ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ

ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ

ናብራ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት

ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ

“ንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ።”—ግብሪ ሃዋርያት 14:20, 21

ሓደ ተጓዓዚ ነቲ ንግሆ ዚርከብ ጽሩይ ኣየር ኣስተንፈሰ። ሳንደሉ ኣብተን ዝደኸማ ኣእጋሩ ወደየ። ገና ምሉእ መዓልቲ ኺጐዓዝ ነበሮ።

ነታ እትበርቕ ዝነበረት ጸሓይ ዝባኑ ሂቡ፡ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ብማእከል ኣግራብ ኣውልዕ ዚርከብ ዶራን መገዲ ገይሩ፡ ንዓቐብ ገጹ ተጓዕዘ። እግረ-መገዱ ንግራውቶም ምስ ዚዀልሉ ሓረስቶት፡ ጽዕነት እተሰከሙ መጽዓኛታት ምስ ዚኽብክቡ ነጋዶ፡ ንንግደት ናብ የሩሳሌም ምስ ዚጓዓዙ ነጋድያን፡ ከምኡውን ምስ ካልኦት ተጓዓዝቲ ተጓነፈ። እቲ ተጓዓዝን ብጾቱን ንዝረኸብዎ ዘበለ ሰብ የዘራርቡ ነበሩ። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዚገብሩ ነይሮም፧ ነቲ የሱስ፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ምስክር ኪዀንዎ ዝሃቦም መዝነት ምእንቲ ኺፍጽሙ ኢሎም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8

እዚ ተጓዓዚ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ወይ በርናባስ፡ ወይ ሓደ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ጠንካራታት ሚስዮናውያን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:19-26፣ 15:22) ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዕዞ ዚገብሩ ሰባት፡ ጽኑዓትን ቈራጻትን እዮም ነይሮም። ሽዑ ዝነበረ ጕዕዞ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘጋጠሞ ፈተና ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርኩዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቕ ባሕሪ ሐዲረ ወዐልኩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ኣብ መሬት ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ እውን ቀሊል ኣይነበረን። ጳውሎስ፡ “ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ከተርቲ ብፍርሃት” ይመላለስ ምንባሩ ገሊጹ እዩ።—2 ቈረንቶስ 11:25-27

እቶም ሚስዮናውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ ኸመይ ይመስል ነበረ፧ ኣብ መዓልቲ ኽንደይ ዚኣክል ርሕቀት ይጐዓዙ ነበሩ፧ ኣብ ጕዕዞኦም እንታይ ይማልኡ ነበሩ፧ ኣበይከ ይዓርፉ ነበሩ፧

ኣብ መሬት ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ፦ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሮማውያን ንዓበይቲ ማእከላት እቲ ሃጸያዊ ግዝኣቶም ዜራኽብ ሓያሎ መገድታት ሃኒጾም ነበሩ። እቲ መገድታት እቲ፡ ብጥንቃቐ እተነድፈን ጽቡቕ ጌርካ እተሃንጸን ነበረ። መብዛሕትኡ ኣእማን እተነጽፎን ኣብ ደረቱ መዕገቲ እተገብረሉን መሐበሪ ርሕቐት ዚኸውን ኣእማን እተተኽሎን ኰይኑ፡ 4.5 ሜተር ዝምግፋሑ ጽርግያ ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ፡ ከም ጳውሎስ ዝኣመሰለ ሚስዮናዊ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 32 ኪሎ ሜተር ይጐዓዝ ነበረ።

ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ግን፡ መብዛሕትኡ መገድታት፡ ኣእማን እተነጽፎ ኣይነበረን፣ ካብቲ ኣብ ደረቱ ዚርከብ ግራውትን ስንጭሮታትን ዚፈሊ መዕገቲ ስለ ዘይነበሮ ኸኣ፡ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ኣራዊት ኬጓንፈካ፡ ወይ ከተርቲ ኪኸትሩኻ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፣ መገዲ እውን ኪዕጸወካ ይኽእል እዩ።

ሽዑ ዝነበረ ተጓዓዚ እንታይ ይማላእ ነበረ፧ ገለ ኻብቲ ኣድላዪ ነገራት፡ ንመከላኸሊ ዚዀኖ በትሪ (1)፡ ፍርናሽ (2)፡ ገንዘብ ዚሕዘሉ ማሕፉዳ (3)፡ ቅያር ሳንደል (4)፡ ስንቂ ዚሕዘሉ ለቘታ (5)፡ ቅያር ክዳን (6)፡ ካብ ዔላ ማይ ንምግላል ዜገልግል ብቘርበት እተሰርሐ መገለል (7)፡ ማይ መትሓዚ ሓርቢ (8)፡ እተፈላለየ ነገራት ዚሕዘሉ ብቘርበት እተሰርሐ ዓብዪ ሳንጣ (9) ኺጥቀስ ይከኣል።

ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ምስቶም ፍቐዶ ዕዳጋ እናኸዱ ሸቐጣት ዚነግዱ ተጓዓዝቲ ነጋዶ ይራኸቡ ኸም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን እዩ። እቶም ነጋዶ ንሸቐጣቶም ብኣእዱግ እዮም ዜጐዓዕዙ ነይሮም። ኣብ ጸዳፍን ኣኻውሕ ዝመልኦን መገዲ፡ ምስ ኣድጊ ዚወዳደር የለን። ሓደ ብርቱዕ ኣድጊ፡ ምሉእ ጽዕነት ተሰኪሙ፡ ኣብ መዓልቲ ኽሳዕ 80 ኪሎ ሜተር ኪጐዓዝ ከም ዚኽእል እዩ ዚንገረሉ። ብኣብዑር ዚጕተት ዓረብያ ወይ ሰረገላ፡ ካብ 8-20 ኪሎ ሜተር ጥራይ ይጐዓዝ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ኣብዑር ዝያዳ ጾር ስለ ዜጐዓዕዙ፡ ንሓጺር ጕዕዞ ይምረጹ ነበሩ። ሽዑ ዚጐዓዝ ተጓዓዚ፡ ኣብ መገዲ ኻብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝመጹ ቓፍላይ ኣግማል ወይ ቃፍላይ ኣእዱግ፡ ማለት ኣቕሑ እተጻዕኑ ሓያሎ እንስሳታት ኬጓንፍዎ ይኽእሉ ነበሩ። መልእኽቲ ወይ ኣዋጅ ናብ ወተሃደራዊ ነቝጣ ዜብጽሕ መልእኽተኛ እውን ፈረስ ተወጢሑ ኺጋልብ ይርኢ ነይሩ ይኸውን እዩ።

ምስ ጸልመተ፡ ተጓዓዝቲ ኣብ ደረት መገዲ ይሓድሩ ነበሩ። ገሊኦም ኣብ መሓድሮ ቓፍላይ ይሓድሩ ነበሩ፣ እቲ መሓድሮ ኸኣ ብዙርያኡ ኽፍልታት ዘለዎ ዀይኑ፡ ኣብ ማእከሉ ደምበ ነበሮ። ረሳሕን ባህ ዘየብልን ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ካብ ዝናምን ቍርን ኰነ ኻብ ሰረቕቲ ብዙሕ ዚከላኸል ኣይነበረን። ተጓዓዝቲ ሚስዮናውያን፡ ብእተኻእለ መጠን ምስ ቤተሰቦም ወይ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ይሓድሩ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 17:7፣ ሮሜ 12:13

ኣብ ባሕሪ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ፦ ንኣሽቱ ጃላቡ ኣብ ገማግም ማያትን ናብ ስግር ባሕሪ ገሊላን ኣቕሑን ሰባትን የመላልሳ ነበራ። (ዮሃንስ 6:1, 2, 16, 17, 22-24) ሓያሎ ዓበይቲ መራኽብ ከኣ፡ ጽዕነት ሒዘን ካብን ናብን ወደባት መዲተራነያን ይመላለሳ ነበራ። እተን መራኽብ፡ ንሮሜ ዜድሊ ምግቢ ይጓርታ ነበራ፣ ካብ ወደብ ናብ ወደብ እውን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሓበሬታን የበጻጽሓ ነበራ።

ባሕረኛታት ኣብ መዓልቲ ምልክት ዚኸውን ምድሪ፡ ኣብ ለይቲ ኸኣ ከዋኽብቲ እናረኣዩ እዮም ዚጐዓዙ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ባሕሪ ዚግበር ጕዕዞ፡ ኣብቲ ብተዛማዲ ህዱእ ኵነታት ኣየር ዚህልወሉ ኻብ ግንቦት ክሳዕ መፋርቕ መስከረም እዩ ሓደጋ ዘይበዝሖ ነይሩ። መራኽብ ብተደጋጋሚ እየን ዚስበራ ነይረን።—ግብሪ ሃዋርያት 27:39-44፣ 2 ቈረንቶስ 11:25

ኣብ ባሕሪ ዚግበር ጕዕዞ፡ ካብቲ ኣብ መሬት ዚግበር ጕዕዞ ንላዕሊ ዚምረጽ ዝነበረ፡ ምሾት ስለ ዝነበሮ ኣይኰነን። እተን ቀንዲ መጓዓዝያ ባሕሪ ዝነበራ መራኽብ ጽዕነት፡ ንተጓዓዝቲ ዚምሽኣ ኣይነበራን። እቶም ተጓዓዝቲ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኣየር፡ ኣብ ባይታ እታ መርከብ ኰይኖም ይጐዓዙን ኣብኡ ይድቅሱን ነበሩ። እቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እታ መርከብ ዚርከብ ንቑጽ ክፍሊ፡ ብኽቡር ኣቕሑ ይምላእ ነበረ። ተጓዓዝቲ ምሳታቶም ሒዞምዎ ዝመጹ ስንቂ ይምግቡ ነበሩ። ዚስተ ማይ ጥራይ እዩ ዚወሃቦም ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኵነታት ኣየር ኣመና ኣጸጋሚ ይኸውን ነበረ። ብርቱዕ ህቦብላን ማዕበልን ኪለዓል ከሎ፡ ብሕማም መርከብ ይሳቐዩ ነበሩ፣ እዚ እውን ንሓያሎ መዓልትታት ኪቕጽል ዚኽእል እዩ ነይሩ።

ኣብ መሬትን ኣብ ባሕርን ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ እዚ ዅሉ ጸገማት እኳ እንተ ነበሮ፡ ከም ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ሚስዮናውያን፡ ኣብታ ሽዑ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም፡ “ወንጌል መንግስቲ” ብስፍሓት ዘርጊሖም እዮም። (ማቴዎስ 24:14) ጳውሎስ ካብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባኡ ኺምስክሩ መምርሒ ዝሃበሉ 30 ዓመት ጸኒሑ፡ ወንጌል “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ይስበኽ ከም ዝነበረ ኺጽሕፍ ክኢሉ እዩ።—ቈሎሴ 1:23