ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብንጽህናና ኢና እንመላለስ!

ብንጽህናና ኢና እንመላለስ!

ብንጽህናና ኢና እንመላለስ!

“ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ።”—መዝ. 26:11

1, 2. እዮብ ብዛዕባ ንጽህናኡ እንታይ በለ፧ እዮብ ምዕራፍ 31ከ ብዛዕባኡ እንታይ ትሕብረና፧

 ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ክብደት ሓደ ነገር ንምፍላጥ ሚዛን ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። እቲ ሚዛን እቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ማእከል እተተኽለ ሽኻል ንጋድም ዚቕመጥ ዘንጊ ነበሮ። ኣብ ክልቲኡ ጫፍ እቲ ዘንጊ ኸኣ ሸሓኒ ይንጥልጠል ነበረ። ኣብቲ ሓደ ኣቕሓ እቲ ዚምዘን ነገር ኪቕመጥ ከሎ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ድማ ንመምዘኒ ዚኸውን ክብደት ይቕመጥ ነበረ። ህዝቢ ኣምላኽ፡ ቅኑዕ ሚዛን እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም።—ምሳ. 11:1

2 እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ እዮብ ካብ ሰይጣን ብዙሕ መከራ ምስ ወረዶ፡ “ኣምላኽ ብቕኑዕ ሚዛን ይምዘነኒ፥ ንጹሕ ምዃነይ ከኣ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (እዮ. 31:6ትርጕም 1990) ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ፡ ንሓደ ንጹህ ሰብ ኪፍትን ዚኽእል እተፈላለየ ዅነታት ጠቐሰ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ እዮብ ምዕራፍ 31 ተገሊጹ ዘሎ፡ እዮብ ነዚ ፈተና እዚ ብዓወት ተዋጺኡሉ እዩ። እቲ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት፡ ኣስኣሰሩ ንኽንስዕብ፡ ከም ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከኣ ብምትእምማን፡ “ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ” ንኽንብል ኪድርኸና ኣለዎ።—መዝ. 26:11

3. ኣብ ዓበይቲ ይኹን ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

3 እዮብ ሓያል ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ እዩ። አረ ገሊኦምሲ፡ ንእዮብ ብርቱዕ ፈተና ኣጋጢምዎ ኽነሱ ንጽህናኡ ስለ ዝሓለወ፡ ጅግና ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚዛረቡሉ። ልክዕ ከም ናይ እዮብ ዓይነት ስቓይ ኣይበጽሓናን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከም ሓለውቲ ንጽህናን ደገፍቲ ልዑላውነት ኣምላኽን መጠን ዘለና መትከል ምእንቲ ኺድልድል፡ ኣብ ዓበይቲ ይኹን ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ኣሎና።—ሉቃስ 16:10 ኣንብብ።

ኣገዳስነት ስነ-ምግባራዊ ንጽህና

4, 5. እዮብ ንጽህናኡ ዚሕሉ ስለ ዝነበረ፡ ካብ እንታይ ዓይነት ኣኻይዳ እዩ ኺርሕቕ ነይርዎ፧

4 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎና ንጽህና ምእንቲ ኽንሕሉ፡ ከም እዮብ ንስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ኣምላኽ ጠቢቕና ኽንስዕብ ኣሎና። እዮብ፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧ ልበይ ብገለ ሰበይቲ ተሀንዚሉስ፡ ኣብ ደገ ቤት ብጻየይ ተጻናትየ እንተ ዀይነ፡ . . . ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሐን፡ ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ” በለ።—እዮ. 31:1, 9, 10

5 እዮብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ምእንቲ ኺሕሉ፡ ንጓል ኣንስተይቲ ብህርፋን ከይጥምታ ቘራጽነት ገይሩ ነበረ። ብዓል ሓዳር ስለ ዝነበረ፡ ንንጽል ጓል ኣንስተይቲ ኣየኳሸመን፡ ወይ ፍቕራዊ ምትእስሳር ኪፈጥር ብዚኽእል መገዲ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ኣይተቐራረበን። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ብዛዕባ ጾታዊ ስነ-ምግባር ባይታ ዘይወድቕ ዘረባ ተዛረበ፣ ንጽህናኦም ዚሕልዉ ሰባት ከኣ ብዛዕባ እዚ ኺሓስቡ ኣለዎም።—ማቴዎስ 5:27, 28 ኣንብብ።

