ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ብሓቂዶ ነዊሕ ዕድመ ገይሮም እዮም፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ብሓቂዶ ነዊሕ ዕድመ ገይሮም እዮም፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ብሓቂዶ ነዊሕ ዕድመ ገይሮም እዮም፧

ዣን ሉዊስ ካልሞ ብ4 ነሓሰ 1997 ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳ ዚርከብ ዓዳ፡ ኣብ መበል 122 ዓመት ዕድሚኣ ሞተት።

ኣብ ስነ-ፍልጠት፡ ክንክን ጥዕና፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ መዳያት ምህዞ እተገብረ ምዕባለ፡ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ንኺነብሩ ሓጊዙ እዩ። እዚ ዅሉ እናሃለወ ኽነሱ፡ ሚእቲ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝገበሩ ሰባት ሒደት እዮም። በዚ ድማ እዩ ሓድሓደ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ኺነብሩ ኸለዉ፡ ከምቲ ኣብ ወይዘሮ ካልሞ እተራእየ፡ ኣቓልቦ ዚስሕብ ዜና ዚኸውን።

መጽሓፍ ቅዱስ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ይገልጽ፣ ገሊኦም እሞ ኸኣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዓመት ይነብሩ ነበሩ። እዝስ ዚእመን ድዩ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ብሓቂዶ ኽሳዕ ክንድዚ ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ነይሮም ድዮም፧ ሎሚኸ፡ እዚ ንዓና ኼገድሰና ይግባእዶ፧

ነዊሕ ዕድመ ዝገበሩ ሰባት

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት፡ ልዕሊ 900 ዓመት ብዛዕባ ዝገበሩ ሸውዓተ ሰባት ትዛረብ፡ ኵሎም ድማ ቅድሚ ማይ ኣይሂ እዮም ተወሊዶም። እዚኣቶም ድማ ኣዳም፡ ሴት፡ ሄኖስ፡ ቃይናን፡ ያሬድ፡ ማቱሳላ፡ ከምኡውን ኖህ እዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 5:5-27፣ 9:29) ንመብዛሕትኦም እዞም ሰባት እዚኦም፡ ሓያሎ ሰባት ዘይፈልጥዎም እኳ እንተ ዀኑ፡ ኵሎም ግን ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰብ ካብቶም ናይ መጀመርታ ዓሰርተ ወለዶ እዮም ነይሮም። ማቱሳላ ዝነውሐ ዕድመ ኸም ዝገበረ ኣብ ኵሉ ዚፍለጥ እዩ፡ ዕድሚኡ ድማ 969 ዓመት እዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ ሎሚ ንቡር ዚበሃል ዕድመ ንላዕሊ ዝገበሩ፡ ብውሕዱ 25 ካልኦት ሰባት እውን ይጠቅስ እዩ። ገሊኦም 300፡ 400፡ ካልኦት ድማ 700 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ እዮም ገይሮም። (ዘፍጥረት 5:28-31፣ 11:10-25) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ነዊሕ ዕድመ ዝገበሩ ሰባት ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ንብዙሓት ሰባት ኣይወሓጠሎምን እዩ፡ ወይ ከም ጽውጽዋይ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧

ጽውጽዋይ ድዩ ወይስ ናይ ሓቂ ጸብጻብ፧

ብመሰረት እቲ ኣብ ጀርመን ዚርከብ ማክስ ፕላንክ ኢንስትትዩት ፎር ዲሞግራፊክ ሪሰርች ዘሕትሞ ጽሑፍ፡ ዕደመ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ወይዘሮ ካልሞ ሓቂ ምዃኑ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም እዮም፣ ነዚ ኸኣ ንገለ ኻብቲ ንሳ ዘውስኣቶ “ቐሊልን ኪረጋገጽ ዚኽእልን ሓሳባት” ብምእካብ እዮም ገይሮምዎ። እዚ፡ ገለ ፍጻመታት ኣብ እተኻየደሉ እዋን ንሳ ወይ ኣዝማዳ ብዛዕባ ዝገበርዎ ነገራት ይጠቅስ። እቲ ዝበለቶ ምስቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜግነታዊ ጕዳያትን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ መዛግብቲ፡ ከምኡውን ምስ ዓምድታት ጋዜጣን ምስቲ እተረኽበ ቘጸራ ህዝብን ተነጻጸረ። ንነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ነጥብታት ከተረጋግጾ ዘይክኣል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ እተረኽበ ቐጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ መርትዖታት ግን ዕድሚኣ ኽንደይ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣኽኢሉ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እሙን ምዃኑ ተረጋጊጹ ድዩ፧ እወ፡ ብርግጽ! በቲ ዘሎ ዓለማዊ ምንጭታት ኪረጋገጽ ዚኽእል ኵሉ ዝርዝር ነጥብታት እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቐሰ ነገራት ብታሪኽን ብስነ-ፍልጠትን ብመስርዕ ፍጻመታትን ዝመጸ ሓቂ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተረጋጊጹ እዩ። a እዚ ዜገርም ኣይኰነን፡ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ ኣምላኽ ሓቀኛ እዩ” ይብል። (ሮሜ 3:4ትርጕም 1990) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” መጽሓፍ ስለ ዝዀነ ልብ ወለድ ዚበሃል የብሉን።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ሙሴ ብመንፈስ የሆዋ ኣምላኽ ተመሪሑ ንኦሪት፡ ወይ ነተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተሰማዕነት ዝነበሮምን ሕፉራትን ሰባት እዩ ነይሩ። ኣይሁድ ንሙሴ ኻብ ኵሎም እቶም መምህራኖም ዝለዓለ ገይሮም ይሓስብዎ ነበሩ። ኣስላም ድማ ሓደ ኻብቶም ዝዓበዩ ነብያቶም ገይሮም ይቘጽርዎ ነበሩ። ንክርስትያናት ከኣ ናብ የሱስ ክርስቶስ ዜብጽሕ ጸራጊ መገዲ እዩ። እሞ ደኣ ነቲ እዚ ኣብ ታሪኽ ጉሉሕ ቦታ ዘለዎ ሰብ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ኪእመን ኣይከኣልን እዩ ኢልካ ምድምዳም ርትዓዊ ድዩ፧

ግዜ ደዀን ብእተፈልየ መገዲ ተቘጺሩ ይኸውን፧

ገሊኦም፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ግዜ ብእተፈልየ መገዲ ይቝጸር ነይሩ ኢሎም ይሓስቡ፡ እዚ ድማ ሓደ ዓመት ንሓደ ወርሒ ዜመልክት እዩ ነይሩ ይብሉ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሰባት ከምዚ ሕጂ እንቘጽሮ ዘለና ኣቈጻጽራ ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ክልተ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብቲ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኖህ ወዲ 600 ዓመት ምስ ኰነ፡ “ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ” ማይ ኣይሂ ኸም ዝጀመረ ነንብብ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ እቲ ማይ ኣብ ምድሪ ን150 መዓልቲ ኸም ዝበርትዐ፡ “ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት” ከም ዝዓረፈት ይገልጽ። (ዘፍጥረት 7:11, 24፣ 8:4) ስለዚ፡ ንውሓት ናይ ሓሙሽተ ወርሒ፡—ካብ መበል 17 መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ ጀሚሩ፡ ክሳዕ መበል 17 መዓልቲ እታ ሻብዓይቲ ወርሒ እታ ዓመት—150 መዓልቲ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር፡ ሓደ ዓመት ንሓደ ወርሒ ኸም ዜምልክት ዚገልጽ ሓሳብ መሰረት የብሉን።

ሕጂ ድማ ካልእ ኣብነት ንርአ። ብመሰረት ዘፍጥረት 5:15-18፡ መሃላልኤል ወዲ 65 ዓመት ምስ ኰነ ወዲ ወለደ፡ ድሕሪኡ 830 ዓመት ጸንሐ፡ ኣብ መበል 895 ዓመት ዕድሚኡ ኸኣ ሞተ። እቲ ወዲ ወዱ ዝዀነ ሄኖክ ድማ ኣብ 65 ዓመት ዕድሚኡ ወዲ ወለደ። (ዘፍጥረት 5:21) ሓደ ዓመት ብሓቂ ሓደ ወርሒ እንተ ነይሩ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ኽልተ ሰባት፡ ደቂ ሓሙሽተ ዓመት ከለዉ ወለዲ ዀይኖም ነይሮም ማለት እዩ። እዝስ ኪኸውን ዚኽእል ነገር ድዩ፧

ኣብ ስነ-ጥንቲ እተገብረ ምርምር እውን፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነዊሕ ዕድመ ዝገበሩ ሰባት ዚህቦ ሓሳብ ይሰማማዕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም፡ ካብ ከተማ ኡር ከም ዝነበረ፡ ኣብ ከተማ ካራን ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ምድሪ ከነኣን ይነብር ከም ዝነበረ፡ ንክዳርላኦመር ንጉስ ዔላም ድማ ተዋጊኡ ኸም ዝሰዓሮ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 11:31፣ 12:5፣ 14:13-17) እቲ ቦታታት ኰነ እቶም ሰባት፡ ብሓቂ ኸም ዝነበሩ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣረጋጊጾምዎ እዮም። ስነ-ጥንቲ ብዛዕባ ኣቀማምጣ እቲ ምስ ኣብርሃም ተተሓሒዙ እተጠቕሰ ቦታታት ኰነ ብዛዕባ ባህልታት እቶም ብግዜ ኣብርሃም ዝነበሩ ሰባት ብመጠኑ ይገልጽ እዩ። እዚ ብዛዕባ ኣብርሃም ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት ቅኑዕ ካብ ኰነ፡ ዕድመ ኣብርሃም 175 ዓመት ብዛዕባ ምዃኑ ሕቶታት ኪለዓል ይግባእዶ፧—ዘፍጥረት 25:7

ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ጥንቲ ዝነበሩ ገለ ሰባት ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት እንጠራጠረሉ ምንም ምኽንያት የብልናን። ኰይኑ ግን፡ ‘እዞም ሰባት እዚኣቶም ነዊሕ ዕድመ ይንበሩ ኣይንበሩ ንዓይ ዜገድሰኒ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ!

እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ምንባሮም፡ ኣካላት ወዲ ሰብ ነዊሕ ዕድመ ኺነብር ተኽእሎ ኸም ዘለዎ እዩ ዜረጋግጽ። ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ንተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ብዛዕባ ኣካላት ወዲ ሰብን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ኣሰራርሓኡን፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ እንደገና ናይ ምሕዳስን ንባዕሉ ናይ ምሕዋይን ዘለዎ ተኽእሎ ብዝርዝር ኪፈልጡ ኣኽኢልዎም እዩ። ኣብ ምንታይ መደምደምታኸ እዮም በጺሖም፧ ኣካላት ወዲ ሰብ ንዘለኣለም ኪነብር ከም ዚኽእል እዩ። ፕሮፌሰር ሕክምና ዝዀነ ቶም ክሪክዉድ፡ ብዛዕባ “[እርጋን]” ኪገልጽ ከሎ፡ “ብሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት መዳይ ሓደ ዓብዪ ምስጢር ኰይኑ ኣሎ” በለ።

ብዓይኒ የሆዋ ኣምላኽ ኪርአ ኸሎ ግን፡ እርጋን ምስጢር ወይ እውን ፍታሕ ዘይብሉ ጸገም ኣይኰነን። ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዕላማ ብምግባር፡ ነቲ ናይ መጀመርያ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም ፍጹም ገይሩ ፈጠሮ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣዳም ካብ ኣምላኽ ስለ ዝዓለወ፡ ኣብ ሓጢኣት ወደቐ፡ ዘይፍጹም ድማ ኰነ። “ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።” ንተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ምስጢር ኰይኖም ዘሎ ነገር፡ እዚ ፍልጠት እዚ እዩ። (ሮሜ 5:12) ብሰሪ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ኢና እንሓምምን እንኣርግን እንመውትን።

ኰይኑ ግን፡ ዕላማ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ኣይተቐየረን። ዕላማኡ ኸም ዘይተቐየረ ዜረጋግጽ ድማ፡ ነቲ ፍጽምናን ዘለኣለማዊ ህይወትን ከም ዚርከብ ዚገብር መስዋእታዊ በጃ ወዱ የሱስ ክርስቶስ መሰናድዎ ምግባሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:22) ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት ናብ ፍጽምና ዝቐረቡ ስለ ዝነበሩ እዮም፡ ካብዞም ሎሚ ዘሎና ሰባት ዝነውሐ ዕድመ ዚነብሩ ዝነበሩ። ኰይኑ ግን፡ ሎሚ ናብቲ መብጽዓታት ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ግዜ ኣዚና ቐሪብና ኢና ዘሎና። ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ምሉእ ብምሉእ ኬልግስ እዩ፡ እርጋንን ሞትን ከኣ ኣይኪህሉን እዩ።—ኢሳይያስ 33:24፣ ቲቶስ 1:2

ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸት ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ መብጽዓ ትምኒት ጥራይ ጌርካ ኣይትውሰዶ። የሱስ፡ “እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ” በለ። (ዮሃንስ 5:24) ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክትፈልጥ ጽዓር፡ ነቲ እተመሃርካዮ ድማ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ኣብነት እቶም ንምኽሪ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምስዓብ፡ “ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም [ዚ]እክቡ” ሰባት ትስዕብ ኣሎኻ ማለት እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) እቲ ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ኸም ዚነብሩ ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንዓኻውን ንዘለኣለም ኬንብረካ ኸም ዚኽእል ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧ እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ርአ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ግራፍ]

(For fully formatted text, see publication)

1000

969 ማቱሳላ

950 ኖህ

930 ኣዳም

900

800

700

600

500

400

300

200

100ዘመናዊ ሰብ

ዕድመ