ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“አሚነ አሎኹ”

“አሚነ አሎኹ”

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

“አሚነ አሎኹ”

ማርታ፡ እቲ ብእምኒ እተዓጽወ መቓብር ሓዋ ኣብ ኣእምሮኣ ቕጅል በላ። ሓዘና ኽንዲ እቲ እምኒ እዩ ኸቢድዋ ነይሩ። እቲ ኣዝያ እተፍቅሮ ኣልኣዛር ሓዋ ኸም ዝሞተ ኽትኣምን ኣይከኣለትን። እተን ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ንነጀው ዝነበራ ኣርባዕተ መዓልትታት፡ ብበጻሕትን ብመጸናናዕትን እተዓብለላ ዜጕህያ መዓልትታት እየን ነይረን።

ማርታ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ከላ፡ ንኣልኣዛር ኣዝዩ ዜፍቅሮ ሰብኣይ መጸ። ማርታ ንየሱስ ምስ ረኣየቶ፡ ንሓዋ ኼድሕኖ ዚኽእል ዝነበረ ሰብ ንሱ ጥራይ ብምንባሩ፡ ሓዘና ደገሳ። ኰይኑ ግን፡ ኣብዛ ኣብ ጥቓ ዅድዅዶ እትርከብ ከተማ ቢታንያ ምስ የሱስ ምርኻባ፡ ብእተወሰነ ኣጸናኒዕዋ እዩ። ኣብታ ምስኡ ዘሕለፈታ ህሞት፡ ነቲ ኣብ ገጽ የሱስ ዚንበብ ዝነበረ ድንጋጽን ነቲ ዅሉ ሳዕ ዜርእዮ ዝነበረ ልባዊ ሕያውነትን ርእያ ተበራትዐት። ንሱ ድማ ኣብቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዘለዋ እምነት ንኸተተኵር ዚሕግዛ ሕቶታት ሓተታ። ማርታ በቲ ምስ የሱስ ዝገበረቶ ምይይጥ ተደሪኻ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ተዛረበት፣ “ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ አሚነ አሎኹ” ድማ በለቶ።—ዮሃንስ 11:27

ማርታ እተደንቕ እምነት ዝነበረታ ሰበይቲ እያ ነይራ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ ዚህቦ ሒደት ሓበሬታ፡ እምነትና ንኸነደልድል ዚሕግዘና ዜደንቕ ትምህርትታት ዝሓዘ እዩ። ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ነቲ ማርታ ንፈለማ እዋን ተጠቒሳትሉ ዘላ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርኣዮ።

“ትጭነቕን ትጕህይን”

ኣዋርሕ ኣቐዲሙ፡ ኣልኣዛር ጥዑይን ብህይወትን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብቲ ኣብ ቢታንያ ዚርከብ ቤቱ፡ ሓደ ፍሉይ ጋሻ ኪቕበል ይጽበ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣልኣዛርን ማርታን ማርያምን ሓቢሮም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ማርታ ኸም ኣአንጋዲት ኰይና ተጠቒሳ ስለ ዘላን ሓድሓደ ሳዕ ኣቐዲማ ስለ እትርቋሕን፡ ምዕባይ ኵላቶም ነይራ ኽትከውን ከም እትኽእል ይገልጹ እዮም። (ዮሃንስ 11:5) እዞም ሰለስተ ኣሕዋትን ኣሓትን ተመርዕዮም እንተ ነይሮም ዚፍለጥ ነገር የልቦን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሱስ እዮም ነይሮም። የሱስ ኣብ ይሁዳ፡ ማለት ኣብቲ ብዙሕ ምጽራርን ተጻብኦን ዜጋጥሞ ዝነበረ ቦታ ኼገልግል ከሎ፡ ኣብ ቤቶም እዩ ዚሓድር ነይሩ። ነቲ ኣብቲ ቤት ዝነበረ ሰላም ዝመልኦ ሃዋህው ኰነ ነቲ ዚግበረሉ ዝነበረ ደገፍ ኣኽቢሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ እውን ኣየጠራጥርን እዩ።

