ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘለዎ ሓይሊ ርእየ

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘለዎ ሓይሊ ርእየ

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘለዎ ሓይሊ ርእየ

ቪቶ ፍረይዘ ዘዘንተዎ

ምናልባት፡ ትሬንቲናራ ዚብል ስም ሰሚዕካ ኣይትፈልጥን ትኸውን። ትሬንቲናራ፡ ኣብ ኢጣልያ፡ ብሸነኽ ደቡብ ናፕልስ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እያ። ወለደይን ኣንጀሎ ሓወይን ኣብኡ እዮም ተወሊዶም። ኣንጀሎ ምስ ተወልደ ግን ወለደይ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዒዞም፡ ኣብ ሮቸስተር፡ ኒው ዮርክ ተቐመጡ፣ ኣነ ድማ ኣብኡ ብ1926 ተወለድኩ። ኣቦይ ምስቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1922 ንፈለማ ግዜ ተራኺቡ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣቦይን ኣደይን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰኑ።

ኣቦይ ህዱእን መስተውዓልን እዩ ነይሩ፣ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኪፍጽም ከሎ ኸኣ ይቝጣዕ ነበረ። ኣቕሽሽቲ ንሰባት ከም ዚድንቍሩ ምግባሮም የጕህዮ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ይነግር ነበረ። ጡረታ ምስ ወጸ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀነ፡ ብምኽንያት ሕማምን ቈራሪ ወርሓትን ኣብ 74 ዓመት ዕድሚኡ ኽሳዕ ዘቋርጾ ኸኣ ኣብቲ ዕዮ እቲ ብትግሃት ኣገልገለ። ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ 90ታት ዕድሚኡ ኽሳዕ ዚበጽሕ ኣብ ወርሒ ኻብ 40 ኽሳዕ 60 ሰዓታት ዚኣክል ኣብ ስብከት የሕልፍ ነበረ። ኣቦይ ዝገደፎ ኣብነት ሓያል ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩለይ። ሓድሓደ ግዜ ይዋዘ እኳ እንተ ነበረ፡ ረዚን ሰብ እዩ ነይሩ። “ሓቂ ኣርዚንካ ኽርአ ኣለዎ” ይብል ነበረ።

ኣቦይን ኣደይን ንዅልና ሓሙሽተ ደቆም ቃል ኣምላኽ ኪምህሩና ጽዒሮም እዮም። ብ23 ነሓሰ 1943 ተጠመቕኩ፡ ኣብ ሰነ 1944 ከኣ ፈላሚ ዀንኩ። ካርሜላ ሓፍተይ ኣብ ጀኔቫ፡ ኒው ዮርክ፡ ምስ ሓንቲ ፋርን እትበሃል ሕጕስቲ መገላግልታ፡ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነበረት። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ንፋርን ብጸይተይ ክትከውን ደለኹዋ። ስለዚ፡ ኣብ ነሓሰ 1946 ተመርዓና።

ሚስዮናውነት

ክልቴና ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል መጀመርታ እተመደብናሉ ኽልተ ኸተማታት፡ እተን ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከባ ጀኔቫን ኖርዊችን እየን። ኣብ ነሓሰ 1948፡ ኣብ መበል 12 ኽፍሊ ጊልዓድ ናይ ምክፋል ክቡር መሰል ረኸብና። ድሕርዚ፡ ካርል ሪጅወይን ጆዋን ሪጅወይን ምስ ዚበሃሉ ሰብ ሓዳር ዝዀነ ሰብኣይን ሰበይትን ሚስዮናውያን ሓቢርና ኸነገልግል፡ ናብታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ናፕልስ ተለኣኽና። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናፕልስ ካብቲ ብውግእ ዘጋጠማ ዕንወት ንኽትሕደስ ትቃልስ ነበረት። ገዛ ኽትረክብ ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ኣፓርታማ፡ ኣብ ክልተ ጸበብቲ ኽፍልታት ንነብር ነበርና።

ወለደይ ላህጃ ናፕልስ ኪዛረቡ ኸለዉ እናሰማዕኹ ስለ ዝዓበኹ፡ ጣልያንኛይ ብናይ ኣመሪካ ኣደማምጻ እኳ እንተ ነበረ ዝርዳእ እዩ ነይሩ። ፋርን ጣልያንኛ ምዝራብ ይኸብዳ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ከማይ ክትዛረብ ጀመረት፡ ጸኒሓ ኸኣ በለጸትኒ።

ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ናፕልስ ተገዳስነት ዘርኣዩ፡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ዝዀኑ ኣርባዕተ ሰባት ጥራይ እዮም ነይሮም። ንሳቶም ብኮንትሮባንድ ሽጋራ እናሸጡ እዮም ዚናበሩ ነይሮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ስራሕ፡ ሓንቲ ኻብታ ስድራ ቤት ዝዀነት ተሬዛ ብዘደንጹ መገዲ ትቀያየር ነበረት። ንግሆ ንግሆ፡ ጁባታት ብሽጋራ ጥርንቕ ይብል ስለ ዝነበረ፡ ረጓድ ትመስል፡ ምሸት ምሸት ግን ሳዕሪ ትመስል ነበረት። ሓቂ ግን ነዛ ስድራ ቤት ምሉእ ብምሉእ ለወጣ። ኣብ መወዳእታ፡ 16 ኣባላት እታ ስድራ ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ሕጂ ኣብ ከተማ ናፕልስ፡ ኣስታት 3,700 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ።

ዕዮና ምጽራር ኣጋጠሞ

ኣብ ናፕልስ ንትሽዓተ ወርሒ ጥራይ ምስ ጸናሕና፡ ሰበ-ስልጣን ንኣርባዕቴና ኻብታ ኸተማ ኽንወጽእ ኣገደዱና። ንሓደ ወርሒ ዚኸውን ኣብ ስዊዘርላንድ ምስ ጸናሕና፡ ብናይ ቱሪስት ቪዛ ናብ ኢጣልያ ተመለስና። ኣነን ፋርን ኣብ ቱሪን ተመደብና። ኣብ መጀመርታ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ገዛኣ ሓንቲ ኽፍሊ ኣካረየትና፡ ነቲ ናታ መሕጸብ ሰብነትን ክሽነን ከኣ ንጥቀም ነበርና። ካርልን ጆዋን ኣብ ቱሪን ምስ በጽሑ፡ ምስኦም ኴናን ሓደ ኣፓርትማ ተኻረና። ድሕሪ ግዜ ግን ሚስዮናውያን ዝዀንና ሓሙሽተ መጻምድቲ ኣብ ሓደ ህንጻ ኽንነብር ጀመርና።

ብ1955፡ እቶም ሰበ-ስልጣን ካብ ቱሪን ምስ ኣውጽኡና፡ ንኣርባዕተ ሓደስቲ ጉባኤታት መሰረት ተንጺፉ ነበረ። ነተን ጉባኤታት ኪኣልይወን ዚኽእሉ፡ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ብቑዓት ኣሕዋት ነበሩ። እቶም ሰበ-ስልጣን፡ “ንስኻትኩም ኣመሪካውያን ካብዚ ዓዲ ምስ ወጻእኹም፡ ኵሉ እቲ ዝሃነጽኩምዎ ኸም ዘይነበረ ኪኸውን እዩ” በሉና። ኰይኑ ግን፡ ብድሕሪኡ እተራእየ ወሰኽ ከም ዚሕብሮ፡ እቲ ዕዮ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ተራእዩ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ቱሪን ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኽኽር ልዕሊ 4,600፡ ቍጽሪ ጉባኤታት ከኣ 56 በጺሑ ኣሎ።

ፍሎረንስ—እተደንቕ ከተማ

ቀጺልና ናብ ፍሎረንስ ተመደብና። ካርሜላ ሓብተይን ማርሊን ሃርትስለር ዝስሙ ሰብኣያን ሚስዮናውያን ኰይኖም እተመደቡሉ ቦታ ፍሎረንስ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እታ ኸተማ ወረ ይበጽሓና ነበረ። ከም ፒያሳ ደላ ስኞሪያ፡ ፖንቴ ቬክዮ፡ ፒያሳሌ ሚኬላንጀሎ፡ ፓላሶ ፒቲ ኣብ ዝኣመሰለ ውቁብ ቦታታት እታ ኸተማ ኽትነብርሲ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ። ደቂ እታ ኸተማ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣወንታዊ ምላሽ ኪህቡ ኸለዉ ምርኣይ እውን ዜሐጕስ እዩ ነይሩ።

ንኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መራሕናሎም፡ እቶም ወለዲ ኸኣ ተጠምቁ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣቦ ወልፊ ምትካኽ ሽጋራ ነበሮ። ናይ 1973 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ምትካኽ ሽጋራ ሕማቕ ልምዲ ስለ ዝዀነ፡ ወልፊ ሽጋር ዘለዎም ኣንበብቲ ነዚ ኼቋርጽዎ ትምሕጸን ነበረት። ነቲ ኣቦ፡ እቶም ዓበይቲ ደቁ ሽጋራ ምትካኽ ኬቛርጽ ለመንዎ። ኬቋርጽ ቃል እኳ እንተ ኣተወ፡ ኣየቋረጸን። ሓደ ምሸት፡ እታ ኣደ ነቶም ትሽዓተ ዓመት ዝዕድሚኦም መናቱ ደቃ፡ ምስኦም ኰይና ኸይጸለየት ኪድቅሱ ሰደደቶም። ጸኒሓ ግን ጽቡቕ ስለ ዘይተሰምዓ ናብ ክፍሎም ከደት። ንሳቶም ግን ጸልዮም ጸንሕዋ። “እንታይ ኢልኩም ኢኹም ጸሊኹም፧” ኢላ ኸኣ ሓተተቶም። ንሳቶም ድማ፡ “የሆዋ፡ በጃኻ ንባባ ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጽ ሓግዞ” ኢሎም ከም ዝጸለዩ ነገርዋ። ሽዑ እታ ኣደ ንሰብኣያ፡ “ንዓ ጸሎት ደቅኻ ስማዕ” በለቶ። ምስ ሰምዖም ከኣ በኸየ፡ “ድሕሪ ሕጂ ፈጺመ ኣይከትክኽን እየ!” ድማ በለ። ቃሉ ሓለወ፡ ሕጂ ልዕሊ 15 ኣባላት እታ ስድራ ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝገበርናዮ ኣገልግሎት

ብ1959 ምስ ክልተ ኻልኦት ሚስዮናውያንን ኣርቱሮ ለቭሪስን ኣንጀሎ ሓወይን ኴንና ኣብ መቓድሾ፡ ሶማልያ፡ ከነገልግል ተመደብና። ኣብታ ሃገር ክንበጽሕ ከለና፡ ፖለቲካዊ ውጥረት ነበረ። መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሶማልያ ብመጕዚትነት ብምምሕዳር ናጻ ሃገር ንኺገብራ ይጽዕር እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ዅነታት ግን እናኸፍአ ኸደ። ገለ ኻብቶም ምሳና ዜጽንዑ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ካብታ ሃገር ወጹ፡ ጉባኤ ኽትውድብ ከኣ ኣሸጋሪ ነበረ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሓላው ዞባ፡ ሓጋዚኡ ዀይነ ኸገልግል ከም ዚኽእል ሓሳብ ኣቕረበለይ። ስለዚ፡ ኣብቲ ኸባቢ ንዚርከባ ሃገራት ክንበጽሕ ጀመርና። ገለ ኻብቶም ምሳና ዜጽንዑ ዝነበሩ ሰባት ዕቤት እኳ እንተ ገበሩ፡ ምጽራር ስለ ዘጋጠሞም ካብ ሃገሮም ኪወጹ ተገደዱ። ገሊኣቶም ግን እናተሳቐዩ ኽነሶም ኣይለቐቑን። a ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዝነበሮም ፍቕርን ተኣማንነቶም ንምሕላው ዘርኣይዎ ጽንዓትን ክንዝክር ከሎና፡ ንብዓት እዩ ዚስዕረና።

ኣብ ሶማልያን ኤርትራን ዝነበረ ሙቐትን ዳህርን መብዛሕትኡ ግዜ ሓለፍ ዝበለ ነበረ። ገሊኡ ምግቢ እቲ ኸባቢ እሞ ኸኣ ኣብ ርእሲ ሙቐት፡ ሙቐት ይፈጥረልና ነበረ። ኣብ ቤት ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓደ ኻብዚ ዓይነት ምግቢ ንመጀመርታ ግዜ ኽንጥዕሞ ኸለና፡ ሰበይተይ ኣእዛና ኸም ሰማፎሮ ቐይሕ ከም ዘብርሀ ብዋዛ ተዛረበት።

ኣንጀሎን ኣርቱሮን ናብ ካልእ ሃገር ምስ ተመደቡ፡ በይንና ተረፍና። ዜተባብዓና ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ ከቢድ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ዅነታት ዝያዳ ናብ የሆዋ ኸም እንቐርብን ብዝያዳ ኣብኡ ኸም እንወከልን ገበረና። ናብተን ዕዮና እተኣገደለን ሃገራት ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ ብሓቂ ምንጪ ምትብባዕ ኰይኑና ነበረ።

ኣብ ሶማልያ እተፈላለየ ጸገማት እዩ ነይሩ። መዝሓሊ ስለ ዘይነበረና ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝዀነና ምግቢ ጥራይ ንዕድግ ነበርና። እዚ ኸኣ ሃመርሄድ ሻርክ እተባህለ ዓይነት ዓሳ ወይ ድማ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ከም ማንጎ፡ ፓፓዮ፡ ናርገ፡ ኮኮናት፡ ወይ ባናና ዝኣመሰለ ፍረታት እዩ ነይሩ። ዝነፍሩ ሓሸራታት የሸግሩና ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ኣብ ክሳድና ይዓርፉ ነበሩ። ሞተር ብሽክለታ ስለ ዝነበረትና፡ በታ እተንድድ ጸሓይ ንብዙሕ ሰዓታት ብእግርና ኽንጓዓዝ ኣየድልየናን እዩ ነይሩ።

ናብ ኢጣልያ ተመለስና

ብ1961 ኣብ ቱሪን ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ንኽንእከብ፡ በናና ብእተመላልስ መርከብ ናብ ኢጣልያ ኸድና፣ ነቶም ነዚ መሰናድዎ እዚ ዝገበሩ ፈተውትና ነመስግኖም ኢና። እንደገና ናብ ኢጣልያ ኸም እንምደብ ፈለጥና። ኣብ መስከረም 1962 ናብ ኢጣልያ ተመለስና፡ ኣብኡ ድማ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ሓንቲ ንእሽቶ መኪና ዓደግና፡ ኣብቲ እንበጽሖ ዝነበርና ኽልተ ወረዳ ኸኣ ንሓሙሽተ ዓመት ኣገልገለትና።

ድሕሪ እቲ ሓያል ሙቐት ኣፍሪቃ፡ ሕጂ ኣብ ኣዝዩ ቘራሪ ዓዲ ንነብር ኣለና። ኣብቲ መጀመርታ ቘራር ወቕቲ ኣብ እግሪ ኣልፕስ እትርከብ ሓንቲ ጉባኤ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን፡ ሙቐት ኣብ ዘይብሉ ገዛ ኣብ ልዕሊ መኽዘን ሓሰር ደቂስና ሓደርና። ኣዝዩ ቘራሪ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ክዳውንትና ኢና ሓዲርና። ኣብታ ለይቲ እቲኣ፡ ብሰንኪ እቲ ቝሪ ኣብ ከባቢና ኣርባዕተ ደራሁን ክልተ እኽላባትን ሞይቶም ሓደሩ።

ጸኒሐ ድማ ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ኣገልገልኩ። ኣብዘን ዓመታት እዚአን፡ ንምልእቲ ኢጣልያ በጻሕናያ። ንኸም ካላብሪያን ሲስሊን ዝኣመሰላ ቦታታት ብዙሕ ሳዕ በጺሕናየን ኢና። ንመንእሰያት ብመንፈስ ክዓብዩ እሞ ሓለውቲ ጉባኤ፡ ገየሽቲ ሓለውቲ ወይ ቤትኤላውያን ንምዃን ሸቶ ኼውጽኡ ኣተባባዕናዮም።

ካብቶም ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዜገልግልዎ እሙናት ፈተውቲ ብዙሕ ተማሂርና ኢና። ነቲ ንየሆዋ ዘለዎም ክምህ ዘይብል ተኣማንነቶም፡ ልግሶም፡ ንኣሕዋቶም ዘለዎም ፍቕሪ፡ ከምኡውን ነቲ ምስ ኵነታት ተለማሚድካ ናይ ምንባርን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእን መንፈሶም ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ሃይማኖታውያን ኣገልገልቲ መጠን ብሕጊ ተፈላጥነት ረኺቦም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘካየድዎ መርዓታት ተኻፊልና ኢና፣ እዚ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብታ ሃገር ኪግበር ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ጉባኤታት ከምቲ ቐደም ኣብ ቱሪን ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣብ ክሽነ እንዳ ኣሕዋት ኣይእከባን እየን፡ ኣሕዋት እውን ኣብ ሉሕ ኰፍ ኣይብሉን እዮም። ኣብ ክንዳኡ፡ መብዛሕትአን ጉባኤታት ኣብቲ ንየሆዋ ዜኽብር ምልኩዕ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እየን ዚእከባ። ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ልዕሊ 243,000 በጺሑ ኽትርኢ እውን ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። ኣብ ኢጣልያ ኽንበጽሕ ከለና 490 ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮም።

ቅኑዕ ምርጫ ገበርና

ከም ናፍቖትን ሕማምን ዝኣመሰለ ጸገማት የጋጥመና ነይሩ እዩ። ፋርን ባሕሪ ኽትርኢ ኸላ ትናፍቕ ነበረት። ሰለስተ ኸቢድ መጥባሕትታት እውን ገይራ እያ። ሓደ መዓልቲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ክትከይድ ከላ፡ ሓደ ተጻራሪ ብመስአ ወግኣ። ብሰንኪ እዚ ሆስፒታል ኣተወት።

ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ምቝራጽ የጋጠመና እኳ እንተ ነበረ፡ ብመሰረት ድጕዓ ኤርምያስ 3:24፡ ብየሆዋ ተስፋ ገበርና። የሆዋ፡ ኣምላኽ ምጽንናዕ እዩ። ሓደ መዓልቲ ተስፋ ምስ ቈረጽና፡ ፋርን ካብ ሓው ናታን ኖር እተጸናንዕ ደብዳበ ተቐበለት። ኣብ ጥቓ እቲ ፋርን ዕዮ ፈላምነት ዝጀመረትሉ ኣብ ፐንስልቨንያ እትርከብ ቤትልሄም ስለ እተወልደ፡ ከምኣ ዝኣመሰላ ኣብ ፐንስልቨንያ ዳች ዚነብራ ኣንስቲ፡ ጽኑዓትን ቈራጻትን ምዃነን ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጥ ጸሓፈላ። ሓቁ ኸኣ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ብእተፈላለየ መገድታትን ካብ ሓያሎ ሰባትን መተባብዒ ተቐቢልና ኢና።

እዚ ዅሉ ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኢ ኸይቅህም ጽዒርና ኢና። ፋርን ንመንፈስ ቅንኣት ምስቲ ምቁርን ዓፍዓፍ ዚብልን ላምብሩስኮ ዚበሃል ናይ ኢጣልያ ወይኒ ብምምስሳል፡ እናተዋዘየት፡ “ንዓፍዓፍታ መንፈስና ኸነጥፍኦ የብልናን” በለት። ኣብ ዕዮ ወረዳን ኣውራጃን ንልዕሊ 40 ዓመት እናገሽና ድሕሪ ምግልጋልና፡ ካብ ጣልያንኛ ወጻኢ ብኻልእ ቋንቋታት ኣብ ዝካየድ ጕጅለታትን ጉባኤታትን ናይ ምብጻሕን ናይ ምውዳብን ሓድሽ ሓላፍነት ተቐበልና። እዞም ጕጅለታት እዚኣቶም፡ ካብ ህንዲ፡ ስሪ ላንካ፡ ባንግላድሽ፡ ቻይና፡ ናይጀርያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ጋና፡ ፊሊፒንስ፡ ከምኡውን ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝመጹ ሰባት እዮም ዚሰብኩሎም። ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ንህይወት እቶም ምሕረት የሆዋ ዝጠዓሙ ሰባት ዝቐየረሉ ዜደንቕ መገድታት ንኽንጽብጽብ መጽሓፍ ኣይኣኽለናን እዩ።—ሚክ. 7:18, 19

ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም ዜኽእለና ስምዒታውን ኣካላውን ሓይሊ ንኺህበና መዓልታዊ ናብ የሆዋ ንጽሊ ኢና። ሓጐስ ጐይታ ሓይልና እዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ከነካፍል ከለና፡ ንዓይንና ኸም ዚበርህ ኣብ ርእሲ ምግባሩ ኣብ ህይወትና ቕኑዕ መገዲ ኸም ዝመረጽና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ይገብር።—ኤፌ. 3:7፣ ቈሎ. 1:29

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1992፡ ኣብ ገጽ 95-184፡ ርአ።

[ኣብ ገጽ 27-29 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ወለደይ ኣብ ሮቸስተር፡ ኒው ዮርክ

1948

ኣብ ደቡባዊ ላንሲንግ ኣብ መበል 12 ኽፍሊ ጊልዓድ

1949

ምስ ፋርን ናብ ኢጣልያ ቅድሚ ምኻድና

ካፕሪ፡ ኢጣልያ

1952

ምስ ካልኦት ሚስዮናውያን ኣብ ቱሪንን ናፕልስን

1963

ፋርን ምስ ገለ ኻብተን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃሮኣ

“ንዓፍዓፍታ መንፈስና ኸነጥፍኦ የብልናን”