ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ መንፈሳዊ ዓለም ዚግበር ርክብ

ምስ መንፈሳዊ ዓለም ዚግበር ርክብ

ምስ መንፈሳዊ ዓለም ዚግበር ርክብ

እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንኻልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት እተወሰነ መዝነት ሂቡ እዩ። ንኣብነት፡ ንየሱስ፡ ነዛ ምድሪ ንኺገዝኣ መዚዝዎ እዩ፣ ነቶም እሙናት መላእኽቱ ድማ፡ ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪመርሑ ሸይምዎም እዩ። (ራእይ 14:6) ንጸሎት ብዚምልከት ግን፡ እተፈልየ መትከል እዩ ዘለዎ። ጸሎት ናይ ምስማዕ ተግባር፡ ንኻልኦት ብሓላፍነት ኣይሃበን። እምበኣር፡ ናብ ኣምላኽ ጥራይ ኢና ኽንጽሊ ዚግብኣና።

የሆዋ፡ “ጸሎት እትሰምዕ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (መዝሙር 65:2) ንጸሎትና ይሰምዖን ይምልሶን እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ብጾቱ ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ ጸሎት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ “[ንኣምላኽ] ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ . . . ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዝሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና” በለ።—1 ዮሃንስ 5:14, 15

እሙናት መላእኽቲ፡ ናብኦም ክንምህለል ወይ ክንጽሊ ኣይደልዩን እዮም። ነቲ ሓሓሊፉ እጃሞም ዜበርክቱሉ ኣምላኽ ዘዳለዎ ንጸሎት ዚምልከት መሰናድዎ ይርድእዎን ምስኡ ይተሓባበሩን እዮም። ብኸመይ፧ ንኣብነት፡ ነብዪ ዳንኤል ንጥፍኣት የሩሳሌም ኣመልኪቱ ናብ የሆዋ ምስ ጸለየ፡ ኣምላኽ ንገብርኤል መልኣኽ ናብኡ ብምልኣኽ ዜተባብዕ መልእኽቲ ነገሮ።—ዳንኤል 9:3, 20-22

ካብ ምዉታት መልእኽቲ ይመጽእ ድዩ፧

ምስ ምዉታት ንምርኻብ ክንፍትን ይግብኣና ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት ምስ መናፍስቲ ምዉታት ከም እተዘራረቡ ብብዝሒ ይውረ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣየርላንድ እትነብር ሓንቲ መበለት፡ ምስ ሓንቲ ንመናፍስቲ እትጥይቕ ሰበይቲ ተራኸበት። ፍረድ ዝስሙ ሰብኣይ እታ መበለት ካብ ዚመውት እተወሰነ ሰሙናት ሓሊፉ እኳ እንተ ነበረ፡ እታ ንመናፍስቲ እትጥይቕ ሰበይቲ ነታ መበለት፡ ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ለይቲ ምስ “ፍረድ” ከም እተዘራረበት ነገረታ። “ፍረድ” ብዛዕባ እቲ ሰበይቱ ጥራይ እትፈልጦ ነገራት ከም ዝነገራ እውን ተዛረበት። እታ ሰበይቲ ፍረድ፡ ሰብኣያ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ብህይወት ከም ዘሎን በዛ ሰበይቲ ኣቢሉ ኺዛረባ ኸም ዝፈተነን ብቐሊሉ ኽትኣምን ትኽእል እያ። ከምዚ ዓይነት እምነት ግን፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ብንጹር ዚገልጾ ነገራት ዚጋጮ እዩ።—ኣብ ታሕቲ ዘላ ሳጹን ርአ።

ምንጪ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ደኣ እሞ መን እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ኣጋንንቲ ንምትላል ዚጥቀምሉ መገዲ፡ ንዝሞቱ ሰባት—ንኣብነት፡ ንፍረድ—መሲሎም ብምቕራብ እዩ። ስለምንታይ፧ ንሰባት ካብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኼርሕቕዎምን ኣብ የሆዋ ንዘለዎም እምነትን ትውክልትን ንኼዳኽሙን ኢሎም እዮም። ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ “ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን” ገይሮም ንሰባት ኬስሕቱ ኸም ዚደልዩ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—2 ተሰሎንቄ 2:9, 10

ንመናፍስቲ ዚጥይቑን ምስኦም ርክብ ዘለዎምን ሰባት፡ ምስ ምዉታት ከም እተራኸቡ ይኣምኑ እዮም። ከም ሓቂ ግን፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ምስቶም ንየሆዋ ዚጻረሩ መናፍስቲ እዮም ዚራኸቡ። ብተመሳሳሊ፡ ንኣምላኽ ዜምልኹ ዘለዉ ዚመስሎም፡ ግን ከኣ እተጋገዩ ሰባት እውን ኣለዉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን” ዚብል ሓያል መጠንቀቕታ ሃበ።—1 ቈረንቶስ 10:20, 21

ናብቲ ዜፍቅረናን ዚሓልየልናን ልዑል ኣምላኽ ክንጽሊ ኸም እንኽእል እናፈለጥና፡ ስለምንታይ ኢና እሞ ናብ ካልእ እንጽሊ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ዚብል መረጋገጺ ይህበና እዩ።—2 ዜና መዋእል 16:9

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናብቲ ዜፍቅረናን ዚሓልየልናን ልዑል ኣምላኽ ክንጽሊ ኸም እንኽእል እናፈለጥና፡ ስለምንታይ ኢና እሞ ናብ ካልእ እንጽሊ፧

[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]

ቅኑዕዶ ጌጋ፧

ሰይጣን ኣሎ።—ቅኑዕ

“ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ።”—2 ቈረንቶስ 11:14

“ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።”—1 ጴጥሮስ 5:8

“ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ።”—1 ዮሃንስ 3:8

“እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ።”—ያእቆብ 4:7

“ድያብሎስ . . . ካብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።”—ዮሃንስ 8:44

ኵሎም ሰባት ምስ ሞቱ ናብ መንፈሳዊ ዓለም ይኸዱ።—ጌጋ

“ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ።”—ዘፍጥረት 3:19

“ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።”—መክብብ 9:5

“ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [ማለት ኣብ መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።”—መክብብ 9:10

“ትንፋሱ ይወጽእ፡ ናብ መሬቱ ይምለስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።”—መዝሙር 146:4

እሙናት መላእኽቲ ብዛዕባና ይግደሱ እዮም።—ቅኑዕ

“መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።”—መዝሙር 34:7፣ 91:11

“ኵላቶምዶ [ማለት መላእኽቲ] ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧”—እብራውያን 1:14

“ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፤ . . . ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ . . . በለ።”—ራእይ 14:6, 7

የሱስ ማዕረ ኣምላኽ እዩ።—ጌጋ

“ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ።”—1 ቈረንቶስ 11:3

“ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:28

“ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን።”—ዮሃንስ 5:19