ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ካበይ ከም ዝመጸ

የሱስ ካበይ ከም ዝመጸ

የሱስ ካበይ ከም ዝመጸ

“[ጲላጦስ] ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ አተወ እሞ ንየሱስ፤ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ኣይመለሰሉን።”—ዮሃንስ 19:9

የሱስ ንፍርዲ ቐሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ ሓተቶ። * ጲላጦስ፡ የሱስ ካበየናይ ክፍሊ እስራኤል ከም ዝመጸ፡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 23:6, 7) የሱስ ተራ ሰብ ከም ዘይኰነ እውን፡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሞኸ ጲላጦስ፡ የሱስ ኣቐዲሙ ብህይወት ይነብር ምንባሩ ሓሲቡ ደዀን ይኸውን፧ እዚ ኣረማዊ ገዛኢ እዚ፡ ነቲ ዚንገሮ ሓቂ ተቐቢሉ ስጕምቲ ኺወስድ ፍቓደኛ ነይሩ ድዩ፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ኣይመለሰሉን፣ ነዊሕ ከይጸንሐ እውን፡ ጲላጦስ ብዛዕባ ሓቅን ፍትሕን ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ፡ ስልጣኑ የገድሶ ኸም ዝነበረ ንጹር ኰነ።—ማቴዎስ 27:11-26

እቲ ዜሐጕስ ግን፡ እቶም የሱስ ካበይ ከም ዝመጸ ብሓቂ ኺፈልጡ ዚደልዩ ሰባት፡ መልሲ ብቐሊሉ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መበቈል የሱስ ክርስቶስ ካበይ ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሓበሬታ እስከ ንርአ።

ኣበይ ከም እተወልደ፦ ኣብ መጀመርታ ቐውዒ እቲ 2 ቅ.ክ. ተባሂሉ ዚፍለጥ ዓመት፡ የሱስ ኣብ ይሁዳ ኣብ እትርከብ ቤት-ልሄም እትበሃል ቍሸት ከም እተወልደ፡ ዘመናዊ ቐመራት ይሕብር እዩ። ቄሳር ኣውጉስጦስ፡ ኵሉ ኺጸሓፍ ትእዛዝ ምስ ኣውጽአ፡ እታ “ጠኒሳ” ዝነበረት ማርያም ኣደ የሱስን ዮሴፍ ሰብኣያን ናብታ መበቈላዊት ዓዲ ዮሴፍ ዝዀነት ቤት-ልሄም ኪኸዱ ተገደዱ። ኣብታ ቝሸት ማሕደር ኣጋይሽ ኪረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ደምበ ሓደሩ፣ ኣብኡ እውን የሱስ ምስ ተወልደ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀስዎ።—ሉቃስ 2:1-7

ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ ትንቢት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል የሱስ ኣበይ ከም ዚውለድ ሓቢሩ ነይሩ እዩ፦ “ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነአስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፡ . . . ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኺወጸለይ እዩ።” * (ሚክያስ 5:2) ቤት-ልሄም ካብ ከተማታት ይሁዳ፡ ኣመና ንእሽቶ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ይኹን እምበር፡ እታ ንእሽቶ ቝሸት እቲኣ፡ ፍሉይ ክብሪ ኽትረክብ ነበራ። እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ፡ ካብ ቤት-ልሄም ከም ዚመጽእ እዩ ተነጊሩሉ።—ማቴዎስ 2:3-6፣ ዮሃንስ 7:40-42

ኣበይ ከም ዝዓበየ፦ ስድራ የሱስ ኣብ ግብጺ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብታ ኻብ የሩሳሌም ብሰሜን 96 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቓ ኣብ ገሊላ እትርከብ ከተማ ናዝሬት ገዓዙ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ገና ሰለስተ ዓመት ኣይመልአን ነይሩ። ኣብቲ ሓረስቶትን ጓሶትን ገፈፍቲ ዓሳን ዚነብሩሉ ዝነበሩ ባህ ዜብል ከባቢ፡ የሱስ ኣብታ ትሑት መነባብሮ ነይርዋ ኪኸውን ዚኽእል፡ ብዙሓት ኣባላት ዝነበርዋ ስድራ ቤት ዓበየ።—ማቴዎስ 13:55, 56

መሲሕ “ናዝሬታዊ” ኸም ዚኸውን፡ ዘመናት ኣቐዲሙ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ነይሩ እዩ። ማቴዎስ እቲ ጸሓፍ ወንጌል፡ “እቲ ብነብያት፤ ናዝሬታዊ ኺብሀል፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡” ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ሒዙ፡ “ናዝሬት ናብ እትበሀል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ማቴዎስ 2:19-23) እታ ናዝሬታዊ (ወይ ናዝራዊ) እትብል መጸውዒት፡ ምስታ ብእብራይስጢ “ጠጥዒ” እትብል ቃል እትዛመድ እያ እትመስል። ማቴዎስ ካብቲ ንመሲሕ ካብ እሰይ ዚወጽእ “ጨንፈር” ወይ “ጠጥዒ” ኢሉ ዝጸውዓሉ ትንቢት ኢሳይያስ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ፣ እዚ ድማ እቲ መሲሕ ካብ ዘርኢ እሰይ ኣቦ ንጉስ ዳዊት ከም ዚመጽእ ዜመልክት እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 11:1) የሱስ ከኣ፡ ብዳዊት ኣቢሉ ኻብ እሰይ እተወልደ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 1:6, 16፣ ሉቃስ 3:23, 31, 32

መበቈሉ ኻበይ ከም ዝዀነ፦ ህይወት የሱስ ካብቲ ኣብ ቤት-ልሄም እተወልደሉ እዋን ነዊሕ ኣቐዲሙ ኸም ዝጀመረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ነብዪ ሚክያስ፡ ነቲ ገዛኢ፡ “እቲ ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ዝዀነ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሚክያስ 5:2) የሱስ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ቅድሚ እቲ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ እተወልደሉ እዋን፡ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ነበረ። ንሱ ባዕሉ እውን፡ “ካብ ሰማይ ወሪደ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 6:38፣ 8:23) እዚ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧

የሆዋ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ፡ ንህይወት እቲ ሰማያዊ ወዱ ናብ ማሕጸን እታ ድንግል ዝነበረት ማርያም ብምምሕልላፍ፡ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኸም ዚውለድ ገበሮ። * እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነዚ ተኣምር እዚ ምግባር ኣይጨንቆን እዩ። ከምቲ ሓደ መልኣኽ ንማርያም ዝበላ፡ “ንኣምላኽ ዚሰአኖ ነገር [የልቦን]።”—ሉቃስ 1:30-35, 37

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ካበይ ከም ዝመጸ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ካልእ ነገራት እውን ይነግረና እዩ። እተን ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ማርቆስን ወንጌል ሉቃስን ወንጌል ዮሃንስን ዚበሃላ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ የሱስ እንታይ ከም ዝገበረ ይነግራና እየን።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 ብዛዕባ ማእሰርትን ፍርድን የሱስ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብታ ኣብ ገጽ 18-22 እዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ፡ “ካብ ኵሉ ንላዕሊ ፍትሒ እተረግጸሉ ቤት ፍርዲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 6 ኤፍራታ፡ ናይ ቀደም ስም ቤት-ልሄም ዝነበረ እዩ ዚመስል።—ዘፍጥረት 35:19

^ ሕ.ጽ. 10 የሆዋ፡ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።