ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ግበር

ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ግበር

ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ግበር

“ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን።”—ምሳ. 14:15

1, 2. (ሀ) ኣብ ኵሉ እንገብሮ ውሳነታት፡ ብቐዳምነት ኬተሓሳስበና ዘለዎ ነገር እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

መዓልታዊ ብዙሕ ሳዕ እንገብሮ ነገር እዩ። መብዛሕትኡ ነባሪ ጽልዋ የብሉን። ገሊኡ ግን፡ ኣብ ህይወትና ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እንታይ ኢና እንዛረብ ዘለና፧ ብዛዕባ ውሳነታት። ኣብ ኵሉ እቲ እንገብሮ ንኣሽቱ ዀነ ዓበይቲ ውሳነታት፡ ብቐዳምነት ዜተሓሳስበና፡ ንኣምላኽ ዜኽብር እንተ ዀይኑ እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:31 ኣንብብ።

2 ውሳነታት ምግባር ይቐልለካዶ ወይስ ይኸብደካ፧ ዕቤት ጌርና ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ክንበጽሕ እንተ ዄንና፡ ጽቡቕን ክፉእን ክንፈሊ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብቲ ንሕና እንኣምነሉ ነገር ተመርኲስና ውሳነታት ክንገብር ኣሎና። (ሮሜ 12:1, 2፣ እብ. 5:14) ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ኣድላዪ ዝዀነሉ እንታይ ካልእ ምኽንያታት ኣሎና፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ውሳነታት ምግባር ከቢድ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ ውሳነታትና ንኣምላኽ ዜኽብር ምዃኑ ንምርግጋጽ እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧

ብሱሩ ስለምንታይ ውሳነታት ኪግበር ኣድለየ፧

3. ውሳነ ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ እንታይ ጣልቃ ኸይኣትወና ኢና ኽንፈቅድ ዘይብልና፧

3 ምስ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳይ እንወላወል እንተ ዄንና፡ መማህርትና ወይ መሳርሕትና ንእምነትና ኻብ ልብና ኸም ዘይንኣምነሉን ብቐሊሉ ኸም እንጽሎን ኪድምድሙ ይኽእሉ እዮም። ኪሕስዉ፡ ኬታልሉ፡ ወይ ኪሰርቁ ኸለዉ፡ ‘ደድሕሪ ብዙሓት ብምስዓብ’ ምሳታቶም ንኽንሓብር፡ ወይ እንተ ወሓደ ኽንተሓባበሮም ኬእምኑና ይፍትኑ ይዀኑ። (ዘጸ. 23:2) ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ብኸመይ ከም ዚገብር ዚፈልጥ ሰብ፡ ብፍርሂ ወይ በቲ ብሰብ ኪፍቶ ዘለዎ ድሌት ተደፊኡ፡ ምስቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ዚጋጮ ውሳነ ኣይገብርን እዩ።—ሮሜ 13:5

4. ገሊኦም ሰባት ውሳነታት ኪገብሩልና ዚደልዩ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

4 ኣብ ክንዳና ዀይኖም ውሳነታት ኪገብሩ ዚደልዩ ሰባት፡ ብምሉኦም ኣይኰኑን ንኽፉእና ዚሓስቡ። ገሊኦም ፈተውትና ኻብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሎም፡ ምኽሮም ክንሰምዕ ጸቕጢ ይገብሩልና እዮም። ካብ ቤትና ወጺእና ብርእስና ኽንነብር ከለና እውን፡ ቤተሰብና ብዛዕባና ስለ ዚሓልዩ፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ኪገብሩልና ዜድሊ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። ንኣብነት፡ ምስ ሕክምና እተተሓሓዘ ጕዳይ እስከ ንውሰድ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ካብ ደም ክንክልከል ይነግረና እዩ። (ግብ. 15:28, 29) ምስ ክንክን ጥዕና ኣብ እተተሓሓዘ ኻልእ ጕዳያት ግን፡ ንጹር መምርሒ የብልናን፣ ነፍሲ ወከፍና ድማ ኣየናይ ዓይነት ሕክምና ኸም እንቕበል፡ ኣየናዩ ድማ ከም ዘይንቕበል ብብሕትና ኽንውስን ኣሎና። * ቤተሰብና ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ኣጸቢቖም ዚኣምኑሉ ርእይቶታት ይህልዎም ይኸውን። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ዚግበር ውሳነ ግን፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን “ጸጾሩ” ኺጸውር ኣለዎ። (ገላ. 6:4, 5) ብቐዳምነት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ሕልና ኺህልወና ደኣ እዩ ኼተሓሳስበና ዘለዎ እምበር፡ ሰባት ዘለዎም ርእይቶ ኣይኰነን።—1 ጢሞ. 1:5

