ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ክኸውን ኣሎኒ ድዩ፧

ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ክኸውን ኣሎኒ ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ክኸውን ኣሎኒ ድዩ፧

ኣብ መንጎ ምእመናን ኰነ ኣቕሽሽቲ ዚርአ ግብዝናን ምስሕሓብን ስለ ዚጽልኣካ፡ ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ካብ ምዃን ድሕር ትብል ዲኻ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እቲ፡ “ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝቐረበ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐ” ዚብል ምስላ ፈረንሳውያን ንስምዒትካ ይገልጾ ይኸውን።

ምናልባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርካ ትርእዮ ትኸውን፣ መንግስትታትን ውልቀ-ሰባትን ነቲ ሓደ ሰብ ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ናይ ምዃን መሰሉ ኬኽብሩሉ ዘለዎም ኰይኑ እውን ይስምዓካ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ‘ኣምላኽ ነቶም ብቕቡል መገዲ ዜምልኽዎ ናይ ግድን ኣባላት ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ኪዀኑ ይጽበ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ብሓጺሩ ‘እወ’ ዚብል እዩ። ርግጸኛታት ኴንና ኸምኡ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ ዝዀነ ይኹን ጕጅለ ሃይማኖትከ ቕቡል ድዩ፧

የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። የሱስ፡ ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ድዩ ነይሩ፧ ቈልዓ ኸሎ፡ ምስቶም ኣይሁዳውያን ስድራ ቤቱን ምስ ካልኦትን ኰይኑ፡ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ ንምክፋል ይኸይድ ነበረ። (ሉቃስ 2:41-43) ምስ ዓበየ ድማ፡ ምስ ኣይሁድ ኰይኑ፡ ኣብ ቤት ጸሎት ንኣምላኽ የምልኽ ነበረ። (ሉቃስ 4:14-16) ንሓንቲ እተፈልየ ሃይማኖት ዝነበራ ሰበይቲ ኺዛረባ ኸሎ፡ “ንሕና . . . ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ” በላ። (ዮሃንስ 4:22) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ሰዓቢ ሃይማኖት ኣይሁድ ምንባሩ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

ጸኒሑ የሱስ፡ ኣይሁድ ንዕኡ ብደረጃ ህዝቢ ስለ ዝነጸግዎ፡ ኣምላኽ ድማ ነቲ ብልሹው ኣምልኾኦም ከም ዚነጽጎ ገለጸ። (ማቴዎስ 23:33–24:2) ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ዜምልኽዎ ሰባት፡ ኣባላት ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም እውን ሓቢሩ እዩ። ንሰዓብቱ፡ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:35) ሓደ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዘይሓብር እንተ ዀይኑ፡ ፍቕሪ ኼርእዮም ኣይክእልን እዩ። የሱስ፡ ክልተ መገድታት ሃይማኖት ጥራይ ከም ዘለዋ ብንጹር ገሊጹ ነይሩ እዩ። እታ ሓንቲ መገዲ፡ ‘ርሕብትን ገፋሕን’ ክትከውን ከላ፡ “ናብ ጥፍኣት” እያ እትወስድ። “እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም።”—ማቴዎስ 7:13, 14

እምበኣር፡ ኵሉ ጕጅለ ሃይማኖት ኣይኰነን ተቐባልነት ዘለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስቶም “መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” ሰባት ከይንሓብር የጠንቅቐና እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ” ይብል። (2 ጢሞቴዎስ 3:5) ብኣንጻሩ ድማ፡ ነቶም ኣብታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ዘለዉ ሰባት ኣለሊና ምስኦም ምሕባርና፡ ኪጠቕመና ይኽእል እዩ። ሕጂ መተባብዕን ደገፍን ንረክብ፡ ብዛዕባ መጻኢ ኸኣ ብሩህ ተስፋ ይህልወና።—እብራውያን 10:24, 25

ኣብታ ቐጣን መገዲ ዘላ ጕጅለ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና ኽትፈልጥ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ a ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 15 ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ንምንታይ ዘይትምርምሮ፧ እታ ምዕራፍ እቲኣ፡ ኣባል ኣየነይቲ ጕጅለ ሃይማኖት ክትከውን ከም ዘሎካ ፈሊጥካ ንኽትውስን ክትሕግዘካ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።