ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ልዑላዊ ጐይታና እዩ!

የሆዋ ልዑላዊ ጐይታና እዩ!

የሆዋ ልዑላዊ ጐይታና እዩ!

“ኣብቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ተማዕቈብኩ።” —መዝ 73:28 NW።

1. ጳውሎስ በቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:31 እተዛረቦ ቓላት ኣቢሉ፡ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚእምት ነይሩ፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ” በለ። (1 ቈረ. 7:31) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ንዓለም ምስ ሓደ መድረኽ ተዋስኦ እዩ ኣመሳሲልዋ። ኣብቲ ድራማ፡ ሓደ ትርኢት ብኻልእ ተቐዪሩ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ ጽቡቓት ወይ ክፉኣት ገጸ-ባህርያት ይዋስኡ እዮም።

2, 3. (ሀ) ኣብ ልዑላውነት የሆዋ ዘጋጠመ ብድሆ ምስ ምንታይ ኪመሳሰል ይኽእል፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ሎሚ፡ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ድራማ ይካየድ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንዓኻ እውን ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድራማ እዚ፡ ብፍላይ ምስ ምርግጋጽ ልዑላውነት ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ሽግር ተፈጢሩ ኣሎ እስከ ንበል። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ስርዓት ዚሕሉ ብግቡእ ዝቘመ መንግስቲ ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ብጕሕለትን ብዓመጽን ብቕትለትን ዚገዝእ ገበነኛ ውድብ ኣሎ። እቲ ዘይሕጋዊ ውድብ ንልዑላውነት እቲ መንግስቲ ይብድሆ ኣሎ፣ ነቲ ዜጋታት ንመንግስቶም ዘለዎም ተኣማንነት ከኣ ይፍትኖ ኣሎ።

3 ንዅሎም ፍጡራት ዜጠቓልል ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዚመሳሰል ኵነታት ተፈጢሩ ኣሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ብሕጋዊ መገዲ ዝቘመት መንግስቲ እቲ “ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ” ኣላ። (መዝ. 71:5 NW) በቲ “እኩይ” ዚምራሕ ገበነኛ ዝዀነ ውድብ ግን፡ ንደቂ ሰብ ኣብ ሓደጋ ኣእቲዎም ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:19) እዚ ውድብ እዚ ነታ ብግቡእ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ይብድሃ ኣሎ፣ ነቲ ዅሎም ሰባት ንልዑላውነት ኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት እውን ይፍትኖ ኣሎ። እዚ ብኸመይ ኪኸውን ክኢሉ፧ ኣምላኽ ስለምንታይ ፈቒድዎ፧ ብዛዕባ እዚ፡ ብውልቅና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ኣብቲ ድራማ እተላዕለ ጕዳያት

4. እቲ ንዅሉ ፍጥረት ዜጠቓልል ድራማ፡ እንታይ ክልተ ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ ጕዳያት እዩ ሒዙ ዘሎ፧

4 እዚ ንዅሉ ፍጥረት ዜጠቓልል ድራማ፡ ክልተ ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ ጕዳያት ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ልዑላውነት የሆዋን ንጽህና ሰብን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋ እተዳለወ ቕዱሳት ጽሑፋት ንየሆዋ፡ “ልዑላዊ ጐይታ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። ንኣብነት፡ ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ስለ ዝነበሮ፡ “ኣብቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ተማዕቈብኩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ 73:28 NW) “ልዑላውነት” ኪበሃል ከሎ፡ ብስልጣን ወይ ብግዝኣት ዝለዓለ ምዃን ማለት እዩ። ሓደ ልዑል፡ ዝለዓለ ስልጣን እዩ ዘለዎ። ንየሆዋ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ጌርና ንኽንርእዮ ዚድርኸና ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና።—ዳን. 7:22

5. ንልዑላውነት የሆዋ ንኽንድግፍ ድራኸ ኺሓድረና ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ምድሪ ዀነ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ልዑል እዩ። (ራእይ 4:11 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብታ ዩኒቨርሳዊት መንግስቲ ዘሎ ፈራድን ሓጋግን ፈጻምን ኣካል ኣብኡ ስለ እተጠቓለለ፡ ፈራዲናን ሓጋግ ሕግናን ንጉስናን እዩ። (ኢሳ. 33:22) ብህይወት ክንህሉን ክንቅጽልን ዝኸኣልና ሳላኡ ስለ ዝዀነ፡ ከም ልዑላዊ ጐይታና ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ወትሩ ‘ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ከም ዘቘመ፡ መንግስቱ እውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ ከም ዘላ’ ንዝክር እንተ ዄንና፡ ነቲ ዝለዓለ ስልጣኑ ኣይክንርስዖን ኢና።—መዝ. 103:19፣ ግብ. 4:24

