ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም ከተውዕልዋ፧

ኣቱም መንእሰያት፡ ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም ከተውዕልዋ፧

ኣቱም መንእሰያት፡ ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም ከተውዕልዋ፧

“እምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና አይኰንኩን።” —1 ቈረ. 9:26

1, 2. ናብ ብጽሕና ገጽካ ኽትጐዓዝ ከለኻ ዕዉት ምእንቲ ኽትከውን፡ እንታይ ኪህልወካ ኣለዎ፧

 ናብ ሓደ ዘይትፈልጦ ቦታ ኽትከይድ እንተ መዲብካ፡ ካርታን ኮምፓስን ክትማላእ ኣሎካ። እቲ ካርታ፡ ኣበይ ከም ዘለኻ ይሕብረካ፡ ቅኑዕ ኣንፈት ንኽትመርጽ ከኣ ይሕግዘካ። እታ ኮምፓስ ድማ ብቕኑዕ መገዲ ንኽትጐዓዝ ትሕግዘካ። ይኹን እምበር፡ ናበይ ገጽካ ኸም እተምርሕ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ካርታን ኮምፓስን ምሓዝካ ዋጋ የብሉን። ስለዚ፡ ብዘይ ዕላማ ፈቐዶኡ ዀለል ምእንቲ ኸይትብል፡ ናበይ ገጽካ ኸም እተምርሕ ክትፈልጥ ኣሎካ።

2 ናብ ብጽሕና ገጽካ ኽትጐዓዝ ከለኻ እውን፡ ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ዜጋጥመካ። ዜተኣማምን ካርታን ኮምፓስን ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅኑዕ ኣንፈት ንኽትመርጽ ኪሕግዘካ ዚኽእል ካርታ እዩ። (ምሳ. 3:5, 6) ሕልናኻ ኸኣ፡ ብግቡእ እንተ ሰልጢኑ፡ ብቕኑዕ መገዲ ንኽትጐዓዝ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 2:15) እወ፡ ልክዕ ከም ኮምፓስ ብዙሕ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ህይወትካ ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን፡ ናበይ ገጽካ ተምርሕ ከም ዘለኻ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንጹር ሸቶታት ኪህልወካ ኣለዎ።

3. ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 9:26፡ ሸቶታት ምውጻእ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሸቶታት ምውጻእን ንዕኡ ኽትወቅዕ ምጽዓርን ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና አይኰንኩን” በለ። (1 ቈረ. 9:26) ሸቶታት እንተ ኣልዩካ፡ ብዕላማ ኢኻ እትጐዪ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ብዛዕባ ኣምልኾን ስራሕን መርዓን ስድራ ቤትን፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ክትገብር ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብብዙሕ ኣማራጺታት እተዋጠርካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣብ ዚርከብ ሓቅታትን ስርዓታትን ተመርኲስካ ውሳነ ብምግባር ናበይ ገጽካ ኸም እተምርሕ ኣቐዲምካ እንተ ፈሊጥካ፡ ናብ ግጉይ ኣንፈት ንኽትከይድ ኣይክትፍተንን ኢኻ።—2 ጢሞ. 4:4, 5

4, 5. (ሀ) ሸቶታት እንተ ዘየውጺእካ፡ እንታይ ኬጋጥመካ ይኽእል፧ (ለ) ምርጫታትካ በቲ ንየሆዋ ንኸተሐጕስ ዘሎካ ባህጊ ኺምራሕ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

4 ሸቶታት እንተ ዘየውጺእካ፡ መዛኑኻን መምህራንካን፡ ንዕኦም ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮም ነገራት ክትገብር ኪጸልዉኻ እዮም። ሓቂ እዩ፡ ዋላ እውን ንጹር ሸቶታት ይሃልኻ ብዘየገድስ፡ ገሊኦም ሰባት ርእይቶኦም ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይኪብሉን እዮም። ስለዚ፡ ርእይቶኦም ኪህቡኻ ኸለዉ፡ ‘እዚ ዚጠቕስዎ ዘለዉ ሸቶታት፡ ብመዓልትታት ንእስነተይ ንፈጣሪየይ ንኽዝክር ዚሕግዘኒ ድዩ፡ ወይስ ከምኡ ንኸይገብር እዩ ዕንቅፋት ዚዀነኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።—መክብብ 12:1 ኣንብብ።

