ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ፍረ መንፈስ” ንኣምላኽ የኽብሮ

“ፍረ መንፈስ” ንኣምላኽ የኽብሮ

“ፍረ መንፈስ” ንኣምላኽ የኽብሮ

“ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር።”—ዮሃ. 15:8

1, 2. (ሀ) ንኻልኦት ከነተባብዓሉ እንኽእል እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎና፧ (ለ) እንታይ ካብ የሆዋ ዚወሃብ ውህበት እዩ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ኽእለት ዜደንፍዖ፧

ነዚ ዚስዕብ ክልተ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል፦ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ንሓንቲ ኻብኣ ብዕድመ ዝነኣሰት ሓብቲ፡ ሓደ ዜተሓሳስባ ነገር ከም ዘሎ ኣስተብሃለትላ። ስለዚ ድማ፡ ናብ ኣገልግሎት ሒዛታ ኸደት። ኣብ መንጎ ኣገልግሎተን ኬዕልላ ኸለዋ፡ እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ሓብቲ፡ ነቲ ዜተሓሳስባ ነገር ነገረታ። ጸኒሓ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ስለ እታ ብስልቲ ሓብቲ ዘርኣየታ ሓልዮት ንየሆዋ ብጸሎት ኣመስገነቶ፣ ብልክዕ ከምኡ ዓይነት ቈላሕታ እዩ ኣድልዩዋ ነይሩ። ኣብ ካልእ ቦታ ኸኣ፡ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ኣብ ወጻኢ ሃገር ድሕሪ ምግልጋሎም ናብ ዓዶም ተመልሱ። ምስ ካልኦት ብሓደ ተኣኻኺቦም ተመክሮኦም ኪነግሩ ኸለዉ፡ ሓደ መንእሰይ ይሰምዖም ነበረ። እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ፡ ንሱ ንባዕሉ ናብ እተመደበሉ ወጻኢ ሃገር ንምኻድ ኪሸባሸብ ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ እቶም ሚስዮናዊ ንኪኸውን ባህጊ ዘሕደሩሉ ሰብ ሓዳርን ዕላሎምን ዘከረ።

2 እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ዅነታት፡ ምናልባት ብዛዕባ ሓደ ኣብ ህይወትካ ኣወንታዊ ጽልዋ ዘሕደረ ሰብ ወይ ብዛዕባ ንስኻ ጽልዋ ዘሕደርካሉ ሰብ ኣዘኻኺሩካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ዚግበር ዕላል፡ ወትሩ ንህይወት ሓደ ሰብ ይቕይሮ እኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ግን ንኻልኦት ከነተባብዓሉን ከነበራትዓሉን እንኽእል ኣጋጣሚ ኣሎና። ክእለታትናን ባህርያትናን ዜመሓይሽ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንኣሕዋትና ብዝያዳ ንኽንጠቕሞምን ንየሆዋ ብዝያዳ ንኸነገልግሎን ዜኽእለና ነገር እንተ ዚህሉ ባህ ኣይምበለካንዶ፧ የሆዋ ኸምኡ ዓይነት ውህበት ይህበና እዩ፣ እዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱሱ እዩ። (ሉቃ. 11:13) መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዚዓዪ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ዜደንፍዕ ባህ ዜብል ባህርያት ከም እነፍሪ እዩ ዚገብረና። እዚ ብሓቂ ዜደንቕ ውህበት እዩ።—ገላትያ 5:22, 23 ኣንብብ።

3. (ሀ) “ፍረ መንፈስ” ምፍራይና ንኣምላኽ ዜኽብሮ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 መንፈስ ቅዱስ ዜፍርዮ ባህርያት፡ ንባህርያት እቲ ምንጪ እቲ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዜንጸባርቕ። (ቈሎ. 3:9, 10) የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር” ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ ክርስትያናት ስለምንታይ ንኣምላኽ ንኺመስልዎ ኺጽዕሩ ኸም ዘለዎም ሓቢሩ እዩ። * (ዮሃ. 15:8) “ፍረ መንፈስ” ክንፈሪ ኸለና፡ ኣብ ኣዘራርባናን ኣብ ተግባራትናን ብንጹር ይርአ እዩ፣ እዚ እውን ብግዲኡ ንኣምላኽና ውዳሰ የምጽኣሉ። (ማቴ. 5:16) ፍረ መንፈስ ካብ ባህርያት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ብኸመይ ይፍለ፧ ንሕና ነቲ ፍረ እቲ ብኸመይ ክንፈርዮ ንኽእል፧ ከምኡ ምግባር፡ ኣጸጋሚ ኪዀነና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እተን ቀዳሞት ሰለስተ መዳያት ፍረ መንፈስ፡ ማለት ብዛዕባ ፍቕርን ሓጐስን ሰላምን ክንመያየጥ ከለና፡ ነዘን ዝዘርዘርናየን ሕቶታት ክንምርምረን ኢና።

