ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰይጣን ንሄዋን ንኺዛረባ ተመን እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

ሰይጣን ንሄዋን ንኺዛረባ ተመን እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ሰይጣን ንሄዋን ንኺዛረባ ተመን እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧

▪ ሰይጣን ብድሕሪ እቲ ተመን ኰይኑ ንሄዋን ከም እተዛረባ፡ ኣብ ገጽ 8 ርኢና ኔርና ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከምኡ ኢሉ እዩ ዚምህር። ይኹን እምበር፡ ‘ሓደ ሓያል መንፈስ ብተመን ገይሩ ዚዛረብ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

መጽሓፍ ቅዱስ ንስልቲ ሰይጣን፡ “ፍሕሶ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ፣ ንሄዋን ብተመን ገይሩ ምዝራቡ ኸኣ ሓደ ኣብነት ፍሕሶ ሰይጣን እዩ። (ኤፌሶን 6:11, 12) እቲ ኣብ ኤድን ዘጋጠመ ነገራት፡ ብዛዕባ ዚዛረብ እንስሳ ዚገልጽ ጽውጽዋይ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ሰይጣን ንሰባት ካብ ኣምላኽ ንኼርሕቖም ብዛዕባ ዚጥቀመሉ ሜላ ዚገልጽ ኣብነት እዩ። ብኸመይ፧

ሰይጣን ንግዳዩ ብጥንቃቐ እዩ መሪጹ። ሄዋን ካብቶም ኣብ ዩኒቨርስ ዝነበሩ መስተውዓልቲ ፍጡራት፡ እታ ዝነኣሰት እያ ነይራ። ሰይጣን ነቲ ሄዋን ዝነበራ ዋሕዲ ተመክሮ ተጠቒሙ ኼታልላን ኪሓብላን ኢሉ ቐረባ። ነቲ ዝነበሮ ድፍረትን ህርፋን ስልጣንን ሓቢኡ ድማ፡ በቲ ጐራሕ ዝዀነ ተመን ተጠቕመ። (ዘፍጥረት 3:1) ነቲ ተመን ይዛረብ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ብምቕራብ እንታይ ከም ዝዓመመ እስከ ንርአ።

ሰይጣን ብቐዳምነት ንኣቓልቦ ሄዋን እዩ ስሒብዎ። ኣትማን ከም ዘይዛረቡ፡ ሰብኣያ ድማ ጽቡቕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር፡ ንተመን እውን ሓዊስካ፡ ንዅሎም እንስሳታት ስም ከም ዘውጸኣሎም ትፈልጥ ነይራ እያ። (ዘፍጥረት 2:19) ቅድሚኡ ነዚ ጐራሕ ፍጥረት እዚ ትርእዮ ኸም ዝነበረት እውን ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሰይጣን እተጠቕመሉ ሜላ ንናይ ምፍላጥ ሃንቀውታኣ ስለ ዘለዓዓሎ፡ ነቲ ኣብቲ ገነት ዚርከብ ካልእ ነገራት ሓዲጋ፡ ኣብታ እተኸልከለት ኦም ኣተኰረት። ብዘይካዚ፡ ሄዋን ነቲ ተመን ኣብ ጨናፍር እታ እተኸልከለት ኦም ተጠምጢሙ ኽትርእዮ ኸላ፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ መደምደምታ እያ እትበጽሕ፧ እዚ ትሑትን ኪዛረብ ዘይክእልን ፍጥረት ካብታ ፍረ ብምብላዑ ኺዛረብ ከም ዝኸኣለ ገይራ ደይኰነትን እትሓስብ፧ እታ ፍረ ነቲ ተመን ክሳዕ ክንድዚ ኻብ ጠቐመቶ፡ ንዓኣኸ ኻብኡ ንላዕሊ ደይኰነትን ክትገብረላ እትኽእል፧ ሄዋን እንታይ ኢላ ኸም ዝሓሰበት ወይ እቲ ተመን ካብታ ፍረ በሊዑ እንተ ዀይኑ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ተመን ንሄዋን ካብታ ፍረ እንተ በሊዓ “ኸም ኣምላኽ” ከም እትኸውን ሓስዩ ኺነግራ ኸሎ፡ ንኽትኣምኖ ተዳልያ ምንባራ ንፈልጥ ኢና።

ሰይጣን ዝመረጾ ቓላት እውን ብዙሕ ይሕብረና እዩ። ኣምላኽ ጽቡቕ ነገር ከም ዝሓብኣላን ንናጽነታ ኸም ዝደረቶን ብምግላጽ፡ ኣብ ኣእምሮ ሄዋን ጥርጣረ ዘርአ። ውዲት ሰይጣን ኪዕወት ዚኽእል፡ ሄዋን ካብቲ ንኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪ ንላዕሊ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ተገዳስነት እንተ ኣሕዲራ ጥራይ እዩ። (ዘፍጥረት 3:4, 5) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ግቡእ ፍቕርን ሞሳን ስለ ዘይነበሮም፡ ውዲት ሰይጣን ሰመረ። ሎሚ እውን ሰይጣን ብተመሳሳሊ፡ ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ተገዳስነት ከም ዜሕድሩን እተፈላለየ መመኽነይታ ኸም ዜቕርቡን ብምግባር፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዚርሕቁ ደይኰነን ዚገብር ዘሎ፧

ብዛዕባ ድራኸ ሰይጣንከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ዕላማኡ እንታይ እዩ፧ ኣብ ኤድን፡ መንነቱን ድራኸኡን ኪሓብእ እኳ እንተ ፈተነ፡ ድሕሪ ግዜ ግን ናይ ሓቂ መንነቱ ተጋህደ። ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ፡ መንነቱ ኺሓብእ ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ንየሱስ ብቐጥታ፡ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። (ማቴዎስ 4:9) ሰይጣን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ በቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዚቐርብ ኣምልኾ ይቐንእ ነይሩ እዩ። ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየምልኽዎ ወይ ከኣ ብግጉይ መገዲ ኸም ዜምልኽዎ ንምግባር ሒዅ እዩ ዚብል። ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ኼበላሹ ባህ እዩ ዚብሎ።

ሰይጣን ንግዳያቱ ንምጥፋእ ዚዓዪ ሜለኛ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ ‘ውዲቱ ስለ ዘይንስሕቶ፡’ ከም ሄዋን ኣይንታለልን ኢና።—2 ቈረንቶስ 2:11