ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ ብቓል ኣምላኽ ተመርሑ

ኣቱም መንእሰያት፡ ብቓል ኣምላኽ ተመርሑ

ኣቱም መንእሰያት፡ ብቓል ኣምላኽ ተመርሑ

“ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትውዓል ኣጥርያ።”—ምሳ. 4:5

1, 2. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ምስ ገዛእ ርእሱ ዚገብሮ ዝነበረ ቓልሲ ንኺዋጽኣሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ለ) ጥበብን ምስትውዓልን ከተጥሪ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

 “ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ፡ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ።” ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበን መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ። ጳውሎስ ንየሆዋ የፍቅሮ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓድሓደ ግዜ ግን ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ይቃለስ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ምስ ገዛእ ርእሱ ዚገብሮ ዝነበረ ቓልሲ እንታይ ተሰምዖ፧ “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 7:21-24) ንስኻኸ ኸም ጳውሎስ ተሰሚዑካ ይፈልጥዶ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር የጸግመካዶ፧ ብሰንኪ እዚኸ ልክዕ ከም ጳውሎስ ኣዚኻ ጕሂኻዶ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ከመይሲ፡ ከምቲ ጳውሎስ ነቲ ዘጋጠሞ ብድሆ ብዓወት እተዋጽኣሉ፡ ንስኻ እውን ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ።

2 ጳውሎስ ኪዕወት ዝኸኣለ፡ በቲ “ጥዑይ ቃል” ኪምራሕ ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ እዩ። (2 ጢሞ. 1:13, 14) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ምስቲ ዜጋጥሞ ብድሆታት ንኺጋጠምን ቅኑዕ ውሳነ ንኺገብርን ዜኽእሎ ጥበብን ምስትውዓልን ረኸበ። ንስኻ እውን ጥበብን ምስትውዓልን ምእንቲ ኸተጥሪ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 4:5) የሆዋ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሉጽ ምኽሪ ኣስፊሩ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ስርዓታት፡ ምስ ወለድኻ ኣብ ዘሎካ ርክብ፡ ገንዘብ ኣብ ምክዋን፡ ከምኡውን በይንኻ ኣብ እትዀነሉ እዋን ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእል እስከ ንርአ።

ኣብ ስድራ ቤት ብቓል ኣምላኽ ተመራሕ

3, 4. ስርዓታት ወለድኻ ምኽባር ዜጸግመካ ስለምንታይ እዩ፧ ወለድኻ ስርዓታት ዜውጽኡሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

3 ስርዓታት ወለድኻ ምኽባር የጸግመካዶ፧ ስለምንታይ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ዝያዳ ናጽነት ኪህልወካ ስለ እትደሊ እዩ። እዚ ድሌት እዚ፡ ክፍሊ እቲ እኹል ሰብ ንኽትከውን እትገብሮ ዕቤት ስለ ዝዀነ፡ ንቡር እዩ። ኣብ ትሕቲ ወለድኻ ኽሳዕ ዘለኻ ግን፡ ክትእዘዞም ኣሎካ።—ኤፌ. 6:1-3

4 ብዛዕባ እቲ ወለድኻ ዚሰርዕዎ ስርዓታትን ብቕዓታትን ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩካ፡ ንኸተኽብሮ ቐሊል ይዀነልካ። ሓቂ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ኸምታ ብሪል ዝስማ ጓል 18 ዓመት ጐርዞ እተሰምዓ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ፣ a ንሳ ብዛዕባ ወለዳ፡ “ነዚ ናተይ ዕድመ ፈጺሞም ረሲዖምዎ እዮም። ብናተይ ኣረኣእያ ክኸይድ፡ ምርጫይ ክገብር፡ ወይ ክዓቢ ኣይደልዩንን እዮም” በለት። ንስኻ እውን ከም ብሪል፡ ወለድኻ ዝያዳ ናጽነት ዘይህቡኻ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ወለድኻ ስርዓታት ዜውጽኡሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ብዛዕባኻ ስለ ዚግደሱ እዩ። ብዘይካዚ፡ ክርስትያን ወለዲ፡ ንዓኻ ዜዕብዩሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ ኸም ዚገብሮም ይፈልጡ እዮም።—1 ጢሞ. 5:8

