ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናእ ኩን

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናእ ኩን

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናእ ኩን

“እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም።” —ማቴ. 9:37

1. ንህጹጽነት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

 ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኺውዳእ ዘለዎ ጕዳይ ዝሓዘ ሰነድ ኣሎካ ንበል። እንታይ ምገበርካ፧ “ህጹጽ!” ኢልካ ምጸሓፍካሉ። ናብ ሓደ ኣገዳሲ ቘጸራ ትኸይድ እኳ እንተ ኣለኻ፡ ደንጒኻ ኢኻ ዘለኻ ንበል። እንታይ ምገበርካ፧ ነቲ መራሕ ማኪና፡ “ህጹጽ ጕዳይ ስለ ዘሎኒ፡ በጃኻ ቀልጥፍ!” ምበልካዮ። ሓደ ኽትፍጽሞ ዘሎካ ጕዳይ ምስ ዚህልወካ እሞ፡ ግዜ እውን ይኸይድ እንተ ኣልዩ፡ ምተዋጠርካ። ብእተኻእለካ መጠን ተብተብ እናበልካ ኣበርቲዕካ ምዓየኻ። ከመይሲ፡ ህጹጽ ጕዳይ እዩ ዘሎካ!

2. ሎሚ ንዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ እንታይ ልዕሊ ዅሉ ህጹጽ ዝዀነ ዕዮ ኣለዎም፧

2 ሎሚ ንዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽን ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ምግባርን ንላዕሊ ህጹጽ ዕዮ የብሎምን። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) የሱስ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ እዚ ዕዮ እዚ “ቕድም” ኪዕየ ኸም ዘለዎ ምዝራቡ፡ ማርቆስ እቲ ወደ መዝሙር ጠቒሱ ኣሎ። (ማር. 13:10) ከምኡ ኸኣ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። የሱስ፡ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም” ኢሉ እዩ። እቲ እኽሊ ኸይተኣከበ ኺጸንሕ ኣይክእልን እዩ፣ ቀውዒ ቕድሚ ምዝዛሙ፡ ኪእከብ ኣለዎ።—ማቴ. 9:37

3. ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ህጹጽ ዕዮ ስብከት ንምስታፍ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧

3 ዕዮ ስብከት ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ብእተኻእለና መጠን ግዜናን ጕልበትናን ትዅረትናን ክንህቦ ኣሎና። ብዙሓት ከምኡ ይገብሩ ብምህላዎም፡ ኪነኣዱ ይግብኦም። ገሊኦም ከኣ ከም ፈለምቲ፡ ሚስዮናውያን፡ ወይ ቤትኤላውያን ኰይኖም ንኼገልግሉ ኢሎም፡ ብሕታዊ ህይወቶም ቀሊል ከም ዚኸውን ገይሮም እዮም። ብስራሕ ትሑዛት እዮም። ብዙሕ መስዋእትታት ገይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ብዙሕ ብድሆታት እውን የጋጥሞም ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ኣብዚሑ እዩ ዚባርኾም። ስሊኦም ሕጉሳት ኢና። (ሉቃስ 18:28-30 ኣንብብ።) ገሊኦም እውን ናይ ምሉእ ግዜ ኣወጅቲ ኪዀኑ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ነዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ብእተኻእሎም መጠን ብዙሕ ግዜ ይውፍዩ እዮም፣ እዚ እውን ንደቅና ንኺድሕኑ ዚግበር ጻዕሪ የጠቓልል።—ዘዳ. 6:6, 7

4. ገሊኦም ናይ ህጹጽነት ስምዒቶም ኬጥፍኡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

4 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ህጹጽነት ምስ ድሩት ግዜ ወይ ምስ መወዳእታ ይተሓሓዝ እዩ። ኣብ ግዜ መወዳእታ ኢና እንነብር ዘለና፣ ነዚ ዜረጋግጽ ኣኺሉ ዚተርፍ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዀነ ታሪኻዊ መርትዖታት እውን ኣሎና። (ማቴ. 24:3, 33፣ 2 ጢሞ. 3:1-5) ኰይኑ ግን፡ ዋላ ሓደ ሰብ፡ መወዳእታ ብልክዕ መዓስ ከም ዚመጽእ ኣይፈልጥን እዩ። የሱስ ብዛዕባ “ትእምርቲ” “መወዳእታ ዓለም” ዝርዝር ሓበሬታ ኺህብ ከሎ፡ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን” በለ። (ማቴ. 24:36) እንተዀነ ግን፡ ገሊኦም ክርስትያናት፡ ብሕልፊ ንነዊሕ እዋን ኪጽበዩ እንተ ጸኒሖም፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ናይ ህጹጽነት መንፈሶም ዓቂቦም ምንባር የጸግሞም ይኸውን። (ምሳ. 13:12) ንስኻኸ ኸምዚዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ ነቲ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ክንዓዮ ዚደልዩና ዕዮ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ንኺህልወና ወይ ነቲ ዘሎና ንኽንዕቅቦ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ናብቲ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ተመልከት

5. የሱስ ንኣገልግሎቱ ብህጹጽ ዝዓየየ ብኸመይ እዩ፧

5 ካብ ኵሎም እቶም ነቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ብህጹጽ ዝዓየዩ ዘበሉ፡ የሱስ ክርስቶስ ቀንዲ ኣብነት ኪዀነና ኸም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ሓደ ኻብቲ ዕዮኡ ብህጹጽ ኪዓዪ ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ብዙሕ ኪዓዪ ስለ ዝነበሮ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብዙሕ ዓሚሙ እዩ። ስምን ዕላማን ኣቦኡ ኣፍሊጡ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኹ፡ ግብዝና እቶም መራሕቲ ሃይማኖታትን ናይ ሓሶት ትምህርትታቶምን ኣቃሊዑ፡ ክሳዕ ሞት እውን ንልዑላውነት የሆዋ ደጊፉ እዩ። ደኺመ ኸይበለ ኣብታ ሃገር እናዞረ ንሰባት ምሂሩን ሓጊዙን ኣሕውዩን እዩ። (ማቴ. 9:35) ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ፡ ክንድዚ ዚኣክል ዝዓመመ ዋላ ሓደ የልቦን። ካብኡ ንላዕሊ ኣበርቲዑ ኺዓዪ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።—ዮሃ. 18:37

6. ህይወት የሱስ ኣብ ምንታይ ዘተኰረ እዩ ነይሩ፧

6 ንየሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ደኺመ ኸይበለ ንኺዓዪ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ብመሰረት እቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል እተገልጸ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ፡ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዘለዎ ኺፈልጥ ይኽእል ነይሩ እዩ። (ዳን. 9:27) ስለዚ ኸኣ፡ ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ምድራዊ ህይወቱ “ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን፡” ማለት ኣብ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኬብቅዕ ነበሮ። ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ. ናብ የሩሳሌም ብዓጀባ ደድሕሪ ምእታዉ፡ “ወዲ ሰብ ኪኸብር፡ ጊዜኡ በጺሓ እያ” በለ። (ዮሃ. 12:23) ሞቱ ኸም ዝቐረበ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣበርቲዑ ንኺዓዪ ዘለዓዓሎ ቐንዲ ምኽንያት ግን እቲ ነገር እቲ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ፍቓድ ኣቦኡ ኣብ ምግባርን ንደቂ ሰብ ፍቕሪ ኣብ ምርኣይን ኣተኰረ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንኺእክብን ንኼሰልጥንን ናብ ወፈራታት ስብከት ንኺልእኮምን ደረኸቶ። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ዕዮ ንኪቕጽልዎን ካብኡ ዚዓቢ ዕዮ እውን ንኺፍጽሙን ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 14:12 ኣንብብ።

7, 8. የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኬጽርያ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸመይ ተሰምዖም፧ የሱስ ከምኡ ዝገበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣብ ህይወት የሱስ ዘጋጠመ ሓደ ፍጻመ፡ ነቲ ቕንኣቱ ኣጕሊሑ ዜርኢ እዩ። እዚ ነገር እዚ ዝዀነ፡ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ፡ ብ30 ድ.ክ. ፋስጋ ኣብ ዚበዓለሉ ቕንያት እዩ ነይሩ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ የሩሳሌም ከዱ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ከኣ፡ “ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን” ረኣዩ። ሽዑ የሱስ እንታይ ገበረ፧ እዚኸ ንደቂ መዛሙርቱ እንታይ ጦብላሕታ ሓደገሎም፧—ዮሃንስ 2:13-17 ኣንብብ።

8 እቲ የሱስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝገበሮን ዝበሎን ነገራት፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ነተን ኣብ ሓንቲ ኻብተን መዝሙራት ዳዊት ዚርከባ፡ “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ” ዚብላ ቓላት ኣዘኻኺረናኦም እየን። (መዝ. 69:9) ስለምንታይ፧ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተግባር፡ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ ነይሩ። ከመይሲ፡ እቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ስልጣን ዝነበሮም ካህናትን ጸሓፍትን ካልኦትን እዮም ነቲ ብዙሕ መኽሰብ ዝነበሮ ብልሹው ንግዲ ዜካይድዎ ዝነበሩ። የሱስ ነቲ ውዲቶም ኬቃልዖን ኪዓናቕፎን ከሎ፡ ምስቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ዜጻልኦ ተግባር እዩ ዚገብር ነይሩ። ከምቲ ንደቀ መዛሙርቱ እተሰምዖም፡ ብሓቂ ‘ቕንኣት ቤት ኣምላኽ፡’ ማለት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበሮ ቕንኣት እዩ ብንጹር ዚርአ ዝነበረ። ንምዃኑ ግን ቅንኣት እንታይ እዩ፧ ካብ ህጹጽነት እተፈልየ ድዩ፧

ኣብ መንጎ ህጹጽነትን ቅንኣትን ዘሎ ንጽጽር

9. ቅንኣት ብኸመይ ኪግለጽ ይከኣል፧

9 ሓደ መዝገበ-ቓላት ነታ “ቕንኣት” እትብል ቃል፡ “ንሓደ ጕዳይ ብሃንቀውታን ብብርቱዕ ተገዳስነትን ምክትታል” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ፣ ንብርቱዕ ወይ ውዕዉዕ ስምዒት ከም እተመልክት እውን ገሊጹ ኣሎ። ኣገልግሎት የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ኪግለጽ ይከኣል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እውን፡ ትርጕም 1990 ነዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቕንኢ ኸም ሓዊ የንድደኒ ኣሎ” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ዚርከብ ቋንቋታት፡ እታ “ቕንኣት” እትብል ቃል፡ “ዚቃጸል ልቢ” ብዝትርጕሙ ኽልተ ኽፋል ዘለዋ ቓል እያ እትግለጽ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ነቲ የሱስ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ቃላት ዳዊት ምዝካሮም ዜገርም ኣይኰነን። ልቢ የሱስ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸም ሓዊ ኺነድድ ዝገበሮ፡ ማለት ንልቡ ዘለዓዓሎ ወይ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

10. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ቅንኣት” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

10 እታ ኣብታ ዳዊት ዝዘመራ መዝሙር “ቅንኣት” ተባሂላ ዘላ ቓል፡ ካብ እብራይስጢ ዝመንጨወት እያ። እዛ ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቃል፡ ዝዓመቘ ትርጕም እዩ ዘለዋ። (ዘጸኣት 20:5፣ 34:14፣ እያሱ 24:19 ኣንብብ።) ሓደ መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ቓል እዚኣ ኸምዚ በለ፦ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓዳር ምስ ዘሎ ርክብ እያ ኣብ ጥቕሚ እትውዕል። . . . ከምቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ቕንኢ ነቲ ናይ በይኖም መሰል ከይትንከፍ ኣትሪሩ ዚጠልብ፡ ኣምላኽ እውን ካብቶም ናይ በይኑ ዘበሉ ይግብኣኒ ዚብሎ ይጠልብን የረጋግጽን እዩ።” ስለዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ቅንኣት” ኪበሃል ከሎ፡ ንሓደ ጕዳይ ብውዕዉዕ ስምዒት ካብ ምክትታል ንላዕሊ የጠቓልል፣ ንኣብነት፡ ከምቲ ደገፍቲ ንዚፈትውዎ ዓይነት ስፖርት ዜርእይዎ ስምዒት ጥራይ ኣይኰነን። ዳዊት ዝነበሮ ቕንኣት ብኣወንታዊ መዳይ እዩ ነይሩ፣ ማለት ንመቐናቕንቲ ወይ ንጸርፊ ዘይምጽዋር፡ ጽቡቕ ስም ንኸይበላሾ ወይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስም ዝወረደ ጕድኣት ንኺዕረ ዜሕድሮ ሓያል ድራኸ ተባሂሉ ኺገልጽ ይከኣል እዩ።

11. ንየሱስ ብቕንኣት ንኺዓዪ ዝደረኾ እንታይ እዩ ነይሩ፧

11 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ንሱ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪገብሮ ዝረኣይዎ ተግባር ምስቲ ዳዊት እተዛረቦ ቓላት ምትሕሓዞም ኣይተጋገዩን። የሱስ ከምኡ ዝገበረ፡ ግዜኡ የብቅዕ ስለ ዝነበረ ዘይኰነስ፡ ንስም ኣቦኡን ንንጹህ ኣምልኾን ቅንኣት ስለ ዝነበሮ እዩ። ኣብ ስም ኣምላኽ ጸርፊ ኪዅመር ምስ ረኣየ፡ ካብ ቅንኣት ተለዓዒሉ፡ ነቲ ዅነታት ንምዕራይ ስጕምቲ ወሰደ። እቶም ትሑታት ህዝቢ በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ተገፊዖምን ተመዝሚዞምን ምስ ረኣየ፡ ብቕንኣት ተለዓዒሉ ነቶም ህዝቢ ዕረፍቲ ኣምጸኣሎም፡ ነቶም ጨቈንቲ መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ኣበርቲዑ ዀነኖም።—ማቴ. 9:36፣ 23:2, 4, 27, 28, 33

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናእ ኩን

12, 13. ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ህዝበ-ክርስትያን ብዛዕባ፡ (ሀ) ስም ኣምላኽ፡ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ፡ እንታይ ገይሮም፧

12 ሎሚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሃይማኖታዊ ዅነታት፡ ካብቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ እንተ ዘይገዲዱ፡ ኣይሓይሽን እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንሰዓብቱ ብቐዳምነት፡ “ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ኪጽልዩ ኸም ዝመሃሮም ትዝክሮ ኢኻ። (ማቴ. 6:9) መራሕቲ ሃይማኖት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን፡ ንሰባት ስም ኣምላኽ ኪፈልጡ፡ ነቲ ስም ከኣ ኪቕድስዎ ወይ ኬኽብርዎ ይምህሩ ድዮም፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንኣምላኽ ብኸም ስላሴን ኢመዋትነት ነፍሲ ሰብን ገሃነም እሳትን ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ገይሮም፡ ምስጢራውን ክትርድኦ ዘይከኣልን ጨካንን ሕሱምን ኣምሲሎም እዮም ዚገልጽዎ። ብነውሮምን ብግብዝናኦምን ኣቢሎም እውን ንኣምላኽ ከም ዚጽረፍ ገይሮምዎ እዮም። (ሮሜ 2:21-24 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ነቲ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ንምሕባእ ዘይገበርዎ ነገር የለን፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ካብ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱሶም ሓኺኾምዎ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ንሰባት፡ ንኣምላኽ ንኸይቀርብዎን ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ንኸየማዕብሉን ዕንቅፋት ኰይኖም እዮም።—ያእ. 4:7, 8

13 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጽልዩ እውን ምሂሩ እዩ። (ማቴ. 6:10) መራሕቲ ሃይማኖት ህዝበ-ክርስትያን ነዛ ጸሎት እዚኣ ዚደጋግምዋ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሰባት ግን፡ ንፖለቲካዊ ዀነ ንኻልኦት ሰብኣውያን ውድባት ኪሕግዙ ኣተባቢዖምዎም እዮም። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ነቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ኪምስክሩን ዚጽዕሩ የነኣእስዎም እዮም። ከም ውጽኢቱ፡ ብዙሓት ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት፡ ይትረፍዶ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እምነት ኬሕድሩስ፡ ብዛዕባኣ ኣይመያየጡን እዮም።

14. ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ንቓል ኣምላኽ ዘቃለልዎ ብኸመይ እዮም፧

14 የሱስ ናብ ኣምላኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ብንጹር ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃ. 17:17) ካብ ምድሪ ቕድሚ ምኻዱ እውን፡ ንህዝቡ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህቦም “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኸም ዚሸይም ሓቢሩ እዩ። (ማቴ. 24:45) ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ተቐላጢፎም መገብቲ ቓል ኣምላኽ ኢና እኳ እንተ በሉ፡ ብሓቂ ግን ነቲ ሕድሪ ጐይታ ብተኣማንነት ይዓዩ ድዮም፧ ኣይፋልን። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ ከም ጽውጽዋይ ገይሮም እዮም ዚገልጽዎ። ንመጓሰኦም መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ክንዲ ዚምግብዎም፡ በዚ ኸምዚ ድማ መጸናንዕን ብርሃንን ኣብ ክንዲ ዚህብዎም፡ ብፍልስፍና ሰባት ገይሮም ንኣእዛኖም ባህ ዜብል እዮም ዚነግርዎም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነቲ ምእመናኖም ዘለዎም ናይ ርእሶም ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ቦታ ንኺህቡ ኢሎም፡ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ኣቃሊሎምዎ እዮም።—2 ጢሞ. 4:3, 4

15. ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣቕሽሽቲ ብስም ኣምላኽ ዚገብርዎ ነገራት ከመይ ይስምዓካ፧

15 ብሰንኪ ዅሉ እቲ ብስም ኣምላኽ እተገብረ ነገራት፡ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ተስፋ ቐቢጾም፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ዝነበሮም እምነት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኣጥፊኦም እዮም። ኣደዳ ሰይጣንን እዚ እኩይ ስርዓቱን እውን ኰይኖም እዮም። መዓልቲ መዓልቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ፡ ከመይ ይስምዓካ፧ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ኣብ ስም ኣምላኽ ወቐሳን ጸርፍን ኪዅመር ምስ ረኣኻ፡ ነዚ ጌጋ ኸተዐሪ ዚከኣለካ ንምግባር ኣይትድረኽንዶ፧ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኪታለሉን ኪምዝመዙን ክትርኢ ኸለኻ፡ ነቶም ግፉዓት መጸናንዒ ንምሃብ ኣይትለዓዓልንዶ፧ የሱስ፡ ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ምዃኖም ምስ ረኣየ፡ ደንጊጹሎም ጥራይ ስቕ ኣይበለን። የግዳስ፡ “ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።” (ማቴ. 9:36፣ ማር. 6:34) ንሕና እውን፡ ከም የሱስ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናኣት ንኽንከውን እኹል ምኽንያት ኣሎና።

16, 17. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎት ብትግሃት ንኽንዓዪ ኺድርኸና ዘለዎ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

16 ንኣገልግሎትና በዚ ኸምዚ ኽንርእዮ ኸለና፡ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4 እተዛረቦ ቓላት ንዓና ዝዓመቘ ትርጕም ይህልዎ እዩ። (ኣንብብ።) ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዘለና ስለ ዝፈለጥና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰባት ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጹ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ስለ እንፈልጥ እውን ኢና ኣብ ኣገልግሎትና ኣበርቲዕና እንዓዪ። በዚ ኸምዚ፡ ሰባት ንኣምላኽ ኬምልኽዎን ኬገልግልዎን ኪባረኹን ይኽእሉ። ኣብ ኣገልግሎትና ብትግሃት ንኽንዓዪ ዚድርኸና፡ ብቐዳምነት ግዜ ይውዳእ ስለ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ንስም ኣምላኽ ከነኽብርን ሰባት ፍቓዱ ንኺፈልጡ ኽንሕግዞምን ስለ እንደሊ እዩ። ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናኣት ኢና።—1 ጢሞ. 4:16

17 ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ፡ ሓቂ ብምፍላጥና ተባሪኽና ኢና። ንሰባት፡ ሓጐስን ርግጽ ተስፋን ንኺረኽቡ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሰይጣን ጥፍኣት ኪመጽእ ከሎ፡ ብኸመይ ከም ዚድሕኑ ኽንሕብሮም ንኽእል ኢና። (2 ተሰ. 1:7-9) መዓልቲ የሆዋ ዝደንጐየት ስለ ዝመሰለትና ኣብ ክንዲ እንበሳጮ ወይ ተስፋ እንቘርጽ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናኣት ኴንና ንኽንዓዪ ዚኣክል ግዜ ብምህላዉ ኽንሕጐስ ይግብኣና። (ሚክ. 7:7፣ ኣን. 2:3) ከምዚ ዓይነት ቅንኣት ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧ ነዚ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ንየሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ደኺመ ኸይበለ ንኺዓዪ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

• ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ቅንኣት” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• እንታይ ሎሚ እንርእዮ ነገራት እዩ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናኣት ክንከውን ዚድርኸና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ኣብ ምግባርን ንሰባት ፍቕሪ ኣብ ምርኣይን ኣተኰረ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐናኣት ንኽንከውን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና