ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣምላኽ ክትመሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ካብ ኣምላኽ ክትመሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ካብ ኣምላኽ ክትመሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. ካብ ኣምላኽ ክትመሃር ዘሎካ ስለምታይ ኢኻ፧

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዚኸውን ባህ ዜብል ብስራት ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኸም እተላእከልና ደብዳበ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።—ኤርምያስ 29:11 ኣንብብ።

2. እንታይ ብስራት ኣሎ፧

ደቂ ሰብ ጽቡቕ መንግስቲ የድልዮም እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ገዛኢ፡ ንደቂ ሰብ ካብ ዓመጽን ምጕዳል ፍትሕን ሕማምን ሞትን ኬናግፎም ኣይከኣለን። ነዚ ዚምልከት ሓደ ብስራት ግን ኣሎ። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ካብ ኵሉ ዓይነት መከራ እተናግፍ ብጽቡቕ እተመሓድር መንግስቲ ኬቝመሎም እዩ።—ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

3. ካብ ኣምላኽ ክትመሃር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ነቶም መከራ ዜምጽኡ ሰባት ካብ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን፡ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ትሑታት ሰባት ኣብ ፍቕሪ እተመሰረተ ዝበለጸ ህይወት ንኼስተማቕሩ ይምህሮም ኣሎ። ኣብ ህይወት ንዜጋጥሞም ጸገማት ብኸመይ ከም ዚዋጽኡሉ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚረኽቡ፡ ከምኡውን ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜሐጕስዎ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ይመሃሩ ኣለዉ።—ጸፎንያስ 2:3 ኣንብብ።

4. ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ 66 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ዝሓዘ እዩ። ኣርብዓ ሰባት ድማ እዮም ጽሒፎምዎ። እተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ፡ ዳርጋ 3,500 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ብሙሴ እየን ተጻሒፈን። እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ከኣ፡ ልዕሊ 1,900 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ብሃዋርያ ዮሃንስ እያ ተጻሒፋ። ኰይኑ ግን፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ሓሳባቶም ኣይጸሓፉን። እምበኣር፡ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ 2 ጴጥሮስ 1:21 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ስለ ዚንበ፡ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ዋላ ሓደ ሰብ ግን ከምኡ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። (ኢሳይያስ 46:9, 10) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ ባህርያት ኣምላኽ ብልክዕ ይነግረና እዩ። ንህይወት ሰባት ናይ ምምሕያሽ ሓይሊ እውን ኣለዎ። እዚ ዅሉ መርትዖታት፡ ንሚልዮናት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣእሚንዎም እዩ።—እያሱ 23:14፣ 1 ተሰሎንቄ 2:13 ኣንብብ።

5. ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

የሱስ፡ ፍሉጥ መምህር ቃል ኣምላኽ ኰነ። እቶም ንሱ ዝመሃሮም ሰባት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንኺርድእዎ ግን ሓገዝ የድልዮም ነበረ። የሱስ ንዕኦም ንምሕጋዝ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እናኣንበበ፡ ነቲ ‘ጽሑፋት ንኼስተውዕሉ’ ይገልጸሎም ነበረ። እዛ፡ “ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር” እትብል ዓምዲ ኸኣ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ንቓል ኣምላኽ ንኽትርዳእ ክትሕግዘካ እያ።—ሉቃስ 24:27, 45 ኣንብብ።

ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ካብ ኣምላኽ ትምህርቲ ኸም ምቕሳም ገይሩ ኣቓልቦ ዚስሕብ ካልእ ነገር የልቦን። ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብካ፡ ንገሊኦም ሰባት ባህ ኣየብሎምን ይኸውን። ንስኻ ግን በዚ ኣይትደሃል። ንኣምላኽ እንተ ፈሊጥካዮ ኢኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ እትኽእል።—ማቴዎስ 5:10-12፣ ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 2 ርአ።