ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

በርባን እንታይ ገበን እዩ ፈጺሙ፧

▪ ኣርባዕቲአን ወንጌላት ነቲ እቲ ሮማዊ ገዛኢ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ክንዲ የሱስ ዝፈትሖ በርባን ይጠቕሳኦ እየን። በርባን፡ “ውሩይ እሱር”ን “ከታሪ”ን ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ማቴዎስ 27:16ትርጕም 1990፣ ዮሃንስ 18:40) “ምስቶም ጋሮ ዝገበሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተሉ” ሰባት፡ ኣብ የሩሳሌም ብሮማውያን ተኣሲሩ ነበረ።—ማርቆስ 15:7

ብዛዕባ እቲ በርባን ዝፈጸሞ ገበን ዚገልጽ ዓለማዊ ጽሑፋት እኳ እንተ ዘየለ፡ በርባን ጋሮ ምስ ዚገብሩ ወይ ምስ መናዓብቲ ተጠቒሱ ምህላዉ፡ ንገሊኦም ምሁራት ምስቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ እስራኤል ዝነበሩ መነዓብቲ ኸም ዜተሓሕዝዎ ገይርዎም እዩ። ጕጅለታት ሸፋቱ ኣብቲ ግዜ እቲ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ማሕበራዊ ቓልሲ ዓብዪ ግደ ኸም ዝነበሮም፡ ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ጸብጺቡ ነይሩ እዩ፣ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ገበነኛታት፡ እቶም እተጨቈኑ ኣይሁዳውያን ገባሮ ፍትሒ ንኺረኽቡ እዮም ዚቃለሱ ነይሮም። ኣንጻር እቲ ሮማውያንን ልዑላን ኣይሁድን ዚገብርዎ ዝነበሩ ምጕዳል ፍትሒ እተገብረ ዕልወት፡ ኣብ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣመና ኣስፋሕፊሑ ነበረ። እቲ ብ66 ድ.ክ. ንሮማውያን ካብ ይሁዳ ዝሰጐጎም ሰራዊት ኣይሁድ፡ ብቐንዱ በቶም ጕጅለታት ሸፋቱ ዝቘመ እዩ ነይሩ።

ዘ ኣንኮር ባይብል ዲክሽነሪ ኸምዚ በለ፦ “በርባን ሓደ ኻብቶም ኣብ ገጠራት ዝነበሩ ሸፋቱ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዞም ሸፋቱ እዚኣቶም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ እስራኤል ዚርከብ ሃብታማት ዚነብሩሉ ቦታታት መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ መንግስቲ ሮሜ ህውከት ይፈጥሩ ስለ ዝነበሩ፡ በቶም ተራ ሰባት ይፍተዉ ነይሮም እዮም።”

ብግዜ ሮማውያን እንታይ ገበን እዩ ኸም ናይ የሱስ ዓይነት ናይ ሞት ፍርዲ ዜፍርድ ነይሩ፧

▪ ሮማውያን ንመነዓብትን ንሸፋቱን ንኻልኦት ዓለወኛታትን ኣብ መሳቐዪ ነገር ኣጣቢቖም፡ ክሳዕ ዝሞቱ ኣብኡ ይገድፍዎም ነበሩ። እዚ መቕጻዕቲ እዚ፡ ዝኸፍአ ዓይነት ኣቀታትላ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።

ፓለስታይን ኢን ዘ ታይም ኦቭ ጂሰስ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ መቕጻዕቲ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚግበር ዜሕስርን ዜሳቕን እዩ ነይሩ። ነቶም ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ዅነታት ስግኣት ኪፈጥሩ ዚሓስቡ ሰባት ንምፍርራህ ተባሂሉ እተዳለወ እውን እዩ ነይሩ” በለት። ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሮማዊ ጸሓፊ ብዛዕባ ኣቀታትላ ገበነኛታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት ሰባት ንዕኡ ርእዮም ምእንቲ ኺርዕዱ፡ ብዙሕ ህዝቢ ዚመላለሰሉ ቦታ እዩ ዚምረጽ ነይሩ” በለ።

ጆሰፈስ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ብ70 ድ.ክ. የሩሳሌም ተኸቢባ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብሰራዊት ቲቶስ እተታሕዘ ምሩኽ፡ ኣብ ቅድሚ መናድቕ እታ ኸተማ በዚ ኣገባብ እዚ ተቐትለ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ኣይሁዳውያን ተዋጋእቲ ኢዶም ምእንቲ ኺህቡ ንምፍርራህ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ወረርታ ምስ ወደቐት፡ ብዙሓት ሰባት ብስቕለት እዮም ተቐቲሎም።

ሓደ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ብጅምላ እተገብረ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣቀታትላ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ስፓርታከስ (73-71 ቅ.ክ.) ዘበገሶ ዕልወት እተፈጸመ እዩ፣ ሽዑ 6,000 ባሮትን ተቓለስትን ኣብቲ ኻብ ካፕዋ ናብ ሮሜ ዚወስድ መገዲ ተቐትሉ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“ንበርባን ደኣ ፍትሓልና” ብቻርለስ ሙለር፡ 1878