6. ንጽህና ንምንታይ የመልክት፧

6 ንልዑላውነት የሆዋ ንምድጋፍ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉ ኣሎና። ኣብዚ “ንጽህና” ኺበሃል ከሎ፡ ብስነ-ምግባር ጥዑይ ወይ ምሉእ ምዃን የመልክት። ሓደ ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብ፡ ጕድለት ኣልቦን ቅኑዕን እዩ። እዮብ ከምዚ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ።—እዮ. 1:1

እቲ ድራማ ብኸመይ ከም ዝጀመረ

7, 8. ሰይጣን፡ ልዑላውነት የሆዋ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ዘእተዎ ብኸመይ እዩ፧

7 ኣስታት 6,000 ዓመት ይገብር፡ ሓደ መንፈሳዊ ፍጡር፡ ልዑላውነት የሆዋ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። እቲ ዓለወኛ ዝዛረቦን ዝገብሮን ዝነበረ ነገራት፡ ካብቲ ንኺምለኽ ዝነበሮ ትምኒት ዝነቐለ እዩ ነይሩ። ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ዘይእሙናት ንኪዀኑ ደረኾም፣ ንየሆዋ ኸም ሓሳዊ ገይሩ ኣጸለሞ። (ዘፍጥረት 3:1-5 ኣንብብ።) እቲ ዓለወኛ ቐንዲ ተጻባኢ፡ ሰይጣን (ተጻራሪ)፡ ድያብሎስ (መካፍኢ)፡ ተመን (መታለሊ)፡ ገበል (ወሓጢ) ኰነ።—ራእ. 12:9

8 ሰይጣን ንርእሱ፡ ተጻባኢ ገዛኢ ገበረ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ እዚ ተጻብኦ እዚ ምስ ኣጋጠሞ እንታይ ገበረ፧ ነቶም ሰለስተ ዓለወኛታት፡ ማለት ንሰይጣንን ንኣዳምን ንሄዋንን ብኡንብኡ ኣጥፊእዎም ድዩ፧ ከምኡ ኺገብር ሓይሊ ነበሮ፣ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ኸኣ መን ዝለዓለ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዜርኢ ምዀነ ነይሩ። እቲ የሆዋ ሕጉ ንዚጥሕስ ብኸመይ ከም ዚቐጽዕ እተዛረቦ ነገር ሓቂ ኸም ዝዀነ ኸኣ ምተረጋገጸ ነይሩ። እሞኸ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ዘይወሰደ ስለምንታይ እዩ፧

9. ሰይጣን ኣብ ሕቶ ኸም ዚኣቱ ዝገበሮ ነገራት እንታይ እዩ፧

9 ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ሓስዩ ኻብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቑ ምስ ገበሮም፡ ነቲ የሆዋ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ብዘይካዚ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ንኣምላኽ ከይእዘዙ ምስ ደፋፍኦም፡ ንተኣማንነት መስተውዓልቲ ፍጡራት ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ነቲ ንልዑላውነት የሆዋ እሙን ዝነበረ እዮብ ኣብ ዘጋጠሞ ዅነታት ከም እተራእየ፡ ሰይጣን ንዅሎም ደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ኬርሕቖም ከም ዚኽእል ገለጸ።—እዮ. 2:1-5

10. ኣምላኽ፡ ልዑላውነቱ ዚረጋገጸሉ ግዜ ብምንዋሑ፡ እንታይ እዩ ፈቒዱ፧

10 የሆዋ፡ ልዑላውነቱ ዚረጋገጸሉ ግዜ ብምንዋሕ፡ ንሰይጣን፡ እቲ ዝበሎ ነገር ሓቂ እንተ ዀይኑ ኼረጋግጽ ግዜ ፈቐደሉ። ንደቂ ሰብ እውን ንልዑላውነቱ ዘለዎም ተኣማንነት ኬርእዩ ኣጋጣሚ ሃቦም። ምስ ምሕላፍ ዘመናት እንታይ ኣጋጠመ፧ ሰይጣን ሓያል ገበነኛ ውድብ ሃነጸ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ የሆዋ ነዚ ውድብን ንሰይጣንን ኬጥፍኦም እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ልዑላውነት ኣምላኽ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ዜረጋግጽ ሓያል መርትዖ ኪኸውን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ እዚ ኣወንታዊ ውጽኢት እዚ ኸም ዚህሉ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ እቲ ዕልወት ኣብ ኤድን ምስ ኣጋጠመ፡ ሽዑ ንሽዑ ብዛዕባኡ ትንቢት ተነበየ።—ዘፍ. 3:15