ቄናን መገዲ ኣይንስዓብ

6, 7. (ሀ) እዮብ ኣብ ዘጋጠሞ ዅነታት ከም እተራእየ፡ ኣምላኽ ንጽህናና ንኺመዝኖ እንታይ እዩ ዚጥቀም፧ (ለ) ቄናናት ወይ መታለልቲ ኽንከውን ዘይግብኣና ስለምንታይ እዩ፧

6 ምስቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ ኽንጽብጸብ እንተ ደሊና፡ ቄናን መገዲ ኣይንስዕብን ኢና። (ምሳሌ 3:31-33 ኣንብብ።) እዮብ፡ “ምስ ከንቱነት ሕብረት እንተ አሎኒ፡ እግረይ ናብ ጥልመት ትቕልጥፍ እንተ ዀይና፡ ኣምላኽ ንጹህ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ኣነ ብቕኑዕ ሚዛን እምዘን” በለ። (እዮ. 31:5, 6) ኣምላኽ ንዅሎም ደቂ ሰብ “ብቕኑዕ ሚዛን” ይመዝኖም እዩ። ኣብቲ እዮብ ዘጋጠሞ ዅነታት ከም እተራእየ፡ ኣምላኽ ነቲ ርእስና ዝወፈና ኣገልገልቱ ዘሎና ንጽህና፡ በቲ ናይ ፍትሒ ፍጹም መለክዒታቱ ኣቢሉ ይመዝኖ እዩ።

7 ቄናናት ወይ መታለልቲ እንተ ንኸውን ኔርና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉ ኣይምኸኣልናን። እቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ፡ ‘ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ይሓድጉ’ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ብተንኰል እውን ኣይመላለሱን’ እዮም። (2 ቈረ. 4:1, 2) ዘረባና ዀነ ተግባርና ቔናን ብምዃኑ፡ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና በዚ ተጐዲኡ ናብ የሆዋ ምስ ዚጽሊኸ፧ እዚ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ዚህልዎ። ሓደ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱውን መለሰለይ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንነፍሰይ ካብ ሓሳዊት ከንፈር፡ ካብ ወስላታ መልሓስ ኣናግፋ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 120:1, 2) ኣምላኽ፡ ናይ ሓቂ ሓለውቲ ንጽህና እንተ ዄንና ምእንቲ ኺፈልጥ ኢሉ ንውሽጣዊ እንታይነትና ኺርኢ፡ ማለት ‘ንልብን ኰላሊትን ኪምርምር’ ከም ዚኽእል ምዝካርና ጠቓሚ እዩ።—መዝ. 7:8, 9

ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ኣብነታውያን ንኹን

8. እዮብ ንኻልኦት ብኸመይ ይሕዞም ነበረ፧

8 ንጽህናና ምእንቲ ኽንሕሉ፡ ከም እዮብ ፍትሓውያንን ትሑታትን ሓለይትን ክንከውን ኣሎና። እዮብ፡ “ጊልያይን ገረደይን ምሳይ እንተ ተቛየቑስ፡ ንመሰሎም እንተ ነዐቕክዎ፡ ኣምላኽ ምስ ተንስኤ ደኣ፡ እንታይ ክገብር፡ ምስ ተቛጻጸረንስ፡ እንታይ ክመልሰሉ እየ፧ እቲ ንኣይ ዝፈጠረ ኣብ ማሕጸን ወላዲት ንእኡ ፈጠሮ፡ እቲ ኣብ ከርሲ ወላዲት ዝሀነጸና ሓደዶ ኣይኰነን፧” በለ።—እዮ. 31:13-15

