ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንንጽል ወለዲ ሕለየሎም

ንንጽል ወለዲ ሕለየሎም

ንንጽል ወለዲ ሕለየሎም

ንንጽል ወለዲ ኻብ ካልኦት ብዝያዳ ግዜኦምን ጕልበቶምን ዚጠልብ ኵነታት የጋጥሞም እዩ። ዜጋጥሞም ብድሆታት ጸብጺብካ ዚውዳእ ኣይኰነን። ነቲ ንስድራ ቤቶም ንምእላይ ዘለዎም ብዙሕ ሓላፍነታት ኪስከሙ ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እቲ እንጌራ ዕለቶም ንምምእራር ዚሰርሕዎ ስራሕ፡ ኪሽምቱ፡ ምግቢ ኺሰርሑ፡ ኬጸራርዩ፡ ንደቆም ኪኣልዩ ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ ንደቆም ዜድሊ ዘበለ ኽንክን ጥዕናን መዘናግዕን ስምዒታዊ ደገፍን ኬማልኡ፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ፡ ንርእሶም ዚጥቀሙሉ እተወሰነ ግዜ ኺረኽቡ ኣለዎም።

ኣብዚ ግዜና፡ ብንጽል ወላዲ ዝቘማ ስድራ ቤታት ይበዝሓ እኳ እንተ ኣለዋ፡ ብቐሊሉ ዕሽሽ ኪበሃላ ይኽእላ እየን። ሓንቲ ኣደ፡ “ንጽል ወላዲት ክሳዕ ዝዀንኩሉ እዋን፡ ብዛዕባ ንጽል ወለዲ ኣይሓስብን እየ ነይረ” ኢላ ተኣሚና እያ። ንንጽል ወለዲ ብኸመይ ክትሓልየሎም ትኽእል፧ ክትግደሰሎም ይግብኣካዶ፧ ንኽትግደሰሎም ዚድርኸካ ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንርአ።

ንኽትግደሰሎም ዚድርኸካ ምኽንያታት

ብዙሓት ንጽል ወለዲ ሓገዝ ይደልዩ እዮም። ሓንቲ ኽልተ ውሉዳት ዘለውዋ 41 ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት፡ “ሓድሓደ ግዜ እንታይ ከም ዝገብር ይሕርብተኒ እዩ፣ ተሰኪመዮ ዘለኹ ብዙሕ ሓላፍነታት ድማ ኣመና ይኸብደኒ እዩ” በለት። መጻምድቶም ብሙማቱ፡ ሓዲግዎም ብምኻዱ፡ ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ንጽል ወለዲ ዝዀኑ ሰባት፡ ከምታ ብጽምዋ እተበልዐት እሞ፡ “ኪርህወና ኢና ሃረር እንብል” ዝበለት ኣደ እዩ ዚስምዖም።

ክትሕጐሰሉ ኢኻ። ንሓደ ጾሩ እምብዛ ዝኸበዶ ሰብ ኣሳኺምካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብግብራዊ መገዲ ሓገዝ ብምሃብካ፡ ዕግበት ከም እተሰምዓካ ኣየጠራጥርን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንንጽል ወለዲ እውን በይኖም ኪስከምዎ ዘይክእሉ ጾር የጋጥሞም እዩ። ዜድልዮም ሓገዝ እንተ ሂብካዮም፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 41:1 ዚርከብ፡ “ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ [ሕጉስ] እዩ” ዚብል ቃላት ብተመክሮ ኽትርእዮ ኢኻ።

ኣምላኽ ዚሕጐሰሉ እዩ። ያእቆብ 1:27፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ . . . ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ” ትብል። እዚ ንንጽል ወለዲ ምብጻሕ እውን የጠቓልል። a እብራውያን 13:16 እውን፡ “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” ትብል።

ንንጽል ወለዲ ሓልዮትካ ኸተርኢ ዚድርኽ ሰለስተ ምኽንያት ካብ ረኣና፡ ቀጺልና፡ ንምሕጋዞም እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን እቲ እትህቦ ሓገዝ ግብራዊ ምዃኑ ብኸመይ ከተረጋግጽ ከም እትኽእልን እስከ ንርአ።

እንታይ ከም ዜድልዮም ኣስተውዕል

ኣብ ፈለማ ናብ ኣእምሮኻ ዚመጸልካ ነገር፡ ንንጽል ወላዲ፡ “ብኸመይ ክሕግዘካ እኽእል፧” ኢልካ ምሕታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግን፡ መብዛሕትኦም ንጽል ወለዲ ብሓቂ ዜድልዮም ነገራት ኣይነግሩኻን እዮም። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ መዝሙር 41:1“ዚሐልየሉ” ብእትብል ቃል ገይራ ግብራዊ ስጕምቲ ኽትወስድ ተተባብዕ እያ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ነታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ‘ንሓደ ነገር ብጥበብ ክትሕዞ ዜኽእል፡ እተሓላለኸ መስርሕ ሓሳብ’ ከም እተመልክት ገለጸ።