5 ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ምርጫታት፡ በቲ ንየሆዋ ንኸተሐጕስ ዘሎካ ባህጊ ኺምራሕ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ የሆዋ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ስለ ዝሃበና እዩ። (ያእ. 1:17) ስለዚ፡ ኵሉ ሰብ ንየሆዋ ኼመስግኖ ኣለዎ። (ራእ. 4:11) ሸቶታት ከተውጽእ ከለኻ ንየሆዋ ኻብ ምዝካር ንላዕሊ ሞሳኻ ኽትገልጸሉ እትኽእል ካልእ እንታይ መገዲ ኣሎ፧ እንታይ ጠቓሚ ሸቶታት ከተውጽእ ከም እትኽእልን ንዕኡ ንኽትወቅዕ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካን እስከ ንርአ።

እንታይ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል፧

6. እንታይ መሰረታዊ ሸቶ ኢኻ ኸተውጽእ እትኽእል፧ ስለምንታይከ፧

6 ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም እተገልጸ፡ ሓደ ኻብቲ ኸተውጽኦ እትኽእል መሰረታዊ ሸቶ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ሓቂ እንተ ዀይኑ ንርእስኻ ምርግጋጽ እዩ። (ሮሜ 12:2፣ 2 ቈረ. 13:5) መዛኑኻ፡ ካልኦት ስለ ዝነገርዎም፡ ኣብ ፍልቀት ወይ ኣብ እተፈላለየ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት ይኣምኑ ይዀኑ። ንስኻ ግን፡ ካልኦት ስለ ዝነገሩኻ ጥራይ ክትኣምን የብልካን። የሆዋ ብምሉእ ሓሳብካ ኸተገልግሎ ኸም ዚደልየካ ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 22:36, 37 ኣንብብ።) ሰማያዊ ኣቦና፡ እምነትካ ኣብ መርትዖ እተመስረተት ክትከውን እዩ ዚደሊ።—እብ. 11:1

7, 8. (ሀ) እምነትካ ንምድልዳል፡ እንታይ ኣብ ሓጺር ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት ኢኻ ኸተውጽእ እትኽእል፧ (ለ) ንገለ ኻብቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ኽትበጽሖ ኢልካ ዘውጻእካዮ ሸቶታት ምስ ወቓዕካ፡ እንታይ ጥቕሚ ኢኻ እትረክብ፧

7 እምነትካ ንምድልዳል፡ ንምንታይ ኣብ ሓጺር ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት ዘይተውጽእ፧ ሓደ ኻብዚ ሸቶታት እዚ፡ መዓልታዊ ምጽላይ እዩ። ጸሎትካ ልባውን ንጹርን ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብኡ ኸተጠቓልሎ እትደሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘጋጠመካ ፍጻመታት ብዝርዝር ክትሓስብ ወይ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ብድሆታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ዘሐጐሰካ ነገራት እውን ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። (ፊል. 4:6) ካልእ ሸቶ፡ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እዩ። ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ገጽ ዚኸውን እንተ ኣንቢብካ፡ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክትውድኦ ኸም እትኽእል ትፈልጥዶ፧ a መዝሙር 1:1, 2፡ “ብሕጊ እግዚኣብሄር . . . ዚፍሳህ፡ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፡ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ [ሕጉስ] እዩ” ትብል።

8 ኣብ ሓጺር ግዜ ዚብጻሕ ሳልሳይ ሸቶ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ጉባኤ መልሲ ንምሃብ ምድላው እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ነቲ መልሲ ተንብቦ ወይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ተንብብ ትኸውን። ድሕሪ ግዜ ግን፡ ብናትካ ኣበሃህላ ንኽትምልስ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ነፍሲ ወከፍ እትህባ መልሲ፡ ንየሆዋ እትቐርብ መስዋእቲ ምስጋና እያ። (እብ. 13:15) ንገለ ኻብዚ ሸቶታት እዚ ምስ ወቓዕካ፡ ምትእምማንካ ዀነ ንየሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኺውስኽ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት ንኸተውጽእ ድሉው ትኸውን።

9. ገና ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ዘይኴንካ፡ እንታይ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዚብጻሕ ሸቶ ኢኻ ኸተውጽእ እትኽእል፧

9 እንታይ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት ኢኻ ኸተውጽእ እትኽእል፧ ምስ ካልኦት ኴንካ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብኽ እንተ ዘይጀሚርካ፡ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣኽቢርካ ዚርአ ሸቶ እዚ ምስ ወቓዕካ፡ ስሩዕን ውጽኢታውን ክትከውን፡ ሓንቲ ወርሒ እውን ትኹን ከየገልገልካ ኸይትሓልፍ ድማ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኽትፈልጥ ኣሎካ። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ኽትሕጐሰሉ ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ እትገብሮ ዕዮ ብዝያዳ ኽትካፈል ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ። ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ እንተ ዄንካ፡ ንጥምቀት ክትበቅዕን ህይወቱ ዝወፈየ ጥሙቕ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውንን ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ።

10, 11. እተጠምቁ መንእሰያት፡ እንታይ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት እዮም ኬውጽኡ ዚኽእሉ፧

10 እተጠመቕካ ኣገልጋሊ የሆዋ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዚብጻሕ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ብዙሕ ኣብ ዘይተዓየ ኽሊ ብምግልጋል ንጉባኤታት ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ንጕልበትካን ንጥዕናኻን፡ ሓጋዚ ወይ ስሩዕ ፈላሚ ብምዃን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሕጉሳት ፈለምቲ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንፈጣሪኻ ብንእስነትካ ንኽትዝክሮ ዚሕግዝ ዓስቢ ዘለዎ ዕዮ ምዃኑ ኺነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ምስ ስድራ ቤትካ እናነበርካ ኽትበጽሖ እትኽእል ሸቶታት እዩ። ነዚ ሸቶታት እዚ እንተ ወቒዕካዮ፡ ጉባኤኻ እውን ክትጥቀም እያ።

11 ገሊኡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት፡ ኣብ ካልእ ቦታ ንኸተገልግል ኣጋጣሚ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኸባቢ ወይ ሃገር ንኸተገልግል ክትምድብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዚግበር ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ህንጸት መሳለጥያታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ቤትኤላዊ ወይ ሚስዮናዊ ዄንካ እውን ከተገልግል ትኽእል ኢኻ። ሓቂ እዩ፡ ኣብዚ ዅሉ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት ቅድሚ ምብጻሕካ፡ ፈለማ ኽትጥመቕ ኣሎካ። ዘይተጠመቕካ እንተ ዄንካ፡ ናብዚ ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመ ንኽትበጽሕ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ እስከ ርአ።

ንኽትጥመቕ ንዘውጻእካዮ ሸቶ ምውቃዑ

12. ገሊኦም ዚጥመቑሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ እዚ ግቡእ ዘይኰነኸ ስለምንታይ እዩ፧

12 ንዕላማ ጥምቀት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ጥምቀት፡ ሓጢኣት ንኸይፍጽሙ ዜዕቍቦም ይመስሎም። ገሊኦም ከኣ፡ መዛኑኦም ስለ እተጠምቁ፡ ንሳቶም እውን ኪጥመቑ ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። ገሊኦም መንእሰያት ድማ፡ ንወለዶም ኬሐጕሱ ኢሎም ይጥመቑ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ጥምቀት ነቲ ብስቱር ክትገብሮ እትደሊ ነገራት ንኸይትገብር ዚቕይደካ ውዕል ኣይኰነን፣ ካልኦት ጸቕጢ ስለ ዝገበሩልካ እውን ክትጥመቕ የብልካን። ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ምሉእ ብምሉእ ምስ ተረድኣካን ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምስካም ድሉው ምስ ኰንካን ጥራይ ኢኻ ኽትጥመቕ ዘሎካ።—መክ. 5:4, 5

13. ስለምንታይ ኢኻ እትጥመቕ፧

13 ሓደ ኻብቲ ጥምቀት ዚካየደሉ ምኽንያት፡ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “እናኣጥመቕኩም . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ዝሃቦም ትእዛዝ ንምሕላው እዩ። የሱስ ንባዕሉ እውን ተጠሚቑ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ማርቆስ 1:9 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ጥምቀት፡ እቶም ኪድሕኑ ዚደልዩ ኺወስድዎ ዚግባእ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ኖህ ነታ ንሱን ስድራ ቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑላ መርከብ ከም ዝሰርሐ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ [እዩ]” በለ። (1 ጴጥ. 3:20, 21) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ጥምቀት ከምቲ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ ንኼዕቍበካ ኢልካ ዚዕደግ ውዕል መድሕን እዩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንየሆዋ ስለ እተፍቅሮን ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ከተገልግሎ ስለ እትደልን ኢኻ እትጥመቕ።—ማር. 12:29, 30

