ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ዘምሩሉ!

ንየሆዋ ዘምሩሉ!

ንየሆዋ ዘምሩሉ!

“ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።”—መዝ. 146:2

1. ዳዊት ብግዜ ንእስነቱ መዝሙራት ንኼዳሉ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

 ዳዊት ንእሽቶ ኸሎ፡ ንመጓሰ ኣቦኡ እናሓለወ ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ኣብ ዚርከብ ጐላጕል ብዙሕ ሰዓታት የሕልፍ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናሓለወ ድማ፡ ነቲ ዜደንቕ ፍጥረት የሆዋ፡ ማለት ብኸዋኽብቲ ንዝመልአ ሰማይ፡ “ንእንስሳታት በረኻ፡” ከምኡውን “ነዕዋፍ ሰማይ” ይርኢ ነበረ። በቲ ዝረኣዮ ኣዝዩ ስለ እተተንከፈ፡ ንገባሪ እቲ ዜደንቕ ነገራት ዚውድስ ልቢ ዜለዓዕል መዝሙራት ኬዳሉ ተደረኸ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ዳዊት ዘዳለዎ መዝሙራት ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዳዊት ይርከብ። aመዝሙር 8:3, 4, 7-9 ኣንብብ።

2. (ሀ) ሙዚቃ እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድር ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ። (ለ) ካብ መዝሙር 34:7, 8፣ 139:2-8 ብዛዕባ እቲ ዳዊት ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

2 ዳዊት ነቲ ናይ ሙዚቃ ኽእለቱ ዘመሓየሾ ኣብዚ ግዜ እዚ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ። ኣዝዩ ኽኢላ ስለ ዝነበረ፡ ንንጉስ ሳኦል በገና ኺወቕዓሉ ጻውዒት ቀረበሉ። (ምሳ. 22:29) ከምቲ ሎሚ ጽቡቕ ሙዚቃ ንመንፈስ ዜህድእ፡ እቲ ዳዊት ዚወቕዖ ዝነበረ ሙዚቃ እውን፡ ነቲ ተረቢሹ ዝነበረ ንጉስ የህድኦ ነበረ። ዳዊት ሙዚቃ ኺወቅዕ ከሎ፡ “ንሳኦል ይፈዅሶን ይሕሾን ነበረ።” (1 ሳሙ. 16:23) እቲ በዚ ንኣምላኽ ዚፈርህ ሙዚቀኛ እተዳለወ መዝሙራት፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ጠቓሚ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሎሚ ዳዊት ካብ ዚመውት ልዕሊ 3,000 ዓመት ጸኒሑ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ዚነብሩ ሰባት፡ መጸናንዕን ተስፋን ንምርካብ ነቲ ዳዊት ዝዘመሮ መዝሙራት የንብቡ እዮም።—2 ዜና 7:6፣ መዝሙር 34:7, 8፣ 139:2-8 ኣንብብ፣ ኣሞ. 6:5

ሙዚቃ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘለዎ ኽቡር ቦታ

3, 4. ብዘመን ዳዊት፡ ንየሆዋ ዚውድስ ሙዚቃ ንምድላው እንታይ መሰናድዎ ተገይሩ ነበረ፧

3 ዳዊት ፍሉይ ተውህቦ ነበሮ፣ ነቲ ተውህቦኡ ኸኣ ንየሆዋ ብዝበለጸ መገዲ ንምውዳስ ተጠቕመሉ። ንጉስ እስራኤል ምስ ኰነ፡ ኣብቲ ኣብ ማሕደር ዚግበር ኣገልግሎት ጥዑም ሙዚቃ ኸም ዚህሉ ገበረ። ካብቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉ ሌዋውያን ሓደ ዕስሪት ዚኣኽሉ፡ ማለት ኣስታት 4,000 ሌዋውያን፡ ምስቶም 288 “ንእግዚኣብሄር ምዝማር እተማህሩ፡ ኵሎም ፈላጣት” ሓቢሮም “ዜመስግኑ” ዘመርቲ ኪዀኑ ተመደቡ።—1 ዜና 23:3, 5፣ 25:7

4 መብዛሕትኡ ኻብቲ ሌዋውያን ዚዝምርዎ ዝነበሩ መዝሙር፡ ዳዊት ዘዳለዎ እዩ ነይሩ። እቲ ብዳዊት እተዳለወ መዝሙር ኪዝመር ከሎ ናይ ምስማዕ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዝረኸበ ዝዀነ ይኹን እስራኤላዊ፡ በቲ መዝሙር ልቡ ይትንከፍ ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ድሕሪ ግዜ፡ ታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ኪግዕዝ ከሎ፡ “ዳዊት . . . ነቶም ሓላቑ ሌዋውያን ነሕዋቶም መዘምራን ብመሳርያ ሙዚክ፤ ብመሰንቆን ብበገናን ብጸናጽልን ተሐጒሶም እናቓነዩን ድምጾም ዓው እናበሉን ኣብኡ ኬቝምዎም ተዛረቦም።”—1 ዜና 15:16

5, 6. (ሀ) ብዘመን ዳዊት ንሙዚቃ ብዙሕ ኣትኵሮ ዚግበረሉ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሙዚቃ ኣብ ኣምልኾ ጥንታውያን እስራኤላውያን ኣገዳሲ ግደ ኸም ዝነበሮ ብኸመይ ንፈልጥ፧

5 ብግዜ ዳዊት ንሙዚቃ ብዙሕ ኣትኵሮ ዚግበረሉ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ንጉስ ሙዚቀኛ ስለ ዝነበረ ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋልን፡ ካልእ ምኽንያት እውን ነይሩ እዩ። ዘመናት ጸኒሑ እቲ ጻድቕ ንጉስ ዝነበረ ህዝቅያስ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ኣገልግሎት ምስ ሓደሶ፡ እዚ ነገር እዚ ተገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኣብ 2 ዜና መዋእል 29:25፡ “እቲ ትእዛዝሲ ብነብያቱ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ ዝነበረ እሞ፡ ከም ትእዛዝ ዳዊትን ጋድ እቲ ናይ ንጉስ ረኣይን ነብዪ ናታንን፡ [ህዝቅያስ] ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ጸናጽልን ምስ መሰንቆታትን ምስ በገናታትን ኣቘሞም” ዚብል ነንብብ።

6 እወ፡ የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ፡ ኣምለኽቱ ብመዝሙር ኪውድስዎ መምርሒ ሂቡ ነበረ። እቶም መዘምራን ዝነበሩ ኻህናት፡ ሙዚቃ ኼዳልዉን ኪለማመዱን ዜኽእሎም እኹል ግዜ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ካብቲ ኻልኦት ሌዋውያን ዝነበሮም ዕዮ ሓራ ነበሩ።—1 ዜና 9:33

7, 8. መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንዝምር ከለና፡ ካብ ክእለት ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ እንታይ እዩ፧

7 “ኣነ ግን ምስቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዝነበሩ ፈላጣት ከቶ ኣይምተጸብጸብኩን” ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኰይኑ ግን፡ ኵሎም ሌዋውያን ሙዚቀኛታት ኣይኰኑን ፈላጣት ነይሮም። ብመሰረት 1 ዜና መዋእል 25:8፡ ‘ተመሃሮ’ እውን ነይሮምዎም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብ ካልኦት ነገዳት እስራኤል ክኢላታት ሙዚቀኛታት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ የሆዋ ግን ንሌዋውያን እዩ ሙዚቀኛታቱ ኪዀኑ ዝመዘዞም። ኵሎም እሙናት ሌዋውያን፡ “ፈላጣት” ይኹኑ ‘ተመሃሮ’ ብዘየገድስ፡ ዕዮኦም ኪፍጽሙ ዚከኣሎም ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

8 ዳዊት፡ ሙዚቃ ይፈቱ ነበረ፣ ክኢላ ሙዚቀኛ እውን እዩ ነይሩ። ንየሆዋ ዜገድሶ ግን ክእለትና ድዩ፧ ዳዊት ኣብ መዝሙር 33:3፡ “ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፡ ብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉ” ኢሉ ጸሓፈ። እወ፡ እቲ ዜገድስ ንየሆዋ ‘ኣጸቢቕና’ ኽንዝምረሉ ዝከኣለና ምግባርና እዩ።

ድሕሪ ዘመን ዳዊት፡ ሙዚቃ ዝነበሮ ግደ

9. ብዘመን ንጉስ ሰሎሞን ኣብ መመረቕታ እታ ቤተ መቕደስ ኣብቲ ቦታ እቲ እንተ ትህሉ ኔርካ፡ ክትርእዮን ክትሰምዖን እትኽእል ነገር ግለጽ።

9 ብዘመን ንጉስ ሰሎሞን፡ ሙዚቃ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ኣገዳሲ ግደ ነበሮ። እታ ቤተ መቕደስ ኣብ እተመረቐትሉ እዋን፡ ብኣስራዚ እተሰርሐ 120 መለኸት ዘለዎ ዜደንቕ ኦርኬስትራ ተዳልዩ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 5:12 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ነፋሕቲ መለኸትን [ኵሎም ካህናት እዮም ነይሮም] መዘምራንን ንእግዚኣብሄር ብሓንሳእ ኬመስግኑን ኪውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሓደ . . . ኣስምዑ” ኢሉ ይነግረና። እቲ ባህ ዜብል ድምጾም ምስ ኣልዓሉ፡ “ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ፡” እዚ ድማ ስምረት የሆዋ ይሕብር። እቲ መለኸታትን እቶም መዘምራንን ኵሎም ድምጾም ከም ናይ ሓደ ዀይኑ ኺስማዕሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብልን ዜደንቕን ኰን እዩ!—2 ዜና 5:13

10, 11. ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ኣምልኾኦም ሙዚቃ ይጥቀሙ ምንባሮም ዚሕብር እንታይ እዩ፧

10 ቀዳሞት ክርስትያናት እውን፡ ኣብ ኣምልኾኦም ሙዚቃ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ኣብ ማሕደር ወይ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘይኰነስ፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ይእከቡ ኸም ዝነበሩ ርዱእ እዩ። ብሰንኪ መስጐጕትን ካልእ ምኽንያታትን፡ እቲ ዚእከቡሉ ቦታ ዚምሽእ ኣይነበረን። ኰይኑ ግን፡ ንየሆዋ ብመዝሙር ይውድስዎ ነበሩ።

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋቱ፡ “ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም . . . ምዐዱ” ኢሉ ኣተባብዖም። (ቈሎ. 3:16) ጳውሎስን ሲላስን ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተዉ፡ መጽሓፍ መዝሙር እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ “ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ።” (ግብ. 16:25) ንስኻኸ እንተ ትእሰር፡ ክንደይ ዚኸውን መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ተዘክሮኻ ምዘመርካ፧

12. ንመዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣድንቖት ከም ዘሎና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

12 ሙዚቃ ኣብ ኣምልኾና ኽቡር ቦታ ስለ ዘለዎ፡ ንርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ምሕታትና ጠቓሚ እዩ፦ ‘ንመዝሙር ኣድንቖት ከም ዘሎኒ አርኢ ድየ፧ ኣብ መኽፈቲ መዝሙር ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ምእንቲ ኽዝምር ኣብ ሰዓተይ ንኽበጽሕ ዝከኣለኒ እገብር ድየ፧ ኣብቲ ኣኼባኸ ብውዕዉዕ መገዲ ድየ ዝዝምር፧ ደቀይ ነቲ ኣብ መንጎ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን፡ ወይ ከኣ ኣብ መንጎ ህዝባዊ መደረን መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ዚዝመር መዝሙር ንዕረፍቲ ኸም እተመደበ ግዜ ገይሮም ከይርእይዎን ብዘይጠቅም ምኽንያት ካብ ቦታኦም ከይእለዩን እምዕዶም ድየ፧’ መዝሙር ክፍሊ ኣምልኾና እዩ። እወ፡ “ፈላጣት” ንኹን ‘ተመሃሮ’ ብዘየገድስ፡ ንየሆዋ ንምውዳስ ብሓባር ድምጽና ነስምዕ።—ምስ 2 ቈረንቶስ 8:12 ኣረኣኢ።

ዜድልየና ነገራት ምስ ግዜ ይቀያየር

13, 14. ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብምሉእ ልብኻ ምዝማር እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ ብኣብነት ኣረድእ።

13 ልዕሊ 100 ዓመት ይገብር፡ ዛዮንስ ዎች ታወር (ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ)፡ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ፡ “ብዛዕባ ሓቂ ምዝማር፡ ነቲ ሓቂ ኣብ ኣእምሮን ኣልባብን ህዝቢ ኣምላኽ ንምስራጽ ዜኽእል ጽቡቕ መገዲ እዩ” በለት። መብዛሕትኡ ግጥምታት መዝሙራትና ምስ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ፡ እንተ ወሓደ ንገሊኡ ቓላት መዝሙራት ምፍላጥና፡ ሓቂ ኣብ ልብና ንኸነስርጽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ናብ ኣኼባታትና ንፈለማ እዋን ዝመጹ በጻሕቲ፡ በቲ ኣብ ጉባኤ ዚዝመር መዝሙር ተተንኪፎም እዮም።

14 ብ1869 ሓደ ምሸት፡ ሲ. ቲ. ራስል ካብ ስራሑ ናብ ቤቱ ኺምለስ ከሎ፡ ኣብ ምድሪ ቤት ሓደ ኣዳራሽ መዝሙር ኪዝመር ከሎ ሰምዐ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺፈልጥ ዘይክእል ኰይኑ ይስምዖ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንሰባት ብመንፈስ ዜድልዮም ኬማልኣሎም እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ እንተ ወሓደ ብስጋ ዜድልዮም ምእንቲ ኼማልኣሎም፡ ኣብ ንግዱ ዝያዳ ትዅረት ኪገብር ወሲኑ ነይሩ። ሓው ራስል ናብቲ ዶራንን ረሳሕን ኣዳራሽ ምስ ኣተወ፡ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ኺግበር ጸንሖ። ኮፍ ኢሉ ኸኣ ሰምዐ። ጸኒሑ ኸም ዝጸሓፎ፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ ዝሰምዖ ነገር፡ ‘ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝነበሮ ድኹም እምነት ኬደልድል ኣኽኢልዎ እዩ።’ ንሓውና ራስል ኣብ ኣኼባ ንኺእከብ ዝደረኾ፡ መዝሙር ምዃኑ ኣስተብህል።

15. መጽሓፍ መዝሙርና ኺመሓየሽ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

15 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ ምትዕርራያት ተገይሩ እዩ። ምሳሌ 4:18፡ “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ” ትብል። እዚ እናወሰኸ ዚኸይድ ብርሃን ድማ፡ ኣብቲ ‘ሓቂ እንዝምረሉ’ መገዲ ምትዕርራያት ክንገብር ዚጠልብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘምሩ b ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኺጥቀሙ ጸኒሖም እዮም። እታ መጽሓፍ ካብ ዝወጸትሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዝነበረና ምርዳእ ከም ብርሃን ወገግታ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ኣብታ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ ገሊኡ መግለጺታት ግዜ ሓሊፍዎ እዩ። ስለዚ፡ ብመንጽር ሰረተ-እምነት ኪርአ ኸሎ፡ መጽሓፍ መዝሙርና ኺመሓየሽ ኣድልይዎ ነበረ።

16. እታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:19 ዚርከብ ምኽሪ ጳውሎስ ክንስዕብ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

16 በዝን ብኻልእ ምኽንያታትን፡ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር ክትሕተም ፈቐደ። እታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር ብእንግሊዝኛ 135 መዝሙራት ክትሕዝ ከላ፡ ብትግርኛ ኸኣ 55 መዝሙራት ሒዛ ኣላ። እተን መዝሙራት ሒደት ስለ ዝዀና፡ እንተ ወሓደ ንገሊኡ ግጥሚ እዚ ሓድሽ መዝሙራት ክንሽምድዶ ኣሎና። ከምኡ ምግባርና ከኣ ምስቲ ኣብ ኤፌሶን 5:19 ተመዝጊቡ ዘሎ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ዚሰማማዕ እዩ።—ኣንብብ።

ሞሳኻ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ

17. ብሰንኪ ሕፍረት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከይዘመርና ምእንቲ ኸይንተርፍ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 ሕፍረት፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኸይንዝምር ዕንቅፋት ኪዀነና ኽንፈቕደሉ ይግባእዶ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኵላትና ብቓልና “ንስሕት ኢና።” (ያእ. 3:2) ኰይኑ ግን፡ እቲ ዘይፍጹም ኣንደበትና ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ንየሆዋ ኻብ ምውዳስ ኣይዓግተናን እዩ። እቲ ዘይፍጹም ኣንደበትና ንኣምላኽ ብመዝሙር ካብ ምውዳስ ኪዓግተና እነፍቅደሉ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢና፧ እቲ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ” የሆዋ፡ ብኣንደበትና ውዳሰኡ ኽንዝምር ከለና ባህ እዩ ዚብሎ።—ዘጸ. 4:11

18. ንግጥምታት መዝሙራት ብኸመይ ክትሽምድዶ ኸም እትኽእል ሓሳብ ሃብ።

18 ሲንግ ቱ ጂሆቫ—ቮካል ረንዲሽንስ (ንየሆዋ ዘምሩሉ—ብድምጺ) ዘርእስቱ ሲዲታት ብእተፈላለየ ቛንቋታት ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ሲዲታት ብኦርኬስትራን ብመዘምራንን ተወሃሂዱ እተዳለወ ሓደስቲ መዝሙራት ዝሓዘ እዩ። ነዚ ምስማዕ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። ኣዘውቲርካ ምስ እትሰምዖ፡ እንተ ወሓደ ንገሊኡ ግጥሚ እዚ ሓድሽ መዝሙራት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ክትሽምድዶ ኢኻ። መብዛሕትኡ ግጥምታት እቲ መዝሙር፡ ንሓንቲ መስመር ምስ ዘመርካ ቐጺሉ እንታይ ከም ዚመጽእ ንኽትግምት ብዜኽእል መገዲ እዩ ተዳልዩ። እሞኸ ንሓደ ኻብቲ ሲዲታት ወሊዕካ ምስቶም መዘምራን ክትዝምር ዘይትፍትን፧ ኣብ ቤትካ ነቲ ግጥምን ሙዚቃን ኣጸቢቕካ እንተ ለሚድካዮ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብምትእምማን ከም እትዝምር ዜጠራጥር ኣይኰነን።

19. እቲ ብኦርኬስትራ ዚውቃዕ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚዳሎ፧

19 ነቲ ኣብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ ኣብ ኣኼባ ወረዳ፡ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ እንሰምዖ ሙዚቃ ኣቕሊልና ንርእዮ ንኸውን። ነዚ ንምድላው ግን ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዚግበር። ሙዚቃ ምስ ተመርጸ፡ እቲ 64 ኣባላት ዘለውዎ ኦርኬስትራ ግምቢ ዘብዐኛ ዚጻወቶ ጽሑፍ ብጥንቃቐ ይዳሎ። ድሕሪኡ፡ እቶም ሙዚቀኛታት ነቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ስቱድዮ ተለማሚዶም ዚቕድሕዎ ሙዚቃ ንኼጽንዑ ሓያሎ ሰዓታት የሕልፉ። ዓሰርተ ኻብዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣይኰኑን ዚነብሩ። ኵሎም ነቲ ቲኦክራስያዊ ፍጻመ ዚኸውን ጥዑም ሙዚቃ ኣብ ምድላው ኪሳተፉ ምኽኣሎም፡ ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንሕና እውን ነቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ኣቦ መንበር ዓበይቲ ኣኼባታት በቦታና ኽንሕዝ ኪነግረና ኸሎ፡ ቀልጢፍና ኣብ በቦታና ኾፍ ኢልና ነቲ ብፍቕሪ እተዳለወ ሙዚቃ ጽን ኢልና ንስምዓዮ።

20. እንታይ ክትገብር ኢኻ ወሲንካ፧

20 የሆዋ ነቲ እንዝምረሉ መዝሙር ውዳሰ የስተብህለሉ እዩ። መዝሙር ንዕኡ ኣገዳሲ እዩ። ንኣምልኾ ኣብ እንእከበሉ እዋን፡ ብምሉእ ልብና ብምዝማር፡ ንልቢ የሆዋ ኸነሐጕሶ ንኽእል ኢና። እወ፡ ፈላጣት ንኹን ተመሃሮ ብዘየገድስ፡ ‘ንየሆዋ ንዘምረሉ!’—መዝ. 104:33

[እግረ-ጽሑፋት]

a ዳዊት ካብ ዚመውት ዓሰርተ ዘመን ጸኒሑ፡ ብዙሓት መላእኽቲ ነቶም ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ኣብ ዚርከብ ጐላጕል መጓሰኦም ዚሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት፡ መሲሕ ከም እተወልደ ነገርዎም።—ሉቃ. 2:4, 8, 13, 14

b ብምሉኡ እቲ 225 መዝሙር፡ ብልዕሊ 100 ቋንቋ ተሓቲሙ ነበረ።

እንታይ ይመስለካ፧

• እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት እዩ ሙዚቃ ኣብ ኣምልኾና ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ዜርኢ፧

• ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ማቴዎስ 22:37 ተመዝጊቡ ንዚርከብ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ምሕላውን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልቢ ምዝማርን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧

• ንመዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ሞሳ ኸም ዘሎና ኸነርኢ እንኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

መዝሙር ኣብ ዚዝመረሉ እዋን፡ ደቅኻ ብዘይጠቅም ምኽንያት ካብ ቦታኦም ከይእለዩ ትምዕዶም ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤትካ ንግጥምታት እቲ ሓድሽ መዝሙር ትለማመደሉዶ ኣለኻ፧