ማርታ፡ እቲ ቤት ምሹእን ንእንግዶት ዚበቅዕን ኣብ ምግባር ዓብዪ ግደ ነበራ። ብስራሕ ትሕዝትን ትግህትን ስለ ዝነበረት፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ሸበድበድ ክትብል እያ እትርአ ነይራ። የሱስ ኣብ ዝመጸሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ብብዙሕ ንምግልጋል ትጽዕር ነበረት። ነቲ ፍሉይ ጋሻኣ፡ ምናልባት እውን ነቶም መጋይሽቱ ዚኸውን ፍሉይ ምግብታት ከተዳሉ ሓሰበት። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ምቕባል ጋሻ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ጋሻ ናብ ቤትካ ምስ ዚመጽእ፡ ክትስዕሞ፡ ኣሳእኑ ኣውጺእካ ኣእጋሩ ኽትሓጽቦ፡ ንርእሱ ኸኣ መንፈስ ብዜሐድስ ቅዱይ ዘይቲ ኽትለኽዮ ይግባእ ነበረ። (ሉቃስ 7:44-47) ብዘይካዚ፡ ዚድቅሰሉ ጽቡቕ ቦታን ዚበልዖ ብሉጽ ምግብን ከተዳሉ ይግባእ ነበረ።

ማርታን ማርያምን ንኣጋይሸን ንምትእንጋድ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ስራሕ ነበረን። እታ ኻብ ማርታ ንላዕሊ ተነቃፊትን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እተድህብን ማርያም፡ ኣቐዲማ ንሓብታ ኸም ዝሓገዘታ ፍሉጥ እዩ። የሱስ ምስ መጸ ግን፡ እቲ ዅነታት ተቐየረ። የሱስ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ኪምህር ጀመረ። ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብእተፈልየ መገዲ፡ ንኣንስቲ ኣኽቢሩ ይርእየን ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እታ ቐንዲ መልእኽቲ ኣገልግሎቱ ዝነበረት መንግስቲ ኣምላኽ ይምህረን ነበረ። ማርያም፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኼምልጣ ስለ ዘይደለየት፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ኮፍ ኢላ ንዘረባኡ ኽትሰምዕ ጀመረት።

ነቲ ሽዑ ማርታ ዚስምዓ ዝነበረ ውጥረት ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። እቲ እተዳልዎ ዝነበረት ምግብን እቲ ንኣጋይሻ ዝነበራ ሓላፍነታትን፡ መመሊሳ ኸም እትጭነቕን ሓሳባ ኸም ዚስረቕን ገይርዋ ኪኸውን ኣለዎ። ማርታ ብስራሕ ንየው ነጀው እናበለት ክነሳ፡ ማርያም ግን ንዕኣ ኣብ ክንዲ ምሕጋዝ ኮፍ ኢላ ኽትሰምዕ ክትርእያ ኸላስ፡ ገጻ ተቐያይሩ ወይ ተጸዊጋ ወይ ከኣ ኡፍ ብምባል ጓሂኣ ገሊጻዶ ትኸውን፧ ከምኡ ምግባራ ዜገርም ኣይምዀነን። ከመይሲ፡ ንዅሉ እቲ ዕዮ በይና ኽትጾሮ ኣይትኽእልን እያ።

ማርታ ስምዒታ ዓቢጣ ኽትጸንሕ ኣይከኣለትን። ንየሱስ ዘረባኡ ብምዅላፍ፡ “ጐይታይ፡ ሓብተይ ሐዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ” በለቶ። (ሉቃስ 10:40) እቲ እተዛረበቶ ቓላት፡ ተሪር እዩ ነይሩ። ንማርያም ናብ ስራሓ ንኽትምለስ ንኺእዝዛ እያ ንየሱስ ሓቲታቶ።

የሱስ ዝሃቦ ምላሽ፡ ከምቲ ንብዙሓት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜገርሞም፡ ንማርታ እውን ኣገሪምዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ህድእ ኢሉ፡ “ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ” በላ። (ሉቃስ 10:41, 42) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ማርታ እምብዛ ኣብ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ተተኵር ከም ዝነበረት ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ነቲ ጽቡቕ ምግቢ ንምድላው እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ድዩ ዜነኣእሶ ነይሩ፧

