ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገሃነም፡ ሰባት ብሓዊ ዚሳቐዩሉ ቦታ ድዩ፧

ገሃነም፡ ሰባት ብሓዊ ዚሳቐዩሉ ቦታ ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ገሃነም፡ ሰባት ብሓዊ ዚሳቐዩሉ ቦታ ድዩ፧

▪ ኣብ ጸብጻባት ወንጌል፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብዛዕባ ፍርዲ ገሃነም ኣጠንቂቕዎም እዩ። እቲ መጠንቀቕታኡ ብርዝነት ኪርአ ይደሊ ኸም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ንዘለኣለም እትሳቐየሉ መቃጸሊ ሓዊ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧—ማቴዎስ 5:22

ፈለማ፡ ነቲ ቓላት እስከ ንመርምሮ። እታ ጊሂና እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓልን እታ ምስኣ እትመሳሰል ገህ ሂኖም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን፡ “ለሰ ሂኖም” ዚብል ትርጕም ኪህልወን ከሎ፡ ብፍላይ ከኣ እታ ገህ በኔህ ሂኖም እትብል ቃል፡ “ለሰ ደቂ ሂኖም” ዚብል ትርጕም ሒዛ ኣላ። (እያሱ 15:8፣ 2 ነገስት 23:10) እዚ ቦታ እዚ፡ ሎሚ ዋዲ ኢራባቢ ተባሂሉ ዚፍለጥ ብሸነኽ ደቡብን ደቡብ ምዕራብን የሩሳሌም ዚርከብ ዓሚቝን ጸቢብን ለሰ ወይ ስንጭሮ እዩ።

ብዘመን ነገስታት ይሁዳ፡ ካብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ጀሚሩ፡ እዚ ቦታ እዚ ኣረማዊ ጽምብላት ዚግበረሉ፡ ንመስዋእቲ ተባሂሉ እውን ቈልዑ ብሓዊ ዚቃጸሉሉ ቦታ እዩ ነይሩ። (2 ዜና መዋእል 28:1-3፣ 33:1-6) ነብዪ ኤርምያስ፡ ኣይሁድ እኩይ ተግባራት ስለ ዝገበሩ፡ ኣብዚ ለሰ እዚ ብባቢሎናውያን ኪቕተሉ ኣምላኽ ከም ዝፈረዶም ተነብዩ ነበረ። *ኤርምያስ 7:30-33፣ 19:6, 7

ብመሰረት ዴቪድ ኪምኺ (ከባቢ 1160-1235 ድ.ክ.) ዚበሃል ኣይሁዳዊ ምሁር፡ ድሕሪ ግዜ እቲ ለሰ፡ ካብ የሩሳሌም ዝወጸ ጐሓፍ ዚድርበየሉ ቦታ እዩ ዀይኑ። እቲ ቦታ እቲ፡ ጐሓፍ ምእንቲ ኺውገድ፡ ሓዊ ብቐጻሊ ዚነድደሉ መንደድ ጐሓፍ ኰይኑ የገልግል ነበረ። ናብዚ መንደድ ጐሓፍ ዚድርበ ዝዀነ ይኹን ነገር ምሉእ ብምሉእ ናብ ሓመዅስቲ ይቕየር ነበረ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ነታ “ገሃነም” ተባሂላ እተተርጐመት ጊሂና እትብል ቃል፡ ሰባት ብሓዊ ንዚሳቐዩሉ ቦታ ኸም እተመልክት ገይሮም ይምህሩ እዮም። (ማቴዎስ 5:22) ስለምንታይ፧ እኩያት ምስ ሞቱ ብሓዊ ኸም ዚሳቐዩ ንዚገልጽ ኣረማዊ ምንጪ ዘለዎ ሓሳብ፡ ምስቲ ኣብ ለሰ እቲ ኻብ የሩሳሌም ወጻኢ ዝነበረ ሓዊ ስለ ዜተሓሕዝዎ እዩ። የሱስ ግን፡ ንገሃነም ምስ ስቓይ ኣተሓሒዝዎ ኣይፈልጥን እዩ።

የሱስ፡ ንሰባት ብህይወቶም ከለዉ ብሓዊ ምቅጻል፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ዜስገድግድ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ብግዜ ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ገሃነም ዚግበር ዝነበረ ነገራት ኪጠቅስ ከሎ፡ “ኣነ ከቶ ዘይአዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡ በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ” በለ። (ኤርምያስ 7:31) ብዘይካዚ፡ ንምዉታት ምስቓይ ዚብልዎ ሓሳብ፡ ምስ ፍቕራዊ ባህርያት ኣምላኽ ኰነ ምስቲ ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ዚብል ንጹር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይቃዶን እዩ።—መክብብ 9:5, 10

የሱስ ነታ “ገሃነም” እትብል ቃል እተጠቕመላ፡ ብፍርዲ ኣምላኽ ንዚወርድ ጥፍኣት ንምምልካት እዩ። ስለዚ፡ “ገሃነም” ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ፡ “ቀላይ ሓዊ” ተመሳሳሊ ትርጕም እዩ ዘለዎ። ክልቲኡ ትንሳኤ ንዘይብሉ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት እዩ ዜመልክት።—ሉቃስ 12:4, 5፣ ራእይ 20:14, 15

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ብግዜ ጥፍኣት የሩሳሌም፡ ብዙሓት ካብ ተቐማጦኣ ስለ ዚቕተሉ፡ ሬሳኦም ኣብ ክንዲ ዚቕበር፡ ንኺምሽምሽ ወይ ንኺቃጸል ናብቲ ለሰ ኸም ዚድርበ” ዜመልክት ምዃኑ ገለጸ።