ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኡሉ

ኣቱም መንእሰያት፡ ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኡሉ

ኣቱም መንእሰያት፡ ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኡሉ

“ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ . . . ይኹን።”—ቈሎ. 4:6

1, 2. ብዙሓት መንእሰያት ካብ ካልኦት እተፈለኻ ብዛዕባ ምዃን እንታይ ይስምዖም፧ ስለምንታይከ፧

 ነታ “ጸቕጢ መዛኑ” እትብል ሓረግ ሰሚዕካያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብውልቅኻ እውን ኣጋጢማትካ ኽትከውን ትኽእል እያ። ምናልባት ሓደ ሰብ፡ ግጉይ ዝዀነ ነገር ክትገብር ደፋፊኡካ ይኸውን። ሽዑ እንታይ ተሰሚዑካ፧ ሓደ ክሪስቶፈር ዝስሙ ወዲ 14 ዓመት መንእሰይ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ህልም በል እዩ ዝመጸኒ። ወይ ከኣ ካብ ካልኦት እተፈለኹ ምእንቲ ኸይከውን፡ ነቶም መማህርተይ ክመስል እየ ዝደሊ” በለ።

2 መዛኑኻ ሓያል ጽልዋ የሕድሩልካዶ፧ ዜሕድሩ እንተ ዀይኖም፡ ስለምንታይ፧ ብእኦም ተቐባልነት ክትረክብ ስለ እትደሊ ድዩ፧ ብመዛኑኻ ተቐባልነት ክትረክብ ምድላይ ጌጋ ኣይኰነን። ዓበይቲ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብመዛኑኦም ተቐባልነት ኪረኽቡ ይደልዩ እዮም። ዓበይቲ ንኹን ንኣሽቱ ብዘየገድስ፡ ካልኦት ኪነጽጉና ኣይንደልን ኢና። ከም ሓቂ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ቕኑዕ ምዃኑ እትኣምነሉ ነገራት ጽኑዕ ምዃን ብኻልኦት ከም እትጽላእ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ንየሱስ እውን እንተ ዀነ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ኰይኑ ግን፡ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር ነበረ። ገሊኦም ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብምዃን ይስዕብዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ ገሊኦም ግን ነዓቕዎ፣ እወ፡ ‘ገለ እኳ ኣይቈጸርዎን።’—ኢሳ. 53:3

ጸቕጢ መዛኑ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓያል፧

3. ከምቲ መዛኑኻ ዝበሉኻ ኽትገብር ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ሓድሓደ ግዜ፡ ብመዛኑኻ ተቐባልነት ምእንቲ ኽትረክብ፡ ከምቲ ዝበሉኻ ኽትገብር ትፍተን ትኸውን። ከምኡ ምግባር ጌጋ እዩ። ክርስትያናት፡ “እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ” ኽንከውን የብልናን። (ኤፌ. 4:14) ቈልዑ ብቐሊሉ ብኻልኦት ኪጽለዉ ይኽእሉ እዮም። ንስኻ ግን መንእሰይ ከም ምዃንካ መጠን፡ ናብ ብጽሕና ኢኻ እተምርሕ ዘለኻ። ስለዚ፡ መለክዒታት የሆዋ ኸም ዚጠቕመካ እንተ ፈሊጥካ፡ ካብኡ ነቕ ኣይትበል። (ዘዳ. 10:12, 13) ካብ መትከልካ ትነቓነቕ እንተ ዄንካ ግን፡ ንህይወትካ ኻልኦት ኪቈጻጸርዎ እዮም። ከመይሲ፡ ንጸቕጢ ኻልኦት እንተ ተምበርኪኽካ፡ መጻወቲኦም ኢኻ እትኸውን።—2 ጴጥሮስ 2:19 ኣንብብ።

4, 5. (ሀ) ኣሮን ንእተገብረሉ ጸቕጢ ዝረዓመ ብኸመይ እዩ፧ ካብኡኸ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧ (ለ) መዛኑኻ ጸቕጢ ንኺገብሩልካ እንታይ ሜላታት ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

4 ኣሮን ሓው ሙሴ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንእተገብረሉ ጸቕጢ መዛኑ ርዒሙ እዩ። እስራኤላውያን ኣማልኽቲ ኺገብረሎም ምስ ሓተትዎ፡ ከምቲ ዝበልዎ ገበረሎም። ኣሮን ብባህርዩ ፈራህ ኣይኰነን ነይሩ። ምስ ሙሴ ዀይኑ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ግብጺ ሓያል ገዛኢ ዝነበረ ፈርኦን ቀሪቡ እዩ። ብትብዓት ድማ መልእኽቲ ኣምላኽ ነጊርዎ እዩ። እስራኤላውያን ብጾቱ ጸቕጢ ምስ ገበሩሉ ግን፡ ኢዱ ሃበ። ጸቕጢ መዛኑ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ኰን እዩ! ኣሮን ካብቲ ኻብ ንጉስ ግብጺ ዘጋጠሞ ጸቕጢ ንላዕሊ፡ ነቲ ኻብ መዛኑኡ ዘጋጠሞ ጸቕጢ እዩ ብቐሊሉ ተምበርኪኹ።—ዘጸ. 7:1, 2፣ 32:1-4

5 እዚ ናይ ኣሮን ኣብነት ከም ዚሕብሮ፡ ጸቕጢ መዛኑ ንመንእሰያት ወይ ከኣ ነቶም ሕማቕ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ዜጋጥም ኣይኰነን። ነቶም ቅኑዕ ኪገብሩ ዚደልዩ፡ እንተላይ ንዓኻ እውን ኪጸልወካ ይኽእል እዩ። መዛኑኻ፡ ብምድፍፋር፡ ብምጥቃን፡ ወይ ብምብጫው፡ ሕማቕ ነገር ንኽትገብር ጸቕጢ ኺገብሩልካ ይፍትኑ ይዀኑ። ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸቕጢ መዛኑ፡ ንኽትዋጽኣሉ ቐሊል ኣይኰነን። ክትዋጽኣሉ ምእንቲ ኽትክእል፡ ፈለማ ኣብቲ እትኣምነሉ ነገር ጽኑዕ ክትከውን ኣሎካ።

“ርእስኹም መርምሩ”

6, 7. (ሀ) ነቲ እተመሃርካዮ ነገራት ኣጸቢቕካ ኽትኣምነሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኸተማዕብሎ ትኽእል፧ (ለ) ኣብ ሓደ ነገር ዘሎካ እምነት ንኺድልድል፡ እንታይ ሕቶታት ኢኻ ንርእስኻ ኽትሓትት እትኽእል፧

6 ንጸቕጢ መዛኑ ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ፡ ፈለማ እቲ እትመሃሮ ትምህርትን እትኽተሎ ስርዓታትን ቅኑዕ ምዃኑ ኽትኣምነሉ የድሊ። (2 ቈረንቶስ 13:5 ኣንብብ።) ንሓደ ነገር ኣጸቢቕካ ትኣምነሉ እንተ ዄንካ፡ ብተፈጥሮኻ ሓናኽ እኳ እንተ ዀንካ፡ ተባዕ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 1:7, 8) ብኣንጻሩ ግን፡ ሓደ ሰብ ብተፈጥሮኡ ተባዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሓደ ኣጸቢቑ ዘይኣመነሉ ነገር ንኺገብሮ ኼጸግሞ ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ነገራት ብርግጽ ሓቂ ምዃኑ ንምንታይ ዘይትምርምር፧ በቲ መሰረታዊ ትምህርትታት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ብኣምላኽ ትኣምን ኢኻ፡ ካልኦት ሰባት ብህላወ ኣምላኽ ዚኣምኑሉ ምኽንያት ኪገልጹ ኸለዉ እውን ሰሚዕካ ኢኻ። ስለዚ፡ ‘ኣምላኽ ከም ዘሎ ዘእመነኒ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ዕላማ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ጥርጣረ ንምሕዳር ዘይኰነስ እምነትካ ንምድልዳል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ‘ቅዱሳት ጽሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል፧’ ኢልካ ሕተት። (2 ጢሞ. 3:16) ‘ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ኽኣምን ዝኸኣልኩ ስለምንታይ እየ፧’ (2 ጢሞ. 3:1-5) ‘ስርዓታት የሆዋ ንጽቡቐይ ምዃኑ ዘእመነኒ እንታይ እዩ፧’—ኢሳ. 48:17, 18