ኣብ ዝለዓለ ስርዓት እተመስረተት ፍቕሪ

4. የሱስ ንሰዓብቱ ኸመይ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኼርእዩ እዩ ምሂርዎም፧

4 ብመንፈስ ቅዱስ እትፈሪ ፍቕሪ፡ ካብታ ኣብ ዓለም ልምድቲ ዝዀነት ዓይነት ፍቕሪ ኣጸቢቓ ትፍለ እያ። ብኸመይ እያ እትፍለ፧ ኣብ ዝለዓለ ስርዓት ስለ እተመስረተት እያ። የሱስ ነዚ ፍልልይ እዚ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ኣጕሊሕዎ እዩ። (ማቴዎስ 5:43-48 ኣንብብ።) ሓጥኣን እውን እንተ ዀኑ ንዝገበረሎም ከም ዚገብሩ፡ ብጽቡቕ ንዝሓዞም ከኣ ብጽቡቕ ከም ዚሕዙ ገሊጹ እዩ። ከምዚኣ ዓይነት “ፍቕሪ” ናይ ሓቂ መስዋእቲ ኣይትሓትትን እያ፣ ንዝጠቐመካ ኻብ ምጥቃም እትሓልፍ እውን ኣይኰነትን። ኰይኑ ግን፡ ‘ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦና’ ኽንከውን እንተ ደሊና፡ ካብዚ እተፈለና ኽንከውን ኣሎና። ንሰባት ከምቲ ዚሕዙና ጥራይ ጌርና ኣብ ክንዲ እንሕዞም፡ ነቲ የሆዋ ንሰባት ዚሕዘሉን ዚርእየሉን መገዲ ኽንቀድሕ ኢና እንደሊ። ብኸመይ ኢና ግን ከምቲ የሱስ ዝኣዘዘና ንጸላእትና ኽንፈቱ እንኽእል፧

5. ነቶም ዚሰጕጉና ፍቕሪ ኸነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት እስከ ንርአ። ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጲ ኼገልግሉ ኸለዉ ተኣሲሮም ተዘብጡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ኣብ ጕንዲ ተኣስሩ። እቲ ሽዑ ዝኣሰሮም ሓላው እሱራት ኣጋፊዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ እሞ፡ ብሃንደበት ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ምስ ተፈትሑ፡ እቲ ሓላው እሱራት ኢዱ ዚረኽበሉ ኣጋጣሚ ስለ እተፈጥረ ተሓጒሶምዶ፧ ኣይፋሎምን። ድሕንነት እቲ ሓላው እሱራት ስለ ዘተሓሳሰቦም፡ በታ ዝነበረቶም ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ተደሪኾም፡ ምእንታኡ ኺብሉ ቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰዱ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ሓላው እሱራትን ስድራ ቤቱን ኣመንቲ ዀኑ። (ግብ. 16:19-34) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋት እውን፡ ነቲ “ንዚሰጉኹም መርቑ” ዚብል ምኽሪ ስዒቦምዎ እዮም።—ሮሜ 12:14

6. ንኣሕዋትና፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ኣብ ገጽ 21 ዘላ ሳጹን ርአ።)

