ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣዝዩ ኽቡር መሰል ዝረኸብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ”

“ኣዝዩ ኽቡር መሰል ዝረኸብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ”

ካብ ሃይቲ እተላእከት ደብዳበ

“ኣዝዩ ኽቡር መሰል ዝረኸብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ”

ድሕሪ እቲ ብ12 ጥሪ 2010 ኣብ ሃይቲ ዜጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ነቲ ኣብ ዜና ዚቐርብ ዝነበረ ዕንወት ምጥማቱ እኳ ይኸብደኒ ነበረ። ድሕርዚ፡ ብዕለት 20፡ መሓዛይ ካርመን ስልኪ ደወለትለይ እሞ፡ ወለንተኛታት ኴንና ናብ ሃይቲ ኽንከይድ ሓሳብ ኣቕረበትለይ። ኣነን ካርመንን ገለ ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወለንተኛታት ኣለይቲ ሕሙማት ኴንና ኽንዓዪ ኸለና ኢና ተራኺብና። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ኣብ ካልእ ፕሮጀክትታት እውን ወለንተኛታት ኴንና ዓዪና ኢና፡ ናይ ቀረባ መሓዙት ከኣ ኰንና።

ኣብ ሃይቲ ንኺሕግዝ ዜኽእል ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ዓቕሚ ኸም ዘይብለይ ንካርመን ነገርክዋ። ከም ጋንታ ዄንና ጽቡቕ ከም ዝዓየናን ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ከም ዝኸኣልናን ኣዘኻኸረትኒ። ብዘረባኣ ተተባቢዐ፡ ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስልኪ ደወልኩ እሞ፡ ምስቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኰይኑ ንዕዮ ረድኤት ዚውድብ ዝነበረ ሰብ ተዘራረብኩ። ምስቶም ወለንተኛታት ኪምዝግበኒ ድማ ነገርክዎ። ንካርመን ጠቒሰ ኸኣ ምስኣ ሓቢረ ኽሰርሕ ከም ዝደሊ ሓበርክዎ። ሓዴና ኸይተጸዋዕና ኽንተርፍ ከም እንኽእል ወይ ክልቴና ሓቢርና ኽንዓዪ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ርጉጽ ከም ዘይኰነ ተነግረኒ።

ክጽዋዕ ትጽቢት ስለ ዘይነበረኒ፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታተይ ተዋፈርኩ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ሰኑይ፡ ዕለት 25፡ ካብ ብሩክሊን ስልኪ ተደወለለይ፣ እንተ ተኻኢሉ ንጽብሒቱ ናብ ሃይቲ ኪኸይድ ዚኽእል እንተ ዀይነ ኸኣ ተነግረኒ። ሽዑ ኣዝየ ሰምበድኩ። ዝከኣለኒ ኺገብር ምዃነይ ግን ተሰማማዕኩ። ፈለማ፡ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ኽወስድ ወሰንኩ። ቀጺለ፡ ንካርመን ደወልኩላ፡ ኰይኑ ግን ፈረንሳይኛ ኽትዛረብ ስለ ዘይትኽእል ከም ዘይተዓደመት ነገረትኒ። ኣይሓጐስ ኣይፍርሂ ድማ ኰንኩ። ብነፋሪት ክኸይድ ቲኬት ምስ ኣቝረጽኩ ድማ ብ28 ጥሪ ኻብ ኒው ዮርክ ተበጊሰ ናብታ ንሃይቲ ኣብ እተዳውብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እትርከብ ሳንቶ ዶሚንጎ ኸድኩ።

ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተቐበለኒ እሞ ብማኪና ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዶመኒካን ሪፓብሊክ ኣብጽሓኒ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኣለይቲ ሕሙማት እውን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መጻ፡ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ሓደርና። ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ብማኪና ናብቲ ኣብ ፖርቶ ፕራንስ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሃይቲ ኸደና፣ ኣብኡ ንኽንበጽሕ ሸውዓተ ሰዓትን ፈረቓን ወሰደልና።