7 ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ ዘይትኽእል ኰይኑ ስለ ዚስምዓካ፡ ንርእስኻ ኸምኡ ኢልካ ኽትሓትት ኣይትደልን ትኸውን። እዚ ግን ልክዕ ከምቲ ነዳዲ ኸም “እተወድአ” ምእንቲ ኸይትፈልጥ ኢልካ፡ ኣብ ማኪናኻ ንዘሎ መጠን ነዳዲ ዚሕብር ሓባሪ ኽትርኢ ዘይምድላይ እዩ። ገለ ስጕምቲ ምእንቲ ኽትወስድ፡ ኣብቲ መዕቘሪ ዘሎ ነዳዲ እንተ ተወዲኡ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ብተመሳሳሊ፡ ኣበየናይ መዳይ እምነት ይጐድለካ ኸም ዘሎ ፈሊጥካ ስጕምቲ ኽትወስድ ዝሓሸ እዩ።—ግብ. 17:11

8. እቲ ኣምላኽ ካብ ምንዝርና ኽንሃድም ዝሃበና ትእዛዝ፡ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ምዃኑ ንዘሎካ እምነት ብኸመይ ከተደልድሎ ኸም እትኽእል ግለጽ።

8 ሓደ ኣብነት ርአ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ይብል። ‘እዚ ትእዛዝ እዚ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ብዛዕባ እቲ መዛኑኻ ኣብዚ ተግባር እዚ ዚጽመዱሉ ምኽንያታት ከኣ ሕሰብ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቲ፡ ዚምንዝር ሰብ “ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር” እተባህለሉ ሓያሎ ምኽንያታት ኣስተንትን። (1 ቈረ. 6:18) ሕጂ ኸኣ ነቲ ምኽንያታት መርምሮ እሞ፡ ‘ነየናይ ምስዓብ እዩ ዚሓይሽ፧ ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ክትጽመድሲ ብሓቂዶ ረብሓ ኣለዎ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ‘ኣብ ጾታዊ ርኽሰት እንተ ወዲቐ እንታይ እዩ ኺስምዓኒ፧’ ኢልካ ብምሕታት እውን ነቲ ጕዳይ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ። ኣብ ፈለማ ብመዛኑኻ ተቐባልነት ትረክብ ትኸውን፡ ኰይኑ ግን ጸኒሕካ ምስ ወለድኻ ወይ ምስቶም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዉ ክርስትያን ብጾትካ ምስ ተራኸብካ ኸመይ እዩ ኺስምዓካ፧ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኽትፍትን ከሎኻኸ እንታይ ዓይነት ስምዒት እዩ ኺህልወካ፧ መማህርትኻ ንኸተሕጕስ ኢልካ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ንጹህ መትከል ከተበላሹስ ብሓቂዶ ፍቓደኛ ምዀንካ፧

9, 10. ኣብ እተመሃርካዮ ነገራት ዘሎካ ጽኑዕ እምነት፡ ምስ መዛኑኻ ኣብ እትዀነሉ እዋን ዝያዳ ምትእምማን ኬሕድረልካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 በጽሒ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብ“ኣእምሮ” ዕቤት ኣብ እትገብረሉ ዕድመ ኢኻ ዘሎኻ። (ሮሜ 12:1, 2 ኣንብብ።) ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ንዓኻ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ኣርዚንካ ሕሰበሉ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ኣብቲ እተመሃርካዮ ነገራት ንዘሎካ እምነት ኬደልድለልካ እዩ። ጸቕጢ መዛኑ ኼጋጥመካ ኸሎ ኸኣ፡ ብኡንብኡ ብምትእምማን ምላሽ ምሃብ ኣይኬጸግመካን እዩ። ከምታ፡ “ኣብ መትከለይ ክጸንዕ ከለኹ፡ ንኻልኦት መንነተይ እየ ዘፍልጦም። እዚ፡ ‘ሃይማኖት’ ጥራይ ኣይኰነን። ኣተሓሳስባይ፡ ሸቶታተይ፡ ስነ-ምግባረይ፡ ህልውናይ ዚሓቍፍ እዩ” ዝበለት ክርስትያን መንእሰይ ኪስምዓካ እዩ።