14. ገሊኦም ንኸይጥመቑ ዜድሓርሕሩ ስለምንታይ እዮም፧ ክትዕወት ከም እትኽእል እንታይ መረጋገጺ ተዋሂቡካ ኣሎ፧

14 ገሊኦም ሰባት ከይውገዱ ስለ ዚፈርሁ፡ ከይጥመቑ የድሓርሕሩ። ንዓኻ ዜፍርሃካ ዘሎኸ እዚ ድዩ፧ ከምዚ ዓይነት ፍርሂ፡ ንቡር እዩ። ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰንካ እትስከሞ ኸቢድ ሓላፍነት ኣርዚንካ ኸም እትርእዮ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከይትጥመቕ ዚኽልክለካ ኻልእ ምኽንያት ኪህሉ ይኽእልዶ፧ ምናልባት ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባር ዝበለጸ መገዲ ህይወት ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኣይኣመንካን ትኸውን። እቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ዚብልዎ ሰባት ብዛዕባ ዚዓጽድዎ ሳዕቤን ምሕሳብካ፡ ውሳነ ኽትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ተፍቅሮ እኳ እንተ ዀንካ፡ ምስኡ ተሰማሚዕካ ኽትነብር ትኽእል እንተ ዄንካ የጠራጥረካ ይኸውን። እዚ ግን፡ ትሑት ከም ዝዀንካ ዜርኢ ስለ ዝዀነ፡ ጽቡቕ ምልክት እዩ። ከመይሲ፡ ልቢ ዅሎም ዘይፍጹማት ሰባት ጐራሕ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ኤር. 17:9) ይኹን እምበር፡ ወትሩ ‘ኸም ቃል ኣምላኽ ንነፍስኻ እንተ ተጠንቂቕካላ፡’ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 119:9 ኣንብብ።) ንኸይትጥመቕ ዚኽልክለካ ነገር እንታይነቱ ብዘየገድስ፡ ነቲ ጸገማት ክትፈትሖ ኣሎካ። b

15, 16. ንኽትጥመቕ ከም እተዳለኻ ብኸመይ ትፈልጥ፧

15 ንኽትጥመቕ ከም እተዳለኻ ብኸመይ ትፈልጥ፧ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦ ‘መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ክገልጸሎም እኽእል ድየ፧ ዋላ እውን ወለደይ ናብ ኣገልግሎት እንተ ዘይከዱ፡ ኣነ እኸይድ ድየ፧ ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እእከብ ድየ፧ ንጸቕጢ መዛኑ እተዋጻእኩሉ ኣጋጣሚታት ክዝርዝር እኽእል ድየ፧ ወለደይን ኣዕሩኸይን ንየሆዋ ምግልጋል እኳ እንተ ሓደግዎ፡ ኣነ ንየሆዋ ምግልጋለይ እቕጽል ድየ፧ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ርክብ እጽሊ ድየ፧ ብጸሎት ኣቢለ ርእሰይ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ወፍየ ድየ፧’

16 ጥምቀት ኣቕሊልካ ኺርአ ዘይብሉ ንህይወትካ ዚቕይር ስጕምቲ እዩ። ነዚ ስጕምቲ እዚ ኽትወስድ ዜኽእለካ ብስለት ኣሎካዶ፧ ብስለት ኪበሃል ከሎ፡ ኣብ መድረኽ ጽቡቕ መደረ ኻብ ምቕራብ ወይ ኣብ ኣኼባ ዚምስጥ ሓሳባት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ይሓቍፍ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተረዲእካ ውሳነታት ምግባር የጠቓልል። (እብራውያን 5:14 ኣንብብ።) ከምዚ ኽትገብር ኣብ እትኽእለሉ ደረጃ እንተ ኣሊኻ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ ንኸተገልግሎን ብሓቂ ህይወትካ ንዕኡ ኸም ዝወፈኻ ብዜርኢ መገዲ ንኽትነብርን ዜኽእለካ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልካ ኣሎ።

17. ነቲ ደድሕሪ ጥምቀት ኬጋጥመካ ዚኽእል ፈተናታት ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