5. ስርዓታት ወለድኻ ምኽባር ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧

5 ስርዓታት ወለድኻ ምኽባር፡ ንባንክ ዕዳ ኸም ምኽፋል እዩ፣ ዝያዳ እሙን ብዝዀንካ መጠን፡ ዝያዳ ልቓሕ ይፍቀደልካ። ብተመሳሳሊ፡ ንወለድኻ ኸተኽብሮምን ክትእዘዞምን ኣሎካ። (ምሳሌ 1:8 ኣንብብ።) ዝያዳ እዙዝ ብዝዀንካ መጠን፡ ወለድኻ ዝያዳ ናጽነት ኪህቡኻ ይኽእሉ እዮም። (ሉቃ. 16:10) ብተደጋጋሚ ስርዓታት ወለድኻ ትጥሕስ እንተ ዄንካ ግን፡ ኣባኻ ዝነበሮም እምነት ኪንኪ ወይ ፈጺሙ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ።

6. መንእሰያት እዙዛት ንኪዀኑ ወለዲ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

6 ውሉዳት ንስርዓታት ወለዶም ኬኽብሩ ኻብ ዚሕግዞም ነገራት እቲ ሓደ፡ ኣብነት ወለዲ እዩ። ወለዲ ነቲ የሆዋ ዘውጸኦ ብቕዓታት ብፍታው ኪእዘዙ ኸለዉ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ርትዓዊ ምዃኑ ኸም ዚኣምኑሉ እዮም ዜርእዩ። ሳላ እዚ ኸኣ፡ መንእሰያት ንስርዓታት ወለዶም ንኬኽብሩ ቐሊል ይዀነሎም። (1 ዮሃ. 5:3) ብተወሳኺ እውን፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ርእይቶኦም ኪገልጹ ኣጋጣሚ ኸም ዝሃቦም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና። (ዘፍ. 18:22-32፣ 1 ነገ. 22:19-22) ወለዲኸ ንውሉዳቶም ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳይ ርእይቶኦም ኪገልጹ ኣጋጣሚ ኺህብዎም ይኽእሉዶ፧

7, 8. (ሀ) ገሊኦም መንእሰያት ከመይ ዝበለ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) ካብቲ ዚወሃበካ ተግሳጽ ጥቕሚ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

7 መንእሰያት ካብ ወለዶም ዘይቅኑዕ ኪመስል ዚኽእል ነቐፌታ ኪቐርበሎም ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከምቲ ክሬግ ዚበሃል መንእሰይ እተሰምዖ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ፣ ንሱ፡ “ኣደይ ከም መርማሪት ፖሊስ ወትሩ ጕድለተይ እያ እትኣሪ” በለ።

8 መብዛሕትኡ ግዜ፡ መአረምታ ወይ ተግሳጽ ኪወሃበና ኸሎ እተነቐፍና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ዋላ እውን ቅኑዕ ይኹን፡ ተግሳጽ ንኽትቅበሎ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እብ. 12:11) ካብቲ ዚወሃበካ ተግሳጽ ጥቕሚ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ሓደ ኽትርስዖ ዘይብልካ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ወለድኻ ንዓኻ ብዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም እዮም ምኽሪ ዚህቡኻ። (ምሳ. 3:12) ካብ ሕማቕ ኣመላት ንኽትርሕቕን ጽቡቕ ጠባይ ንኺህልወካን ኪሕግዙኻ እዮም ዚደልዩ። ከምኡ እንተ ዘይገይሮም፡ ከም ዝጸልኡኻ እዩ ዚቝጸር። (ምሳሌ 13:24 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ጌጋታት ምግባር ሓደ ኻብቲ እንመሃረሉ መስርሕ ከም ዝዀነ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ መአረምታ ኺወሃበካ ኸሎ፡ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ጥበብ ኣለልዮ። “ከመይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ [ጥበብ] ዜጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ።”—ምሳ. 3:13, 14

9. መንእሰያት ‘ተበዲለ’ እናበሉ ኣብ ክንዲ ዚበሳጨዉ፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

9 ይኹን እምበር፡ ወለዲ ይጋገዩ እዮም። (ያእ. 3:2) ሓድሓደ ግዜ፡ ኪግስጹኻ ኸለዉ፡ ዚጐድእ ዘረባ ኺዛረቡ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 12:18) ከምኡ ኢሎም ከም ዚዛረቡ ዚገብሮም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ብምኽንያት ውጥረት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ወይ ከኣ ጕድለትካ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ንሳቶም ከም ዝጐደሉ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘ተበዲለ’ እናበልካ መመሊስካ ኣብ ክንዲ እትበሳጮ፡ ንምንታይ ንወለድኻ ስለቲ ልባዊ ሓገዞም ዘይተመስግኖም፧ ሕጂ ንተግሳጽ እትቕበለሉ መገዲ፡ ምስ ዓበኻ ኺሕግዘካ እዩ።