6 ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ዘላትና ፍቕሪ፡ ካብቲ ንኻልኦት እነርእዮም ፍቕሪ ትበልጽ እያ። “ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣና እዩ።” (1 ዮሃንስ 3:16-18 ኣንብብ።) መብዛሕትኡ እዋን፡ ብንኣሽቱ ነገራት እውን ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብቓል ወይ ብተግባር ንሓውና እንተ ኣጕሂናዮ፡ ሰላም ንኽንገብር ተበግሶ ብምውሳድ፡ ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 5:23, 24) ሓደ ሰብ ንዓና እንተ ኣጕህዩናኸ፧ ‘ንይቕሬታ ድሉዋት’ ዲና፡ ወይስ ቂም ንሕዝ ኢና፧ (መዝ. 86:5) እታ ብመንፈስ ቅዱስ እትፈሪ ሃልሃል እትብል ፍቕሪ፡ ንንኣሽቱ ጌጋታት ንኽንከድን፡ ማለት ‘ከምቲ ጐይታ ይቕረ ዝበለልና’ ንኻልኦት ይቕረ ንኽንብለሎም ክትሕግዘና ትኽእል እያ።—ቈሎ. 3:13, 14ትርጕም 1990፣ 1 ጴጥ. 4:8

7, 8. (ሀ) ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ ምስታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ትተኣሳሰር፧ (ለ) ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነዕምቛ ንኽእል፧ (ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

7 ንኣሕዋትና፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸነሕድር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብምዕማቝ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። (ኤፌ. 5:1, 2፣ 1 ዮሃ. 4:9-11, 20, 21) ብንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ብኣስተንትኖን ብጸሎትን ኣቢልና ምስ የሆዋ እነሕልፎ ግዜ፡ ንልብና ብትብዓት ይመልኦ፡ ነታ ንሰማያዊ ኣቦና ዘላትና ፍቕሪ እውን የሐይላ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ግዜ ኽንዕድግ ኣሎና።

8 ነዚ ብኣብነት ንምብራህ፦ ኣብ መዓልቲ፡ ኣብ እተወሰነ ሰዓት ጥራይ፡ ቃል ኣምላኽ ከተንብብን ብዛዕባኡ ኸተስተንትንን ናብ የሆዋ ኽትጽልን ከም ዚከኣል ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብቲ ምስ የሆዋ እተሕልፎ ግዜ ዋላ ሓንቲ ነገር ምእንቲ ኸይዓናቕፈካ፡ ነቲ ግዜ እቲ ተጠንቂቕካ ኣይምሓለኻዮንዶ፧ ልክዕ እዩ፡ ነቲ ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ጸሎት ኪዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን፣ መብዛሕትና ኸኣ ኣብ ዝደለናዮ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግን፡ እቲ ዕንክሊል ኬብለና ዚውዕል ዕለታዊ ንጥፈታትና፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ እነሕልፎ ብሕታዊ ግዜ ኸይወስዶ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። እሞኸ ንየሆዋ ምእንቲ ኽትቀርቦ፡ መዓልታዊ ብእተኻእለካ መጠን ሰፊሕ ግዜ ትዕድግ ዲኻ፧

“ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ”

9. እታ ብመንፈስ ቅዱስ እትፈሪ ሓጐስ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እውን ከይተረፈ እያ እትፈሪ፧

9 ፍረ መንፈስ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን እዋን ኣይቀያየርን እዩ። እታ ኻልአይቲ መዳይ ፍረ መንፈስ ዝዀነት ሓጐስ፡ ሓደ ኻብቲ ነዚ እተጕልሕ ባህርይ እያ። ሓጐስ ከም ሓንቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት እውን ከይተረፈ እትጭብጭብ ሓያል ተኽሊ እያ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከቡ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል [ተቐቢሎምዎ]” እዮም። (1 ተሰ. 1:6) ገሊኦም ከኣ፡ ጸገምን መከራን የጋጥሞም እዩ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ፡ ‘ብሓጐስ ንኺጸንዑን ንኺዕገሱን’ ሓይሊ ይህቦም እዩ። (ቈሎ. 1:11) ምንጪ እዛ ሓጐስ እዚኣ እንታይ እዩ፧

10. ምንጪ ሓጐስና እንታይ እዩ፧

10 ካብ የሆዋ እንረኽቦ መንፈሳዊ መዝገብ፡ ከምቲ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እትህቦ “ሓላፊ ሃብቲ” ዘይኰነስ፡ ነባሪ ጥቕሚ ኣለዎ። (1 ጢሞ. 6:17፣ ማቴ. 6:19, 20) የሆዋ፡ ዜሐጕስ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሂቡና እዩ። ክፍሊ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ክርስትያናት ኣሕዋትና ምዃንና የሐጕሰና እዩ። ልዕሊ ዅሉ፡ ሓጐስና ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እተመስረተ እዩ። ከምቲ እናተሃድነ ኺነብር እተገደደ ኽነሱ፡ ንየሆዋ ብመዝሙር ዝወደሶ ዳዊት ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት እዩ ዘሎና፣ ንሱ፡ “ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፡ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን። ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ . . . እየ” በለ። (መዝ. 63:3, 4) ዋላ እውን መከራ የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ልብና በቲ ተሓጒስና ንየሆዋ እነቕርቦ ውዳሰ ኺምላእ እዩ።