9. እዮብ ምስ ባሮቱ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ከመይ ዝበለ ባህርያት የርኢ ነበረ፧ ንሕናኸ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

9 ብግዜ እዮብ፡ ሕጋዊ ጕዳያት ብእተሓላለኸ ኣገባብ ይፍታሕ ከም ዘይነበረ ርዱእ እዩ። እተፈላለየ ጕዳያት ብስርዓት ፍታሕ ይግበረሉ ነበረ፣ ባሮት እውን ከይተረፉ ንጕዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ኬቕርቡ ይኽእሉ ነበሩ። እዮብ ንባሮቱ ብፍትሕን ብምሕረትን ይሕዞም ነበረ። ኵላትና፡ ብፍላይ ከኣ ሽማግለታት እንተ ዄንና፡ ብንጽህና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ከምዚ ዓይነት ባህርያት ከነርኢ ኣሎና።

ለጋሳት እምበር፡ ስሱዓት ኣይንኹን

10, 11. (ሀ) እዮብ ለጋስን ሓጋዝን ከም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) እዮብ 31:16-25 ነየናይ ድሒሩ እተጻሕፈ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እያ ኸተዘኻኽረና እትኽእል፧

10 እዮብ ለጋስን ሓጋዝን እምበር፡ ንርእሱ ዚጥዕሞ ዚደልን ስሱዕን ኣይነበረን። ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “ንዓይኒ መበለት ሃረር ኣቢለያ እንተ ዀይነ፡ ንቝራስ እንጌራይ በይነይ በሊዔያ እንተ ዀይነ፡ እቲ ዘኽታም ካብኡ ዘይበልዔ እንተ ዀይኑ፡ . . . ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡ . . . ርእየዮ እንተ ዀይነ፡ . . . ኣብ ደገስ ጸግዔይ ርእየ፡ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዘኽታም ኣልዒለ እንተ ዀይነ፡ መንኩበይ ካብ መጋጥማ ትፈለ፡ ቅልጽመይውን ካብ ዓጽማ ትሰበር።” ብዘይካዚ፡ እዮብ ንወርቂ፡ “እምንቶይ ኢኻ” እንተ ዚብል ነይሩ፡ ንጽህናኡ ኺሕሉ ኣይምኸኣለን።—እዮ. 31:16-25

11 እዚ ውቁብ ኣገላልጻ እዚ፡ ነቲ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ” ኢሉ ዝሃቦ ሓሳብ እዩ ዜዘኻኽረና። (ያእ. 1:27) ነቲ የሱስ፡ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” ኢሉ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እውን ንዝክር ንኸውን። የሱስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ምስ ሃበ፡ ብዛዕባ ሓደ ስሱዕ ዝዀነ ሃብታም ሰብኣይ ዚገልጽ ምስላ ተዛረበ፣ እቲ ሰብኣይ፡ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ከይኰነ’ ኸም ዝሞተ ኸኣ ገለጸ። (ሉቃ. 12:15-21) ንጽህናና ኽንሕሉ እንተ ደሊና፡ ህሩፋት ወይ ስሱዓት ክንከውን የብልናን። ሓደ ስሱዕ ሰብ ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ነቲ ዚምነዮ ነገራት ከም ኣምላኹ ገይሩ ስለ ዚርእዮ፡ ስስዐ ኣምልኾ ጣኦት እዩ። (ቈሎ. 3:5) ንጽህናን ስስዐን ብሓንሳእ ኣይከዳን እየን።

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣጽኒዕና ንሓዝ

12, 13. ካብ ኣምልኾ ጣኦት ብምርሓቕ ዝመጸ፡ እዮብ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

12 ሓለውቲ ንጽህና፡ ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣይርሕቑን እዮም። እዮብ እውን ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣይረሓቐን፡ “ንምድማቕ ብርሃን ጸሓይን፡ ነቲ ኽቡር ኣኻይዳ ወርሕን ጠሚተ እንተ ዀይነ፡ ልበይ ብስዉር ተጠቢሩስ፡ ኣፈይ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ፡ በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ፡ እዚ ኸኣ ፈራዲ ዚቐጽዖ ኣበሳ ምዀነ ነይሩ” ድማ በለ።—እዮ. 31:26-28