ኣይፋሉን። የሱስ፡ ማርታ ብፍቕርን ብንጹህ ልብን ተደሪኻ ኸምኡ ትገብር ከም ዝነበረት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንጋሻ ዚግበር እንግዶት ከም ጌጋ ገይሩ ኣይርእዮን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ናብቲ ማቴዎስ ‘ኣብ ቤቱ ዝገበረሉ ዓብዪ ምሳሕ’ ከይዱ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 5:29) ብቐንዲ ዜገድስ፡ እቲ ማርታ ዘዳለወቶ ምግቢ ዘይኰነስ፡ እቲ ቐዳምነት ዝሃበቶ ነገራት እዩ። ማርታ ኣብቲ ኸተዳልዎ ዝሓሰበት ምግቢ ኣመና ስለ ዘተኰረት፡ ነቲ ኣዝዩ ዜገድስ ጕዳይ ኣየስተብሃለትሉን። እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ እዩ ነይሩ፧

እቲ ሓደ ወዲ የሆዋ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ እንዳ ማርታ ዀይኑ ብዛዕባ ሓቂ ይምህር ነበረ። ዝዀነ ይኹን ነገር፡ እንተላይ እቲ ማርታ ብፍቕሪ ተደሪኻ እትገብሮ ዝነበረት እንግዶት፡ ምስዚ ኣይወዳደርን እዩ ነይሩ። የሱስ፡ ማርታ እምነታ ኸተደልድል ዜኽእላ ፍሉይ ኣጋጣሚ የምልጣ ኸም ዘሎ ስለ እተገንዘበ፡ ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኰይኑ ግን፡ ባዕላ ምርጫ ኽትገብር እዩ ሓዲግዋ። ማርታ ግን ሕሉፍ ሓሊፋ ንማርያም ክትውስነላ እያ ፈቲና።

ስለዚ፡ የሱስ ንማርታ ህድእ ምእንቲ ኽትብል ንስማ ኽልተ ሳዕ ብምርቋሕ፡ ብልእመት ኣረማ፣ ‘ብብዙሕ ነገር ክትጭነቕን ክትጕህን’ ከም ዘየድልያ እውን ነገራ። ብፍላይ መንፈሳዊ መኣዲ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን፡ ሓደ ወይ ክልተ ዓይነት ቅልል ዝበለ ምግቢ ጥራይ እዩ ዜድሊ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ፡ የሱስ ነቲ ማርያም ካብኡ ንኽትመሃር ዝመረጸቶ “ጽቡቕ ግደ” ኼሕድጋ ዘይደለየ።

እቲ ኣብ እንዳ ማርያም ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ሎሚ ንዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ ዚኸውን ሓያሎ ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ነቲ ‘ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት’ ንምምላእ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ብኻልእ ነገራት ኪዕብለል ከነፍቅድ የብልናን። (ማቴዎስ 5:3 NW) ነቲ ማርታ ዘርኣየቶ መንፈስ ልግስን ጻዕርን ክንቀድሖ ዚግባእ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገራት ክሳዕ ዜምልጠና ብዛዕባ እቲ ንእንግዶት ዚምልከት ዘይረብሕ ጕዳያት ‘ክንጭነቕን ክንጕህን’ ኣይንደልን ኢና። ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እንሓብረሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ክንበልዕን ክንሰትን ዘይኰነስ፡ ንሓድሕድና ንኽንጸናናዕን መንፈሳዊ ውህበት ንኽንማቐልን እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) በዚ ኸምዚ ንሓድሕድና ኽንተሃናነጽ ከለና፡ ቅልል ዝበለ ምግቢ ኣኻሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሞይቱ ዝተንስአ ፍቑር ሓው

