ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በይንኻ ዝዀንካሉን ዝፈራህካሉን እዋን ኣሎዶ፧

በይንኻ ዝዀንካሉን ዝፈራህካሉን እዋን ኣሎዶ፧

ንደቅኻ ምሃሮም

በይንኻ ዝዀንካሉን ዝፈራህካሉን እዋን ኣሎዶ፧

ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ በይኖም ከም ዝዀኑን ዚሓልየሎም ሰብ ከም ዘየሎን ይስምዖም እዩ። ዓበይቲ ሰባት ብዙሕ ሳዕ ከምኡ ይስምዖም እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሎሚ ዘለዉ ንኣምላኽ ዜገልግሉ ቘልዑ እውን በይኖም ዝዀኑሉን ዚፈርሁሉን እዋን ኣሎ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚዀኑ ትፈልጥዶ፧ *

ብዙሕ ምኽንያታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት፡ ማለት ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ሓደ ሽሕ ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሙ ዝነበረ ሰብኣይ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ስሙ ኤልያስ ይበሃል። ህዝቢ እስራኤል ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምግልጋል ኣብ ዝሓደጉሉ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። መብዛሕትኦም ነቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ዝዀነ በዓል የምልኹ ነበሩ። ኤልያስ፡ “ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ” በለ። ኣብቲ እዋን እቲ ንኣምላኽ ዜገልግል ዝነበረ ኤልያስ በይኑ ጥራይዶ ይመስለካ፧

ዋላ እኳ ኤልያስ እንተ ዘይፈለጠ፡ ኣብ እስራኤል ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜምልኹ ሰባት ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግን፡ ይፈርሁ ስለ ዝነበሩ፡ ብሕቡእ እዮም ከምኡ ዚገብሩ ነይሮም። ስለምንታይ ከም ዝፈርሁ ትፈልጥዶ፧

እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ኣከኣብ ንየሆዋ ኣየምልኽን እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኢዛቤል ዝስማ ሰበይቱ እተምልኾ በዓል ዚበሃል ናይ ሓሶት ኣምላኽ እዩ ዜምልኽ ነይሩ። ስለዚ፡ ንሱን ሰበይቱን ነቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ሰባት ኪቐትልዎም፡ ብፍላይ ከኣ ንኤልያስ ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኤልያስ ዝሃደመ። ዳርጋ 483 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ፡ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሲና ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ምድረ በዳ ሆሬብ ከደ። ኣብቲ ቦታ እቲ፡ ካብቲ ኤልያስ ዝነበረሉ እዋን ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ንህዝቡ ዓሰርተ ትእዛዛትን ካልእ ሕግታትን ሂብዎም ነይሩ እዩ። ኤልያስ ኣብ ሆሬብ ኣብ ዚርከብ ሓደ በዓቲ በይኑ ተሓብአ። ኤልያስ ኪፈርህ ዝነበሮዶ ይመስለካ፧

ኣቐድም ኣቢሉ፡ የሆዋ ብኤልያስ ገይሩ ዓበይቲ ተኣምራት ከም ዝፈጸመ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ኤልያስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንመስዋእቲ ኺበልዕ ምስ ጸለየ፡ የሆዋ ምላሽ ሂብዎ እዩ። የሆዋ ኸምኡ ብምግባሩ ኸኣ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሱ እምበር፡ በዓል ከም ዘይኰነ ኣረጋገጸ። ኤልያስ ኣብቲ በዓቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ የሆዋ ተዛረቦ።

“ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኤልያስ ከኣ፡ ‘ካብቶም ንዓኻ ዜምልኹ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ’ በለ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ‘ንዓይ ዜገልግሉ ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ኣለዉ’ ብምባል ብሕያውነት ኣረሞ። ገና ዚዓዮ ዕዮ ኸም ዘሎ ገሊጹ ድማ፡ ንኺምለስ ነገሮ።

ካብ ኣብነት ኤልያስ እንታይ ክንመሃር እንኽእል ይመስለካ፧— እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ እውን ከይተረፉ፡ ሓድሓደ እዋን ኪፈርሁ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ፡ ሓገዝ ንምርካብ ንየሆዋ ኽንልምኖ ኸም ዚግብኣና ኽንርስዕ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘የሆዋ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም ከም ዝዀነ’ ይነግረና እዩ።

ካልእ እንመሃሮ ትምህርቲ እውን ኣሎ። ኣብ ኵሉ ቦታ ንየሆዋን ንዓናን ዜፍቅሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ይበጽሖም ከም ዘሎ’ ይገልጽ እዩ። በይንና ጥራይ ከም ዘይኰንና ምፍላጥካስ ኣየሐጐሰካንዶ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ፦

1 ነገስት 19:3-18

ዘዳግም 5:1-22

መዝሙር 145:18

1 ጴጥሮስ 5:9

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።