10. ስርዓትን መአረምታን ወለድኻ ኽትቅበልን ካብኡ ጥቕሚ ኽትረክብን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

10 ስርዓትን መአረምታን ወለድኻ ኽትቅበልን ካብኡ ጥቕሚ ኽትረክብን ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ናይ ምርድዳእ ክእለትካ ኸተመሓይሽ ኣሎካ። ብኸመይ፧ ብቐዳምነት፡ ጽን ኢልካ ስማዕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ ይኹን” ይብል። (ያእ. 1:19) ቀልጢፍካ መመኽነይታ ኣብ ክንዲ እተቕርብ፡ ስምዒትካ ተቘጻጺርካ ነቲ ወለድኻ ዚብሉኻ ስማዕ። ኣብቲ ዚዛረቡሉ መገዲ ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ኣብቲ ዚዛረብዎ ሓሳባት ኣተኵር። ድሕሪኡ፡ ጌጋኻ ብምእማን ነቲ ዝበሉኻ ኸም እተቐበልካዮ ብኣኽብሮት ኣረጋግጸሎም። ብዛዕባ እተዛረብካዮ ወይ ዝገበርካዮ ነገር ክትገልጽ እንተ ደሊኻኸ፧ መብዛሕትኡ እዋን፡ ነቲ ወለድኻ ዚደልይዎ ኽሳዕ እተማልእ፡ ‘ከናፍርካ እንተ ገታእካ’ ይሓይሽ። (ምሳ. 10:19) ወለድኻ ብሓቂ ትሰምዖም ከም ዝነበርካ ምስ ኣስተብሃሉ፡ ንሳቶም እውን ንኺሰምዑኻ ኺድረኹ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ብስለት ዝመልኦ ኣቀራርባ፡ ብቓል ኣምላኽ ከም እትምራሕ ዜርኢ እዩ።

ገንዘብ ኣብ ምክዋን ብቓል ኣምላኽ ተመራሕ

11, 12. (ሀ) ቃል ኣምላኽ ንገንዘብ ብዚምልከት እንታይ እዩ ዜተባብዓና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ወለድኻ ገንዘብ ንኸተካውን ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ገንዘብ ከም ጽላል’ ከም ዚኸውን ይገልጽ። ይኹን እምበር፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ጥበብ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ኽብርቲ ኸም ዝዀነት እውን ትሕብር እያ። (መክ. 7:12) ቃል ኣምላኽ፡ ንገንዘብ ከነፍቅሮ ዘይኰነስ፡ ከነኽብሮ እዩ ዜተባብዓና። ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ክትርሕቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እሞ ሕሰበሉ፦ በሊሕ ካራ ኣብ ኢድ ክኢላ ኸሻኒ ኺኣቱ ኸሎ፡ ጠቓሚ መሳርሒ እዩ ዚኸውን። ኣብ ኢድ ዘይምኩር ወይ ዘይጥንቁቕ ሰብ እንተ ኣትዩ ግን፡ ከቢድ ጕድኣት ኬውርድ ይኽእል እዩ። ገንዘብ እውን ኣጠቓቕማኡ እንተ ፈሊጥካሉ፡ ጠቓሚ መሳርሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም “ኪህብትሙ ዚደልዩ፡” ዕርክነቶም፡ ምስ ስድራ ቤቶም ዝነበሮም ርክብ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ከፊሎም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ‘ናብ ርእሶም ብዙሕ ስቓይ የምጽኡ።’—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።

12 ንገንዘብካ ኸተካውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብኸመይ ባጀት ክትገብር ከም እትኽእል ንምንታይ ንወለድኻ ዘይትሓቶም፧ ሰሎሞን፡ “እቲ ጠቢብ . . . ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 1:5) ሃና ዝስማ ጐርዞ፡ ካብ ወለዳ ጽቡቕ መምርሒ ኺወሃባ ሓተተት። “ኣቦይ ብኸመይ ባጀት ከም ዝገብር መሃረኒ፡ ንናይ ስድራ ቤት ገንዘብ ንምክዋን ተጠንቂቕካ ወጻኢታትካ ምክትታል ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣርኣየኒ” በለት። ካብ ኣዲኣ እውን ግብራዊ ትምህርቲ ተማሂራ እያ። “ቅድሚ ምዕዳግካ ዋጋ ምንጽጻር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣርኣየትኒ” በለት። እዚ ንሃና ብኸመይ ጠቐማ፧ “ሕጂ ርእሰይ ክኢለ እየ ዝነብር። ወጻኢታተይ ተጠንቂቐ ብምቍጽጻረይ ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ስለ ዘይኣቱ፡ ዕዳን ጭንቀትን የብለይን” በለት።

