ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገነት ኤድን ብሓቂዶ ነይራ እያ፧

ገነት ኤድን ብሓቂዶ ነይራ እያ፧

ገነት ኤድን ብሓቂዶ ነይራ እያ፧

ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ኰነ ብዛዕባ ገነት ኤድን ንዚገልጽ ዛንታ ትፈልጦዶ፧ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ይፈልጥዎ እዮም። ነቲ ዛንታ ስለምንታይ ዘይተንብቦ፧ ኣብ ዘፍጥረት 1:26–3:24 ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ፍረ ነገር እቲ ዛንታ ኸምዚ ዚስዕብ እዩ፦

የሆዋ ኣምላኽ * ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣዳም ዚብል ስም ሃቦ፡ ኣብ ገነት ኤድን ከኣ ኣንበሮ። ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ነቲ ገነት ተኺልዎ። ብዙሕ ማይን ጽቡቕ ፍረ ዜፍሪ ኣእዋምን ዘለዎ ቦታ እዩ ነይሩ። ኣብ ማእከል እቲ ገነት፡ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ነበረት። ኣምላኽ ንኣዳም ካብታ ኦም ከይበልዕ ኣዘዞ፣ ካብኣ እንተ በሊዑ ኸም ዚመውት እውን ሓበሮ። ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ ኻብ መሰንገለ ኣዳም ሓንቲ ወሲዱ፡ ሄዋን እትበሃል ደጋፊት ገበረሉ። ኣምላኽ ንኽልቲኦም ንገነት ኤድን ናይ ምክንኻን ዕዮ ሃቦም፣ ተባዚሖም ንምድሪ ኺመልእዋ ኸኣ ነገሮም።

ሄዋን በይና ኸላ፡ ተመን ካብታ እተኸልከለት ፍረ ኽትበልዕ ኣደፋፈራ፣ ኣምላኽ ንሄዋን ከም ዝሓሰዋ፡ ገለ ጽቡቕ ነገር፡ ማለት ከም ኣምላኽ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ድማ ከም ዝሓብኣላ ነገራ። ሄዋን ድማ ዘረባ ተመን ሰሚዓ ኻብታ እተኸልከለት ፍረ በልዐት። ኣዳም እውን ጸኒሑ ንኣምላኽ ኣብ ዘይምእዛዝ ሓበራ። የሆዋ ድማ ንኣዳምን ንሄዋንን ነቲ ተመንን ፈረዶም። ድሕሪኡ፡ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤድን ተሰጕጉ፣ መላእኽቲ ኸኣ ተመሊሶም ከይኣትዉ ኸልከልዎም።

ገሊኦም ምሁራትን ጸሓፍቲ ታሪኽን፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ዚርከብ ፍጻመታት ከም ሓቅን ታሪኻውን ገይሮም ዝረኣዩሉ እዋን ነይሩ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምጥርጣር ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ዚርከብ ንኣዳምን ንሄዋንን ንገነት ኤድንን ዚምልከት ጸብጻብ ከም ዝጠራጠሩ ዚገብሮም እንታይ እዩ፧ ኣርባዕተ ተደጋጊሙ ዚጥቀስ ሓሳባት እስከ ንርአ።

