ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንቢት 3. ፌራ

ትንቢት 3. ፌራ

ትንቢት 3. ፌራ

“ፌራ . . . ኪኸውን እዩ።”—ሉቃስ 21:11

● ብውግእ ሓድሕድ ኣብ እተሓመሰት ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ተሓጋጋዚ ሓኪም ኰይኑ ዚዓዪ ቦንዛሊ፡ ማርበርግ * ብዚበሃል ሕማም ንዚሞቱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ማዕድን ንምሕጋዝ ዚከኣሎ ገበረ። ካብቶም ኣብ ከተማ ዚነብሩ ሰበ-ስልጣን ሓገዝ እኳ እንተ ሓተተ፡ ምላሽ ግን ኣይረኸበን። ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ሓገዝ ተረኽበ። ኣብቲ እዋን እቲ ግን፡ ቦንዛሊ ኻብቶም ዚሕክሞም ዝነበረ ዓደንቲ፡ ሕማም ማርበርግ ሒዝዎ ሞይቱ ነበረ።

መርትዖታት እንታይ ይሕብር፧ ረኽሲ ኣካላት ምስትንፋስ (ንኣብነት፡ ነድሪ ሳምቡእ)፡ ውጽኣት ዜስዕብ ሕማማት፡ ኤች. ኣይ. ቪ./አይድስ፡ ዓባይ ሰዓል፡ ዓሶ ቐንዲ ኻብቶም ንደቂ ሰብ ዜጥቅዑ ቐተልቲ ሕማማት እዮም። ኣብ 2004 ጥራይ፡ እዚ ሓሙሽተ ሕማማት እዚ፡ ብግምት 10.7 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ቀቲሉ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ኻልኢት ሓደ ሰብ ብሰሪ እዚ ሕማማት ሞይቱ እዩ።

ብተደጋጋሚ ዚስማዕ ተቓውሞ እንታይ እዩ፧ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ይዓቢ ስለ ዘሎ፡ ብዙሕ ሕማም ምህላዉ ዜገርም ኣይኰነን። ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎ፡ ብዙሕ ሰብ ኪሓምም ይኽእል እዩ።

እዚ ተቓውሞ እዚ ርትዓዊ ድዩ፧ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ብዜገርም መገዲ ይዓቢ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰብ እውን ንፌራ ናይ ምምርማርን ምቍጽጻርን ምሕካምን ክእለቶም ኣዕብዮም እዮም። እሞኸ ፌራ ወይ ሕማም ኣብ ደቂ ሰብ ዜሕድሮ ጽልዋ ኺንኪ ኣይምተገብአንዶ፧ እቲ ዚርአ ዘሎ ዅነታት ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ፡ ሰባት ብፌራ ይሳቐዩ ድዮም ዘለዉ፧

ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ሰባት ከቢድ ጕድኣት ዜውርድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ሓይልታት እዩ። ሚልዮናት ሰባት ግን፡ ብኻልኦት ሰባት፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን በቶም ኪከላኸሉሎም ዚግብኦም ሰባት፡ መጥቃዕቲ ይወርዶም እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢት፡ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ማርበርግ፡ ውሽጣዊ መድመይትን ረስንን ዚፈጥር ምስ ኢቦላ ዚዛመድ ቫይረስ እዩ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ብኣንበሳ ወይ ብኻልእ ኣራዊት ክትብላዕ ዜስካሕክሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ንስኻን ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ኻልኦትን ብደቀቕቲ ተህዋስያን ክትብልዑ ምርኣይ እውን ዜስካሕክሕ እዩ።”—ሚካኤል ኦስትርሆልም፡ ተላበድቲ ሕማማት ዜጽንዕ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© William Daniels/Panos Pictures