ዶብ ሰጊርና ኣብ ሃይቲ ምስ በጻሕና፡ ዝዓነወ ነገራት ረኣና። እቲ 35 ካልኢት ዝወሰደ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነዛ ጽብቕቲ ሃገር ከም ዘይነበረት ክገብራ ምርኣይ፡ ንምእማኑ ዜጸግም እዩ ነይሩ። ነዚ ዕንወት እዚ ብተለቪዥን ክርእዮ ኸለኹ ኣዝዩ እዩ ዜሰቅቐኒ ነይሩ፣ ብኣካል ምስ ረኣኽዎ እሞ ኸኣ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘሰቀቐኒ ኽገልጾ ኣይክእልን እየ። ቤተ መንግስትን ካልእ ሓያሎ ኣባይትን ምሉእ ብምሉእ ኪዓኑ ኸሎ፡ ገሊኡ ኸኣ ፈራሪሱ እዩ። ሓያሎ ኻብዚ ኣባይቲ እዚ ንኺህነጽ ብዙሕ ገንዘብን ጕልበትን ዝፈሰሶ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ዅሉ ግን ኣብ ሒደት ካልኢታት ዓነወ። ካብዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ህይወት ብሓቂ ዜገድስ፡ ስጋዊ ነገር ከም ዘይኰነ ኸስተብህል ክኢለ።

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምስ በጻሕና፡ ሓንቲ ተቐባሊት ጋሻ ኽንኣቱ ረኣየትና እሞ ኻብ ሰደቓኣ ብድድ ኢላ ናባና መጸት፡ ብውዕውዕ ፍሽኽታ ድማ ሓቚፋ ሰዓመትና። ንብሕታዊ ጕዳያትና ገዲፍና ናብኡ ኽንሕግዝ ብምኻድና ነኣደትና። ድሕሪ ምሳሕ፡ ናብቲ ኣብ ቀረባ ዚርከብ ናብ ሆስፒታል እተቐየረ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ዝነበረ ኸድና። ኣብኡ ድማ ካብ ጀርመን ዝመጹ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ሓኻይምን ተሓጋጋዚኦምን ሓንቲ ኻብ ስዊዘርላድ ዝመጸት መሕረሲትን ዚርከብዎም ወለንተኛታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸንሑና።

ኣብታ ምሸት እቲኣ ዕዮይ ጀመርኩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑን 18 ተሓከምቲ፡ ኣብ ምድሪ ቤት ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ፡ ኣብ ፍርናሽ ደቂሶም ነበሩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት፡ ንዅሎም እቶም ተሓከምቲ ብማዕረ ተኸናኸንዎም ብናጻ ኸኣ ሓከምዎም።

ኣብታ ለይቲ እቲኣ፡ 80 ዓመት ዝዕድሚኡ ተሓካሚ ሞተ። ሰበይቱ ኣብ ጐድኑ ነበረት፡ ኣነን መዳቕስተይን ከኣ ኣብ ጐድኖም ነበርና። ድሕርዚ፡ ኬትሊ እተባህለት መንእሰይ ቃንዛ ስለ ዝበርትዓ ኽትግዕር ጀመረት። ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ የማነይቲ ኢዳ ተቘሪጻ ነበረት። ንኬትሊ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ ጐድና ነበረት። ኣብቲ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ለይቲ ለይቲ ኣብ ጐድኒ ኬትሊ ትድቅስ ነበረት።