1. ገነት ኤድን ብሓቂዶ ነይራ እያ፧

እዚ ጕዳይ እዚ ኣጠራጣሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ፍልስፍና ግደ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንዘመናት፡ ናይ ሃይማኖት ምሁራት፡ እታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ገነት ገና ኣብ ገለ ቦታ ኸም ዘላ ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ከም ፕላቶን ኣሪስቶትልን ዝኣመሰሉ ፈላስፋታት ግሪኽ፡ ንቤተ-ክርስትያን ጸልዮምዋ እዮም፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ዝዀነ ይኹን ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራት ፍጹም ኪኸውን ከም ዘይክእል ይኣምኑ ነበሩ። ብመሰረት ኣረኣእያኦም፡ ፍጽምና ኺህሉ ዚኽእል ኣብ ሰማይ ጥራይ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ ሃይማኖት ምሁራት፡ እታ ናይ መጀመርታ ገነት ኣብ ጥቓ ሰማይ ከም ዝነበረት ገይሮም ኪሓስቡ ጀመሩ። * ገሊኦም ሰባት፡ እታ ገነት በዛ ብልሽውቲ ፕላኔት ምእንቲ ኸይትጽሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ከም ዝነበረት ይዛረቡ፣ ገሊኦም ከኣ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ-ምድሪ ወይ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ-ምድሪ ኸም ዝነበረት ይገልጹ፣ ገሊኦም ድማ፡ ኣብ ወርሒ ወይ ኣብ ጥቓ ወርሒ ኸም ዝነበረት ይገልጹ። እቲ ንኤድን ዚምልከት ጕዳይ፡ ከም ጽውጽዋይ ጌርካ እንተ ተራእየ እምበኣር ኣየገርምን እዩ። ገሊኦም ዘመናውያን ምሁራት፡ ኤድን ዚበሃል ቦታ ፈጺሙ ኸም ዘይነበረ ገይሮም ስለ ዚሓስቡ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ኣይቅበልዎን እዮም።

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንገነት ከምኡ ገይሩ ኣይኰነን ዚገልጻ። ኣብ ዘፍጥረት 2:8-14፡ ብዛዕባ ገነት ዚሕብር ብዙሕ ዝርዝር መግለጺታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እታ ገነት፡ ኤድን ኣብ ዚበሃል ቦታ ኣብ ሸነኽ ምብራቕ እያ ነይራ። ንዕኣ ዜስቲ ርባ ኸኣ ኣብ ኤድን ይውሕዝ ነበረ። እዚ ርባ እዚ፡ ምንጪ ኣርባዕተ ኻልእ ርባታት እዩ ነይሩ፣ ስማት እቲ ኣርባዕተ ርባታትን ዚኸደሉ ቦታታትን ድማ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ዝርዝር መግለጺ እዚ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ኣቓልቦ ምሁራት ኪስሕብ ዝጸንሐ እዩ፣ መብዛሕትኦም ምሁራት ከኣ፡ እታ ጥንታዊት ገነት ኣብዚ እዋን እዚ ኣበይ ከም እትርከብ ንምፍላጥ ሒዅ እዮም ዚብሉ። ይኹን እምበር፡ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ እቲ ብዛዕባ ኤድን ኰነ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ገነትን ርባታትን ዚሕብር ተፈጥሮኣዊ መግለጺ፡ ሓሶት ወይ ጽውጽዋይ እዩ ማለት ድዩ፧

ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕስብ ኣብሎ፦ እቲ ኣብ ገነት ኤድን ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ 6,000 ዓመት ይገብር እዩ ተፈጺሙ። ነቲ ፍጻመታት ዝጸሓፎ ሙሴ ኪኸውን ስለ ዘለዎ፡ ብኣፍ ኣብ ዚንገር ታሪኽ ወይ ከኣ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ሰነድ ተመርኲሱ ጽሒፍዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣስታት 2,500 ዓመት ጸኒሑ እዩ ጽሒፍዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ኤድን ከም ጥንታዊ ታሪኽ ጌርካ እያ እትርአ ነይራ። እሞኸ ሕጂ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ ከም ርባታት ዝኣመሰለ ምልክት ዚኸውን ቦታታት ኪቀያየር ኣይክእልንዶ፧ ዝባን ምድሪ ዅሉ ግዜ እዩ ዚንቀሳቐስ። እቲ ኤድን ዝነበረትሉ ተባሂሉ ዚሕሰብ ከባቢ ኸኣ፡ ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዜጋጥመሉ ቦታ እዩ ነይሩ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዜጋጥም ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ዳርጋ 17 ሚእታዊት ኣብዚ ቦታ እዚ እዩ ዜጋጥም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት፡ ለውጢ ሓሓሊፉ ዚርአ ነገር ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ፡ ሕጂ ኽንፈልጦ ብዘይንኽእል መገዲ ንቕርጺ መሬት ለዊጥዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። *

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ገነት ኤድን እንፈልጦ እተወሰነ ሓቂ ኣሎ፣ እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ጸብጻብ፡ ንገነት ኤድን፡ ብሓቂ ኸም ዝነበረት ቦታ ገይሩ እዩ ዚጠቕሳ። ካብቶም ኣብቲ ጸብጻብ እተጠቕሱ ኣርባዕተ ርባታት እቶም ክልተ፡ ማለት ኤፍራጥስን ጢግሪስን ወይ ሂዴቄል፡ ክሳዕ ሎሚ ኣለዉ፣ ምንጪ እዚ ኣፍላጋት እዚ ኸኣ ጥቓ ንጥቓ እዩ ዚርከብ። ኣብቲ ጸብጻብ፡ እቶም ኣፍላጋት ብዛዕባ ዚውሕዙሉ ዝነበሩ ቦታታትን ኣብቲ ቦታታት ብዛዕባ ዚርከብ ዝነበረ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ ዝርዝር መግለጺ፡ ነቶም ፈለማ ነዚ ጸብጻብ እዚ ዘንበብዎ ጥንታውያን እስራኤላውያን ጽቡቕ ሓበሬታ ዚህብ እዩ ነይሩ።

ኰይኑ ግን፡ ጽውጽዋይ ከምዚ ዓይነት ዝርዝር መግለጺ ይጠቅስ ድዩ፧ ጽውጽዋይ ኪበሃል ከሎ፡ “ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ ርሑቕ ቦታ” ኢሉ ደይኰነን ዚጅምር፧ ታሪኽ ግን፡ ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ ኤድን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኣገዳሲ ዝርዝር መግለጺታት ዘጠቓለለ ኪኸውን ኣለዎ።

2. ኣምላኽ ብሓቂዶ ንኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ፡ ንሄዋን ከኣ ካብ መሰንገለ ኣዳም እዩ ፈጢርዎም፧

ኣካላት ወዲ ሰብ ከም ሃይድሮጅንን ኦክስጅንን ካርቦንን ብዝኣመሰለ እተፈላለየ ባእታታት ዝቘመ ምዃኑ፡ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ኣረጋጊጹ እዩ፣ ኵሉ እዚ ባእታታት እዚ ኸኣ ኣብ ዝባን ምድሪ ይርከብ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ባእታታት እዚ ብሓደ ተኣኻኺቡ ህያው ፍጡር ኬቕውም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ህይወት ካብ ሓደ ቐሊል ነገር ጀሚሩ፡ ድሕሪ ሚልዮናት ዓመታት ቀስ ብቐስ ብዝያዳ እናተሓላለኸ ባዕሉ ኸም ዝመጸ ኣብ ዚገልጽ ክልሰ-ሓሳብ እዮም ዚኣምኑ። ይኹን እምበር፡ እታ “ቐሊል” እትብል ቃል፡ ከተጋጊ ትኽእል እያ፣ ከመይሲ፡ ኵሉ ህያው ነገራት፡ እንተላይ እቶም ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ኪረኣዩ ዚኽእሉ ሓንቲ ህዋስ ዘላቶም ፍጥረታት፡ ኣዝዮም እተሓላለኹ እዮም። ዝዀነ ይኹን ህይወት ዘለዎ ነገራት ብኣጋጣሚ ኸም ዝመጸ ዚሕብር መርትዖ የለን። የግዳስ፡ ካባና ዚበልጽ ኣእምሮኣዊ ኽእለት ብዘለዎ ኣካል ከም እተነድፈ ዚሕብር መርትዖ እዩ ዘሎ። *ሮሜ 1:20

ኣዝዩ ባህ ዜብል ሙዚቃ እንተ ትሰምዕ፡ ወይ ዓይኒ ዚማርኽ ስእሊ እንተ ትርኢ፡ ወይ ከኣ ዜደንቕ ተክኖሎጂ እንተ ትዕዘብ፡ ነዚ ነገራት እዚ ዝገበሮ ኣካል የለን ኢልካ ምሓሰብካዶ፧ ኣይፋልካን። ኰይኑ ግን፡ እዚ ዝጠቐስናዮ ዜደንቕ ነገራት፡ ምስ ጽባቐን ውሕሉል ንድፍን ኣካላት ወዲ ሰብ ፈጺሙ ኺወዳደር ኣይክእልን እዩ። ከመይ ጌርና ኢና እሞ ንወዲ ሰብ ፈጣሪ የብሉን ኢልና ኽንሓስብ እንኽእል፧ ብዘይካዚ፡ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ፡ ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ህይወታውያን ነገራት፡ ደቂ ሰብ ጥራይ ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጥሩ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 1:26) ስለዚ እምበኣር፡ ደቂ ሰብ ጥራይ እዮም ናይ ምምሃዝ ክእለት ዘለዎም፣ ዜደንቕ ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ተክኖሎጅን ዜዳልዉ እውን ብኸምኡ እዮም። እሞኸ ኣምላኽ ካባና ዚበልጽ ናይ ምፍጣር ክእለት እንተ ሃለዎ ኼገርመናዶ ይግባእ፧