ስለዚ፡ ንንጽል ወላዲ ብዝበለጸ ኽትሕግዝ እትኽእለሉ መገዲ ንምፍላጥ፡ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞ ብድሆታት ኣጸቢቕካ ኽትሓስብ ኣሎካ። ነቲ ዅነታት ላዕሊ ላዕሉ ጥራይ ኣይትርአ፣ የግዳስ፡ መስተብሃሊ ኹን። ‘ኣብ ቦታኡ ነይረ እንተ ዝኸውን፡ እንታይ ምደለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ልክዕ እዩ፡ ብዙሓት ንጽል ወለዲ፡ ባዕልኻ ነቲ ጸገማቶም እንተ ዘይተመኪርካዮ፡ ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ኸም ዘይትኽእል ይነግሩኻ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ኵነታቶም ንኽትርድኣሎም ዚከኣለካ ምጽዓርካ፡ ‘ንኽትሓልየሎም’ ኪሕግዘካ እዩ።

ነቲ ፍጹም ኣብነት ኣምላኽ ቅድሓዮ

ንንጽል ወለዲ ብምሕላይ ዝመጸ፡ ከም የሆዋ ኣምላኽ ገይሩ ብፍቕራውን ብውጽኢታውን መገዲ ዚሓሊ ዋላ ሓደ የልቦን። የሆዋ ኣምላኽ ንመበለታትን ንዘኽታማትን ከም ዚሓልየሎምን ከም ዚግደሰሎምን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ሳዕ ጐሊሑ ኣሎ፣ ስለዚ፡ ንንጽል ወለዲ ይሓልየሎም እዩ። ኣምላኽ፡ ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ እንታይ ከም ዚገብር ምስ እንምርምር፡ ጠቓምን ግብራውን ሓገዝ ብኸመይ ከም እንህብ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣርባዕተ ቐንዲ ረቛሒታት ክንርኢ ንኽእል ኢና።

ስምዓዮም

ኣብቲ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ንግፉዓት ‘ጥርዓኖም ኣጸቢቑ ኸም ዚሰምዕ’ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 22:22, 23) ነዚ ጽቡቕ ኣብነት እዚ ብኸመይ ክትቀድሖ ትኽእል፧ ንጽል ወለዲ ናይ ውሽጦም ዜካፍልዎ ካልእ ዓብዪ ሰብ ስለ ዘይብሎም፡ ብዙሕ ግዜ ብጽምዋ ይብልዑ እዮም። ሓንቲ ንጽል ወላዲት፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ደቀይ ምስ ደቀሱ፡ ብኽያተይ ክዓግቶ ኣይክእልን እየ። ሽዑ ዚስምዓኒ ጽምዋ፡ ንምጻሩ ይኸብደኒ እዩ” ኢላ ጓሂኣ ገለጸት። ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ መዳያት፡ ንሓደ ናይ ልቡ ኼፍስስ ዚደሊ ንጽል ወላዲ ‘ጥርዓኑ ንኽትሰምዖ’ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ኣብ ግቡእ ኵነታት ንኽትሰምዖ ፍቓደኛ ምዃንካ፡ ነቲ ንጽል ወላዲ ዜጋጥሞ ብድሆታት ንኺጾሮ ብዙሕ ይሕግዞ እዩ።

ኣተባብዓዮም

የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ፡ እስራኤላውያን ኣብ ግዜ ኣምልኾ ዚዝምርዎ ቕዱስ መዝሙራት ከም ዚጸሓፍ ገይሩ እዩ። እስራኤላውያን መበለታትን ዘኽታማትን ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መዝሙራት ኪዝምሩ ኸለዉ እሞ፡ የሆዋ ‘ኣቦኦምን ጠበቓኦምን’ ከም ዝዀነን ከም ዚኣልዮምን ኪዘኻኸሩ ኸለዉ ዚረኽብዎ መተባብዒ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (መዝሙር 68:5፣ 146:9) ንሕና እውን ንሓደ ንጽል ወላዲ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኪዝክሮ ዚኽእል ዜተባብዕ ቃላት ከነካፍሎ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ሩት እትበሃል ንጽል ኣደ፡ ነቲ ቕድሚ 20 ዓመት ሓደ ምኩር ኣቦ፡ “ነዞም ክልተ ኣወዳትኪ ጽቡቕ ጌርኪ ተዕብይዮም ኣለኺ። ንፍዕቲ” ኢሉ እተዛረባ ቓላት፡ ክሳዕ ሕጂ ትዝክሮ እያ። “ነተን ቃላት እቲኣተን ምስማዐይ፡ ጦብላሕታ ሓዲጉለይ እዩ” በለት። እወ፡ “ልዝብቲ ልሳን ኦም [ህ]ይወት እያ፡” ንንጽል ወላዲ እውን ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ኸተተባብዖ ትኽእል እያ። (ምሳሌ 15:4) እሞኸ ንሓደ ንጽል ወላዲ ኻብ ልብኻ ኽትንእዶ ትኽእልዶ፧

ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ንዋታዊ ሓገዝ ሃብ

የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ኣብ ዝሃቦም ሕጊ፡ ንመበለታትን ንዘኽታማትን ክብረቶም ከይቀንጠጠ ዜድልዮም ዘበለ ዜማልኣሎም መሰናድዎ ገይሩ ነበረ። በዚ መሰናድዎ እዚ ኸኣ፡ “በሊዖም ኪጸግቡ” ይኽእሉ ነበሩ። (ዘዳግም 24:19-21፣ 26:12, 13) ንሕና እውን፡ ንንጽል ወለዲ ብጥበባውን ክብረቶም ብዘየሕስርን መገዲ፡ ንዋታዊ ሓገዝ ክንህቦም ንኽእል ኢና። እሞኸ እተወሰነ ምግቢ ወይ ኣስቤዛ ሒዝካ ኽትበጽሖም ትኽእልዶ፧ ንንጽል ወላዲ ወይ ንውሉዳቱ ዚኸውን ኽዳውንቲ ኣሎካዶ፧ ወይ ከኣ ሓደ ንጽል ወላዲ ንስድራ ቤቱ ዜድልዮ ነገራት ምእንቲ ኺዕድግ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብረሉ ትኽእልዶ፧

ኣቕርቦም

ብግዜ ጥንቲ የሆዋ፡ መበለታትን ዘኽታማትን ኣብቲ እቲ ህዝቢ ዜብዕሎ ዓመታዊ በዓላት ኪሳተፉ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ምስ ካልኦት እስራኤላውያን ኪቀራረቡ ኣዚዙ ነይሩ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንመበለታትን ንዘኽታማትን፡ “ተሐጐስ” ኢልዎም እዩ። (ዘዳግም 16:10-15) ሎሚ እውን፡ ንክርስትያናት “ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ” ዚብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ባህ ዜብል ቅርርብ ንኺህልዎም ኣጋጣሚታት ይኸፍት እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:9) እሞኸ ብንጽል ወላዲ ንዝቘመት ስድራ ቤት ስለምንታይ ናብ ቤትካ ዘይትዕድም፧ ብዙሕ ምግቢ ኸተዳሉ ኣየድልየካን እዩ። የሱስ ተዓዲሙ ናብ እንዳ ፈተውቱ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ “እቲ ዜድሊ . . . ሓደ ጥራይ እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 10:42

ንሓልዮትካ ኼማስዉሉ እዮም

ካትሊን እትበሃል ሰለስተ ውሉዳት ዘዕበየት ንጽል ወላዲት፡ “ሓንቲ እኳ ኣይትጸበዪ፣ ንዅሉ ኣማስዉሉ” ንዚብል ጥበባዊ ማዕዳ ኸቶ ኸም ዘይትርስዖ ገሊጻ እያ። ብዙሓት ንጽል ወለዲ፡ ከም ካትሊን፡ ንደቆም ናይ ምዕባይ ሓላፍነት፡ ናይ ብሕቶም ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ንሳቶም ኪገብርዎ ዚግብኦም፡ ካልኦት ኪገብሩሎም ኣይጽበዩን እዮም። ይኹን እምበር፡ ንዝዀነ ይኹን ዚግበረሎም ሓገዝ ከም ዜማስዉሉ ኣየጠራጥርን እዩ። ንስኻ እውን ንንጽል ወለዲ ትሓልየሎም እንተ ዄንካ፡ ንዓታቶም ክትሕግዞም፡ ንርእስኻ እውን ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ የሆዋ ኣምላኽ ‘ንሰናይ ግብርኻ ኸም ዚፈድየካ’ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ምሳሌ 19:17

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ “ንጽል ወላዲ” ዚብል መግለጺ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ “መበለት”ን “ዘኽታም”ን ዚብላ ቓላት ግን ብተደጋጋሚ ይርከባ እየን። እዚ ድማ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ፡ ንጽል ወለዲ ኸም ዝነበሩ ይሕብር።—ኢሳይያስ 1:17

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ብንጽል ወላዲ ንዝቘመት ስድራ ቤት ካብ እትዕድም ነዊሕ ጌርካዶ፧ ኣብ ቀረባ ግዜ ንምንታይ ዘይትዕድም፧