ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሉድካ እንታይ ኢሉ ምመለሰ፧

ውሉድካ እንታይ ኢሉ ምመለሰ፧

ውሉድካ እንታይ ኢሉ ምመለሰ፧

ወለዲ፦ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2010 ሕታም፡ ኣብ ገጽ 16-20፡ ምስ ደቅኹም ልምምድ ብዛዕባ ምግባር ጠቒስና ኔርና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ውሉድኩም ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዜጋጥሞ ብድሆታት ብኸመይ ከም እተዳልውዎ ዚሕብር ሓሳባት ሒዛ ኣላ። ነዚ ልምምድ እዚ፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ውሉዳት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዙሕ ብድሆታት የጋጥሞም እዩ። ንሰንደቕ ዕላማ ስለምንታይ ሰላምታ ኸም ዘይህቡ፡ ዕለተ ልደት ስለምንታይ ከም ዘየኽብሩ፡ በዓላት ስለምንታይ ከም ዘየብዕሉ፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ስለምንታይ ከም ዘይሳተፉ፡ ካብ መማህርቶም ብዙሕ ሳዕ ሕቶ ይቐርበሎም እዩ። ወድኻ ወይ ጓልካ ኸምዚ ዓይነት ሕቶታት እንተ ዚቐርበሉ፡ እንታይ ኢሉ ምመለሰ፧

ገሊኦም ክርስትያን ውሉዳት፡ “ከምኡ ኽገብር ኣይክእልን እየ። ሃይማኖተይ ኣይፈቕደለይን እዩ” ኢሎም ጥራይ እዮም ዚምልሱ። እዞም ውሉዳት እዚኣቶም፡ ኣብ መትከሎም ብምጽናዖም ኪንኣዱ ይግብኦም እዩ። ምላሾም ተወሳኺ ሕቶታት ንኸይቀርበሎም ዚዓግት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነትና ‘ምኽንያታ ንዚሓተና ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎና ኽንከውን’ እዩ ዚምዕደና። (1 ጴጥ. 3:15) እዚ ኸኣ፡ “ከምኡ ኽገብር ኣይክእልን እየ” ኢልና ኻብ ምምላስ ንላዕሊ የጠቓልል። እቶም ሕቶ ዚሓቱና ሰባት ዋላ እውን ምሳና እንተ ዘይተሰማምዑ፡ ንውሳነና ምኽንያት ከም ዘሎና ኺፈልጡ ይደልዩ ይዀኑ።

ብዙሓት ውሉዳት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ገይሮም ንመማህርቶም ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ነጊሮምዎም እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ነታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ተጠቒሞም እዮም። እዚ ዛንታታት እዚ፡ ውሉዳት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገሊኡ ነገራት ዚሳተፉሉ ወይ ዘይሳተፉሉ ምኽንያት ንምግላጽ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ተመሃሮ ንዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ጽን ኢሎም ይሰምዑ እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሓያሎ ኻባታቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሮም እዮም። ገሊኦም ተመሃሮ ግን፡ ሓደ ምሉእ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰምዑ ኣይደልዩን ይዀኑ። ገሊኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምሉእ መግለጺ እንተ ዘይተዋሂብዎ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዘለዉ ተመሃሮ ምርዳኡ ይኸብዶም ይኸውን። ማንሂ ዝስማ 11 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል፡ መሓዛኣ ኣብ ናይ ልደታ ፓርቲ ኽትመጽእ ምስ ዓደመታ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ዕለተ ልደትና ኸነብዕል ከም ዘሎና ኣይሕብርን እዩ። ዮሃንስ መጥምቕ ዚበሃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ሰብ፡ ኣብ ዕለተ ልደት ተቐቲሉ እዩ” በለታ። እንተዀነ ግን፡ ማንሂ ኸም ዝገለጸቶ፡ መሓዛኣ ነቲ መልሳ ምርዳኡ ዝኸበዳ እያ እትመስል ነይራ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ መጻሕፍትና ዚርከብ ስእሊ ወይ ዛንታ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሰበ-ስልጣን ቤት ትምህርቲ፡ ደቅና ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ንኻልኦት መማህርቶም ኬርእዩ ዘይደልይዎም እንተ ዀኑኸ፧ ደቅና ብዘይ ጽሑፋት፡ ብውጽኢታዊ መገዲ ኺምስክሩ ይኽእሉ ድዮም፧ ንደቅኻ፡ ንእምነቶም ንኺጣበቑላ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