11. ምስ ልዑላውነት የሆዋ ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳይ፡ ብዙሓት ሰባት እንታይ እዮም ገይሮም፧

11 ምስ ልዑላውነት የሆዋን ቅድስና ስሙን ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳይ፡ ብዙሓት ሰባት እምነቶም ኣርእዮምን ንጽህናኦም ሓልዮምን እዮም። ገለ ኻባታቶም፡ እኒ ኣቤል፡ ሄኖክ፡ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ሳራ፡ ሙሴ፡ ሩት፡ ዳዊት፡ የሱስ፡ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘለዉ ንጽህናኦም ዝሓለዉ ሚልዮናት ሰባት ኪጥቀሱ ይከኣሉ እዮም። እዞም ንልዑላውነት ኣምላኽ ዚድግፉ ሰባት፡ ነቲ ድያብሎስ ንዅሎም ሰባት ካብ ኣምላኽ ኬርሕቖም ከም ዚኽእል እተጃህሮ ጃህራ ሓሶት ምዃኑ ኣብ ምምስካርን ንስም የሆዋ ኻብ ወቐሳ ናጻ ኣብ ምግባርን ይሳተፉ እዮም።—ምሳ. 27:11

ኣወዳድኣ እቲ ድራማ ፍሉጥ እዩ

12. ኣምላኽ ንእከይ ንሓዋሩ ኸም ዘይጻወር ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

12 የሆዋ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ፡ ልዑላውነቱ ኸም ዜረጋግጽ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ንእከይ ንሓዋሩ ኣይጻወሮን እዩ፣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና እውን ኣይንስሕቶን ኢና። የሆዋ ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ፡ ኣብ ልዕሊ እኩያት ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። ንሶዶምን ንጎሞራን ኰነ ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ኣጥፊእዎም እዩ። ሲሰራን ሰራዊቱን ኰኑ ሰናክሬብን ኣሶራውያን ወተሃደራቱን እውን እንተ ዀኑ፡ ምስቲ ልዑል ኪዳረጉ ኣይከኣሉን። (ዘፍ. 7:1, 23፣ 19:24, 25፣ ዘጸ. 14:30, 31፣ መሳ. 4:15, 16፣ 2 ነገ. 19:35, 36) ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ንስሙ ዚንዕቁን ንመሰኻኽሩ ዜጋፍዑን ንሓዋሩ ኸም ዘይዕገሶም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ትእምርቲ ህላወ የሱስን መደምደምታ እዚ ስርዓት እዝን ዚሕብር መርትዖ ርኢና ኢና።—ማቴ. 24:3

13. ምስ ጸላእቲ የሆዋ ተለኪምና መታን ከይንጠፍእ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

13 ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ተለኪምና መታን ከይንጠፍእ፡ ንልዑላውነት የሆዋ እሙናት ምዃንና ኸነመስክር ኣሎና። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧ ከምኡ ንምግባር፡ ካብቲ ዘይሕጋዊ ግዝኣት ሰይጣን ክንፍለን ብምፍርራህ ወኪላቱ ዘይንደሃል ክንከውንን ኣሎና። (ኢሳ. 52:11፣ ዮሃ. 17:16፣ ግብ. 5:29) በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢና፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ክንድግፍ፡ ንሱ ንስሙ ኻብ ወቐሳ ናጻ ኺገብሮን ልዑላውነቱ ኼርእን ከሎ ኸኣ ካብ ጥፍኣት ክንድሕን እንኽእል።

14. ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

14 ብዛዕባ ደቂ ሰብን ልዑላውነት የሆዋን ዚገልጽ ዝርዝር ሓሳባት፡ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ። እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቐዳሞት ሰለስተ ምዕራፋት፡ ብዛዕባ ፍጥረትን ብዛዕባ ሓጢኣት ሰብን ኪገልጻልና ኸለዋ፡ እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ምዕራፋት ከኣ ደቂ ሰብ ነቲ ዘምለጦም ብኸመይ ከም እንደገና ኸም ዚረኽብዎ እየን ዚገልጻ። ኣብ መንጎኡ ዘሎ ገጻት፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ነቲ ንደቂ ሰብን ንምድርን ንዅሉ ፍጥረትን ብዚምልከት ዘለዎ ዕላማ ንምፍጻም እንታይ ስጕምትታት ከም ዝወሰደ ብዝርዝር ይገልጽ። ኦሪት ዘፍጥረት፡ ሰይጣንን እከይን ናብ ዓለም ብኸመይ ከም ዝኣተወ ኽትገልጽ ከላ፡ መደምደምታ ኽፋል ራእይ ዮሃንስ ከኣ፡ እከይ ብኸመይ ከም ዚውገድን ድያብሎስ ብኸመይ ከም ዚጠፍእን ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ እውን ኣብ ምድሪ ብኸመይ ከም ዚኸውንን ትገልጽ። እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጠንቂ ሓጢኣትን ሞትን ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ብኸመይ ከም ዚጠፍእ፡ ንጽህናኦም ዚሕልዉ ዘበሉ ኸኣ ብኸመይ ደረት ዘይብሉ ሓጐስን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ከም ዚረኽቡ ይሕብር እዩ።

