ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣረጋውያን ናብ ንእስነቶም ዚምለሱሉ እዋን

ኣረጋውያን ናብ ንእስነቶም ዚምለሱሉ እዋን

ንኣምላኽ ቅረቦ

ኣረጋውያን ናብ ንእስነቶም ዚምለሱሉ እዋን

መን ካባና እዩ እሞ ብሰንኪ እርጋን ቈርበቱ ኺዓጥር፡ ኣዒንቱ ኺደኽማ፡ ኣእዛኑ ኺጻንዓኦ፡ ኣብራኹ ኼንቀጥቅጥ ዚደሊ፧ ‘ኣምላኽ፡ ንእስነት ከም እነስተማቕር ገይሩና ኼብቅዕ፡ ስለምንታይ እዩ ኸም እንኣርግ ገይሩ ፈጢሩና፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ ዕላማ ኣምላኽ ከምኡ ኣይነበረን። እኳ ደኣስ፡ ካብ እርጋን እንናገፈሉ ፍቕራዊ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ እተነግሮ ኣብ እዮብ 33:24, 25 ዚርከብ ቃላት እሞ ኣስተብህለሉ።

እቲ ብየሆዋ ዚፍቶ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ዘሕለፎ ዅነታት እስከ ንርአ። ሰይጣን ንእዮብ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሱ ኢሉ ኸም ዜገልግሎ ኪኸስሶ ኸሎ፡ እዮብ ኣይፈለጠን ነይሩ። የሆዋ ድማ ንዅሉ ጕድኣት ኬወግዶ ኸም ዚኽእል ስለ ዚፈልጥን ኣብ እዮብ ምትእምማን ስለ ዝነበሮን፡ ንሰይጣን፡ ንእዮብ ኪፍትኖ ፈቐደሉ። ድሕርዚ፡ ሰይጣን “ንእዮብ ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቍስለት ስጋ ወቕዖ።” (እዮብ 2:7) እዮብ ስጋኡ ብሓሰኻ ተሸፊኑ፡ ቈርበቱ ተዀማቲሩን ጸሊሙን ካብ ስጋኡ ተፈላልዩን ነበረ። (እዮብ 7:5፣ 30:17, 30) ክሳዕ ክንደይ ከም እተሳቐየ ኽትግምቶዶ ትኽእል፧ ይኹን እምበር፡ እዮብ ክሳዕ መወዳእታ እሙን ኰነ፣ “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” ድማ በለ።—እዮብ 27:5

ኰይኑ ግን፡ እዮብ ሓደ ኸቢድ ጌጋ ፈጺሙ እዩ። ኪመውት ዝቐረበ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ፡” ንሱ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ ኣብ ምርግጋጽ ኣተኰረ። (እዮብ 32:2) ኤሊሁ ኸም ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ብምግልጋል፡ ንእዮብ ገሰጾ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣወንታዊ መልእኽቲ እውን ነገሮ፦ “ካሕሳ [“በጃ፡” NW] ተቐቢለ እየ እሞ፡ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ፡ ኢሉ ይርሕርሓሉ። ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም፡ ናብ መዓልትታት ጕብዝናኡ ይምለስ።” (እዮብ 33:24, 25) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ንእዮብ ተስፋ ሂበናኦ ኪዀና ይኽእላ እየን። ክሳዕ ሞት ኪሳቐ ኣይነበሮን። እዮብ እንተ ተነሲሑ፡ ኣምላኽ ነቲ ምእንቲ እዮብ ዚቐርበሉ በጃ ተቐቢሉ፡ ካብ መግደራኡ ኼናግፎ ይኽእል ነበረ። *

እዮብ ነቲ እተዋህቦ መአረምታ ብትሕትና ተቐቢሉ ተነስሐ። (እዮብ 42:6) የሆዋ ነቲ ምእንቲ እዮብ ዝቐረበ በጃ ተቐበሎ፣ እዚ ኸኣ፡ እዮብ ሓጢኣቱ ንኺሽፈነሉን ኣምላኽ ንኼጥዕዮን ዓስቡ ንኺህቦን መገዲ ኸፈተ። የሆዋ “ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ።” (እዮብ 42:12-17) ነቲ እዮብ ዝረኸቦ ብዙሕ ካልእ በረኸት ሓዲግና፡ ካብቲ ዜሳቒ ሕማም ኪሓዊ፡ ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ዚልምልም’ ኪኸውን ከሎ ጥራይ ክሳዕ ክንደይ እፎይታ ኸም እተሰምዖ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ!

እዮብ ዘይፍጹም ምዃኑ ስለ ዘይተረፎን ድሕሪ ግዜ ስለ ዝሞተን፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እዮብ እተቐበሎ በጃ እተወሰነ ዋጋ ጥራይ እዩ ነይርዎ። ንዓና ግን ካብኡ ዝሓሸ በጃ ተዳልዩልና ኣሎ። የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ምእንታና በጃ ኪኸውን ሂቡና እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) ኵሎም እቶም በቲ በጃ ዚኣምኑ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ኣምላኽ ንእሙናት ደቂ ሰብ፡ ካብቲ እርጋን ዜምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤን ኬናግፎም እዩ። ነቲ ‘ስጋ ኣረጋውያን ካብ ናይ ሕጻን ዚልምልም’ ዚዀነሉ እዋን ብኸመይ ከም እትርኢ ስለምንታይ ዘይትመሃር፧

ንሚያዝያ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

እዮብ 16-37

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 እታ “ኻሕሳ” ወይ “በጃ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “መሸፈኒ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ኣብ ኵነታት እዮብ ከኣ፡ በጃ ንመስዋእቲ እንስሳ እውን ኬመልክት ዚኽእል ኪኸውን ከሎ፡ ኣምላኽ ነቲ እዮብ ዝገበሮ ጌጋ ንምሽፋን፡ ወይ ምስኡ ንምትዕራቕ ኪቕበሎ ይኽእል ነበረ።—እዮብ 1:5