5. ናይ እምነት መርከብና ንኸይትስበረና ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧

5 ውልውል ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኼእትወና ይኽእል እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ከም ዝገለጾ፡ “ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን።” (ያእ. 1:8) ከምቲ ስካን ወይ መእለዪ ኣብ ዘይብላ ብማዕበል እትጽፋዕ ጃልባ ዘሎ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ተቐያያሪ ርእይቶ ሰባት ናብዝን ናብትን ይጽፋዕ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ብቐሊሉ ናይ እምነት መርከቡ ኽትስበሮ ትኽእል እያ፣ ከምኡ ምስ ኣጋጠሞ ኸኣ፡ ንኻልኦት እዩ ዚወቅስ። (1 ጢሞ. 1:19) ከምዚ ንኸየጋጥመና ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧ ‘ብእምነት ጽኑዓት’ ክንከውን ኣሎና። (ቈሎሴ 2:6, 7 ኣንብብ።) ጽኑዓት ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዘሎና እምነት ዜንጸባርቕ ውሳነታት ክንገብር ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:14-17) ጽቡቕ ውሳነታት ንኸይንገብር ግን እንታይ ኪዓግተና ይኽእል፧

ውሳነታት ምግባር ከቢድ ኪዀነሉ ዚኽእል ምኽንያት

6. ፍርሂ ኺጸልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

6 ግጉይ ውሳነ ኸይንገብር፡ ጕድለት ከይርከበና፡ ወይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዓያሱ ኸይንመስል ዚሓድረና ፍርሂ፡ ውሳነ ኻብ ምግባር ኪዓግተና ይኽእል እዩ። ከምዚ እንተ ተሰምዓና፡ ንቡር እዩ። ጸገምን ሕፍረትን ዜስዕብ ሕማቕ ውሳነ ኺገብር ዚደሊ ሰብ የልቦን። ኰይኑ ግን፡ ንኣምላኽን ንቓሉን ዘላትና ፍቕሪ፡ ንኸይንፈርህ ክትሕግዘና ትኽእል እያ። ብኸመይ፧ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ ወትሩ ንቓሉን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ንኽንውከስ ትድርኸና እያ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኼጋጥም ዚኽእል ጌጋታት ንንክዮ። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን” ስለ ዚህቦም እዩ።—ምሳ. 1:4

7. ካብ ኣብነት ንጉስ ዳዊት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

7 ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ወትሩ ቕኑዕ ውሳነ ኢና እንገብር ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኵልና ንጋገ ኢና። (ሮሜ 3:23) ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ጥበበኛን እሙንን ሰብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ንዕኡ ዀነ ንኻልኦት ዚጐድእ ሕማቕ ውሳነታት ዝገበረሉ እዋን ነይሩ እዩ። (2 ሳሙ. 12:9-12) ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ዝፈጸሞ ጌጋታት፡ ሞገስ ኣምላኽ ዜምጽኣሉ ጽቡቕ ውሳነታት ካብ ምግባር ኣይዓገቶን። (1 ነገ. 15:4, 5) ንሕና እውን ከም ዳዊት፡ የሆዋ ኣበሳና ኸም ዘይሕዘልናን ሓጢኣትና ይቕረ ኸም ዚብለልናን እንተ ዘኪርና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርናዮ ጌጋታት ብዘየገድስ፡ ከይተወላወልና ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና። የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎን ዚእዘዝዎን ኵሉ ሳዕ ይድግፎም እዩ።—መዝ. 51:1-4, 7-10

8. ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ መርዓ ዝሃቦ ሓሳባት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

8 ውሳነታት ኣብ እንገብረሉ እዋን ዚስምዓና ጭንቀት ክንንክዮ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ እተፈላለየ ቕኑዕ ምርጫታት ከም ዘሎ ኸነስተውዕል ኣሎና። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ መርዓ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብዛዕባ ድንግልናኡ ዜኅፍር መሲልዎ ዚሓስብ ሰብ እንተሎ፥ ከምዚ ኪኸውን ይግባእ፤ ዝፈቐደ ይግበር፥ እንተ ተመርዓወ ኃጢኣት የብሉን። ብልቡ ጨኪኑ ድንግልናኡ እንተ ሓለወ ድማ ጽቡቕ ገበረ።” (1 ቈረ. 7:36-38ትርጕም 1990 እግረ-ጽሑፍ) ጳውሎስ፡ ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራ ብሉጽ ምዃኑ እኳ እንተ ተዛረበ፡ እቲ ዓይነት ናብራ ጥራይ ቅኑዕ ኣማራጺ ኸም ዝዀነ ግን ኣይገለጸን።

9. ሰባት ብዛዕባ ውሳነና ዘለዎም ርእይቶ ኼተሓሳስበና ይግባእ ድዩ፧ ግለጽ።

9 ሰባት ብዛዕባ ውሳነና ዘለዎም ርእይቶ ኼተሓሳስበና ይግባእ ድዩ፧ ብእተወሰነ ደረጃ፡ እወ። ጳውሎስ ንጣኦታት እተሰውአ ብዛዕባ ዚመስል ምግቢ ምብላዕ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ንርአ። እቲ ውሳነ ንባዕሉ ጌጋ ኸይከውን ከም ዚኽእል እኳ እንተ ተኣመነ፡ ድኹም ሕልና ንዘለዎ ሰብ ግን ኪጐድኦ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ጳውሎስ እንታይ ኪገብር ወሰነ፧ “እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 8:4-13) ንሕና እውን፡ ውሳነታትና ንሕልና ኻልኦት ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ልክዕ እዩ፡ ብቐዳምነት ኬተሓሳስበና ዘለዎ ጕዳይ፡ ምርጫታትና ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ዜሕድሮ ጽልዋ እዩ። (ሮሜ 14:1-4 ኣንብብ።) እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ንኽንገብር ዚሕግዘና፧

ጽቡቕ ውሳነታት ንኽትገብር ዚሕግዝ ሽዱሽተ ስጕምቲ

10, 11. (ሀ) ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትና ብኸመይ ቦታና ኽንሕሉ ንኽእል፧ (ለ) ሽማግለታት ንጉባኤ ዚምልከት ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

10 ቦታኻ ሓሉ። ሓደ ነገር ክንገብር ቅድሚ ምውሳንና፡ ‘እዚ ይምልከተኒ ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ንጉስ ሰሎሞን፡ “ትዕቢት እንተ መጸ፡ ውርደት ከኣ ይመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ምሳ. 11:2