13 እዮብ ንግኡዝ ነገራት ኣየምልኽን እዩ ነይሩ። ልቡ ሓቢልዎ ንኸም ወርሒ ዝኣመሰለ ሰማያዊ ኣካላት እንተ ዜምልኽ፡ ምስ ኣምልኾ ጣኦት ብዚተሓሓዝ መገዲ ኸኣ ‘ኣፉ ንኢዱ እንተ ትሳለም፡’ ንኣምላኽ ዝኸሓደ መምለኺ ጣኦት ምዀነ ነይሩ። (ዘዳ. 4:15, 19) ንሕና እውን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ምእንቲ ኽንሕሉ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ክንርሕቕ ኣሎና።—1 ዮሃንስ 5:21 ኣንብብ።

ቂመኛታት ወይ ግቡዛት ኣይንኹን

14. እዮብ ተንኰለኛ ከም ዘይነበረ ኽንዛረብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

14 እዮብ ተንኰለኛ ወይ ጨካን ኣይነበረን። እዚ ባህርያት እዚ ንጽህናኡ ንኸይሕሉ ኸም ዚዓናቕፎ ይፈልጥ ነበረ፣ ከመይሲ፡ “ብጕድኣት ጸላእየይ ባህ ኢሉኒ እንተ ዀይነ፡ መከራ ምስ ወረዶውን፡ ተሐጕሰ እንተ ዀይነ፡ ንነፍሱ እናረገምኩ ይሙት ክብል ንትንሓገይ ኣይፈቐድኩሉን” ኢሉ እዩ።—እዮ. 31:29, 30

15. ሓደ ዚጸልኣና ሰብ ጸገም ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ክንሕጐስ ዘይግብኣና ስለምንታይ እዩ፧

15 እቲ ቕኑዕ ዝነበረ እዮብ፡ ዚጸልእዎ ሰባት ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ ባህ ኣይብሎን እዩ ነይሩ። እቲ ጸኒሑ እተጻሕፈ መጽሓፍ ምሳሌ፡ “እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጕሂ እሞ ዅራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጸላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ” ኢሉ የጠንቅቕ። (ምሳ. 24:17, 18) የሆዋ ንልቢ ስለ ዜንብብ፡ ካልእ ሰብ ጸገም ኪወርዶ ኸሎ ብውሽጥና ንሕጐስ እንተ ዄንና ይፈልጥ እዩ፣ በዚ ባህ ከም ዘይብሎ ኸኣ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ምሳ. 17:5) “ምፍዳይ ሕነን ምኽሓስን ናተይ እዩ” ስለ ዝበለ፡ ኪቐጽዓና ይኽእል እዩ።—ዘዳ. 32:35

16. ዋላ እውን ሃብታማት እንተ ዘይኰንና፡ ተቐበልቲ ጋሻ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 እዮብ ተቐባሊ ጋሻ እዩ ነይሩ። (እዮ. 31:31, 32) ዋላ እውን ሃብታማት እንተ ዘይኰንና፡ ‘ንምቕባል ጋሻ ኽንቀዳደም’ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:13) ‘ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ኸም ዚሐይሽ’ ብምዝካር፡ ፈኲስ ምግቢ ምስ ካልኦት ተኻፊልና ኽንበልዕ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 15:17) ፍቕሪ ኣብ ዝሰፈኖ ዅነታት ምስቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ ብጾትና ሒደት ምግቢ ምምጋብ እውን፡ ባህ ዜብልን ዚሃንጽን እዩ።