ኣምላኽ ካብ መሰንገለ ሰብኣይ ሓንቲ ወሲዱ ሰበይቲ ምፍጣሩ እንታይ ዜገርም ኣለዎ፧ * ብኻልእ መገዲ ተጠቒሙ ንሰበይቲ ኺፈጥራ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ እተጠቕመሉ መገዲ ግን ዓሚቝ ኣገዳስነት ነበሮ። ሰብኣይን ሰበይትን ተመርዕዮም፡ ልክዕ ከም “ሓደ ስጋ” ድልዱል ርክብ ኪህልዎም ስለ ዝደለየ እዩ። (ዘፍጥረት 2:24) ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ዚደጋገፉሉን ጽኑዕን ጠቓምን ርክብ ዚምስርቱሉን መገዲ ኽንርኢ ኸለና፡ ጥበበኛን ፈቃርን ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚሕብር ደይኰነን፧

ብዘይካዚ፡ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዛዕባ ጂን ዜጽንዑ ምሁራት፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ካብ ሓደ ሰብኣይን ካብ ሓንቲ ሰበይትን ጥራይ ዝመጹ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይሰማምዑሉ እዮም። እሞኸ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ድዩ፧

3. ብዛዕባ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦምን ብዛዕባ ኦም ህይወትን ዚገልጽ ሓሳብ፡ ጽውጽዋይ እዩ ዚመስል።

ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ፡ እዘን ኣእዋም እዚኣተን፡ ፍሉይ ወይ ልዕለ-ባህርያዊ ሓይሊ ኸም ዝነበረን ኣይምህርን እዩ። የግዳስ፡ የሆዋ ምሳልያዊ ትርጕም ከም ዚህልወን ዝገበረን ናይ ሓቂ ኣእዋም እየን ነይረን።

ሰባት እውን እንተ ዀኑ ሓድሓደ ግዜ ኸምኡ ይገብሩዶ ኣይኰኑን፧ ንኣብነት፡ ሓደ ፈራዲ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ምንዓቕ ከም ዜቕጽዕ ይዛረብ። ኰይኑ ግን፡ ንኣቕሑን ንመሳርሒታትን ንመንደቕን እቲ ቤት ፍርዲ ዘይኰነስ፡ ነቲ እቲ ቤት ፍርዲ ወኪልዎ ዘሎ ፍትሓዊ ስርዓት ንኺከላኸል ኢሉ እዩ ኸምኡ ዚብል። ብዙሓት ነገስታት እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ ዚሕዝዎ ዘንጊ ወይ ከኣ ነቲ ዚደፍእዎ ዘውዲ ኸም ምልክት ልዑላዊ ስልጣኖም ገይሮም ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም።

እሞኸ እተን ክልተ ኣእዋም ንምንታይ እየን ዜመልክታ ነይረን፧ ብዙሕ እተሓላለኸ ኽልሰ-ሓሳብ እኳ እንተሎ፡ እቲ ናይ ሓቂ መልሲ፡ ቀሊል ግን ከኣ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ እዩ። እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም፡ ነቲ ኣምላኽ ጥራይ ዘለዎ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምውሳን መሰል እያ እተመልክት። (ኤርምያስ 10:23) ካብታ ኦም እቲኣ ሰሪቕካ ምብላዕ ገበን እንተ ነበረ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። እታ ኦም ህይወት ከኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ጥራይ ኪህቦ ዚኽእል ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ እተመልክት።—ሮሜ 6:23

4. ተመን ከም እተዛረበ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ጽውጽዋይ እዩ ዚመስል።

ብሕልፊ ነቲ ኻልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግምት እንተ ዘየእቲና፡ እዚ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ዛንታ ኼደናግረና ኸም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ይኹን እምበር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ዜደንጹ ምስጢር ንጹር ከም ዚኸውን ገይርዎ እዩ።

ተመን ይዛረብ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ዘቕረበ መን እዩ፧ ጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ነቲ ተመን ከም ዚዛረብ ዝገበሮ እንታይ ምዃኑ ዝያዳ መብርሂ ዚህብ ካልእ ረቛሒታት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ እንስሳታት ዘይዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሓደ መንፈሳዊ ኣካል ከም ዚዛረቡ ኣምሲሉ ኬቕርቦም ከም ዚኽእል ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ሙሴ ብዛዕባ በላዓም እውን ጽሒፉ ነይሩ እዩ፣ ኣምላኽ ንመልኣኹ ልኢኹ ንኣድጊ በላዓም ከም ሰብ ከም እትዛረብ ገይርዋ እዩ።—ዘሁልቍ 22:26-31፣ 2 ጴጥሮስ 2:15, 16

ካልኦት መናፍስቲ፡ እንተላይ ጸላእቲ ኣምላኽ፡ ተኣምራት ኪገብሩ ይኽእሉዶ፧ ሙሴ፡ ግብጻውያን ጠንቈልቲ ልክዕ ከም ገሊኡ ተኣምራት ኣምላኽ ኪገብሩ ኸለዉ ርእዩ ነይሩ እዩ፣ ንኣብነት፡ እቶም ጠንቈልቲ ንኣባትሮም ናብ ተመን ከም እተቐየራ ኣምሲሎም ኬቕርቡ ኽኢሎም ነይሮም እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ናይ ምግባር ክእለት፡ ካብቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ ጸላእቲ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኺመጽእ ዚኽእል።—ዘጸኣት 7:8-12

ሙሴ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንመጽሓፍ እዮብ ጽሒፍዋ ኪኸውን ኣለዎ። እታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቲ ብሓሶት ንንጽህና ዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ዘእተወን ቀንዲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነን ሰይጣን ብዙሕ ትገልጽ እያ። (እዮብ 1:6-11፣ 2:4, 5) እሞኸ ጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤድን፡ እቲ ተመን ይዛረብ ከም ዝነበረ ኣምሲሉ ብውሕልነት ብምጥቃም ንሄዋን ንጽህናኣ ኸተበላሹ ኸም ዘታለላ ገይሮም ይሓስቡዶ ነይሮም ይዀኑ፧ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ነቲ ተመን እተጠቕመሉ ሰይጣን ድዩ ነይሩ፧ የሱስ ጸኒሑ ብዛዕባ ሰይጣን፡ “ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 8:44) ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ ኺበሃል ከሎ፡ ንመጀመርታ ግዜ ሓሶት እተዛረበ ማለት እዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ሓሶት፡ ኣብቲ እቲ ተመን ንሄዋን እተዛረባ ዘረባ እዩ ዚርከብ። እቲ ተመን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኻብታ እተኸልከለት ፍረ ምብላዕ ሞት ከም ዜስዕብ ዚገልጽ መጠንቀቕታ ብምቅዋም፡ “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በለ። (ዘፍጥረት 3:4) ብንጹር እምበኣር፡ ሰይጣን ነቲ ተመን ብውሕልነት ይጥቀመሉ ኸም ዝነበረ፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብቲ የሱስ ንሃዋርያ ዮሃንስ ዘርኣዮ ራእይ፡ ንሰይጣን፡ “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ኢሉ ጸውዖ።—ራእይ 1:1፣ 12:9

ሓደ ሓያል መንፈሳዊ ኣካል ንተመን ብውሕሉል መገዲ ተጠቒሙ፡ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ኬቕርቦ ኸም ዚኽእል ዚገልጽ ሓሳብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ድዩ፧ ካብ መናፍስቲ ዝተሓተ ሓይሊ ዘለዎም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብውሕሉል መገዲ ተጠቒሞም፡ ሓደ ነገር ይዛረብ ከም ዘሎ ኣምሲሎም ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

ዜእምን መርትዖ

ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ብዚምልከት ዘሎ ምጥርጣር መሰረት ከም ዘይብሉስ ኣይትሰማማዕንዶ፧ ብኻልእ ሸነኽ ግን፡ እቲ ጸብጻብ ናይ ሓቂ ታሪኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ ሓያል መርትዖ ኣሎ።

ንኣብነት፡ የሱስ ክርስቶስ፡ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ራእይ 3:14) ፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሓቂ ዝዀነ ነገር ብጌጋ ኣቕሪቡ ወይ ሓስዩ ኣይፈልጥን እዩ። ብዘይካዚ፡ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኺነብር ቅድሚ ምጅማሩ፡ “ዓለም ከይተፈጥረት” ምስ የሆዋ ኣቦኡ ይነብር ከም ዝነበረ ምሂሩ እዩ። (ዮሃንስ 17:5) ስለዚ፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኺጅምር ከሎ ይርኢ ነይሩ እዩ። እሞኸ እዚ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እሙን ዝዀነ ምስክር እንታይ በለ፧

የሱስ ንኣዳምን ንሄዋንን ብሓቂ ኸም ዝነበሩ ሰባት ገይሩ እዩ ጠቒስዎም። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንንጽል መውስቦ ብዚምልከት ዘውጽኦ ስርዓት ኪገልጽ ከሎ፡ ንመርዓኦም ከም ኣብነት ገይሩ ጠቒስዎ እዩ። (ማቴዎስ 19:3-6) ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት እንተ ዘይኰይኖም፡ እታ ዝነበሩላ ገነት ኤድን ከኣ ጽውጽዋይ እንተ ዀይና፡ ወይ የሱስ ተታሊሉ ነይሩ፡ ወይ ከኣ ሓሳዊ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ የሱስ ኣይተታለለን፡ ሓሳዊ እውን ኣይነበረን። ኣብ ሰማይ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ገነት ኤድን ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ ይርእዮ ነይሩ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ዜእምን መርትዖ ኣሎ፧

ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ዘይምእማን፡ ኣብ የሱስ ንዘሎና እምነት ዜዳኽም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንገሊኡ ኣገዳሲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ መብጽዓታትን ከም ዘይንርድኦ እዩ ዚገብረና። እዚ ብኸመይ ከም ዜጋጥም እስከ ንርአ።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ ዜመልክት።

^ ሕ.ጽ. 7 እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵሉ ግብሪ ኣምላኽ ፍጹም ከም ዝዀነ እዩ ዚምህር፣ ምንጪ ብልሽውና ኻልእ እዩ። (ዘዳግም 32:4, 5) የሆዋ ንምድሪ ፈጢሩ ምስ ወድአ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ነገራት “ብዙሕ ጽቡቕ” ከም ዝዀነ እዩ ገሊጹ።—ዘፍጥረት 1:31

^ ሕ.ጽ. 9 እቲ ማይ ኣይሂ፡ ንኣሰር ገነት ኤድን ኣጥፊእዎ እዩ። “ኣእዋም ኤድን” ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. ድሮ ጠፊኡ ኸም ዝነበረ፡ ህዝቅኤል 31:18 ትሕብር እያ። ስለዚ፡ እቶም ብድሕርዚ ንገነት ኤድን ኪረኽቡ ዝጸዓሩ ሰባት፡ ንኸንቱ እዮም ደኺሞም።

^ ሕ.ጽ. 14 ነታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግ (መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት) ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ብሮሹር ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 እቲ ዜገርም፡ መሰንገለ እንደገና ናይ ምሕዋይ ዓቕሚ ኸም ዘለዎ፡ ብዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ሕክምና ተረጋጊጹ እዩ። ከም ካልኦት ዓይነት ኣዕጽምቲ ስለ ዘይኰነ፡ ሽፋን እቲ ንሓድሕዱ ዜራኽቦ ኣካሊት እንተ ዘይተጐዲኡ፡ እንደገና ኺዓቢ ይኽእል እዩ።