15. እቲ ንልዑላውነት ዚምልከት ድራማ ኣብ ዚውድኣሉ እዋን ብብሕቲ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

15 ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ኪቕየር እዩ። ኣብቲ ንልዑላውነት ዚምልከት ንዘመናት ዝቐጸለ ድራማ፡ መጋረጃ ኺዕጾ እዩ። ሰይጣን ካብ መድረኽ ኪውገድን ናብቲ ዘይተርፍ ጥፍኣቱ ኼምርሕን ፍቓድ ኣምላኽ ብርግጽ ኪፍጸምን እዩ። ካብዚ ምእንቲ ኽንጥቀምን ኣብ ቃል ኣምላኽ እተነግረ ብዙሕ በረኸት ምእንቲ ኽንረክብን ግን፡ ሕጂ ንልዑላውነት የሆዋ ኽንድግፍ ኣሎና። ኣብ ክልተ ኽንረግጽ ኣይንኽእልን ኢና። “[“የሆዋ፡” NW] ምሳይ እዩ” ምእንቲ ኽንብል፡ ኣብ ጐድኑ ኽንከውን ኣሎና።—መዝ. 118:6, 7

ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና!

16. ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና ሓልዮም ኪኸዱ ይኽእሉ እዮም እንብል ስለምንታይ ኢና፧

16 ንልዑላውነት የሆዋ ኽንድግፍን ንጽህናና ኽንሕሉን ንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ኢሉ ዝጸሓፈ። (1 ቈረ. 10:13) እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ፈተና ኻበይ እዩ ዚምንጭው፧ ኣምላኽ መውጽኢ ዚገብረልናኸ ብኸመይ እዩ፧

17-19. (ሀ) እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ብምንታይ ፈተና እዮም ተሰኒፎም፧ (ለ) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

17 ካብ ተመክሮ እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ እስራኤላውያን ከም እተራእየ፡ ሕጊ ኣምላኽ ንኽንጥሕስ ብዚፍትን ኵነታት ኣቢሉ እዩ “ፈተና” ዜጋጥመና። (1 ቈረንቶስ 10:6-10 ኣንብብ።) እስራኤላውያን ነቲ ዘጋጠሞም ፈተና ኺጻረርዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፣ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ገይሩ ንወርሒ ምሉእ ዚኣክል ብርኒጎታት ምስ ሃቦም ግን፡ ‘እከይ ተመነዩ።’ ስጋ ኸይበልዑ እኳ እንተ ቐነዩ፡ ኣምላኽ ግን እኹል ማና ሂብዎም ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነተን ብርኒጎታት ኪእክቡ ኸለዉ፡ ጠገለ ዘይብሉ ስስዐ ስለ ዝነበሮም፡ ብፈተና ተሰነፉ።—ዘሁ. 11:19, 20, 31-35

18 ኣቐዲሙ፡ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኻብ ኣምላኽ ሕጊ ኣብ እተዋህቦ እዋን፡ እስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾ ምራኽን ስጋዊ ትምኒቶምን ስለ እተጸምዱ፡ መምለኽቲ ጣኦት ኰኑ። እቲ ብዓይኒ ዚርአ መራሒኦም ምሳታቶም ብዘይምንባሩ፡ ብፈተና ተሰነፉ። (ዘጸ. 32:1, 6) ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ ኣሽሓት እስራኤላውያን ብኣንስቲ ሞኣብ ተሓቢሎም፡ ጾታዊ ርኽሰት ፈጸሙ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣሽሓት እስራኤላውያን ብሓጢኣቶም ሞቱ። (ዘሁ. 25:1, 9) ኣብ ገሊኡ እዋን፡ ህዝቢ እስራኤል ብምምራሮም ኣብ ፈተና ወዲቖም እዮም፣ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ኣጕረምሪሞም እዮም። (ዘሁ. 21:5) እቶም እኩያት ዝነበሩ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን መተሓባብርቶምን ምስ ጠፍኡ እውን ከይተረፈ፡ እዚ ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኣጕረምሪሞም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ኣምላኽ ን14,700 እስራኤላውያን ቀዘፎም።—ዘሁ. 16:41, 49