17. ንዝፈጸምናዮ ኸቢድ ሓጢኣት ክንሓብእ ክንፍትን ዘይብልና ስለምንታይ እዩ፧

17 እዮብ ግቡዝ ስለ ዘይነበረ፡ ጋሻ ዄንካ ናብ ቤቱ እንተ ትኸይድ ኔርካ፡ ብመንፈስ ከም እትህነጽ ኣየጠራጥርን እዩ። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ናብ ጉባኤ ሰሊኾም ኣትዮም፡ ‘ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ንገጽ ሰብ ዚንእዱ’ ዝነበሩ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ኣይኰነን ነይሩ። (ይሁ. 3, 4, 16) ብዘይካዚ፡ ካልኦት ምእንቲ ኸይፈልጡ ኢሉ ንሓጢኣቱ ኣይሸፈነን፡ ወይ ‘ንበደሉ ኣብ ትሽትሹ ኣይሓብአን።’ በቲ ንንስሓኡ ተቐቢሉ ይቕረ ኺብለሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪምርመር ፍቓደኛ ነበረ። (እዮ. 31:33-37) ከቢድ ሓጢኣት ምስ እንፍጽም፡ ገጽ ሰብ ፈሪህና ኽንሓብኦ ኣይንፈትን። ንጽህናና ኽንሕሉ ኸም እንጽዕር ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ ጌጋና ብምእማን፡ ብምንሳሕ፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ብምድላይ፡ መገድና ብምዕራይ እዩ።—ምሳ. 28:13፣ ያእ. 5:13-15

ጕዳዩ ናብ ፍርዲ ዘቕረበ ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብ

18, 19. (ሀ) እዮብ ንማንም ከም ዘይመዝመዘ ኽንዛረብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) እዮብ፡ ከም እተጋገየ እንተ ተረጋጊጹ፡ እንታይ ኪቕበል እዩ ፍቓደኛ ዝነበረ፧

18 እዮብ ሓቀኛን ቅኑዕን እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ፡ “ግራተይ ጠሪዓትለይ እንተ ዀይና፡ ኵለን ትልምታታውን በኽየን እንተ ዀይነን፡ መሰል ከይሀብኩስ ንፍሬኣ በሊዔዮ እንተ ዀይነ፡ ህይወት ሓረስቶታ ኣሕዚነየን እንተ ዀይነ፡ ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይስ ክርዳድ፡ ኣብ ክንዲ ስገም ሰዓዕ ተብቍለለይ” ኪብል ከኣለ። (እዮ. 31:38-40) እዮብ ንመሬት ካልኦት ኣይመንዝዐን፡ ንሰራሕተኛታቱ እውን ኣይመዝመዘን። ንሕና እውን ከምኡ፡ ኣብ ዓብዪ ይኹን ኣብ ንእሽቶ ነገራት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉ ኣሎና።

19 እዮብ ነቶም ሰለስተ ፈተውቱን ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ኤሊሁን ብዛዕባ ህይወቱ ተዛረቦም። ወደረኛኡ ኣብቲ ብ“ጽሕፈት” ኢዱ ኸም እተኸተመሉ ጌርካ እተገልጸ ጸብጻብ ህይወቱ ዜቕርቦ ኽሲ እንተ ኣልይዎ፡ ክሱ ኬቕርብ ጻውዒት ኣቕረበሉ። ከም እተጋገየ እንተ ተረጋጊጹ፡ ንኪቕጻዕ ፍቓደኛ ነበረ። ስለዚ፡ መለኮታዊ ፍርዲ ንኺወሃቦ፡ ጕዳዩ ኣቕረበ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ‘ዘረባ እዮብ ተፈጸመ።’—እዮ. 31:35, 40

ንስኻ እውን ንጽህናኻ ኽትሕሉ ትኽእል ኢኻ

20, 21. (ሀ) እዮብ ንጽህናኡ ኺሕሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸነማዕብላ እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧

20 እዮብ ንጽህናኡ ኺሕሉ ዝኸኣለ፡ ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀሮ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ የፍቅሮን ይሕግዞን ነበረ። እዮብ ንየሆዋ፡ “ሕይወት ሃብካኒ፥ ፍቕርኻ ድማ ኣርኤኻኒ፥ ምክንኻንካ ብሕይወት ኣንበረኒ” በሎ። (እዮ. 10:12ትርጕም 1990) ብዘይካዚ፡ እዮብ ንኻልኦት ፍቕሪ የርኢ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ንብጻዩ ፍቕሪ ዘየርኢ ሰብ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከም ዘይህልዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (እዮ. 6:14) ንጽህናኦም ዚሕልዉ ሰባት፡ ንኣምላኽን ንብጻዮምን የፍቅሩ እዮም።—ማቴ. 22:37-40

21 ቃል ኣምላኽ እንተ ኣንቢብናን ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጾ ነገራት እንተ ኣስተንቲንናሉን፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕቢ ንኽእል ኢና። ንየሆዋ ብልባዊ ጸሎት ኣቢልና ኽንውድሶን ስለቲ ዝገበረልና ሰናይ ነገራት ከነመስግኖን ንኽእል ኢና። (ፊል. 4:6, 7) ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ኽንዝምረሉን ኣዘውቲርና ምስ ህዝቡ ብምሕባር ክንጥቀምን ንኽእል ኢና። (እብ. 10:23-25) ኣብ ኣገልግሎት ምስ እንካፈልን ‘ምድሓን ኣምላኽ ምስ እነበስርን’ ድማ፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት እያ እትኸይድ። (መዝ. 96:1-3) በዚ ኸምዚ ኸኣ ከምቲ፡ “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፡ . . . እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል።—መዝ. 73:28

22, 23. ንልዑላውነት የሆዋ እንድግፍ ከም ምዃንና መጠን፡ እቲ እንገብሮ ንጥፈታት ምስቲ እቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሓለውቲ ንጽህና ዝገበርዎ ነገራት ኪመሳሰል ዚኽእል ከመይ ገይሩ እዩ፧

22 ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ የሆዋ ነቶም ንጽህናኦም ዚህልዉ ሰባት እተፈላለየ መዝነት ሂብዎም እዩ። ኖህ መርከብ ሰርሐ፡ “ሰባኽ ጽድቂ” ኸኣ ነበረ። (2 ጴጥ. 2:5) እያሱ ንእስራኤላውያን መሪሑ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣእተዎም፣ ኪዕወት ዝኸኣለ ግን፡ ‘መዓልትን ለይትን ነቲ መጽሓፍ ሕጊ’ የንብቦን ምስኡ ተሰማሚዑ ይዓይን ስለ ዝነበረ እዩ። (እያ. 1:7, 8) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ይገብሩን ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽናዕ ኣዘውቲሮም ይእከቡን ነበሩ።—ማቴ. 28:19, 20

23 ንሕና እውን፡ ጽድቂ ብምስባኽ፡ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር፡ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾትና ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ብምእካብ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ኽንድግፍን ንጽህናና ኽንሕሉን ንኽእል ኢና። እዚ ንጥፈታት እዚ፡ ተባዓት ንኽንከውን፡ ብመንፈስ ንኽንድልድል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ንኽንገብር ይሕግዘና። እቲ ሰማያዊ ኣቦናን ወዱን ስለ ዚድግፉና ኸኣ፡ ከምኡ ምግባር ኣይከብደናን እዩ። (ዘዳ. 30:11-14፣ 1 ነገ. 8:57) ብዘይካዚ፡ ደገፍ እቶም ከማና ብንጽህና ዚመላለሱን ነቲ ልዑል ጐይታኦም ዚእዘዙን ‘ኣሕዋት’ ኣሎና።—1 ጴጥ. 2:17

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ብኸመይ ክንርእዮ ይግብኣና፧

• ካብ ባህርያት እዮብ፡ ብፍላይ ንዓኻ ዚስሕበካ ኣየናይ እዩ፧

• ኣብ እዮብ 31:29-37 ከም እተገልጸ፡ እዮብ እንታይ ዓይነት ባህርይ ነበሮ፧

• ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎ ንጽህና ሓለወ። ንሕና እውን ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና!

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ንጽህናና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና!