ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ

ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ

ሳሙኤል በቲ ንሺሎ ዘጋጠማ ሓዘን ሓዘነ። ንብዓት እታ ኸተማ ኸም ውሒዝ እዩ ውሒዙ። ብምኽንያት እቶም ወፊሮም ዘይተመልሱ ኣቦታትን ሰብኡትን ውሉዳትን ኣሕዋትን፡ ኣብ ክንደይ ኣባይቲ ዀን ብኽያት ኣንስትን ኣዴታትን ውሉዳትን ይስማዕ ነይሩ ይኸውን፧ ብልክዕ ክንድዚ ኽንብል እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ኣቐዲሙ ኣብ እተገብረ ኻልእ ኲናት 4,000፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እተገብረ ዂናት ከኣ 30,000 ወተሃደራት እስራኤል ብፍልስጥኤማውያን ከም እተቐትሉ ንፈልጥ ኢና።—1 ሳሙኤል 4:1, 2, 10

እቲ ዜሕዝን ፍጻመታት ግን ብሞት እቶም ወተሃደራት ኣየብቅዐን። ሆፍንን ፊንሃስን ዝስሞም ክልተ ደቂ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ነቲ ሳጹን ዚመስል ታቦት ኪዳን ሒዞም ካብ ሺሎ ወጺኦም ነበሩ። ታቦት ኪዳን ኣብታ ቕድስቲ ኽፍሊ እቲ ማሕደር ተባሂሉ ዚፍለጥ ብድንኳን እተሰርሐ ቤተ መቕደስ ይቕመጥ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ የመልክት ነበረ። ህዝቢ እስራኤል፡ እቲ ታቦት ምሳታቶም ናብ ኲናት እንተ ኸይዱ፡ ዓወት ዚረኽቡ ስለ ዝመሰሎም፡ ናብቲ ዂናት ወሰድዎ። ፍልስጥኤማውያን ግን ነቲ ታቦት ማረኽዎ፡ ንሆፍንን ንፊንሃስን እውን ቀተልዎም።—1 ሳሙኤል 4:3-11

ንሓያሎ ዘመናት፡ እቲ ታቦት ኣብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ማሕደር እዩ ተቐሚጡ ነይሩ። ኣብቲ ውግእ ግን፡ ተማረኸ። እቲ ወዲ 98 ዓመት ዝነበረ ኤሊ ነቲ ወረ እቲ ምስ ሰምዐ፡ ካብ መንበሩ ንድሕሪት ኣቢሉ ወዲቑ ሞተ። እታ በታ መዓልቲ እቲኣ መበለት ዝዀነት ሰበይቲ ወዱ እውን፡ ክትሓርስ ከላ ሞተት። ቀቅድሚ ሙማታ፡ “ክብረት ካብ እስራኤል ረሐቐ” በለት። እወ፡ ድሕሪኡ ሺሎ ኸም ቀደማ ኣይኰነትን።—1 ሳሙኤል 4:12-22

ሳሙኤል ነዚ ዅሉ ዜጕሂ ነገራት ብኸመይ ከኣሎ፧ እምነቱ ነቶም ዕቝባን ሞገስን የሆዋ ዝሰኣኑ ህዝቢ ንኺሕግዞም ኣኽኢላቶ ድያ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ንእምነትና ዚፍትን ሽግራትን ዜጕሂ ነገራትን ስለ ዜጋጥመና፡ ካብ ሳሙኤል እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

‘ጽድቂ ገበረ’

ድሕርዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ንሳሙኤል ሓዲጉ ኣብቲ ቕዱስ ታቦት እዩ ዜተኵር። ፍልስጥኤማውያን ነቲ ታቦት ማሪኾም ብምውሳዶም ክሳዕ ክንደይ ከም እተሳቐዩን ኣብ መወዳእታ ኺመልስዎ ኸም እተገደዱን ከኣ ይትርኽ። እቲ ጸብጻብ ኣብ ሳሙኤል እንደገና ኣብ ዘተኰረሉ እዋን፡ ኣስታት 20 ዓመት ዚኣክል ሓሊፉ ነበረ። (1 ሳሙኤል 7:2) ኣብተን ዓመታት እቲኣተን፡ ሳሙኤል እንታይ ይገብር ነይሩ፧ ብዛዕባ እዚ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ።

እተን ዓመታት እቲኣተን ቅድሚ ምጅማረን፡ “ቃል ሳሙኤል ከኣ ናብ ብዘሎ እስራኤል መጸ” ወይ “ይመጽእ ነበረ” (NW) ዚብል ነንብብ ኢና። (1 ሳሙኤል 4:1) ድሕሪ እተን ዓመታት ከኣ፡ ሳሙኤል ኣብ ዓዓመት ናብ ሰለስተ ኸተማታት እስራኤል እናዞረ፡ ንእተፈጥረ ባእስታትን ንእተላዕለ ሕቶታትን ናይ ምፍታሕ ልማድ ከም ዝነበሮ ተገሊጹ ኣሎ። ድሕሪኡ፡ ናብታ ኣብ ራማ ዝነበረት ቤቱ ይምለስ ነበረ። (1 ሳሙኤል 7:15-17) እምበኣር፡ ኣብተን 20 ዓመታት ብዙሕ ዕዮ ስለ ዝነበሮ፡ ዓዲ ኣይወዓለን።

እቲ ደቂ ኤሊ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ርኽሰት፡ እምነት ብዙሓት ሰባት ከም እትጐድል ገይሩ ነይሩ እዩ። ብሰንኪ እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ኪሳተፉ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። ሳሙኤል ን20 ዓመት ዚኣክል ኣበርቲዑ ድሕሪ ምዕያዩ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንተ ዄንኩም፡ ጓኖት ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእከልኩም ኣርሕቑ፡ ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ፡ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነኩም እዩ” ዚብል መልእኽቲ ኣብጽሓሎም።—1 ሳሙኤል 7:3

“ኢድ ፍልስጥኤማውያን” ነቶም ህዝቢ ኸቢዳቶም ነበረት። ሰራዊት እስራኤል ተጨፍሊቑ ስለ ዝነበረ፡ ፍልስጥኤማውያን ንህዝቢ ኣምላኽ ይጭቍንዎ ነበሩ። ሳሙኤል ግን ነቶም ህዝቢ፡ ንሳቶም ናብ የሆዋ እንተ ተመሊሶም፡ እቲ ዅነታት ከም ዚቕየር ኣረጋገጸሎም። እሞኸ ፍቓደኛታት ኰይኖምዶ፧ እወ፡ ንጣኦታቶም ኣርሒቖም፡ ‘ንየሆዋ ጥራይ ኣምለኹ።’ ድሕርዚ፡ ሳሙኤል ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዚርከብ ኣኽራን እተደኰነት ከተማ ሚጽጳ ኣኼባ ገበረ። እቶም ህዝቢ ኣብኡ ተኣከቡ፡ ጾም ጾሙ፡ ካብቲ ንጣኦታት ብምምላኽ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት እውን ተነስሑ።—1 ሳሙኤል 7:4-6

ይኹን እምበር፡ ፍልስጥኤማውያን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ሰምዑ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝረኸቡ መሰሎም። ንኣምለኽቲ የሆዋ ንምጭፍላቕ፡ ሰራዊቶም ናብ ሚጽጳ ለኣኹ። እስራኤላውያን ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ። ንሳሙኤል እውን ምእንታኦም ኪጽሊ ለመንዎ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ዝበልዎ ገበረ፡ መስዋእቲ እውን ኣቕረበ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፍልስጥኤማውያን ንኺዋግኡ ኢሎም ናብ ሚጽጳ ቐረቡ። የሆዋ እውን ንጸሎት ሳሙኤል ምላሽ ሃበ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ የሆዋ ብቝጥዓ ጨዲሩ ኺበሃል ይከኣል እዩ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐዳ ኣንጐድጒዱ ኣሸበሮም።”—1 ሳሙኤል 7:7-10

ነቶም ፍልስጥኤማውያን ብድሕሪ ቐምሽ ኣዴታቶም ከም ዚሕብኡ ቘልዑ ጌርና ዲና ኽንሓስቦም ዘሎና፧ ኣይፋልን፡ ሓያላትን ውግእ ዝለመዱን ወተሃደራት እዮም ነይሮም። እምበኣር፡ ቅድሚኡ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡ ዓይነት ነጐዳ እዮም ሰሚዖም ኪዀኑ ዘለዎም። ድምጺ እቲ “ብርቱዕ” ነጐዳ ድዩ ኣሸቢርዎም፧ ዋላ ሓንቲ ደበና ኣብ ዘይብሉ ሰማይ ድምጺ ነጐዳ ምስማዖም ድዩ ረቢሽዎም፧ ወይስ ኣብቲ ኣኽራን ወቒዑ እተመልሰ መቓልሕ ድዩ ኣሰምቢድዎም፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቶም ፍልስጥኤማውያን ልቦም እዩ ምሽት ኣቢልዎም። በቲ ድምጺ ስለ እተዳህሉ፡ ጅግንነቶም ናብ ራዕዲ ተለወጠ። ሰብ እስራኤል ካብ ሚጽጳ ወጺኦም፡ ሰዓርዎም፣ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ የሩሳሌም ገጾም ከኣ፡ ንሓያሎ ኪሎ ሜተራት ሰጐጕዎም።—1 ሳሙኤል 7:11

እቲ ውግእ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሳሙኤል ዚፈርደሉ ዝነበረ እዋን፡ ፍልስጥኤማውያን ብተደጋጋሚ ይሰዓሩ ነበሩ። ብዙሓት ከተማታት ናብ ኢድ ህዝቢ ኣምላኽ ተመልሳ።—1 ሳሙኤል 7:13, 14

ዘመናት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሳሙኤል፡ ምስቶም፡ “ጽድቂ ገበሩ” ዝበሎም እሙናት መሳፍንትን ነብያትን ጠቒስዎ ኣሎ። (እብራውያን 11:32, 33) ሳሙኤል፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ ንኺግበር ሓጊዙ እዩ። ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ዕዮኡ ጸኒዑ ብምዕያይ፡ ንየሆዋ ብትዕግስቲ ስለ እተጸበየ፡ ውጽኢታዊ ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ መማሰዊ እዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሚጽጳ እተረኽበ ዓወት፡ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝገበሮ ረድኤት መዘከርታ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ሓደ እምኒ ኣቚሙ እዩ።—1 ሳሙኤል 7:12

ንስኻኸ ‘ጽድቂ ኽትገብር’ ትደሊ ዲኻ፧ ከምኡ ኽትገብር ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ካብቲ ሳሙኤል ዝነበሮ ትዕግስትን ትሕትናን ሞሳን ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። መን ካባና እዩ እሞ ነዚ ባህርያት እዚ ኼማዕብል ዘየድልዮ፧ ሳሙኤል ምስ ዓበየ ኣመና ዜጕሂ ነገራት ስለ ዘጋጠሞ፡ ገና ብንእሽቶኡ ኸሎ ነዚ ባህርያት እዚ ምጥራዩን ምንጽብራቑን ጠቒምዎ እዩ።

“ደቅኻ . . . ብመገድኻ ኣይከዱን”

ድሕርዚ፡ ሳሙኤል “ምስ አረገ” እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዮኤልን ኣቢያን ዚበሃሉ ኽልተ ብጹሓት ውሉዳት ነበርዎ፣ ንሱ እውን ንዓታቶም ኣብ ዕዮኡ ምእንቲ ኺሕግዝዎ ፈረዲ ገበሮም። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ከምቲ ዝሓሰቦም ኣይነበሩን። ንሱ ሓቀኛን ጻድቕን እኳ እንተ ነበረ፡ ደቁ ግን ስሱዓት ብምንባሮም፡ መማለዲ ተቐቢሎም ፍርዲ የቕንኑ ነበሩ።—1 ሳሙኤል 8:1-3

ሓደ መዓልቲ፡ ዓበይቲ እስራኤል ናብቲ ኣረጋዊ ነብዪ ቐሪቦም ጠርዑ። “ደቅኻ . . . ብመገድኻ ኣይከዱን” ድማ በልዎ። (1 ሳሙኤል 8:4, 5) ሳሙኤል ነቲ ጸገም ይፈልጦ ነይሩ ድዩ፧ እቲ ጸብጻብ ዋላ ሓንቲ ኣይሕብረናን እዩ። ከም ኤሊ ኺውቀስ ዚግብኦ ኣቦ ኸም ዘይነበረ ግን፡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ንኤሊ፡ ንደቁ ስለ ዘይኣረሞም፡ ካብ ንኣምላኽ ከኣ ንደቁ ስለ ዘኽበረ፡ ገኒሕዎን ቀጺዕዎን እዩ። (1 ሳሙኤል 2:27-29) ንሳሙኤል ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድለት ኣይረኸበሉን።

ሳሙኤል ብዛዕባ እከይ ደቁ ምስ ሰምዐ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓፈረ፡ ከም እተጨነቐ፡ ወይ ከም ዝጐሃየ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጸልናን እዩ። ብዙሓት ወለዲ ግን፡ ስምዒታቱ ኣጸቢቑ ኺርድኦም ይኽእል እዩ። ኣብዚ ጸልማት ዝወረሶ እዋን፡ ብዙሓት ውሉዳት ንወለዶም ዘይእዘዙን ተግሳጽ ዘይሰምዑን ኰይኖም ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ከምኡ ዓይነት ጸገም ዘጋጠሞም ወለዲ፡ ካብ ኣብነት ሳሙኤል እተወሰነ መጸናንዕን መምርሕን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ እቶም ዘይእሙናት ደቁ ዝሰዓብዎ መገዲ፡ ንዕኡ ኻብ መገዱ ኼስሕቶ ኣይፈቐደን። ቃላትን ተግሳጽን ንተሪር ልቢ ኣብ ዘይትንክፈሉ እዋን፡ ኣብነት ወላዲ ሓያል መምህር ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ወለዲ እውን ከም ሳሙኤል፡ ንሳቶም ባዕላቶም ንኣቦኦም፡ ማለት ንየሆዋ ኣምላኽ ኬሐጕስዎ ኸም ዚኽእሉ ኺርስዑ የብሎምን።

“ንጉስ ኣንግሰልና”

ደቂ ሳሙኤል፡ ስስዐኦም ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ኸም ዚህልዎ ኺግምቱ ኣይከኣሉን ነይሮም። እቶም ዓበይቲ እስራኤል ንሳሙኤል፡ “ሕጂ ኸም ኵሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና” በልዎ። ሳሙኤል ከም እተናዕቐ ዀይኑዶ ተሰሚዕዎ፧ ንሓያሎ ዓመታት፡ ንየሆዋ ወኪሉ ነቶም ህዝቢ ኺፈርድ ጸኒሑ እዩ። ድሕርዚ ግን፡ እቶም ህዝቢ፡ ከም ሳሙኤል ዝበለ ነብዪ ዘይኰነስ፡ ንጉስ ፈራዲኦም ኪኸውን ደለዩ። ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት ንጉስ ኪነግሶም ደለዩ። እሞኸ ሳሙኤል ከመይ ተሰምዖ፧ ብዛዕባኡ፡ “እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጕሀዮ” ዚብል ነንብብ ኢና።—1 ሳሙኤል 8:5, 6

ሳሙኤል ብዛዕባ እዚ ምስ ጸለየ፡ የሆዋ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃቦ ኣስተብህል። የሆዋ፡ “ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዅሉ ቓሎም ስማዕ” በሎ። እዚ ንሳሙኤል ዜጸናንዕ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ልዑላዊ ኣምላኽ ምንዓቖም ግን ዓብዪ ጌጋ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም ምሕታቶም ብዙሕ ከም ዜኽፍሎም ብነብዪኡ ኣቢሉ ነገሮም። ሳሙኤል ከምቲ እተባህሎ እኳ እንተ ገበረ፡ ንሳቶም ግን፡ “ኣይፋል፡ . . . ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይኹን” ኢሎም ግዲ በሉ። ሳሙኤል ድማ ንኣምላኽ ተኣዚዙ፡ የሆዋ ዝሓረዮ ንጉስ ኣንገሰሎም።—1 ሳሙኤል 8:7-19

ሳሙኤል ግን ቅር እናበሎ ንማለቱ ድዩ ተኣዚዙ፧ ጓሂ ንልቡ ኺምርዞ፡ ማለት ቂም ኣብ ልቡ ሱር ኪሰድድ ፈቒዱ ድዩ፧ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ምገበሩ ነይሮም፡ ሳሙኤል ግን ከምኡ ኣይገበረን። ንሳኦል ምስ ኣንገሶ፡ የሆዋ ኸም ዝመረጾ ገለጸ። ድሕሪኡ፡ ንሳኦል ሰዓሞ፣ እዚ ድማ ነቲ ንጉስ ከም እተቐበሎን ከም ዚግዝኦን ዜርኢ እዩ ነይሩ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “እቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዜልቦ ርኢኹምዶ፧” በሎም።—1 ሳሙኤል 10:1, 24

ሳሙኤል ኣብቲ ነቲ የሆዋ ዝመረጾ ሰብ ዝነበሮ ጽቡቕ ደኣ እምበር፡ ኣብ ጕድለታት ኣየተኰረን። ኣብ ቅድሚ እቶም ዓሰርተ ሳዕ ዚለዋወጡ ህዝቢ ተቐባልነት ኪረክብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናኡ ኺሕሉ ጸዓረ። (1 ሳሙኤል 12:1-4) ንህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘጋጠሞም መንፈሳዊ ሓደጋታት ብምምሃርን ንየሆዋ እሙናት ንኪዀኑ ብምትብባዕን፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ብተኣማንነት ዓየየ። ምኽሩ ንልቢ እቶም ህዝቢ ስለ ዝተንከፈ፡ ምእንታኦም ኪጽሊ ለመንዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነስ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ እባ ደኣ ኽምህረኩም እየ እምበር፡ ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሐቕ” ኢሉ መለሰሎም።—1 ሳሙኤል 12:21-24

ካልኦት ሓላፍነት ወይ ፍሉይ መሰል ኪወሃቦም ከሎ፡ ጕሂኻዶ ትፈልጥ፧ እቲ ሳሙኤል ዝሓደጎ ኣብነት፡ ቅንኢ ወይ ቅሬታ ኣብ ልብና ሱር ኪሰድድ ክንፈቅድ ከም ዘይብልና ሓያል መዘኻኸሪ ይዀነና እዩ። ኣምላኽ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ ዚኸውን ዓስቢ ዚርከቦን ዜዕግብን ብዙሕ ዕዮ ኣለዎ።

“ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ንሳኦል እትጕህየሉ፧”

ሳኦል ዜደንቕ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ፡ ሳሙኤል ንኣወንታዊ ጐድኑ ኺርኢ ሓቁ እዩ ነይሩ። ሳኦል ነዊሕን ጽቡቕ ቍመናን ዝነበሮ ተባዕን ብልሓተኛን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ፈለማ፡ ትሑት እውን እዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 10:22, 23, 27) ብዘይካዚ፡ መገዲ ህይወቱ ናይ ምምራጽን ናይ ባዕሉ ውሳነ ናይ ምግባርን ናጽነት እውን ነበሮ። (ዘዳግም 30:19) እሞኸ ነዚ ውህበት እዚ ብግቡእ ተጠቒሙሉዶ፧

እቲ ዜሕዝን፡ ሰባት ስልጣን ኪረኽቡ ኸለዉ፡ ዝበዝሕ ግዜ ንትሕትናኦም የጥፍእዋ እዮም። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሳኦል ትዕቢተኛ ዀነ። ነቲ የሆዋ ብሳሙኤል ኣቢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ ጠሓሰ። ሓደ እዋን፡ ሳኦል ተሃዊኹ፡ ነቲ ሳሙኤል ጥራይ ኬቕርቦ ዚኽእል መስዋእቲ ባዕሉ ሰውኦ። ሳሙኤል ሓያል መአረምታ ሃቦ፣ እቲ ንግስና ኣብ ቤተሰቡ ኸም ዘይቅጽል ከኣ ተነበየ። ሳኦል ነቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ኣብ ክንዲ ዚሰምዕ፡ እንደገና ትእዛዝ ጠሓሰ።—1 ሳሙኤል 13:8, 9, 13, 14

የሆዋ ንሳኦል፡ ምስ ኣማሌቃውያን ኪዋጋእ ብሳሙኤል ኣቢሉ ነገሮ። ነቲ እኩይ ንጉስ ኣማሌቃውያን ዝነበረ ኣጋግ እውን ኪቐትሎ ኣዚዝዎ ነበረ። ሳኦል ግን ንኣጋግ ኣይቀተሎን፣ ነተን ዝበለጻ እንስሳታት ድማ ነሓፈን። ሳሙኤል ኪእርሞ ምስ መጸ ድማ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተለወጠ ተራእየ። መአረምታ ኣብ ክንዲ ዚቕበል፡ ነቲ ጕዳይ ንጐድኒ ገዲፉ ንርእሱን ነቲ ዝገበሮ ነገራትን ኬመኽኒ፡ ነቶም ህዝቢ ከኣ ተሓተትቲ ኺገብሮም ፈተነ። ገለ ኻብቲ ምርኮ ንመስዋእቲ ተባሂሉ ኸም ዝመጸ ብምዝራብ፡ ካብ ተግሳጽ ኬምልጥ ምስ ፈተነ ድማ፡ ሳሙኤል ነተን፡ “ምስማዕ [“ምእዛዝ፡” ትርጕም 1990] ካብ መስዋእቲ . . . ይበልጽ” ዚብላ ፍሉጣት ቃላት ተዛረበ። ድሕሪኡ፡ ብትብዓት ንሳኦል ገንሖ፡ እታ መንግስቲ ኻብኡ ተቐዲዳ፡ ካብኡ ንዚሓይሽ ሰብ ንኽትወሃብ የሆዋ ኸም ዝወሰነ ኸኣ ገለጸሉ።—1 ሳሙኤል 15:1-33

ሳሙኤል ብውድቀት ሳኦል ኣዝዩ ጐሃየ። ለይቲ ብምልእታ ናብ የሆዋ ኺምህለል ሓደረ። ንግሆ ተንሲኡ እውን ናብ ሳኦል ከደ። ሳሙኤል ነቲ ሳኦል ዝነበሮ ዓቕምን ጽቡቕ ባህርያትን ርእዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግን ኵሉ እቲ ኣብኡ ዝነበሮ ተስፋ ቐሃመ። ሳኦል ከም ቀደሙ ኣይነበረን፣ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኣጥፊኡን ንየሆዋ ዝባኑ ሂብዎን ነበረ። ድሕርዚ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ኪርኢ ኢሉ ኣይከደን። ድሕሪ ግዜ ግን፡ የሆዋ ንሳሙኤል ከምዚ ኢሉ ብሕያውነት ገንሖ፦ “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝከ ኢኻ ንሳኦል እትጕህየሉ፧ ናብ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዚዀነኒ ርእየ አሎኹ እሞ፡ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካስ ኪድ።”—1 ሳሙኤል 15:34, 35፣ 16:1

ዕላማ የሆዋ በቶም ተኣማንነቶም ዘይሕልዉ ዘይፍጹማት ሰባት ኣይሕንኰልን እዩ። ሓደ ሰብ እሙን እንተ ዘይኰይኑ፡ የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ካልእ ሰብ ይጥቀም እዩ። ስለዚ፡ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ኪጕሂ ኣይነበሮን። ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ፡ ናብታ ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበረት ቤት እሰይ ከደ፣ ኣብኡ ድማ ነቶም ምልኩዓት ደቂ እሰይ ረኸቦም። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ኻብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ “ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” ኢሉ ኣዘኻኸሮ። (1 ሳሙኤል 16:7) ኣብ መወዳእታ፡ ሳሙኤል ነቲ የሆዋ ዝሓረዮ ንእሽቶ ወዲ፡ ማለት ንዳዊት ረኸቦ።

ሳሙኤል ኣብ እርጋኑ፡ የሆዋ ንሳኦል ብዳዊት ኪትክኦ ምውሳኑ ቕኑዕ ምዃኑ ብዝያዳ ኺግንዘብ ክኢሉ እዩ። ሳኦል ብቕንኢ ተላዒሉ ንዳዊት ኪቐትሎ ደለየ፡ ከሓዲ እውን ኰነ። ዳዊት ግን፡ ከም ትብዓትን ንጽህናን እምነትን ተኣማንነትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ኣርኣየ። ሳሙኤል ዕድመ እናደፍአ ኪኸይድ ከሎ፡ እምነቱ እናደልደለት እያ ኸይዳ። የሆዋ ኼዐርዮን ናብ በረኸት ኪልውጦን ዘይክእል ዜጕሂ ነገራት ከም ዘየልቦ ርእዩ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ንኣስታት ሓደ ዘመን ዜደንቕ ህይወት ዘሕለፈ ሳሙኤል ሞተ። ብዘለዉ እስራኤል ብሞት እዚ እሙን ሰብኣይ ምሕዛኖም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ‘ኣስኣሰር እምነት ሳሙኤል እስዕብ ድየ፧’ ኢሎም ምሕታቶም ግቡእ እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ሳሙኤል ንህዝቡ፡ ሓዘኖምን ጓሂኦምን ንኺጾሩ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሳሙኤል ብሰንኪ እቶም ዓመጸኛታት ደቁ ንዘጋጠሞ ጓሂ ብኸመይ ኪጻወሮ ኸኣለ፧