10 እወ፡ ኣብቲ ቕኑዕ ምዃኑ ዝፈለጥካዮ ነገር ንኽትጸንዕ ጻዕሪ ይሓትት። (ሉቃ. 13:24) እዚ መትከል እዚ ዜዋጽእ እንተ ዀይኑ እውን የተሓሳስበካ ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ትመሻኸን ወይ ብመትከልካ ትሓፍር እንተ ዄንካ፡ ሰባት ነዚ ስለ ዜስተብህሉሉ ዝያዳ ጸቕጢ ኼውርዱልካ ኸም ዚኽእሉ ኣይትረስዕ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ብምትእምማን ምስ እትዛረብ፡ መዛኑኻ ቐልጢፎም ኬንሳሕቡ ይኽእሉ እዮም።—ምስ ሉቃስ 4:12, 13 ኣረኣኢ።

‘እንታይ ኢልካ ኸም እትምልስ ሕሰብ’

11. ንጸቕጢ መዛኑ ኣቐዲምካ ምድላው እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧

11 ንጸቕጢ መዛኑ ንኽትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ ኻልእ ኣገዳሲ ስጕምቲ፡ ምድላው እዩ። (ምሳሌ 15:28 ኣንብብ።) ምድላው ኪበሃል ከሎ፡ እንታይ ኵነታት ኪለዓል ከም ዚኽእል ኣቐዲምካ ምሕሳብ ማለት እዩ። እንታይ ጸገም ኪለዓል ከም ዚኽእል ኣቐዲምካ ምጽባይ፡ ካብኡ ንኽትእለ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መገድኻ፡ ደቂ ኽፍልኻ ብጕጅለ ደው ኢሎም ሽጋራ ኺሰትዩ ትርእዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሽጋራ ኽትሰቲ ዕድመ የቕርቡልካ እዮም። እንታይ ጸገም ከም ዚለዓል ኣቐዲምካ ብምጽባይ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ምሳሌ 22:3፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ትብል። ስለዚ፡ ብኻልእ መገዲ ብምኻድ፡ ካብቲ ጸገም ክትእለ ትኽእል ትኸውን። ከምዚ ምግባር፡ ጥበብ ደኣ እምበር፡ ፍርሂ ኣይኰነን።

12. ጸቕጢ መዛኑ ኼጋጥመካ ኸሎ ብኸመይ እንተ መለስካ ይሓይሽ፧

12 ክትእለየሉ ዘይትኽእል ኵነታት እንተ ኣጋጠመካኸ፧ ምናልባት ሓደ መዘናኻ፡ “ክሳዕ ሕጂ ድንግል ዲኻ፧” ኢሉ ሓተትካ ንበል። ነቲ ኣብ ቈሎሴ 4:6 ዚርከብ፡ “ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ዚብል ምኽሪ ኽትስዕብ ኣሎካ። እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ኸም እትሕብሮ፡ ነቲ ሕቶ እትህቦ መልሲ፡ ኣብቲ ዅነታት እተመርኰሰ እዩ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተምህሮ ኽትህብ ኣየድልየካን ይኸውን። ብሓጺርን ብተሪርን መገዲ ምምላስ እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ድንግል እንተ ዄንካ ንዚሓተካ ሰብ፡ “እወ፡ ድንግል እየ” ኢልካ ኽትምልሰሉ፡ ወይ ከኣ “እዚ ብሕታዊ ጕዳየይ እዩ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ።