19 ኵሉ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፈተናታት፡ እስራኤላውያን ኪጻረርዎ ዘይኽእሉ ኣይነበረን። እቶም ህዝቢ እምነቶም ስለ ዘጥፍኡ፡ ንየሆዋን ንፍቕራዊ ሓልዮቱን ንቕንዕና መገዱን ከኣ ስለ ዝረስዕዎ፡ ብፈተና ተሰነፉ። ንዓና ዜጋጥመና ፈተናታት እውን፡ ከምቲ ንእስራኤላውያን ዘጋጠሞም ስለ ዝዀነ፡ ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ኣይኰነን። ንምጽራሩ እኹል ጻዕሪ እንተ ጌርናን ኣብ ኣምላኽ እንተ ተወኪልናን፡ ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። ‘ኣምላኽ እሙን ስለ ዝዀነን ካብ ዓቕምና ንንየው ክንፍተን ስለ ዘይሓድገናን፡’ በዚ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ ፍቓዱ ኽንገብር ኣብ ዘይንኽእለሉ ዅነታት ክሳዕ እንኣቱ ኣይሓድገናን እዩ።—መዝ. 94:14

20, 21. ክንፍተን ከለና፡ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ እዩ “መውጽኢ” ዚገብረልና፧

20 የሆዋ ንፈተናታት ክንጻረሮ ስለ ዚሕግዘና፡ “መውጽኢ” ይገብረልና እዩ። ንኣብነት፡ ሰጐጕትና፡ እምነትና ምእንቲ ኽንክሕድ ኢሎም፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ የውርዱልና ይዀኑ። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ማህረምቲ፡ ስቓይ፡ ወይ ሞት ፈሪህና ንኽንለማለም ንፍተን ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ብመሰረት እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:13 ዘሎ ጳውሎስ ዝሃቦ መረጋገጺ፡ ፈተና ንግዜኡ ጥራይ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና። የሆዋ፡ እሙናት ክንከውን ኣብ ዘይንኽእለሉ ዅነታት ክሳዕ እንኣቱ ኽንፍተን ኣይሓድገናን እዩ። ንጽህናና ኽንሕሉ ምእንቲ ኽንክእል፡ ንእምነትና ኼደልድሎን መንፈሳዊ ብርታዐ ኺህበናን ይኽእል እዩ።

21 የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ የጽንዓና እዩ። እቲ መንፈስ እቲ ኸኣ፡ ፈተና ንኽንጻረር ዚሕግዘና ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኬዘኻኽረና ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 14:26) ስለዚ ድማ፡ ተታሊልና ሕማቕ መገዲ ኣይንስዕብን ኢና። ንኣብነት፡ ነቲ ብዛዕባ ልዑላውነት የሆዋን ንጽህና ሰብን ዚምልከት ንሓድሕዱ ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኣይንስሕቶን ኢና። ብዙሓት ነዚ ስለ እተገንዘቡ፡ ክሳዕ ሞት እሙናት ንኪዀኑ ኣምላኽ ሓጊዝዎም እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሞት ኣይኰነን መውጽኢ ዀይንዎም፣ የግዳስ፡ የሆዋ እዩ ብፈተና ኸይተሰነፉ ኽሳዕ መወዳእታ ኺጸንዑ ሓጊዝዎም። ንዓና እውን ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ “ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም” ንምግልጋል፡ ንእሙናት መላእኽቱ ይልእኽ እዩ። (እብ. 1:14) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ፡ ንጽህንኦም ዚሕልዉ ዘበሉ ጥራይ እዮም ንዘለኣለም ንልዑላውነት ኣምላኽ ናይ ምድጋፍ ፍሉይ መሰል ኪረኽቡ ዚኽእሉ። ንሕና እውን ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ጐይታና ጌርና እንተ ተቐቢልናዮ፡ ምሳታቶም ክንጽብጸብ ንኽእል ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ጐይታና ጌርና ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህናና ኽንሕሉ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ልዑላውነቱ ኸም ዜረጋግጽ ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

• ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 10:13፡ ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሰይጣን ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ንየሆዋ ዘይእሙናት ኪዀኑ ኣተባብዖም

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ንልዑላውነት የሆዋ ንምድጋፍ ቈራጽነት ግበር