ናብ ኬትሊ ኸይደ ቓንዛኣ ኸህድኣላ ደለኹ፡ ኰይኑ ግን ኣካላዊ ቓንዛ ጥራይ ኣይኰነን ነይርዋ። ምድሪ ኼንቀጥቅጥ ከሎ ኣብ ቤት መሓዛኣ ኸም ዝነበረት ነገረትኒ። ኬትሊን መሓዛኣን፡ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ኣይተረድአንን ነይሩ። ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ናብቲ በረንዳ ኺጐያ ምስ ጀመራ፡ መንደቕ ፈሪሱ ኣብ ልዕሊአን ወደቐ፡ ኣብቲ ፍርስራስ ከኣ ተቐብራ። ኬትሊ ንመሓዛኣ ጸውዓታ፡ ንሳ ግን ኣይመለሰትን። መሓዛኣ ሙማታ ብኡንብኡ ኸም እተረድኣ ኸኣ ገለጸት። ህይወት ንምድሓን እተዋፈሩ ሰባት ኣርባዕተ ሰዓት ጸኒሖም ክሳዕ ዝመጹ ኬትሊ ንመሓዛኣ ተሰኪማታ ነበረት። የማነይቲ ኢድ ኬትሊ፡ ካብ መንኵብ ተቘርጸት።

ኣብታ ምስኣ ዝሓደርኩላ ናይ መጀመርታ ለይቲ፡ ኬትሊ ድቃስ ኪወስዳ ኺጅምር ከሎ ዅሉ ሳዕ እቲ ፍጻመ ይረኣያ ነበረ። ፊቕ ፊቕ እናበለት፡ “ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታትን ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድርን እንታይ ከም ዚብል እፈልጥ እየ። ዜሐጕስ መጻኢ ኸም ዘሎና እፈልጥ እየ። ብህይወት ብምትራፈይ ከመስግን ከም ዘሎኒ እፈልጥ እየ። ኰይኑ ግን፡ ሓንሳእ እሞ ንርእስኺ ኣብ ቦታይ ኣእትውያ። ሓደ መዓልቲ ጽቡቕ ህይወት ትመርሒ ኔርክስ፡ ሃንደበት ከምዚ ኣጋጢሙኪ” ምስ በለትኒ፡ ዝገብሮ ጠፊኡኒ፡ ሒዘያ ፈዘዝኩ፡ ኣነውን ኪበኪ ጀመርኩ። ክሳዕ እትድቅስ ከኣ ክልቴና ንበኪ ነበርና።

ሓደ ዶክተርን ክልተ ኣለይቲ ሕሙማትን ነቶም ክንክን ሕክምና ዜድልዮም ንምሕጋዝ መዓልቲ መዓልቲ ይለኣኹ ነበሩ። ኣነ ድማ ናብታ ኻብ ፖርቶ ፕራንስ ብማኪና ኽልተ ሰዓት እትወስድ ፔቲ ጎኣቭ ተለኣኽኩ። ምስ ክልተ ወለንተኛታት እየ ተላኢኸ፣ እታ ሓንቲ ኻብ ፍሎሪዳ ዝመጸት ኣላይት ሕሙማት ክትከውን ከላ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ካብ ፈረንሳ ዝመጸ ሓኪም እዩ። ሰዓት 9:30 ቅ.ቐ. ምስ በጻሕና፡ ኣቓሑና ኣራጊፍና ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቐመጥናዮ። ሰባት ክንመጾም ምዃንና ስለ እተነግሮም፡ ኮፍ ኢሎም ይጽበዩና ነበሩ።

ብኡንብኡ ዕዮና ጀመርና። ሃሩር ነበረ፡ ሓገዝ ደልዮም ዚስርዑ ሰባት ከኣ ይውስኹ ነበሩ። ሰዓት ሰለስተ ኣቢሉ ምስ ኰነ ኢና ኣዕሪፍና። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰለስቴና 114 ክታበት፡ 105 ሕክምናዊ ምኽሪ ሂብና። ኣዝየ ደኺመ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንድሕንነት እቶም እተጐድኡ ኣበርክቶ ኽገብር ብምኽኣለይ ግን ሕጕስቲ እየ።

