ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት ክትነግሮም እትኽእል ምስጢር

ንኻልኦት ክትነግሮም እትኽእል ምስጢር

ንደቅኻ ምሃሮም

ንኻልኦት ክትነግሮም እትኽእል ምስጢር

ምስጢር ተነጊሩካዶ ይፈልጥ፧— a ሓደ ምስጢር እስከ ኽነግረካ። እዚ ምስጢር እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ . . . [“ቕዱስ፡” NW] ምስጢር” ተባሂሉ ኣሎ። (ሮሜ 16:25) ኣብ ፈለማ፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ብዛዕባ እዚ “ቕዱስ ምስጢር” ዚፈልጥ ነይሩ። ቀጺልና እስከ ብኸመይ ንኻልኦት ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ኸም ዘፍለጦም ንርአ።

ንምዃኑ፡ “ቅዱስ” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧— እታ ቓል፡ ንጹህ ወይ ፍሉይ ማለት እያ። እምበኣር፡ እቲ ምስጢር፡ ቅዱስ እተባህለ፡ ካብቲ ቕዱስ ዝዀነ ኣምላኽ ዝመንጨወ ስለ ዝዀነ እዩ። ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ምስጢር እዚ መን ኪፈልጥ ዚደሊ ይመስለካ፧— መላእኽቲ ኺፈልጡ ይደልዩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም” ይብል። እወ፡ መላእኽቲ ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ምስጢር ኪርድኡ ይደልዩ እዮም።—1 ጴጥሮስ 1:12

የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ምስጢር ኪገልጽ ጀመረ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ” በሎም። (ማርቆስ 4:11) እቲ ቕዱስ ምስጢር ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ኣስተብሂልካዶ፧— ብዛዕባ እታ የሱስ ክንጽልየላ ዝመሃረና መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።—ማቴዎስ 6:9, 10

የሱስ ናብ ምድሪ መጺኡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚገልጽ፡ እቲ ነገር እቲ “ኻብ ዘለኣለም” ምስጢር ኰይኑ ዝነበረ ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ። ኣዳምን ሄዋንን ሕጊ ኣምላኽ ጥሒሶም ካብ ገነት ኤድን ምስ ተሰጕጉ፡ ኣምላኽ መሊሱ ንምድሪ ገነት ከም ዚገብራ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘፍጥረት 1:26-28፣ 2:8, 9፣ ኢሳይያስ 45:18) ብዛዕባ እቲ ሰባት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ሓጐስ እውን ጽሒፎም እዮም።—መዝሙር 37:11, 29፣ ኢሳይያስ 11:6-9፣ 25:8፣ 33:24፣ 65:21-24

ቀጺልና ብዛዕባ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ እስከ ንርአ። ኣምላኽ፡ ገዛኢ ኪኸውን ንመን ከም ዝመረጸ ትፈልጥዶ፧— ነቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እዩ መሪጹ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ” ይብል። (ኢሳይያስ 9:6, 7) ኣነን ንስኻን “ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ” ክንፈልጥ ኣሎና። (ቈሎሴ 2:2) ኣምላኽ ንህይወት እቲ ናይ መጀመርታ መልኣኽ (መንፈሳዊ ወዱ) ወሲዱ ኣብ ውሽጢ ማርያም ከም ዘእተዎ ኽንፈልጥ ኣሎና። ንሕና ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓያል መልኣኽ ዝነበረ ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ።—ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16፣ 17:3

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ከም ዝመረጾ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክንፈልጥ ኣሎና። ካልኦት ሰብኡትን ኣንስትን ምስቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪዀኑ ምዃኖም እውን ክፋል እቲ ቕዱስ ምስጢር እዩ። ንሳቶም ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ኪገዝኡ እዮም።—ኤፌሶን 1:8-12

ገለ ኻብቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ መነመን ከም ዚበሃሉ እስከ ንርአ። የሱስ ንእሙናት ሃዋርያቱ ናብ ሰማይ ከይዱ ስፍራ ኸም ዜዳልወሎም ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 14:2, 3) ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ገለ ኻብቶም ምስ የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣቦኡ ዚገዝኡ ሰብኡትን ኣንስትን መነመን ከም ዚበሃሉ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።—ማቴዎስ 10:2-4፣ ማርቆስ 15:39-41፣ ዮሃንስ 19:25

እቶም ምስ የሱስ ኣብ መንግስቱ ዚገዝኡ ሰባት ክንደይ ምዃኖም ንነዊሕ እዋን ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ቍጽሮም ንፈልጦ ኢና። ክንደይ ምዃኑ ትፈልጦዶ፧— መጽሓፍ ቅዱስ፡ 144,000 ምዃኖም ይነግረና እዩ። እዚ እውን፡ ክፋል እቲ ቕዱስ ምስጢር እዩ።—ራእይ 14:1, 4

እቲ ቕዱስ “ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ፡” ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪፈልጦ ዚግባእ ብሉጽ ምስጢር ኣይመስለካንዶ፧— እምበኣር፡ ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኽንገልጸሎም፡ ብእተኻእለና መጠን ብዛዕባኡ ንመሃር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።

ሕቶታት፦

እዚ እተዘራረብናሉ ምስጢር እንታይ ተባሂሉ ይጽዋዕ፧ ስለምንታይከ እዩ ኸምኡ ተባሂሉ እተጸውዐ፧

እዚ ምስጢር ብዛዕባ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባኡ ንሰባት ኪምህር ዝጀመረኸ መን እዩ፧

ብዛዕባ እዚ ምስጢር እንታይ ተማሂርካ፧

ንዓርክኻ ብዛዕባ እዚ ምስጢር ብኸመይ ክትገልጸሉ ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እዞም መላእኽቲ ብዛዕባ እንታይ ኪፈልጡ ዚጽዕሩ ዘለዉ ይመስለካ፧