13. ካብ መዘናኻ ንዜጋጥመካ ባጫ ኽትምልስ ከለኻ፡ ምስትውዓል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 የሱስ ተወሳኺ ሓበሬታ ምሃብ ብዙሕ ዘይጠቅም ኰይኑ ኺስምዖ ኸሎ፡ ሓጺር መልሲ ይህብ ነበረ። ሄሮድስ ምስ ሓተቶ እሞ ኸኣ፡ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን። (ሉቃ. 23:8, 9) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ቍም ነገር ንዘይብሉ ሕቶታት ብስቕታ ምሕላፉ ዝሓሸ እዩ። (ምሳ. 26:4፣ መክ. 3:1, 7) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ሓደ ኣብ ፈለማ ዚጸርፈካ ዝነበረ ሰብ፡ ብኣኻይዳኻ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ጾታዊ ስነ-ምግባር ብዘሎካ መትከል ኪግረም ክትርኢ ኸለኻ፡ ቅንዕና ኸም ዘለዎ ተስተብህል ትኸውን። (1 ጴጥ. 4:4) ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መትከልካ ብዝርዝር ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ብምኽንያት ፍርሂ ኸምኡ ኻብ ምግባር ድሕር ኣይትበል። ‘ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳለኻ ኹን።’—1 ጴጥ. 3:15

14. ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ነቲ ጸቕጢ ብሜላ ኽትመልሶ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ነቲ ጸቕጢ ኽትመልሶ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ግን ብሜላ ኽትገብሮ ኣሎካ። ንኣብነት፡ መማህርትኻ ሽጋራ ኽትሰቲ ጸቕጢ እንተ ገይሩልካ፡ “ኣነኳ ኣይደልን እየ። ንስኻ ግን ምስዚ ዅሉ መንፍዓትካስ ሽጋራ ትሰቲ!” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ነቲ ጸቕጢ ኽትመልሶ ኸም እትኽእል ኣስተብሂልካዶ፧ ከምዚ ኽትገብር ከለኻ፡ ስለምንታይ ሽጋራ ኸም ዘይትሰቲ ንመዘናኻ ኣብ ክንዲ እትገልጸሉ፡ ንሱ ስለምንታይ ከም ዚሰቲ ንኺሓስብ ከተገድዶ ኢኻ። a

15. ካብቶም ጸቕጢ ኺገብሩልካ ዚፍትኑ መዛኑኻ ኽትርሕቕ ዘሎካ መዓስ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

15 ዝጸዓርካ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ እቲ ጸቕጢ እንተ ቐጸለኸ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ካብ መዛኑኻ ርሓቕ። ዝያዳ ብዝጸናሕካ መጠን፡ እቲ ጸቕጢ እናኸበደካ ስለ ዚኸይድ፡ ክትለማለም ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ካብቲ ቦታ ርሓቕ። ከምዚ ኽትገብር ከለኻ፡ ኢድካ ዝሃብካ ዀይኑ ኺስምዓካ የብሉን። ከመይሲ፡ ነቲ ዅነታት ንስኻ ኢኻ ተቘጻጺርካዮ። መጻወቲ መዛኑኻ ኣይኰንካን፡ ንልቢ የሆዋ ኸኣ ኣሐጒስካዮ ኢኻ።—ምሳ. 27:11

‘ናብ ረብሓ ዜብጽሕ መደብ’ ይሃሉኻ

16. ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ መንእሰያት፡ ጸቕጢ ኺገብሩልካ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

16 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ዚዛረቡ መንእሰያት ኣብ ዘይጥዑይ ንጥፈታት ንኽትካፈል ጸቕጢ ይገብሩልካ ይዀኑ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብዚኣቶም፡ ዚቈጻጸሮ ዓብዪ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ምትእኽኻብ እንተ ዓዲሙካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ወይ ከኣ ሓደ ክርስትያን ከም ዝዀነ ዚዛረብ መንእሰይ ናብቲ ምትእኽኻብ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ሒዙ እንተ ዚመጽእ እሞ፡ ገሊኦም ካብ መጠን ንላዕሊ ኺሰትዩ እንተ ዚጅምሩ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኻ ኽትስዕብ ኣሎካ። ሓንቲ ክርስትያን ጐርዞ ኸምዚ በለት፦ “ኣነን ሓብተይን፡ እታ እንርእያ ዝነበርና ፊልም ብጽዩፍ ኣዘራርባ ዝመልአት ስለ ዝነበረት፡ ሓዲግናያ ወጻእና። እቶም ምሳና ዝነበሩ ግን፡ ነታ ፊልም ቀጸልዋ። ወለድና ስለቲ ዝገበርናዮ ነኣዱና። እቶም ነታ ፊልም ዝረኣይዋ ግን፡ ዘዋረድናዮም ኰይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ሓረቑ።”