11 ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ገለ ውሳነታት ንኺገብሩ ኺፈቕዱሎም ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ውሉዳት ግን ብገዛእ ርእሶም ስልጣን ከም ዘለዎም ገይሮም ኪሓስቡ የብሎምን። (ቈሎ. 3:20) ኣንስቲ ሓዳርን ኣዴታትን ኣብ ስድራ ቤተን እተወሰነ ስልጣን እኳ እንተ ኣለወን፡ ንርእስነት ሰብኣየን ግን ኪግዝኣ ኣለወን። (ምሳ. 1:8፣ 31:10-18፣ ኤፌ. 5:23) ሰብኡት እውን እንተ ዀኑ፡ ንክርስቶስ ኪግዝእዎ ስለ ዘለዎም፡ ስልጣኖም ደረት ከም ዘለዎ ኺፈልጡ ኣለዎም። (1 ቈረ. 11:3) ሽማግለታት ንጉባኤ ዚጸሉ ውሳነታት ይገብሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ‘ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይሓስቡ፡’ ማለት ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተጻሕፈ ወጻኢ ኸይከዱ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። (1 ቈረ. 4:6) ነቲ ኻብቲ እሙን ባርያ ዚረኽብዎ መምርሒ እውን ብጥብቂ ይስዕብዎ እዮም። (ማቴ. 24:45-47) ብትሕትና ቦታና ሓሊና ውሳነታት እንተ ጌርና፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ካብ ብዙሕ ጭንቀትን ጓህን ክንሰትር ኢና።

12. (ሀ) ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ ነቲ ጕዳይ ክንምርምሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ሓደ ሰብ ብኸመይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ከም ዚገብር ግለጽ።

12 መርምር። ሰሎሞን፡ “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 21:5) ንኣብነት፡ ሓደ ስራሕ ክትጅምር ትሓስብዶ ኣለኻ፧ ብስምዒት ጥራይ ኣይትመራሕ። ምስኡ ዚተሓሓዝ ሓበሬታ ኣክብ፡ ብዛዕባ እቲ ስራሕ ንዚፈልጡ ሰባት ኣማኽር፡ ምስቲ ጕዳይ ዚተሓሓዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተወከስ። (ምሳ. 20:18) ነቲ ዝገበርካዮ ምርምር ብሓደ ንምጥርናፍ፡ ኣወንታውን ኣሉታውን ጐድኒ ዜርኢ ኽልተ ዝርዝር ኣዳሉ። ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ‘ጸብጽብ።’ (ሉቃ. 14:28) ውሳነኻ ኣብ ገንዘባዊ ዅነታትካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ኺህልዎ ዚኽእል ጽልዋ እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። ምርምር ምግባር፡ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። ከምኡ ምስ እትገብር ግን፡ ናብ ዘየድሊ ጭንቀት ዚመርሕ ውሳነታት ተሃዊኽካ ኣይክትገብርን ኢኻ።

13. (ሀ) ኣብ ያእቆብ 1:5፡ እንታይ መረጋገጺ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧ (ለ) ጥበብ ንኺወሃበና ምጽላይና ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

13 ጥበብ ኪወሃበካ ጸሊ። ውሳነታትና ንኣምላኽ ኬኽብሮ ዚኽእል፡ ውሳነታት ክንገብር ከለና ኺሕግዘና እንተ ለሚንናዮ ጥራይ እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 1:5) ውሳነታት ንኽንገብር ጥበብ ኣምላኽ ከም ዜድልየና ኣሚንና ምቕባልና፡ ዜሕፍር ኣይኰነን። (ምሳ. 3:5, 6) ኣብ ልቦናና ጥራይ እንተ ተጸጊዕና፡ ብቐሊሉ መገድና ኽንስሕት ንኽእል ኢና። ጥበብ ኪወሃበና ኽንጽልን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት ከነናድን ከለና፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ስጕምቲ እቲ እንወስደሉ ዘለና ናይ ሓቂ ምኽንያት ንኸነስተውዕል ኪሕግዘና ኢና እነፍቅደሉ ዘለና።—እብ. 4:12፣ ያእቆብ 1:22-25 ኣንብብ።

14. ንምውሳን ክንደናጐ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

14 ወስን። ምርምር ቅድሚ ምግባርካን ጥበብ ንኺወሃበካ ቕድሚ ምጽላይካን፡ ተሃዊኽካ ናብዚ ስጕምቲ እዚ ኣይትስገር። ጥበበኛ ሰብ ግዜ ወሲዱ “ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” እዩ። (ምሳ. 14:15) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ኣይትደናጐ። ስጕምቲ ንምውሳድ ዚደናጐ ሰብ፡ ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ዝዓይነቱ መመኽነይታ እዩ ዜቕርብ። (ምሳ. 22:13) ሎሚ ጽባሕ እናበለ ምድንጓዩ ንባዕሉ፡ ውሳነ ኸም ዝገበረ ጌርካ ኪቝጸር ይከኣል እዩ። ከምኡ ዚገብር ሰብ፡ ካልኦት ንህይወቱ ኺቈጻጸርዎ እዩ ዜፍቅድ።