ኣብቲ ኣብ ሃይቲ እተገብረ ዕዮ ረድኤት ብጠቕላላ ልዕሊ ኽልተ ሰሙን ጸናሕኩ። ኣብቲ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ፡ ዳርጋ ለይቲ ለይቲ 12 ሰዓት እሰርሕ ነበርኩ። ቅድሚኡ ኣጋጢሙኒ ዘይፈልጥ፡ ከቢድ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ብምስራሐይ፡ ፍሉይ መሰል ከም ዝረኸብኩን ከም እተባረኽኩን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ነቶም ከቢድ ስቓይ ዝነበሮም ህዝቢ ሃይቲ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ኸጸናንዖምን ክረድኦምን ብምኽኣለይ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ።

ካብኣቶም ብዙሕ እንመሃሮ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቶም ዝከናኸኖም ዝነበርኩ ሕሙማት፡ ኤሊዛ ዝስሙ ወዲ 15 ዓመት፡ ሓንቲ እግሩ ተቘሪጻ እያ። ኤሊዛ ነቲ ዚወሃቦ ዝነበረ ምግቢ፡ ኣብ ጐድኑ ይድቅስ ንዝነበረ ጂሚ ምእንቲ ኼካፍሎ ንምሸት የቐምጦ ኸም ዝነበረ ኣስተብሃልኩ። ጂሚ ሓድሓደ ግዜ ኸይበልዐ ይመጽእ ከም ዝነበረ፡ ኤሊዛ ገለጸለይ። ሃብቲ ወይ ጥዕና እኳ እንተ ዘይብልና፡ ዘሎና ነገራት ከነካፍል ከም እንኽእል ካብ ኤሊዛ ተምሃርኩ።

እቶም ኣብ ጕጅለይ ዝነበሩ ወለንተኛታት እውን ከምዚ ዓይነት መንፈስ ነይርዎም እዩ። ሓንቲ ኻብቶም ወለንተኛታት ብዙሕ ጥዕና ኣይነበራን፡ ሓንቲ ኻልእ ከኣ ሕቘኣ የቐንዝዋ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ብሕታዊ ምሾተን ንላዕሊ፡ ነቲ እቶም ተሓከምቲ ዜድልዮም ዝነበረ ነገራት እየን ዜቐድማ ነይረን። ኣነ እውን ከምዚ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተተባባዕኩ። ኵላትና በብግዜኡ ብስምዒት፡ ብኣእምሮ፡ ብኣካል ንደክም እኳ እንተ ነበርና፡ ንሓድሕድና እናተደጋገፍና ኢና ኣሕሊፍናዮ። እዚ፡ ፈጺሙ ዘይርሳዕ ተመክሮ እዩ። ኣባል እዚ ሕያዎትን ፈቃራትን ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡን ክርስትያናት ዘለውዎ ውድብ ብምዃነይ ኣዝየ እየ ዘመስግን።

ካብ ሃይቲ ቕድሚ ምንቃለይ፡ የማነይቲ ኢደን እተቘርጻ ኽልተ ተሓከምቲ፡ ናይ ምስጋና ደብዳበ ጽሒፈን ኣብ ነፋሪት ምስ ደየብኩ ኸንብቦ ተማሕጸናኒ። ከምቲ ዝበላኒ ኸኣ ገበርኩ። በተን ደብዳበታት ልበይ ስለ እተተንከፍኩ፡ ንብዓት ሰዓረኒ።

ናብ ዓደይ ምስ ተመለስኩ፡ ምስ ገለ ኻብተን ኣብ ሃይቲ ዝረኸብክወን ሓደስቲ መሓዙት ርክበይ ኣየቋረጽኩን። ድልዱልን ፍቱንን ምሕዝነት ኣብ ግዜ ጸገማትን ቅልውላዋትን እዩ ዚምስረት። እቲ ድልዱል ምሕዝነትና፡ ኣብ መጻኢ ኼጋጥም ንዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጸገማት እውን ኪጻወር ከም ዝኽእል እየ ዝኣምን። ኣዝየ ኽቡር መሰል ዝረኸብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።