ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ስለምንታይ ከም ዝሞተ

የሱስ ስለምንታይ ከም ዝሞተ

የሱስ ስለምንታይ ከም ዝሞተ

“ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።”—ማርቆስ 10:45

የሱስ እንታይ ከም ዚጽበዮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሰላማዊ ህይወት ከም ዘይመርሕ ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። እኳ ደኣስ፡ ኣብ 30ታት ዕድሚኡ ብዜሕዝን መገዲ ኸም ዚመውት ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ንሞቱ እውን ምሉእ ብምሉእ ተዳልዩ ነይሩ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት የሱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ሞት የሱስ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ወይ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ብቐጥታ 175 ግዜ ዚኣክል ተጠቒሱ ኸም ዘሎ ሓቢሩ እዩ። የሱስ ተሰቅዩ ኺመውት ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧ ሞት የሱስ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድር ስለ ዚኽእል፡ ነዚ ኽንፈልጦ ኣሎና።

የሱስ እተጸበዮ ነገር፦ የሱስ ኣብታ ኣብ ምድሪ ብህይወት ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ዓመት፡ ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ስቅያትን ሞትን ንደቀ መዛሙርቱ ብተደጋጋሚ ነጊርዎም እዩ። ንመወዳእታ ግዜ ፋስጋ ኼብዕል ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ነቶም 12 ሃዋርያቱ፡ “ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣብ ጸሓፍትን ኬትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍርዲ ሞት ኪፈርዱሉ፡ ነህዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። ኬላግጹሉ፡ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ኪገርፍዎ፡ ኪቐትልዎ [እዮም]” በሎም። * (ማርቆስ 10:33, 34) እንታይ ከም ዚበጽሖ ኽሳዕ ክንድዚ ርግጸኛ ኪኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ብዛዕባ ኣማውታኡ ዚገልጽ ብዙሕ ትንቢታት ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 18:31-33) ገለ ኻብቲ ትንቢታትን ብኸመይ ከም እተፈጸመ ዚሕብር ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ንርአ።

ብዛዕባ መሲሕ እተነግረ ትንቢታት

▪ ብ30 ብሩር ኣሕሊፍካ ኸም ዚወሃብ።—ዘካርያስ 11:12፣ ማቴዎስ 26:14-16

▪ ከም ዚግረፍን ጡፍ ከም ዚበሃለሉን።—ኢሳይያስ 50:6፣ ማቴዎስ 26:67፣ 27:26, 30

▪ ከም ዚስቀል።—መዝሙር 22:16፣ ማርቆስ 15:24, 25

▪ ተሰቒሉ ኸሎ ኸም ዚጽረፍ።—መዝሙር 22:7, 8፣ ማቴዎስ 27:39-43

▪ ዋላ ሓንቲ ኻብ ኣዕጽምቱ ኸይተሰብረት ከም ዚቕተል።—መዝሙር 34:20፣ ዮሃንስ 19:33, 36

የሱስ ነዝን ንሓያሎ ኻልእ ትንቢታትን ፈጺሙ እዩ። ነዚ ብርእሱ ኺፍጽሞ ኣይምኸኣለን ነይሩ። እዚ ዅሉ ትንቢታት ኣብ የሱስ ምፍጻሙ፡ ንሱ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ከም እተላእከ የረጋግጸልና እዩ። *

የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ንኣገደስቲ ጕዳያት ንኼደቅስ ሞተ፦ የሱስ ነቲ ኣብ ገነት ኤድን እተላዕለ ኣገደስቲ ጕዳያት ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ብሓደ መንፈሳዊ ፍጡር ተጸልዮም፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍረሱ። እቲ ዕልወቶም፡ ልዑላውነት ኣምላኽ ወይ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ሕቶ ኣበገሰ። እቲ ሓጢኣቶም እውን፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንኣምላኽ እሙን ኪኸውን ዚኽእል ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ሕቶ ኣልዓለ።—ዘፍጥረት 3:1-6፣ እዮብ 2:1-5

የሱስ ንኽልቲኡ እዚ ጕዳያት እዚ፡ ማለት ንልዑላውነት የሆዋን ንንጽህና ሰባትን ብዚምልከት፡ ወሳንን ዘየተሓታትትን ምላሽ ሃበ። “ክሳዕ ሞት” ፍጹም ተኣዛዝነቱ ብምሕላው፡ ንልዑላውነት ኣምላኽ ደገፈ። (ፊልጲ 2:8) ብዘይካዚ እውን፡ ፍጹም ሰብ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተናታት እኳ ኸይተረፈ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎ ፍጹም ንጽህና ኺሕሉ ኸም ዚኽእል ኣረጋገጸ።

የሱስ ንደቂ ሰብ ኬድሕን ሞተ፦ ነብዪ ኢሳይያስ፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ዜሕልፎ ስቅያትን ሞትን ንሓጢኣት ደቂ ሰብ ዜተዓርቕ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 53:5, 10) የሱስ ነዚ ትንቢት እዚ፡ ብንጹር ተረዲእዎ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ብፍቓዱ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ሃበ። (ማቴዎስ 20:28) መስዋእታዊ ሞቱ ንዘይፍጹማት ሰባት ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ንኺምስርቱን ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንኺድሕኑን መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። ሞት የሱስ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ ነገር፡ ማለት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። *ራእይ 21:3, 4

ክትገብሮ እትኽእል ነገር፦ ኣብዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ከም ዚብል፡ ማለት ካበይ ከም ዝመጸን እንታይ ከም ዝገበረን ስለምንታይ ከም ዝሞተን ርኢና ኢና። ብዛዕባ የሱስ ነዚ ሓቅታት እዚ ምፍላጥና፡ ንዝነበረና ግጉይ ሓሳባት ንኸነዐሪ ጥራይ ኣይኰነን ዚሕግዘና። ምስቲ ዝፈለጥናዮ ተሰማሚዕና እንተ ተመላሊስና፡ ሕጂ ዝሓሸ ህይወት ኪህልወና እዩ፡ ኣብ መጻኢ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢና። ነዚ በረኸት እዚ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።

▪ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደን ብዝያዳ ተምሃር።—ዮሃንስ 17:3

▪ ብየሱስ ከም ዝኣመንካ፡ ማለት ብኣነባብራኻ ንየሱስ ከም መድሓኒኻ ጌርካ ኸም እተቐበልካዮ ኣርኢ።—ዮሃንስ 3:36፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:31

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ብእኡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” እንረኽበሉ “ሓደ ወዲ” ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ተሓጒሶም ኪምህሩኻ ይኽእሉ እዮም።—ዮሃንስ 3:16

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ ንርእሱ፡ “ወዲ ሰብ” ኢሉ ብተደጋጋሚ ጸዊዕዋ እዩ። (ማቴዎስ 8:20) እዚ መጸውዒ እዚ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንሱ ምሉእ ብምሉእ ሰብ ከም ዝነበረ ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ እቲ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ዚርከብ ንሱ ምዃኑ ዚሕብር እውን እዩ።—ዳንኤል 7:13, 14

^ ሕ.ጽ. 13 ኣብ የሱስ ብዛዕባ እተፈጸመ ትንቢታት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ፡ “የሱስ ክርስቶስ—እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 17 ብዛዕባ እቲ ሞት የሱስ ዘለዎ መስዋእታዊ ዋጋ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብቲ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ” ዘርእስቱ ምዕራፍ 5 ርአ።