15, 16. ውሳነ ምትግባር እንታይ የጠቓልል፧

15 ተግብር። ጽቡቕ ውሳነ ድሕሪ ምግባርና፡ ነቲ ውሳነና ብግቡእ ዘይንትግብሮ እንተ ዄንና፡ ኵሉ ጻዕርና ብላሽ እዩ ዚኸውን። ሰሎሞን፡ “ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መክ. 9:10) ዕዉታት ምእንቲ ኽንከውን፡ ውሳነና ንምትግባር ዜድሊ ዘበለ ኽንከፍል ኣሎና። ንኣብነት፡ ሓደ ኣስፋሒ ጉባኤ፡ ፈላሚ ኪኸውን ወሲኑ ንበል። ዕዉት ኪኸውን ድዩ፧ መጠኑ ዝሓለፈ ዓለማዊ ስራሕን መዘናግዕን ንሓይሉ ኺጽንቅቖን ነቲ ንኣገልግሎት ዜድልዮ ግዜ ኺሰርቆን ክሳዕ ዘየፍቀደ፡ ዕዉት ኪኸውን ሰፊሕ ዕድል ኣለዎ።

16 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብሉጽ ውሳነታት ምትግባሩ ቐሊል ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ከመይሲ፡ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ እያ ተታሒዛ ዘላ።’ (1 ዮሃ. 5:19) “ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን” ክንቃለስ ኣሎና። (ኤፌ. 6:12) ሃዋርያ ጳውሎስን ይሁዳ እቲ ወደ መዝሙርን፡ እቶም ንኣምላኽ ኬኽብሩ ዚውስኑ፡ ከም ዚጋደሉ ሓቢሮም እዮም።—1 ጢሞ. 6:12፣ ይሁ. 3

17. ምስ ውሳነና ብዚተሓሓዝ፡ የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧

17 ውሳነኻ ገምግም፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ እውን ኣተዓራሪ። ኵሉ ውሳነታት ኣይኰነን ከምቲ እትሓስቦ ብልክዕ ዚትግበር። ንዅላትና “ጊዜን ኣጋጣምን” ይመጸና እዩ። (መክ. 9:11) ይኹን እምበር፡ ዋላ እውን መከራ እንተ ኣጋጠመና፡ ኣብ ገሊኡ ውሳነታትና ኽንጸንዕ፡ የሆዋ ይጽበየና እዩ። ሓደ ሰብ ህይወቱ ንየሆዋ ኺውፊ ወይ ቃል ኪዳን ኪኣቱ ዝገበሮ ውሳነ፡ ንዋጋ ዕዳጋ ዚቐርብ ኣይኰነን። ኣምላኽ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታትና ተሰማሚዕና ኽንነብር ይጽበየና እዩ። (መዝሙር 15:1, 2, 4 ኣንብብ።) መብዛሕትኡ ውሳነታት ግን፡ ክሳዕ ክንድዚ ኽብደት የብሉን። ሓደ ጥበበኛ ሰብ፡ በብግዜኡ ውሳነታቱ ይግምግም እዩ። ብዅርዓት ወይ ብድርቅና ተደፊኡ፡ ኣብ ውሳነኡ ምትዕርራይ ወይ ለውጢ ኻብ ምግባር ኣይኣብን እዩ። (ምሳ. 16:18) ብቐዳምነት ዜተሓሳስቦ ነገር፡ ህይወቱ ንየሆዋ ኽብሪ ዚህብ ምዃኑ እዩ።