11. ንየሆዋ ተሓጒስና ኸነገልግሎ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ፊል. 4:4) ክርስትያናት ንየሆዋ ተሓጒሶም ኬገልግልዎ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ምስቲ ሰይጣን ንልዑላውነት የሆዋ ብዚምልከት ዘበገሶ ጕዳይ ስለ ዚተሓሓዝ እዩ። ሰይጣን፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ ብፍታው ከም ዘየገልግሎ እዩ ዚማጐት። (እዮ. 1:9-11) ንየሆዋ፡ ብግዴታ ኸይተሓጐስና ነገልግሎ እንተ ዄንና፡ መስዋእቲ ምስጋናና ጐደሎ እዩ ዚኸውን። ስለዚ፡ ነቲ ሓደ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ” ኢሉ ዝሃቦ ማዕዳ ኽንስዕቦ ንጽዕር ኢና። (መዝ. 100:2) ብሓጐስን ብፍታውን ዚቐርብ ኣገልግሎት፡ ንኣምላኽ የኽብሮ እዩ።

12, 13. ኣሉታዊ ስምዒታት ንምስናፍ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

12 ይኹን እምበር፡ ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፉ፡ ዚድቈሱሉን ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኺሕዙ ዚቃለሱሉን እዋናት ኣሎ። (ፊል. 2:25-30) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ኤፌሶን 5:18, 19፡ “ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም” ትብል። ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ክንዓየሉ ንኽእል፧

13 ኣሉታዊ ስምዒታት ኬጨንቐና ኸሎ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ክንልምኖን ብዛዕባ ንእዶ ኸነስተንትንን ንኽእል ኢና። (ፊልጲ 4:6-9 ኣንብብ።) ገሊኦም ሰባት መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ቀስ ኢሎም ምዝማሮም፡ ንመንፈሶም ኣለዓዒልዎን ሓሳባቶም ንኺቈጻጸሩ ኣኽኢልዎምን እዩ። ሓደ ብሰንኪ እቲ ዘሕለፎ ኸቢድ ፈተና ብዙሕ ግዜ ዚበሳጮን ዚጕህን ዝነበረ ሓው፡ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ኣብ ርእሲ እቲ ስሩዕን ልባውን ጸሎት፡ ሒደት መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ሸምደድኩ። ነዚ ንየሆዋ ዚቐርብ ባህ ዜብል ውዳሰ ዓው ኢለ ወይ ቀስ ኢለ ኽዝምር ከለኹ፡ ኣብ ልበይ ሰላም ይሰፍን ነበረ። ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ እውን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢላ እያ ወጺኣ። ኣብታ እትቕጽል ዓመት ክልተ ሳዕ ኣንበብክዋ። ንልበይ ከም ዜረስርስ ፈውሲ እያ ዀይናትኒ። የሆዋ ንጻዕርታተይ ከም ዝባረኾ እፈልጥ እየ።”

“ማእሰር ሰላም”

14. እንታይ መዳይ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዚፈሪ ሰላም እዩ ጐሊሑ ዚርአ፧

14 ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባታትና፡ ካብ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ እተኣኻኸቡ ኣኼበኛታት ብክርስትያናዊ ሕውነት ባህ ይብሎም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት፡ ንሓደ መዳይ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዜስተማቕርዎ ሰላም እዩ ዜጕልሕ፣ እዚ ድማ ዓለምለኻዊ ሓድነት እዩ። ንሓድሕዶም ኪጻልኡ ትጽቢት ዚግበረሎም ሰባት፡ ‘ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ገይሮም ንኺሕልውዎ ኺጋደሉ’ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ተመልከትቲ ይግረሙ እዮም። (ኤፌ. 4:3) ብዙሓት እንታይ ኪሰግሩ ኸም ዝነበሮም ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና፡ እዚ ሓድነት እዚ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ።

