ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

• ገነት ኤድን ብሓቂ ዝነበረት ቦታ ምዃና ኽንኣምን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንገነት ኤድን ብሓቂ ዝነበረት ቦታ ገይሩ እዩ ዚጠቕሳ፡ ብዛዕባ እቲ ዝነበረትሉ ቦታ እውን ብንጹር ይገልጽ እዩ። ካብቶም ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ርባታት እቶም ክልተ፡ ክሳዕ ሎሚ ኣለዉ። ጽውጽዋይ ግን ከምዚ ዓይነት ዝርዝር መግለጺ ኣይጠቅስን እዩ። እቲ እሙን ምስክር ዝዀነ የሱስ እውን፡ ንኣዳምን ንሄዋንን ብሓቂ ኸም ዝነበሩ ሰባት ገይሩ እዩ ጠቒስዎም።—1/1፡ ገጽ 5-6, 9

• ኣምላኽ፡ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዚሓጥኡ ይፈልጥ ነይሩ ድዩ፧

ኣይፋሉን። የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ኣስተውዕሎን ናይ ምምራጽ ናጽነትን ስለ ዝሃቦም፡ ንኺእዘዙ ወይ ንኸይእዘዙ ኺመርጹ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ነቲ ኽእለቱ መሪጹ እዩ ዚጥቀመሉ።—1/1፡ ገጽ 13-15

• ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንስም ኣምላኽ ከም ክታብ ይጥቀምሉ ድዮም፧

ገሊኦም ሰባት ንሓደ ነገር ወይ ምልክት ከም ክታብ ወይ ካብ ክፉእ ከም ዜዕቍብ ሓይሊ ገይሮም ይርእይዎ እዮም፣ ህዝቢ ኣምላኽ ግን ንስም ኣምላኽ ከምኡ ገይሮም ኣይኰኑን ዚርእይዎ። ኣብ የሆዋ እምንቶ ብምሕዳርን ፍቓዱ ኺገብሩ ብምጽዓርን፡ ኣብ ስሙ ይምዕቈቡ እዮም። (ጸፎ. 3:12, 13)—15/1፡ ገጽ 5-6

• ኣብ እስራኤል ካብ ቅረማ ዚጥቀሙ ዝነበሩ መን እዮም፧

ኵሉ ሰብ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ነቶም ዚቕርሙ ድኻታት ሰባት፡ ትጉሃት ንኪዀኑ የተባብዖም ነበረ። ንኻልኦት ከኣ፡ ለጋሳትን ኣብ በረኸት ኣምላኽ ዚውከሉን ንኪዀኑ የተባብዖም ነበረ።—1/2፡ ገጽ 15

• የሆዋ ንንጉስ ሳኦል ዝነዓቖ ስለምንታይ እዩ፧

ሳኦል ንነብዪ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚጽበዮ፡ ባዕሉ ብድፍረት መስዋእቲ ሰውአ። ጸኒሑ ኸኣ፡ ንጸላእቲ ኣምላኽ ኬጥፍእ ንእተዋህቦ ትእዛዝ ኣይሓለወን።—15/2፡ ገጽ 22-23

• ዓመጻ ኸም እንጸልእ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

ኣልኮላዊ መስተ ብዘይምብዛሕ፡ ካብ ስሒራዊ ተግባራት ብምርሓቕ፡ ከምኡውን ነቲ የሱስ ብዛዕባ ርኽሰት ዝሃቦ መጠንቀቕታ ብምቕላብ፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ካብ ስእለ-ጽዩፍን ካብቲ ንሱ ኺፈጥሮ ዚኽእል ትምኒትን ንርሕቕ ኢና። (ማቴ. 5:27, 28) ብዘይካዚ፡ ምስ እተወገደ ሰብ ኣይንሓብርን ኢና።—15/2፡ ገጽ 29-32

• ነቲ ኣብ ዘመናዊት እስራኤል ብተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ እተረኽበ ቖፎ ንህቢ፡ ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ልዕሊ 30 ቖፎ ንህቢ ረኺቦም እዮም፣ ምሁራት ከም ዝገለጽዎ ኸኣ፡ ካብዚ ቖፎታት እዚ፡ ኣብ ዓመት ዳርጋ ፍርቂ ቶን መዓር ኪብርበር ይኽእል ነበረ። እዚ ኸኣ ኣብታ ኣምላኽ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ኢሉ ዝገለጻ ምድሪ፡ መንህብ፡ ማለት መፍረ ንህቢ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። (ዘጸ. 3:8)—1/3፡ ገጽ 15

• ኤርምያስ “ከምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለት፡ ሱራ . . . ዜሳፍሕ ኦም” ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ኤር. 17:7, 8)

ፍረ ኻብ ምፍራይ ኣየቋረጸን፡ ብመላገጽቲ ኺጽሎ እውን ኣይፈቐደን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቲ ምንጪ ህይወት ዚህብ ማይ ዝዀነ ኣምላኽ ጠበቐ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝነገሮ ነገራት ከኣ ኣብ ልቡ ኣሕደሮ።—15/3፡ ገጽ 14

• የሱስ ንማርታ፡ እቲ ዜድሊ ሓደ ጥራይ ምዃኑ ኺነግራ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ሉቃ. 10:41, 42)

ማርታ እምብዛ ኣብ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ተተኵር ከም ዝነበረት ይዛረብ ወይ ነቲ ጽቡቕ ምግቢ ንምድላው እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ የነኣእሶ ኣይኰነን ነይሩ። የግዳስ፡ ብዛዕባ እቲ ቐዳምነት ዝሃበቶ ነገራት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ማርታ እምነታ ኸተደልድል ዜኽእላ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ዜምልጣ ነይሩ።—1/4፡ ገጽ 12-13

• የሱስ ኪፍረድ ከሎ እተገብረ ገሊኡ ዘይሕጋዊ ነገራት እንታይ እዩ ነይሩ፧

እቲ ቤት ፍርዲ ንየሱስ ብናጻ ንምስዳድ፡ መጐተ ኣይሰምዐን። እቶም ካህናት ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣናደዩ። ጕዳይ የሱስ፡ ምሸት እዩ ተመርሚሩ። እቲ መርመራ፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ተጀሚሩ እዩ ተዛዚሙ።—1/4፡ ገጽ 20