ንኻልኦት፡ ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ኪገብሩ ኣሰልጥኖም

18. ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ጽቡቕ ውሳነ ንኺገብሩ ብኸመይ ኬሰልጥንዎም ይኽእሉ፧

18 ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ብኸመይ ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ ኼሰልጥንዎም ይኽእሉ እዮም። ጽቡቕ ኣብነት ምዃን፡ ሓደ ኻብቲ ብሉጽ መምሃሪ መገዲ እዩ። (ሉቃ. 6:40) ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ሓደ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ እንታይ ስጕምትታት ከም ዝወሰዱ ኺነግርዎም ይኽእሉ እዮም። ሓድሓደ ውሳነታት ኪገብሩ ኣጋጣሚ ኪኸፍቱሎምን ጽቡቕ ውሳነ ምስ ገበሩ ኺንእድዎምን እውን ይኽእሉ እዮም። ሓደ ውሉድ ሕማቕ ውሳነ እንተ ገይሩኸ፧ ምናልባት ወላዲኡ፡ ፈለማ ኻብቲ ሳዕቤናት ኪከላኸለሉ ይሓስብ ይኸውን፣ ኰይኑ ግን፡ ከምኡ ምግባሩ ወትሩ ነቲ ውሉድ ከይጠቕሞ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ወላዲ ንውሉዱ ፍቓድ ምምራሕ ማኪና ኺሕዝ ይፈቕደሉ ይኸውን። እቲ ውሉድ፡ ሕጊ ትራፊክ ብሰንኪ ምጥሓሱ፡ መቕጻዕቲ ኪኸፍል ተወሲኑሉ ንበል። እቲ ወላዲ ነቲ መቕጻዕቲ ኪኸፍለሉ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ውሉድ ነቲ መቕጻዕቲ፡ ባዕሉ ሰሪሑ ኸም ዚኸፍሎ እንተ ተገይሩ፡ ንስጕምትታቱ ሓላፍነት ምስካም ንኺመሃር ሰፊሕ ኣጋጣሚ ይኽፈተሉ እዩ።—ሮሜ 13:4

19. መጽሓፍ ቅዱስ ንእንምህሮም ሰባት እንታይ ከነሰልጥኖም ኣሎና፧ ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል፧

19 የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንኻልኦት ኪምህሩ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 28:20) ሓደ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንእንምህሮም ሰባት ከነሰልጥኖም ዘሎና ነገር፡ ብኸመይ ጽቡቕ ውሳነታት ከም ዚገብሩ እዩ። ነዚ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምግባር፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ካብ ምንጋር ክንቍጠብ ኣሎና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም፡ ብኸመይ ባዕሎም ኪውስኑ ኸም ዚኽእሉ እንተ መሃርናዮም ኣጸቢቑ ይሓይሽ። ከመይሲ፡ “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።” (ሮሜ 14:12) ስለዚ፡ ኵላትና ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ንኽንገብር ዚድርኽ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 4 ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ሕዳር 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው፡ ኣብ ገጽ 3-6 ዝወጸት፡ “ንኽፋላት ደምን ብደመይ ንዚግበር ሕክምናን ብኸመይ እየ ዝርእዮ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ውሳነታት ብኸመይ ከም እንገብር ክንመሃር ዜድልየና ስለምንታይ ኢና፧

• ፍርሂ ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧ ንፍርህናኸ ብኸመይ ከነሰንፎ ንኽእል፧

• ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ምእንቲ ኽንገብር፡ እንታይ ሽዱሽተ ስጕምቲ ኽንወስድ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ጽቡቕ ውሳነታት ንኽትገብር ዚሕግዝ ስጕምትታት

1 ቦታኻ ሓሉ

2 መርምር

3 ጥበብ ኪወሃበካ ጸሊ

4 ወስን

5 ተግብር

6 ገምግምን ኣተዓራርን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ተወላዋሊ ሰብ ከምቲ ስካን ኣብ ዘይብላ ብማዕበል እትጽፋዕ ጃልባ ዘሎ ሰብ እዩ