13. ገንዘብ ብምውጻእ ዝመጸ ርእስኻ ኽትገትእ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

13 ኣቐዲምካ ኸይሓሰብካሉ ኣቕሑ ትዕድግ እንተ ዄንካ ወይ ከኣ ካብ ኣዕሩኽካ ዝያዳ ኣኽብሮት ክትረክብ ኢልካ ገንዘብ ተውጽእ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ዕዳ ኽትኣቱ ኢኻ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መፈንጠራ ብኸመይ ክትርሕቕ ትኽእል፧ ገንዘብ ብምውጻእ ዝመጸ፡ ርእስኻ ግታእ። ኢለና እትበሃል ጓል 21 ዓመት መንእሰይ ከምኡ እያ ገይራ። “ምስ መሓዙተይ ክወጽእ ከለኹ፡ ክንደይ ከም ዘውጽእ ኣቐዲመ እምድብ። . . . ብዘይካዚ፡ ምስተን ንገንዘበን ብጥንቃቐ ዜውጽኣ፡ ሓደ ነገር ርእይ ምስ ኣበልክዎ ኣብ ክንዲ ዝዕድጎ ኸኣ እናዘርኩ ንኸወዳድር ዜተባብዓኒ መሓዙተይ ጥራይ ናብ ዕዳጋ ምኻድ ጥበባዊ ዀይኑ ረኺበዮ እየ” በለት።

14. ካብ “ምዕሻው ሃብቲ” ኽትጥንቀቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

14 ገንዘብ ምርካብን ንዕኡ ምክዋንን፡ ኣገዳሲ ኽፋል ህይወት እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ሰባት ጥራይ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዚረኽቡ ገለጸ። (ማቴ. 5:3 NW) ናይ ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ጕዳያት ብ“ምዕሻው ሃብቲ” ኺሕነቕ ከም ዚኽእል እውን ኣጠንቀቐ። (ማር. 4:19) ስለዚ እምበኣር፡ ብቓል ኣምላኽ ክትምራሕን ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወካን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ በይንኻ ብቓል ኣምላኽ ተመራሕ

15. ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ዚፍተን መዓስ እዩ፧

15 ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ኣዝዩ ዚፍተን መዓስ ይመስለካ፧ ምስ ካልኦት ኣብ እትዀነሉ እዋንዶ ወይስ ኣብ በይንኻ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ከለኻ፡ መንፈሳዊ መከላኸሊኻ ድልዱል ይኸውን። መንፈሳዊ ሓደጋ ኼምጽእ ካብ ዚኽእል ነገራት ድማ ትጥንቀቕ። በይንኻ ኽትዛነ ኸለኻ ግን፡ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታትካ ኽትጥሕስ ትፍተን ኢኻ።

16. በይንኻ ኣብ እትዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ ኽትእዘዞ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

16 በይንኻ ኣብ እትዀነሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኽትእዘዞ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ንስምዒት የሆዋ ኽትጐድኦ ወይ ከኣ ንልቡ ኸተሐጕሶ ኸም እትኽእል ኣይትረስዕ። (ዘፍ. 6:5, 6፣ ምሳ. 27:11) የሆዋ ‘ይሓልየልካ’ ስለ ዝዀነ፡ ተግባርካ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 5:7) ንርእስኻ ምእንቲ ኽትጠቅም፡ ክትሰምዖ ይደሊ እዩ። (ኢሳ. 48:17, 18) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ንኣምላኽ ኣጕሃይዎ። (መዝ. 78:40, 41) ብኣንጻሩ ግን፡ የሆዋ ብነብዪ ዳንኤል ተሓጐሰ፣ ከመይሲ፡ ሓደ መልኣኽ ንዳንኤል “ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዳን. 10:11) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ በይኑ እውን ንኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ።—ዳንኤል 6:10 ኣንብብ።

17. መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል፧

17 በይንኻ ኣብ እትዀነሉ እዋን ንኣምላኽ እሙን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነቲ “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ዚሕግዘካ ‘ልቦናኻ’ ኸተማዕብሎ፡ ነቲ ቕኑዕ ዘበለ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ድማ ‘ከተላምዶ’ ኣሎካ። (እብ. 5:14) ንኣብነት፡ ሙዚቃን ፊልምን ኢንተርነትን ክትመርጽ ከለኻ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት እሞ፡ ቅኑዕ ምርጫ ኽትገብርን ካብ ክፉእ ክትርሕቕን ኢኻ፦ ‘እዚ ፕሮግራም እዚ ደንጋጺ ክኸውን ድዩ ዜተባብዓኒ፡ ወይስ “ብጕድኣት ካልእ ከም ዝሕጐስ” እዩ ዚገብረኒ፧’ (ምሳ. 17:5) ‘ነቲ “ሰናይ . . . ኣፍቅሩ” ዚብል ምኽሪ ንኽስዕብ ድዩ ዚሕግዘኒ፡ ወይስ ነቲ “እከይ ጽልኡ” ዚብል ምኽሪ ንምስዓቡ ኸም ዜጸግመኒ እዩ ዚገብር፧’ (ኣሞ. 5:15) በይንኻ ኽትከውን ከለኻ እትገብሮ ነገራት፡ እንታይ ስርዓታት ኣኽቢርካ ኸም እትርኢ እዩ ዚሕብር።—ሉቃ. 6:45

18. ቅኑዕ ኣብ ዘይኰነ ተግባር ብምስጢር ትካፈል እንተ ኔርካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ስለምንታይከ፧

18 ቅኑዕ ኣብ ዘይኰነ ተግባር ብምስጢር ትካፈል እንተ ኔርካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ነቲ፡ “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” ዚብል ምኽሪ ዘክር። (ምሳ. 28:13) ብግጉይ መገዲ ኽንመላለስን ‘ንናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከነጕህዮን’ ኣየ ኽንደይ ዕሽነት ኰን እዩ! (ኤፌ. 4:30) ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ኣበሳ፡ ንኣምላኽን ንወለድኻን ክትናዘዝ ግዴታ ኣሎካ። ከምዚ እንተ ጌርካ ንርእስኻ እውን ክትጥቀም ኢኻ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ “ሽማግሌታት ማሕበር” ወይ ጉባኤ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ [ነቲ ኣባሲ] ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ” በለ። (ያእ. 5:14, 15) ልክዕ እዩ፡ እዚ ኼሕፍረካን ዜጕሂ ሳዕቤናት ኬምጽኣልካን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሓገዝ ንምሕታት ትብዓት ብምንጽብራቕ፡ ንርእስኻ ኻብ ጐዳኢ ነገራት ትሰትራ፣ ጽሩይ ሕልና ብምጥራይ ድማ ዕረፍቲ ትረክብ።—መዝ. 32:1-5

ንልቢ የሆዋ ኣሐጕሶ

19, 20. የሆዋ እንታይ ክትከውን እዩ ዚደልየካ፧ ንስኻኸ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

19 የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ፡ ሕጉስ ክትከውን እዩ ዚደልየካ። (1 ጢሞ. 1:11 NW) ብዛዕባኻ ኣዝዩ ይግደስ እዩ። ነቲ ሰናይ ንምግባር እትጽዕሮ ጻዕሪ፡ ሰባት ኣብ ዘየስተብህልሉ እውን ከይተረፈ ይርእዮ እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ቕሉዕ እዩ። የሆዋ እንታ ንምርካብ ዘይኰነስ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ኣብ እትጽዕረሉ እዋን ንኺሕግዘካ ኢሉ እዩ ዚርእየካ። እወ፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።”—2 ዜና 16:9

20 ስለዚ፡ ብቓል ኣምላኽ ንኽትምራሕ ፍቓደኛ ኹን፡ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ምኽሪ ድማ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንኣጸጋሚ ዅነታት ንኽትዋጽኣሉን ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ምርጫታት ንኽትገብርን ዜኽእለካ ጥበብን ምስትውዓልን ክትረክብ ኢኻ። ንወለድኻን ንየሆዋን ኣብ ልዕሊ ምሕጓስካ፡ ብሓቂ ሕጉስ ህይወት ክትመርሕ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• መንእሰያት ንስርዓትን መአረምታን ወለዶም ንኪቕበሉን ካብኡ ጥቕሚ ንኺረኽቡን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

• ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምህላው ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• በይንኻ ኣብ እትዀነሉ እዋን ንኣምላኽ እሙን ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

በይንኻ ኣብ እትዀነሉ እዋን ንኣምላኽ እሙን ክትከውን ዲኻ፧