17 ደድሕሪ ጥምቀት፡ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝያዳ ቕንኣት ኪሓድረካ ይኽእል እዩ። ብዙሕ ከይጸንሐ ግን፡ ንእምነትካን ንናይ ምጽዋር ክእለትካን ዚፍትን እተፈላለየ ፈተናታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:12) ነዚ ፈተናታት እዚ ንበይንኻ ኽትዋጽኣሉ ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ወለድኻ ምኽሪ ንኺህቡኻ ሕተቶም። ካብቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ብሱላት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ሓገዝ ድለ። ምስቶም ዚድግፉኻ ሰባት ንዘለካ ርክብ ዓቅቦ። የሆዋ ኸም ዚሓልየልካ፡ ንዝዀነ ይኹን ኵነታት ንኽትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ብርታዐ ኸኣ ከም ዚህበካ ኣይትረስዕ።—1 ጴጥ. 5:6, 7

ሸቶታትካ ብኸመይ ክትወቅዕ ትኽእል፧

18, 19. ነቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት ምምርማርካ ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧

18 ጽቡቕ ሸቶታት እኳ እንተ ኣሎካ፡ ሸቶታትካ ንኽትወቅዕ ዜኽእል ግዜ ዘይብልካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ቀዳምነት ክትህቦ ዘሎካ ነገራት መርምር። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ ሰንኬሎ ወሲድካ፡ ክሳዕ ፍርቁ ዚኣክል ብደናጕላ ምልኣዮ። ድሕሪኡ፡ ክሳዕ ኣፉ ብሑጻ ምልኣዮ። ሕጂ ንሰንኬሎኻ ብደናጕላን ብሑጻን መሊእካዮ ኣለኻ። ድሕርዚ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰንኬሎ ዘሎ ደናጕላን ሑጻን ናብ ካልእ ገልብጦ። ፈለማ ነቲ ሰንኬሎ በቲ ሑጻ ምልኣዮ፡ ድሕሪኡ ነቲ ደናጕላ ኣብ ልዕሊኡ ምልኣዮ። እሂ፡ ነቲ ደናጕላ ዚኸውን ቦታ ስኢንካዶ፧ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ፈለማ ነቲ ሑጻ ኣብቲ ሰንኬሎ ስለ ዝመላእካዮ እዩ።

19 ንኣጠቓቕማ ግዜ ብዚምልከት እውን ተመሳሳሊ ጸገም ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ንኸም መዘናግዒ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ነገራት ቀዳምነት እንተ ሂብካዮ፡ ንኸም መንፈሳዊ ንጥፈታት ዝኣመሰለ ዓበይቲ ነገራት እኹል ግዜ ኣይክትረክብን ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ” ዚብል ማዕዳ እንተ ስዒብካ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ንእተወሰነ መዘናግዕን ዚኸውን ግዜ ኽትረክብ ኢኻ።—ፊል. 1:10

20. ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ክትጽዕር ከለኻ ጭንቀትን ምጥርጣርን ምስ ዜጋጥመካ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

20 ንጥምቀት እውን ሓዊስካ፡ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ክትጽዕር ከለኻ፡ ጭንቀትን ምጥርጣርን ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኺስምዓካ ኸሎ፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ።” (መዝ. 55:22) ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዜሐጕስን ኣዝዩ ኣገዳስን ዕዮ ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ተኸፊቱልካ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን እዩ። (ግብ. 1:8) ካልኦት ሰባት ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓዩ ኸለዉ ንኽትዕዘብ ጥራይ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ኣብኡ ኽትካፈል ትኽእል ኢኻ። ንዘሎካ ኽእለት ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ ተጠቐመሉ። “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ” ብምግልጋልካ ኣይክትጠዓስን ኢኻ።—መክ. 12:1

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 15-18 ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሸቶታት ከተውጽእ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

• እንታይ ጠቓሚ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል፧

• ነቲ ንኽትጥመቕ ዘውጻእካዮ ሸቶ ንኽትወቅዕ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

• ነቲ ቐዳምነት እትህቦ ነገራት ምምርማርካ ሸቶታትካ ንኽትወቅዕ ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ሸቶ ኣሎካዶ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ንኽትጥመቕ ዘሎካ ሸቶ ንኽትወቅዕ እንታይ ይሕግዘካ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ካብዚ መረዳእታ እዚ እንታይ ትመሃር፧