ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገለስ ኣሎ ግናኸ መን እዩ፧

ገለስ ኣሎ ግናኸ መን እዩ፧

ገለስ ኣሎ ግናኸ መን እዩ፧

ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ፡ መቝጸርያ ሒዛ ኣብ ቅድሚ ምስሊ ማርያም ተምበርከኸት። ኣባላት ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትነብር ስድራ ቤት፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ሓደ ኽቡር ቤተሰቦም፡ ጂን ኣፍሰሱ። ኣብ ኣመሪካ ዚነብር ሓደ መንእሰይ፡ ምስቲ ኸም ዚሕልዎ ዚኣምነሉ መልኣኽ ምእንቲ ኺራኸብ፡ ጾመን ኣስተንተነን። ኣብ እስያ ዚነብር ሓደ ኻህን፡ ሕብራዊ ወረቓቕቲ ብምንዳድ፡ ንመናፍስቲ ኣቦሓጎታት መስዋእቲ ኣቕረበሎም።

ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ኣሎ፧ ኵሎም፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ መስተውዓልቲ ፍጡራት ከም ዘለዉ፡ ምስኦም ክንራኸብ ከም እንኽእል፡ ከምኡውን ንህይወት ሰባት ኪጸልዉ ኸም ዚኽእሉ ይኣምኑ እዮም። ሓቂ እዩ፡ እዚ እምነት እዚ፡ ሓድሽ ወይ ከኣ ዜስደምም ኣይኰነን። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም መን ከም ዚነብር ዚገልጽ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ብዙሕ ሓሳባት ምህላዉ ግን ዜስደምም እዩ።

ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ንሓደ ኣምላኽ፡ ማለት ንኣላህ a እዮም ዜምልኹ። ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ከኣ፡ ኣምላኽ ብኣቦን ብወድን ብመንፈስ ቅዱስን ዝቘመ ስላሴ ኸም ዝዀነ ይገልጹ እዮም። ሰዓብቲ እምነት ሂንዱነት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣማልኽቲ ኸም ዘለዉ ይኣምኑ እዮም። መናፍስቲ ኣብ እንስሳታትን ኣግራብን ኣኻውሕን ወሓይዝን ከም ዚሰፍሩ ዚገልጹ ሰባት እውን ኣለዉ። ገሊኦም ከኣ፡ በቲ ብዛዕባ መላእኽትን ኣጋንንትን ምትሃታትን ስርኤላትን ኣማልኽትን ዚገልጽ መጻሕፍትን ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ይጽለዉ እዮም።

ከምቲ ብዛዕባ ኣማልኽቲ እተፈላለየን ንሓድሕዱ ዚጋጮን ሓሳባት ዘሎ፡ ብኸመይ ከም እትቐርቦም እውን እተፈላለየን ንሓድሕዱ ዚጋጮን ሓሳባት እዩ ዘሎ። መቸም ኵሉ ቕኑዕ ኪኸውን ከም ዘይክእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ርአ፦ ተሌፎን ቅድሚ ምድዋልና፡ ናብ መን ከም እንድውል፡ እቲ እንድውለሉ ሰብ ብህይወት እንተ ኣልዩ፡ ከምኡውን ደዊልና ዚቕበለና እንተ ዀይኑ ኸነረጋግጽ ኣሎና። ኣብ ኣእምሮና ናብ ዝሰኣልናዮ ሰብ ክንድውል እንተ ፈቲንና ግን፡ ደኺምና ኢና እንተርፍ። ናብ ሓደ መደናገሪ ኽንድውል እንተ ፈቲንና እሞ ኸኣ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እሞኸ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብር መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ይምልሳ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ መን ክንራኸብ ከም ዘሎናን እንታይ ምላሽ ከም እንረክብን እውን ይገልጽ እዩ። ስለዚ፡ ንባብካ ቐጽል እሞ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ምስ ፈለጥካ፡ ክትግረም ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a “ኣላህ” ኪበሃል ከሎ፡ ተጸውዖ ስም ዘይኰነስ፡ “ኣምላኽ” ማለት እዩ።