ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

ምድሪ፡ መንበሪ ደቂ ሰብ እያ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ንዚነብሩ መላእኽቲ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ንሰብ ኣብ ምድሪ ተሓጒሱ ኺነብር ፈጠሮ። (እዮብ 38:4, 7) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፡ የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ፡ ኤድን ኣብ እትበሃል ባህ እተብል ገነት ዘንበሮ፣ ንዕኡን ንዘርኡን ከኣ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሃቦም።—ዘፍጥረት 2:15-17፣ መዝሙር 115:16 ኣንብብ።

ገነት ኤድን፡ እተወሰነ ኽፋል ምድሪ ጥራይ እያ እትሽፍን ነይራ። እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን፡ ደቂ ኺወልዱ ነበሮም። ደቂ ሰብ ቍጽሮም እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ንሳቶም እውን ንምድሪ ኺከናኸንዋን ገነት ኪገብርዋን ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:28) ስለዚ፡ ምድሪ ኸቶ ኣይትጠፍእን እያ።—መዝሙር 104:5 ኣንብብ።

2. ሎሚ ምድሪ ገነት ዘይኰነት ስለምንታይ እያ፧

ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሱ፡ ካብ ኤድን ተሰጐጉ። ብሰንኪ እዚ፡ ገነት ጠፍአት፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኪመልስዋ ኣይከኣሉን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምድሪ ኣብ ኢድ እቶም ረሲኣን ተውሂባ እያ” ይብል።—እዮብ 9:24፣ ዘፍጥረት 3:23, 24 ኣንብብ።

ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ፈለማ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ ኣይረስዖን፣ ብርግጽ ከኣ ኪፍጽሞ እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) እወ፡ ንደቂ ሰብ ናብቲ ኣብ መጀመርታ ዓሊምሎም ዝነበረ ዅነታት ኪመልሶም እዩ።—መዝሙር 37:11 ኣንብብ።

3. ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሰላም ዜስፍን ብኸመይ እዩ፧

ደቂ ሰብ ሰላም ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣምላኽ ብመጀመርታ ንእኩያት ኬጥፍኦም ኣለዎ። መላእኽቲ የሆዋ ንዅሎም ተጻረርቲ ኣምላኽ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኬጥፍእዎም እዮም። ሰይጣን ን1,000 ዓመት ኪእሰር እዩ፣ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ግን ካብቲ ጥፍኣት ድሒኖም ኣብ ምድሪ ተሓጒሶም ኪነብሩ እዮም።—ራእይ 16:14, 16፣ 20:1-3፣ 21:3, 4 ኣንብብ።

4. መከራ ዜብቅዕ መዓስ እዩ፧

ኣብቲ 1,000 ዓመት፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኺገዝእን ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይራን እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓጢኣት ኣፍቀርቲ ኣምላኽ ኪድምስሶ እዩ። ንሕማምን ንእርጋንን ንሞትን እውን ኬወግዶ እዩ።—ኢሳይያስ 11:9፣ 25:8፣ 33:24፣ 35:1 ኣንብብ።

ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ እከይ ዜወግዶ መዓስ እዩ፧ የሱስ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር “ትእምርቲ” ወይ ምልክት ሂቡ ነይሩ እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ዓለም ንህልውና ደቂ ሰብ ዜስግእ እዩ፡ ኣብ “መወዳእታ ዓለም [“መደምደምታ እቲ ስርዓት፡” NW]” ንነብር ከም ዘለና ኸኣ ይሕብር።—ማቴዎስ 24:3, 7-14, 21, 22፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።

5. ኣብ እትመጽእ ገነት ዚነብሩ መን እዮም፧

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ነቲ ፍቕሪ ዝመልኦ መገዲ ኣምላኽ ኪምህሩን ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) የሆዋ ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ሓድሽ ስርዓት ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት የዳሉ ኣሎ። (ጸፎንያስ 2:3) ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ተባዕትዮ ብኸመይ ዝሓሹ ሰብኡትን ኣቦታትን ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ብኸመይ ዝሓሻ ኣንስትን ኣዴታትን ኪዀና ኸም ዚኽእላ ዚገልጽ ትምህርቲ ይወሃብ እዩ። ቈልዑን ወለድን፡ ዝሓሸ መጻኢ ንኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ይመሃሩ እዮም።—ሚክያስ 4:1-4 ኣንብብ።

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንኣምላኽ ምስ ዜፍቅሩን ንዕኡ ባህ ኬብሉ ምስ ዚደልዩን ሰባት ክትራኸብ ኢኻ።—እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