እሞኸ ማርታ ነቲ የሱስ ዝሃባ ማዕዳ ተቐቢላ፡ ካብኡ ተማሂራዶ፧ ከምኡ ኸም ዝገበረት ኣየጠራጥርን እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ታሪኽ ኪጅምሮ ኸሎ፡ “የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ” በለ። (ዮሃንስ 11:5) የሱስ ናብ ቢታንያ ኻብ ዚኸይድ ኣዋርሕ ሓሊፉ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ማርታ ብምኽንያት እቲ የሱስ ዝሃባ ፍቕራዊ ማዕዳ ኣየስቈርቈረትን ወይ ኣይተቐየመትን። ንምኽሪ የሱስ ኣብ ልባ ኣሕዲራቶ እያ። እምበኣር፡ ኵልና ሓሓሊፉ መአረምታ ስለ ዜድልየና፡ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ማርታ ብልጽቲ ኣብነት ትዀነና እያ።

ማርታ፡ ኣልኣዛር ሓዋ ምስ ሓመመ፡ ኣለይመለይ ትብሎ ነበረት። ነቲ ዚስምዖ ዝነበረ ቓንዛ ኸተህድኣሉን ጥዕናኡ ኺምለሰሉን ዚከኣላ እኳ እንተ ገበረት፡ መመሊሱ ገደዶ ደኣ እምበር፡ ኣይሓሾን። ንሳ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ሰዓትን፡ ካብ ጥቓኡ ኣይተፈልየትን። ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ብሓደ ዘሕለፍዎ ሓጐስን ጓህን እናዘከረት፡ ብተደጋጋሚ ዓይኒ ዓይኑ ትጥምቶ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ።

ማርታን ማርያምን፡ ኵነታት ኣልኣዛር ተስፋ ዜቝርጽ እናዀነ ይኸይድ ከም ዝነበረ ምስ ረኣያ፡ ናብ የሱስ መልእኽቲ ለኣኻ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ካብቲ ንሳተን ዝነበራኦ፡ መገዲ ኽልተ መዓልቲ ርሒቑ እዩ ዚሰብኽ ነይሩ። ማርታን ማርያምን ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ፡ ሐሚሙ አሎ” ኢለን እየን ሓጺር መልእኽቲ ልኢኸን። (ዮሃንስ 11:1, 3) የሱስ ንሓወን ከም ዚፈትዎ ይፈልጣ ስለ ዝነበራ፡ ንፈታዊኡ ንምሕጋዝ ዝከኣሎ ዘበለ ኸም ዚገብር ይኣምና ነይረን እየን። ኣልኣዛር ቅድሚ ሙማቱ ኸም ዚመጽእ ተስፋ ኣሕዲረን ነይረን ኪዀና ዚኽእላ እኳ እንተ ዀና፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ተስፋአን ቅሂሙ ጠፍአ። ከመይሲ፡ ገና የሱስ ከይመጸ ኸሎ፡ ኣልኣዛር ሞተ።

ማርታን ማርያምን ንሓወን ሓዚነናሉ እየን፣ ንቐብሩ ዚኸውን መሰናድዎ እናገበራ ኸኣ፡ ነቶም ካብ ቢታንያን ካብ ከባቢኣን ዚመጹ ሓያሎ ሓዘንተኛታት ይቕበላ ነይረን እየን። ገና ግን ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ደሃይ ኣይረኸባን። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ማርታ ኣዝያ ኸም እተጨነቐት ፍሉጥ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ጸኒሑ፡ ማርታ፡ የሱስ ናብታ ኸተማ ኸም ዝቐረበ ሰምዐት። እዛ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሕር ዘይትብል ሰበይቲ፡ ዋላ እኳ ኣብ ሓዘን እንተ ነበረት፡ ንማርያም ከይነገረት ንየሱስ ክትቅበሎ ብድድ ኢላ ኸደት።—ዮሃንስ 11:20

ማርታ ንጐይታኣ ምስ ረኣየቶ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” ኢላ ነቲ ንዕኣን ንማርያምን ዜጨንቐን ዝነበረ ሓሳባት ገለጸትሉ። ኰይኑ ግን፡ ተስፋኣን እምነታን ኣየጥፍአትን ነይራ። ከመይሲ፡ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ አሎኹ” ኢላ እያ። የሱስ ድማ ብኡንብኡ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ብምባል ንተስፋኣ ኣደልደሎ።—ዮሃንስ 11:21-23