15, 16. (ሀ) ጴጥሮስ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧ ኣረኣእያኡ በዳሂ ዀይንዎ ዝነበረኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንጴጥሮስ፡ ኣረኣእያኡ ንኼዐሪ ብኸመይ ሓገዞ፧

15 ኣብ መንጎ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ሓድነት ምፍጣር በዳሂ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድነት ንምርካብ እንታይ ኪስገር ከም ዚግባእ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከም ኣብነት ንውሰዶ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ “ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናብ ቤቱ ኺአቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ” ብዚብል ቃላት ገሊጽዎ ኣሎ። (ግብ. 10:24-29፣ 11:1-3) ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ልሙድ ኣረኣእያ፡ ንኣይሁድ ጥራይ ኬፍቅር ብሕጊ ሙሴ ኸም እተኣዘዘ እዩ ዚኣምን ነይሩ። ንኣህዛብ ከም ጸላእቲ ገይሩ ኺርኢ ንቡር ከም ዝዀነ ገይሩ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። *

16 ጴጥሮስ ናብ ቤት ቆርኔሌዎስ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሸቝረረ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብዛዕባ ኣህዛብ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዝነበሮ ሰብ፡ “ብማእሰር ሰላም” ‘ኪተሓሓዝን ኪተኣሳሰርን’ ክኢሉዶ፧ (ኤፌ. 4:3, 16) እወ፡ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ መንፈስ ኣምላኽ ንጴጥሮስ ልቡ ኸፈተሉ፣ ኣረኣእያኡ ንኼዐርን ኣሉታዊ ኣመለኻኽታኡ ንኼሰንፍን ድማ ኣኽኣሎ። የሆዋ ብራእይ ኣቢሉ፡ ብዛዕባ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ ብዓሌት ወይ ብዜግነት ከም ዘይጽሎ ኣነጸረሉ። (ግብ. 10:10-15) ስለዚ ድማ፡ ጴጥሮስ ንቆርኔሌዎስ፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” ኢሉ ኺዛረቦ ኸኣለ። (ግብ. 10:34, 35) ጴጥሮስ ተለወጠ፣ ምስ ክርስትያናዊ “ሕውነት” ከኣ ናይ ሓቂ ሓድነት ኪህልዎ ኸኣለ።—1 ጴጥ. 2:17

17. ሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ ዜደንቕ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

17 ጴጥሮስ ዘሕለፎ ተመክሮ፡ ነቲ ሎሚ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዚግበር ዘሎ ዜደንቕ ለውጢ ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። (ኢሳይያስ 2:3, 4 ኣንብብ።) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ኻብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ” ሰባት፡ ምስቲ “ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ” ተሰማሚዖም ምእንቲ ኺነብሩ ኢሎም ኣተሓሳስባኦም የዐርዩ ኣለዉ። (ራእ. 7:9፣ ሮሜ 12:2) ሓያሎ ኻብዚኣቶም በቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ጽልእን ሻራን እተጸልዉ እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ ብመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስን፡ “ናይ ሰላም ነገር” ኪስዕቡ ኽኢሎም እዮም። (ሮሜ 14:19) ሓድነቶም ከኣ ንኣምላኽ ውዳሰ የምጽኣሉ ኣሎ።

18, 19. (ሀ) ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ሰላምን ሓድነትን ንምድንፋዕ ብኸመይ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

18 ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ሰላምን ሓድነትን ንምድንፋዕ ብኸመይ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል፧ ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት፡ ወጻእተኛታት ክርስትያናት ይርከቡ እዮም። ገሊኦም እተፈልየ ባህሊ ኺህልዎም፡ ወይ ቋንቋና ኣጸቢቖም ዘይዛረቡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣጸቢቕና ኽንፈልጦም ንጽዕር ዲና፧ ቃል ኣምላኽ ከምኡ ኽንገብር እዩ ዚምሕጸነና። ጳውሎስ ነቶም ካብ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ዚርከብዎም ኣብ ጉባኤ ሮሜ ዝነበሩ ኣመንቲ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ” በሎም። (ሮሜ 15:7) ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ እትደሊ ኣብ ጉባኤኻ ዚርከብ ክርስትያን ኣሎዶ፧

19 መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ኺዓዪ ምእንቲ ኸነፍቅደሉ እንታይ ተወሳኺ ነገር ክንገብር ንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነቲ ዝተረፈ መዳያት ፍረ መንፈስ ክንመያየጠሉ ኸለና፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኽንረኽበላ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ፍረ፡ ን“ፍረ መንፈስ” ኰነ ነቲ ክርስትያናት ብዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሎም ንኣምላኽ ዜቕርብዎ “ፍረ ኸናፍር” የጠቓልል።—እብ. 13:15

^ ሕ.ጽ. 15 ዘሌዋውያን 19:18፡ “ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ትብል። መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ እተን “ደቂ ህዝብኻ”ን “ብጻይካ”ን ዚብላ ቓላት፡ ንኣይሁድ ጥራይ ከም ዜመልክታ ይኣምኑ ነበሩ። እስራኤላውያን ካብ ካልኦት ኣህዛብ ኪፍለዩ ኸም ዘለዎም፡ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ዜስፋሕፍሕዎ ዝነበሩ ኣረኣእያ፡ ማለት ኣይሁድ ንዘይኰኑ ዘበሉ ዝነበረ ጽልኢ ኣይድግፎን እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንኣሕዋትና፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ንኣምላኽ ተሓጒስና ኸነገልግሎ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ሰላምን ሓድነትን ንምድንፋዕ ብኸመይ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

“እዚኣቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዮም”

ቢትዊን ረዚስታንስ ኤንድ ማርቲርዱም—ጂሆቫስ ዊትነስስ ኢን ዘ ሰርድ ራይኽ (ኣብ መንጎ ተቓውሞን ሰማእትነትን—ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሳልሳይ ራይኽ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ሓደ መንእሰይ ኣይሁዳዊ እሱር ዝሃቦ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። እቲ ኣይሁዳዊ ናብ መዳጐኒ ደምበ ኖይንጋም ምስ በጽሐ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈለማ ግዜ እተራኸበሉ ኣጋጣሚ ኸምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦

“ካብ ዳካው ዝመጻእና ኣይሁድ ናብቲ መረባዕ ምስ ኣተና፡ እቶም ካልኦት ኣይሁድ ካብቲ ዘለዎም ንኸየማቕሉና ኢሎም፡ ኪሓብእዎ ጀመሩ። . . . ኣብ ወጻኢ [እቲ መዳጐኒ ደምበ]፡ ንሓድሕድና ንደጋገፍ ኔርና። ኣብዚ ግን፡ ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ ምስ ኰነ፡ ኵሉ ንኻልኦት ሓዲጉ፡ መጀመርታ ረርእሱ ኼድሕን እዩ ዚጽዕር። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ እሞ ሕሰብዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሻምብቆታት ማይ እናጸገኑ ኣበርቲዖም ይዓዩ ነበሩ። ኵነታት ኣየር ቈራሪ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ቀዝሒ ዝዀነ ማይ ከኣ ምሉእ መዓልቲ ደው ኢሎም ይውዕሉ ነበሩ። ነዚ ብኸመይ ኪጻወርዎ ኸም ዝኸኣሉ ዋላ ሓደ ኺርድኦ ኣይከኣለን። የሆዋ ኸም ዜበርትዖም ይዛረቡ ነይሮም። ከማና ጠምዮም ስለ ዝነበሩ፡ እንጌራኦም ብሓቂ የድልዮም ነበረ። እንታይ ግን እዮም ዚገብሩ ዝነበሩ፧ ኵሉ ዘለዎም እንጌራ ብሓደ ኣኪቦም፡ ፍርቁ ንርእሶም፡ ፍርቁ ኸኣ ነቶም ካብ ዳካው ዝመጹ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ሃብዎም። ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎም ከኣ፡ ሰዓምዎም። ቅድሚ ምብላዖም፡ ጸለዩ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኵሎም ዕጉባትን ሕጉሳትን ነበሩ። ጥሜቶም ከም ዝጠፍአ ተዛረቡ። ርኢኹም፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እየ፡ ‘እዚኣቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዮም’ ኢለ ዝሓሰብኩ።”

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ምእንቲ ኽትቀርቦ፡ ካብቲ ኻልእ ንጥፈታትካ መዓልታዊ ግዜ ትዕድግ ዲኻ፧