17. ናብ ምትእኽኻብ እንተ ተዓዲምካ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽትምራሕ እንታይ ግብራዊ ስጕምታት ክትወስድ ትኽእል፧

17 እዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ተመክሮ ኸም ዚሕብሮ፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኻ ምስዓብ፡ ብኻልኦት ከም ዘይትፍቶ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ቕኑዕ ምዃኑ ዝኣመንካሉ ነገር ካብ ምግባር ድሕር ኣይትበል። ኣቐዲምካ ተዳሎ። ናብ ምትእኽኻብ እንተ ተዓዲምካ፡ ዘይተጸበኻዮ ነገራት ኬጋጥመካ ኸም ዚኽእል ፈሊጥካ፡ ኣብ መንጎ ንኽትወጽእ ዜኽእለካ መደብ ይሃሉኻ። ገሊኦም መንእሰያት ቀልጢፎም ናብ ገዝኦም ምእንቲ ኺምለሱ፡ ወለዶም መጺኦም ንኺወስድዎም ስልኪ ኺድውሉ ምዃኖም ኣቐዲሞም ይሰማምዑ። (መዝ. 26:4, 5) ከምዚ ዝኣመሰለ ‘መደብ ናብ ረብሓ እዩ ዜብጽሕ።’—ምሳ. 21:5ትርጕም 1990።

“ብንእስነትካ ባህ ይበልካ”

18, 19. (ሀ) የሆዋ ኽትሕጐስ ከም ዚደልየካ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ንጸቕጢ መዛኑ ዚዋጽኡሉ እንታይ ይስምዖ፧

18 የሆዋ ብህይወት ባህ ከም ዚብለካ ገይሩ እዩ ፈጢሩካ፡ ክትሕጐስ ከኣ ይደልየካ እዩ። (መክብብ 11:9 ኣንብብ።) መብዛሕትኦም መዛኑኻ ዜሕልፍዎ ህይወት፡ ‘ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ብምባል’ ጥራይ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (እብ. 11:25) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግን፡ ካብዚ ንላዕሊ ኺህልወካ እዩ ዚደሊ። ንዘለኣለም ክትሕጐስ እዩ ዚደልየካ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሕማቕ ከም ዝዀነ እትፈልጦ ነገር ክትገብር እንተ ተፈቲንካ፡ የሆዋ ኻባኻ ዚደልዮ ብቕዓት ንዘለኣለማዊ ረብሓኻ ምዃኑ ኣይትረስዕ።

19 ከም መንእሰይ መጠን፡ ብመዛኑኻ ተቐባልነት ክትረክብ ትደሊ እኳ እንተ ዀንካ፡ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን፡ መብዛሕትኦም ንስምካ እውን ከም ዘይዝክርዎ ኽትርዳእ ኣሎካ። ብኣንጻሩ ግን፡ ንጸቕጢ መዛኑ ኽትዋጽኣሉ ኸለኻ፡ የሆዋ ነዚ ስለ ዜስተብህለሉ፡ ኣይኪርስዓካን እዩ፣ ነቲ ዘርኣኻዮ ተኣማንነት እውን ኪዝክሮ እዩ። ‘መሳዅቲ ሰማይ ኪኸፍተልካ፡ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ ኬፍስሰልካ እዩ።’ (ሚል. 3:10) ብዘይካዚ፡ ነቲ ሕጂ ኺህልወካ ዚኽእል ድኽመት ንኽትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ መንፈስ ቅዱስ ብልግሲ ኺህበካ እዩ። እወ፡ የሆዋ ንጸቕጢ መዛኑ ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

ትዝክሮዶ፧

• ጸቕጢ መዛኑ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓያል፧

• ጽኑዕ እምነት ንጸቕጢ መዛኑ ንኽትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

• ንጸቕጢ መዛኑ ንኽትዋጽኣሉ ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧

• የሆዋ ንተኣማንነትካ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ብኸመይ ትፈልጥ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኣሮን፡ ምራኽ ወርቂ ንኺሰርሕ እተሰማምዐ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እንታይ ክትብል ከም ዘሎካ ኣቐዲምካ ብምውሳን ተዳሎ