ማርታ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ትንሳኤ ዚዛረብ ዘሎ ስለ ዝመሰላ፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ አሎኹ” በለቶ። (ዮሃንስ 11:24) ኣብ ትምህርቲ ትንሳኤ ዝነበረታ እምነት፡ እተደንቕ እያ ነይራ። ትምህርቲ ትንሳኤ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር እተገልጸ ኽነሱ፡ ገሊኦም ሰዱቃውያን ዚበሃሉ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ በዚ ትምህርቲ እዚ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። (ዳንኤል 12:13፣ ማርቆስ 12:18) ይኹን እምበር፡ ማርታ፡ የሱስ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዝመሃረን ንሰባት ካብ ሞት ከም ዘተንስአን ትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት፡ መዓልትታት ጸኒሑ ብዛዕባ ዝተንስአ ሰብ ግን ዝሰምዓቶ ነገር ኣይነበረን። ስለዚ፡ የሱስ እንታይ ከም ዚገብር ኣይትፈልጥን እያ ነይራ።

የሱስ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” ብምባል፡ ዘይርሳዕ ቃላት ተዛረበ። ብሓቂ ኸኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ ኣብ መጻኢ ብደረጃ ዓለምለኸ ንምዉታት ኬተንስእ ስልጣን ሂብዎ እዩ። የሱስ ንማርታ፡ “እዚዶ ትአምኒ ኢኺ፧” በላ። ንሳ ኸኣ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ መልሲ ሃበቶ። ከመይሲ፡ የሱስ፡ ክርስቶስ ወይ መሲሕ ምዃኑ፡ ወዲ የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ናብ ዓለም ከም ዚመጽእ ከኣ ኣቐዲሙ ብነብያት ከም እተገልጸ፡ ማርታ ትኣምን ነይራ እያ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:25-27

የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ንኸምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት ኣኽቢሮም ይርእይዋ ድዮም፧ እቲ ቐጺሉ ኣብ ቅድሚ ማርታ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ንጹር መልሲ ይህበና እዩ። ማርታ ንሓብታ ኽትጽውዓ ቐልጢፋ ኸደት። ድሕሪኡ፡ ጐይታኣ ምስ ማርያምን ምስቶም ካልኦት ሓዘንተኛታትን እናተዛረበ ኼሕነቕንቕ ከሎ ረኣየት። በቲ ሞት ዜስዕቦ ጓሂ ሓዚኑ ኺነብዕ ከሎ ተዓዘበት፣ ነቲ ንመቓብር ሓዋ ዓጽይዎ ዝነበረ እምኒ ንኼልዕልዎ ትእዛዝ ኪህብ ከሎ እውን ሰምዐት።—ዮሃንስ 11:28-39

ማርታ፡ እቲ ሬሳ ራብዕቲ ገይሩ ስለ ዝነበረ፡ ኪጨኑ ኸም ዚኽእል ምዝራባ ሓቃ እያ ነይራ። የሱስ፡ “እንተ ትአምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧” ኢሉ ኣዘኻኸራ። ከምቲ ዝበላ ኸኣ ኣሚናን ክብሪ የሆዋ ኣምላኽ ርእያን እያ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ የሆዋ ንወዱ፡ ንኣልኣዛር ንኼተንስኦ ሓይሊ ሃቦ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣእምሮ ማርታ ተቐሪጹ ዝተረፈ ነገራት እሞ ሕስብ ኣብል፦ የሱስ፡ “ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡” ኢሉ ትእዛዝ ኪህብ ከሎ ምስማዓ፡ ኣልኣዛር ኣብ ውሽጢ እቲ መቓብር ኰይኑ ፍኒሕኒሕ ድሕሪ ምባል ካብቲ ተቐቢሩሉ ዝነበረ በዓቲ ብግኑዙ ኺወጽእ ከሎ ምርኣያ፡ የሱስ፡ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” ኺብል ከሎ ምስማዓ፡ ከምኡውን ንሳን ማርያምን ናብ ሓወን ከይደን ኪሓቝፋኦ ኸለዋ እተሰምዓ ሓጐስ፡ ብሓቂ ኻብ ኣእምሮ ዚጠፍእ ኣይኰነን። (ዮሃንስ 11:40-44) በዚ ኸምዚ፡ እቲ ዝነበራ ጭንቀት ጠፍአ።

እዚ ጸብጻብ እዚ ኸም ዝሕብሮ፡ ትንሳኤ ምዉታት ትምኒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልቢ ዚትንክፍ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኻዊ ሓቅነቱ እተረጋገጸን እዩ። የሆዋን ወዱን ከምቲ ንማርያምን ንማርታን ንኣልኣዛርን ዝገበሩሎም፡ እምነት ንዘርኣዩ ሰባት ዓስቦም ይህብዎም እዮም። ንስኻ እውን ከም ማርታ ድልድልቲ እምነት እንተ ኣጥሪኻ፡ ዓስቢ እምነትካ ኽትረክብ ኢኻ። *

“ማርታውን ተገልግል ነበረት”

ማርታ ድሕሪ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍጻመ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ እያ ተጠቒሳ እትርከብ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ምድራዊ ህይወት የሱስ እዩ ነይሩ። የሱስ ነቲ ዚጽበዮ ዝነበረ መከራ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ፡ ኣብታ ኣብ ቢታንያ ዝነበረት እንዳ ማርታ ኪቕመጥ መረጸ። ካብዛ ቤት እዚኣ፡ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ብእግሩ እናተጓዕዘ ናብ የሩሳሌም ይኸይድ ነበረ። የሱስን ኣልኣዛርን ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ለምጻም ይበልዑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እያ ማርታ ንመወዳእታ ግዜ እተጠቕሰት፣ “ማርታውን ተገልግል ነበረት” ዚብል ከኣ ነንብብ።—ዮሃንስ 12:2

ማርታ ብትግሃታ እያ እትልለ ነይራ። ንፈለማ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጠቕሰትሉ ግዜ ዀነ ኣብ መወዳእታ፡ ንፈተውታ ኣለይመለይ ንምባል እያ እትዓዪ ነይራ። ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ሰዓብቲ ክርስቶስ እውን፡ ልክዕ ከም ማርታ ወትሩ ናይ ገዛእ ርእሰን ጥቕሚ ብምስዋእ ንእምነተን ብግብሪ ብዜርእያ ተባዓትን ለጋሳትን ደቂ ኣንስትዮ ዝመልኣ ብምዃነን ተባሪኸን እየን። ማርታ ነቲ ልማዳ ቐጺላቶ ኽትከውን ኣለዋ። ከምኡ ምግባራ ኸኣ ጥበብ ዝመልኦ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ዚጽበያ ነይሩ።

ማርታ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ዚፍጸም ዜስካሕክሕ ሞት ጐይታኣ የሱስ ክትጽመሞ ነበራ። ብዘይካዚ፡ እቶም ንየሱስ ዝቐተልዎ ጨካናት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ትንሳኤ ኣልኣዛር ንብዙሓት ብየሱስ ከም ዚኣምኑ ስለ ዝገበሮም፡ ንኣልኣዛር እውን ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። (ዮሃንስ 12:9-11) ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መንጎ ማርታን ኣሕዋታን ዝነበረ ርክብ ብሰንኪ ሞት ተበቲኹ እዩ። እዚ ብኸመይን መዓስን ከም እተፈጸመ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ማርታ ሳላ እታ እተደንቕ እምነታ ኽሳዕ መወዳእታ ኸም ዝጸንዐት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣስኣሰር እምነታ ኺስዕቡ ኣለዎም።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 27 ብዛዕባ እቲ ንትንሳኤ ዚምልከት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ማርታ ኣብ ሓዘን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ የሱስ ንእምነታ ኼደልድለላ ፈቐደትሉ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ማርታ ‘ትጭነቕን ትጕህን’ እኳ እንተ ነበረት፡ ነቲ እተዋህባ መአረምታ ብትሕትና ተቐበለቶ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ማርታ ንሓዋ ብትንሳኤ ምስ ረኸበቶ፡ እታ ኣብ የሱስ ዝነበረታ እምነት ተኻሕሰት