላ። ንሳን ሰብኣያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከም እንኽእል ምስ ነገሩኒ ድማ፡ ተሰማማዕኩ።

ኣብ ገላትያ 6:7 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ኽገብር ደረኸኒ። ዝዀነ ይኹን ሎሚ ዝገብሮን ዝብሎን ዝውስኖን ነገራት፡ ነቲ ናይ መጻኢ ህይወተይ ከም ዚጸልዎ ኻብ ተመክሮ ተማሂረ እየ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 1:18 ዚርከብ ዕድመ እውን ኣዝዩ ኣተባቢዑኒ እዩ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ . . . እዩ” ትብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ መጽናዕቲ ኻብ ዝጅምር ኣትሒዛ፡ ዋጋ ዘይብለይ ወይ ከኣ ናብ የሆዋ ኽምለስ ዘይክእል ኰይኑ ንኸይስምዓኒ ሓጊዛትኒ እያ።

ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ዜደንቕ ለውጥታት እኳ እንተ ገበርኩ፡ ቃልሲ ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ካብቲ ብልሹው ሃዋህውን ካብቶም ብዕሉጋት ኣዕሩኸይን ክርሕቕ ነበረኒ። ስለዚ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ አጽንዕ ከም ዘለኹ ንኣዕሩኸይ ነገርክዎም፡ ገለ ኻብቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ኸኣ ኣካፈልክዎም። ካባይ ኪርሕቁን ‘ኣቦይ ቀሺ’ ኢሎም ኪጽዉዑንን ጀመሩ። ሳላ ሓገዝ ሓፍተይ፡ ካልእ ዝሓሸ ስራሕ ረኸብኩ።

ሓፍተይን ሰብኣያን 30 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይእክቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ምስኦም ክኸይድ ጀመርኩ። ኣብ ጥቓ እቲ ዝነብረሉ ቦታ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስቶም ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዞም ዚፈልጡኒ ኸይራኸብ ፈራህኩ። ብዘይካዚ፡ ካብቲ ኽበብ ምስ ዝሰጐጕክዎ ወይ ሓሽሽ ምስ ዝሃብክዎ ሰብ ምእንቲ ኸይራኸብ፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ኸባቢ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ምስባኽ የፍርሃኒ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ከለኹ፡ ጽቡቕ ትምህርቲ እየ ተማሂረ፣ ከመይሲ፡ ንሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኢኻ ኣዝዩ ኸቢድ ዝዀነ ልምምድ እትገብረሉ። ስለዚ፡ ክሰብኽ ብቑዕ ምስ ኰንኩ፡ ብእተኻእለኒ መጠን ኣብኡ ኽካፈል ጀመርኩ።

ንባብን መጽናዕትን ዘይፈቱ ስለ ዝነበርኩ፡ እዚ ሓደ ኻብቲ ኽዋጽኣሉ ዝነበረኒ ብድሆታት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ድልድልቲ እምነት ከጥሪ እንተ ዀይነ፡ ብትግሃት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነበርኩ። ልክዕ ከም ስፍሰፋ፡ ብርታዐ ንምርካብ ክጽዕር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕጂ ብህይወት ምህላወይ ዓብዪ ጥቕሚ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ድኽመታተይ ከየሰንፈኒ ኽጥንቀቕ ኣሎኒ። ኰይኑ ግን፡ ምስታ ባህ ዜብል ክርስትያናዊ ባህርይ ዘለዋ ሰበይተይ ኰይነ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት እነብር ኣለኹ። ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምሉእ ብምሉእ ክኣምኖም ዝኽእል ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ረኺበ ኣለኹ። ኣቦይ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እኳ እንተ ሞተ፡ ቅድሚ ሙማቱ ግን ንዓይ ንወዱ መሊሱ ብምርካቡ ተባሪኹ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ።