ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ዘፍጥረት 6:3፡ “መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡” ትብል። የሆዋ ኸምዚ ኺብል ከሎ፡ ዕምሪ ወዲ ሰብ 120 ዓመት ኪኸውን ምዃኑ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኖህኸ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ን120 ዓመት ድዩ ሰቢኹ፧

ንኽልቲኡ ሕቶ፡ መልሱ ኣይፋሉን እዩ።

ቅድሚ ማይ ኣይሂ፡ ሓያሎ ሰባት ንዘመናት ዚኣክል ይነብሩ ነይሮም እዮም። ማይ ኣይሂ ኺመጽእ ከሎ፡ ኖህ ወዲ 600 ዓመት ኰይኑ ነበረ፡ ዕድሚኡ ብጠቐላላ 950 ዓመት ነበረ። (ዘፍ. 7:6፣ 9:29) ገለ ኻብቶም ድሕሪ ማይ ኣይሂ እተወልዱ፡ ልዕሊ 120 ዓመት ይነብሩ ነበሩ። ንኣብነት፡ ኣርፋክሳድ ኣብ 438 ዓመቱ፡ ሸላሕ ከኣ ኣብ 433 ዓመቱ እዩ ሞይቱ። (ዘፍ. 11:10-15) ኣብ ግዜ ሙሴ ግን፡ እቲ ንቡር ዕምሪ ወዲ ሰብ 70 ወይ 80 ዓመት እዩ ነይሩ። (መዝ. 90:10) ስለዚ፡ ዘፍጥረት 6:3፡ እቲ ዝለዓለ ወይ ንቡር ዕምሪ ወዲ ሰብ 120 ዓመት ኪኸውን ምዃኑ ኣይትሕብርን እያ።

እታ ጥቕሲ፡ ኣምላኽ ንኖህ፡ እቲ ጥፍኣት ኣብ ውሽጢ 120 ዓመት ኪመጽእ ምዃኑ ንሰባት ኬጠንቅቖም ከም ዝነገሮ ድያ እትሕብር፧ ኣይፋላን። ኣምላኽ ንኖህ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተዛሪብዎ እዩ። ኣብቲ ጸብጻብ ኣብ ቍጽሪ 13፡ “ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎ፤ ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ” ይብል። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ነታ ዓባይ መርከብ ሰሪሑ ምስ ወድኣ፡ የሆዋ፡ “ምስ ብዘላ ቤትካ ናብ መርከብ እቶ” በሎ። (ዘፍ. 6:13፣ 7:1) ኣብ እተፈላለየ ኻልእ ኣጋጣሚታት እውን የሆዋ ንኖህ ብዛዕባ ገለ ነጥብታት ሓቢርዎ እዩ።—ዘፍ. 8:15፣ 9:1, 8, 17

ዘፍጥረት 6:3 ኻልእ ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ፣ ኣብታ ጥቕሲ ኖህ ኣይተጠቕሰን፡ ኣምላኽ ንኖህ ይዛረቦ ኸም ዝነበረ እውን ኣይተሓበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሓፈሻ ኣምላኽ ዕላማኡ ወይ ውሳነኡ እንታይ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ምስ ዘፍጥረት 8:21 ኣረኣኢ።) ኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ ብዛዕባ ዝነበረ ፍጻመታት ዚገልጽ ጸብጻብ እውን እንተ ዀነ፡ “ኣምላኽ ድማ፤ . . . በለ” ዚብል ቃላት ተደጋጊሙ ተጠቒሱ ኣሎ። (ዘፍ. 1:6, 9, 14, 20, 24) ሽዑ ሰብ ስለ ዘይተፈጥረ፡ የሆዋ ኣብ ምድሪ ንዝነበረ ሰብ ይዛረብ ከም ዘይነበረ ንጹር እዩ።

ዘፍጥረት 6:3፡ ‘ኣምላኽ ነቲ ሽዑ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ብልሹው ስርዓት ከጥፍኦ ኸም ዝቘረጸ እያ እትሕብር፡’ ኢልና ኽንድምድም እምበኣር ርትዓዊ እዩ። ኖህ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ኣብ ውሽጢ 120 ዓመት ፍትሓዊ ፍርዲ ኼውርድ ደንጊጉ ነበረ። ግዜ ዝመደበ ግን ስለምንታይ እዩ፧ ምጽባይ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ እቲ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም” በለ። (1 ጴጥ. 3:20) እወ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ 120 ዓመት ውሳነ ኺገብር ከሎ፡ ኪዕየ ዝነበሮ ነገራት ነይሩ እዩ። ድሕሪኡ 20 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ጸኒሑ፡ ኖህን ሰበይቱን ቈልዑ ኺወልዱ ጀመሩ። (ዘፍ. 5:32፣ 7:6) እቶም ሰለስተ ደቆም ዓብዮም ምስ ተመርዓዉ፡ እታ ስድራ ቤት “ሾሞንተ ነፍሲ” ዀነት። ቀጺሎም፡ ነታ መርከብ ኪሰርሑ ነበሮም። ንግዝፊ እታ መርከብን ቍጽሪ ስድራ ቤት ኖህን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዕዮ ንኺዛዘም ግዜ የድልዮ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እወ፡ ኣምላኽ ን120 ዓመት ሳላ እተዓገሰ፡ እዚ ነገራት እዚ ተዓሚሙ፡ ህይወት ተዓቂቡ፡ እቶም ሸሞንተ እሙናት ሰባት ከኣ ‘ብማይ ድሒኖም’ እዮም።

የሆዋ ንኖህ፡ ብዛዕባ እቲ ማይ ኣይሂ ዚመጽኣሉ ዓመት ፈልዩ ኸም ዝነገሮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሕብርን እዩ። ደቂ ኖህ ተወሊዶም፡ ዓብዮም፡ ተመርዕዮም ስለ ዝነበሩ፡ ማይ ኣይሂ ንኺመጽእ፡ ምናልባት 40 ወይ 50 ዓመት ተሪፍዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቀጺሉ የሆዋ ንኖህ፡ “መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ዓባይ መርከብ ኪሰርሕ እሞ ምስ ስድራ ቤቱ ናብኣ ኺኣቱ ነገሮ። (ዘፍ. 6:13-18) ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ኖህ ናብራ ጽድቂ ብምንባር ኣብነት ካብ ምዃን ንላዕሊ እዩ ገይሩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ነቶም ብስርዓታቱ ዘይመላለሱ ሰባት ከጥፍኦም ከም ዝመደበ ዚገልጽ ንጹር መልእኽቲ ብምንጋር፡ “ሰባኽ ጽድቂ” ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ኖህ፡ ማይ ኣይሂ ኣብ ኣየናይ ዓመት ከም ዚመጽእ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ብርግጽ ከም ዚመጽእ ግን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከም ዝመጸ ኸኣ ንስኻ እውን ትፈልጥ ኢኻ።—2 ጴጥ. 2:5