ልምምድ ግበሩ

ወለዲ ኸም መማህርቲ ዀይኖም እናተዋስኡ ዚግበር ልምምድ ሓጋዚ እዩ። ውሉዳት ንእምነቶም ኪጣበቑላ ኺፍትኑ ኸለዉ፡ ወለዲ ንጻዕርታቶም ኪንእድዎም፡ ዜረድኡሉ መገዲ ብኸመይ ከም ዜመሓይሹን እዚ ዝሓሸ ዝዀነሉ ምኽንያትን ከኣ ኪገልጹሎም ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ መሳቱኦም ዝዀኑ ተመሃሮ ኺርድእዎ ዚኽእሉ ቓላት ኪጥቀሙ ሓሳብ ኪህብዎም ይኽእሉ እዮም። ጆሹዋ ዝስሙ ትሽዓተ ዓመት ዝዕድሚኡ ቘልዓ፡ መማህርቱ ኸም “ሕልና”ን “ተኣማንነት”ን ዝኣመሰለ ቓላት ከም ዘይተረድኦም ገሊጹ እዩ። ስለዚ፡ ምእንቲ ኼረድኦም ኢሉ፡ ዝቐለለ ቓላት ኪጥቀም ነበሮ።—1 ቈረ. 14:9

ገሊኦም ተመሃሮ ሕቶ ሓቲቶም ኬብቅዑ፡ ነዊሕ መልሲ ኺወሃቦም ምስ ጀመረ ተገዳስነቶም ይሃስስ እዩ። ውሉዳት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብ ዝርርብ ከም ዚሳተፉ ብምግባርን መረዳእታ ብምቕራብን፡ ተገዳስነቶም ንኸይቅህም ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ሃንዩል እትበሃል ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል፡ “መማህርተይ ዝርርብ እምበር፡ መግለጺ ኣይፈትዉን እዮም” በለት። ምእንቲ ኽትዘራረቡ፡ ሕቶታት ሕተት፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ዚወሃብ ብሕታዊ ርእይቶ ተጠንቂቕካ ስማዕ።

እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርርብ፡ ውሉዳት ንመማህርቶም ብኸመይ ኬረድእዎም ከም ዚኽእሉ ይሕብር። እዚ ዝርርብ እዚ ቓል ብቓሉ ኺሽምደድ የብሉን። ቈልዑ እተፈላለየ ኣዘራርባ እዩ ዘለዎም፣ በበይኑ ዅነታት ስለ ዘጋጥሞም እውን፡ እተፈላለየ ምላሽ እዮም ኪህቡ ዘለዎም። ስለዚ፡ ሓደ ውሉድ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ነቲ ሓሳብ ወሲዱ፡ ብናቱ ኣዘራርባ ገይሩ፡ ምስቲ ዅነታትን ምስቶም መማህርቱን ብዚሰማማዕ መገዲ ኺገልጾ ኣለዎ። ናብ ቤት ትምህርቲ ዚኸዱ ውሉዳት እንተ ኣልዮምኻ፡ ነዚ ዝርርባት እዚ ምሳታቶም ኴንካ ተለማመዶ።

ንውሉዳት ዚወሃብ ስልጠና፡ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬስርጹሎምን በቲ ስርዓታት ንኺመላለሱ ኼእምንዎምን ይደልዩ እዮም።—ዘዳ. 6:7፣ 2 ጢሞ. 3:14

ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም፡ ምስ ደቅኹም ብሓባር ኴንኩም ነዚ ኣብዚ ዝቐረበ ዝርርባት ተለማመዱሉ። እዚ ብኸመይ ውጽኢታዊ ኸም ዝዀነ ርኣዩ። ሸቶኹም፡ እተወሰነ ምላሻት ወይ ቃላት ምሽምዳድ ከም ዘይኰነ ኣይትረስዑ። እኳ ደኣስ፡ ብዛዕባ ሓደ ዅነት እተፈላለየ ሕቶ እናኣቕረብኩም፡ ውሉድኩም ብኸመይ ምላሽ ከም ዚህብ ክትለማመዱ ትኽእሉ ኢኹም። መሰረት እምነቶም ኪገልጹ ኸለዉ፡ ርትዓውያንን ሜለኛታትን ኪዀኑ ሓግዝዎም። በብቝሩብ፡ ነቲ ዚኣምኑሉ ነገር ኣብ ቅድሚ መማህርቶምን ጐረባብቶምን መምህራኖምን ብኸመይ ኪጣበቑሉ ኸም ዚኽእሉ ኽትምህርዎም ኢኹም።

[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ዕለተ ልደት

ሚርያም፦ ጆን፡ ናብ ናይ ልደተይ ፓርቲ ኽዕድመካ።

ዮሃንስ፦ ስለ ዕድመኺ አመስግነኪ። ስለምንታይ ኢኺ ግን ናይ ልደት ፓርቲ እትገብሪ ዘለኺ፧

ሚርያም፦ ልደተይ ከብዕል። ንስኻ ልደትካ ኣይተብዕልን ዲኻ፧

ዮሃንስ፦ ኣይ፡ ኣየብዕልን እየ።

ሚርያም፦ እሂ፡ ስለምንታይ፧ ኣነ ምስ ተወለድኩ፡ ስድራይ ተሓጒሶም እዮም።

ዮሃንስ፦ ስድራይ እውን ካብ ናትኪ እተፈልዩ ኣይኰኑን። ኣነ ምስ ተወለድኩ፡ ተሓጒሶም እዮም። እዚ ግን፡ ኣብ ዓዓመት ልደተይ ንኸብዕል እኹል ምኽንያት ኣይኰነንን እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ ልደቶም ፓርቲ፡ ንሳቶም ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀኑ እዩ ዚመስሎም። ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ደይኰነን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ፧ ህይወት ስለ ዝሃበናኸ፡ ከነመስግኖዶ ኣይግባእን፧

ሚርያም፦ እሞ ደኣ ናይ ልደተይ ፓርቲ ኽገብር የብለይን ማለትካ ዲኻ፧

ዮሃንስ፦ እዚ ናትኪ ውሳነ እዩ። ግናኸ ሕስብ እሞ ኣብሊ፧ ብዙሓት ሰባት ኣብ ልደቶም ህያባት ኪቕበሉ ዚደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ኸም ዜሐጕስ እዩ ዚገልጽ። ኣብ መዓልቲ ልደትና፡ ኣብ ርእስና ኣብ ክንዲ እነተኵር፡ ንኣምላኽ ከነመስግኖን ብዛዕባ ኻልኦት ክንሓስብን ጽቡቕ ክንገብርንዶ ኣይግባኣናን፧

ሚርያም፦ ብዛዕባ እዚ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ። ስለዚ፡ ወለድኻ ህያብ ኣይህቡኻን እዮም፧

ዮሃንስ፦ ኣይ፡ ይህቡኒ እዮም። ወለደይ ንመዓልቲ ልደተይ ተጸብዮም ኣይኰኑን ህያብ ዚህቡኒ። ኣብ ቃሕ ዝበሎም እዮም ዚህቡኒ። ንምዃኑ፡ ምብዓል ዕለተ ልደት ብኸመይ ከም ዝጀመረ ኽትፈልጢ ትደልዪዶ፧

ሚርያም፦ ሕራይ፡ ንገረኒ።

ዮሃንስ፦ ጽባሕ፡ ጥንቲ ብዛዕባ እተባዕለ ልደት እትገልጽ ሓንቲ መሳጢት ዛንታ ኽነግረኪ እየ።

ሃገራዊ መዝሙር

ገነት፦ ክብራ፡ ስለምንታይ ኢኺ ሃገራዊ መዝሙር ዘይትዝምሪ፧

ክብራ፦ ገነት፡ መጀመርታ ስለ ዝሓተትክኒ ኸመስግነኪ። ግናኸ ፈለማ ንስኺ ስለምንታይ ከም እትዝምሪ ኽሓተኪ፧

ገነት፦ ብሃገረይ ስለ ዝሕበን።

ክብራ፦ ኣነ እውን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ምንባረይ የሐጕሰኒ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሓንቲ ሃገር ካብ ካልእ ኸም እትበልጽ ገይረ ኣይሓስብን እየ።

ገነት፦ ኣነስ ሃገረይ ካብ ኵሉ ኸም እትበልጽ እየ ዝሓስብ።

ክብራ፦ ኵሉ ሳዕ ኣረኣእያ ኣምላኽ ክህልወኒ እየ ዝጽዕር። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ እዩ ዚምህር። ዜግነቶም ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት የፍቅሮም እዩ። ስለዚ እየ ሃገራዊ መዝሙር ዘይዝምር።

ገነት፦ ነዚ ነገር እዚ ግን ቍሩብ ኣየጋነንክዮንዶ፧

ክብራ፦ ኣነ ጥራይ ኣይኰንኩን ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘሎኒ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ብዛዕባ ዝነበሮም መንእሰያት ይገልጽ እዩ። ንሓደ ምስሊ ኺሰግዱ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም፡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስጋድ ኣብዮም እዮም።

ገነት፦ እሞ ደኣ እንታይ ኰይኖም፧

ክብራ፦ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍትና ኽነግረኪ እየ።

ፖለቲካ

ሚካኤል፦ ክትመርጽ እንተ ትኽእል፡ ንመን ምመረጽካ፧

ቶማስ፦ ንዋላ ሓደ።

ሚካኤል፦ ስለምንታይ፧

ቶማስ፦ ድሮ መሪጸ እየ።

ሚካኤል፦ ክትመርጽ ግን ዕድሜኻ ኣይኣኸለን።

ቶማስ፦ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እኳ ኽመርጽ እኽእል እየ። ነታ ኻብ ኵሉ ዝበለጸት መንግስቲ እየ መሪጸ።

ሚካኤል፦ ንሳኸ እንታይ ዓይነት መንግስቲ እያ፧

ቶማስ፦ ብየሱስ እትምራሕ መንግስቲ እያ። ንሱ ብሉጽ መራሒ እዩ። ንየሱስ ብሉጽ መራሒ ገይረ ዝርእዮ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧

ሚካኤል፦ ኣይ፡ ኣይግድሰንን እዩ።

ቶማስ፦ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ተሓጒሰ ኽነግረካ እየ።

[ስእሊ]

“ጆን፡ ናብ ናይ ልደተይ ፓርቲ ኽዕድመካ”

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

“ሃገራዊ መዝሙር ዘይትዝምር ስለምንታይ ኢኻ፧”