ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ማሕተማት ካይላ እተረኽበ ስማት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እተጠቕሰ ስማት ዘለዎ ንጽጽር ከመይ እዩ፧

ጥንቲ፡ ወግዓዊ ሰነዳት ምስ ተጻሕፈ፡ ተጠቕሊሉ ብድባራ ይእሰር ነበረ፣ ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ቝጻሩ፡ ጭቃ ኻይላ ይግበረሉ እሞ፡ ኣብኡ ይሕተም ነበረ። ማሕተም፡ ንምኽታምን ንምምስካርን ንሰነዳት ሕጋውነት ንምልባስን የገልግል ነበረ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ማሕተም ዘለዎ ቐለቤት ይስራሕ ነበረ፣ እዚ ድማ ኣኽቢርካ ዚርአ ንብረት እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 38:18፣ ኣስቴር 8:8፣ ኤርምያስ 32:44) መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ማሕተም፡ ስም እቲ ዋናኡን ስልጣኑን ስም ኣቦኡን ይሕዝ ነበረ።

ተመራመርቲ፡ ብኣማእታት ዚቝጸር ኣሰር ማሕተም ረኺቦም እዮም። ገሊኡ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዚርከቡ ሰባት ስም ኣለዎ። ንኣብነት፡ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ናይ ክልተ ነገስታት ይሁዳ ተባሂሉ ዚእመነሉ ኣሰር ማሕተም ረኺቦም ኣለዉ። ሓደ ኻብቲ ጽሑፍ፡ “ናይ ኣሃዝ [ወዲ] ዮታም፡ ንጉስ ይሁዳ” ይብል። እቲ ኻልእ ከኣ፡ “ናይ ህዝቅያስ [ወዲ] ኣሃዝ፡ ንጉስ ይሁዳ” ይብል። (2 ነገስት 16:1, 20) ኣሃዝን ህዝቅያስን ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. እዮም ዚገዝኡ ነይሮም።

ምሁራት፡ ሓያሎ ኻልእ ኣሰራት ማሕተም መርሚሮም እዮም፣ ወነንቲ እቲ ኣሰራት ማሕተም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ሰባት ከም ዝነበሩ እዩ ዚእመን። ገለ ኻብዚኣቶም ከኣ፡ ኣብቲ ኤርምያስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ዚርከቡ፡ ከም እኒ ባሩኽ (ጸሓፊ ኤርምያስ)፡ ገማርያ (“ወዲ ሻፋን”)፡ ይራሕሚኤል (“ወዲ ንጉስ”)፡ ዩካል (“ወዲ ሸልምያ”)፡ ሰራያ (ሓው ባሩኽ) ኪጥቀሱ ይከኣሉ።—ኤርምያስ 32:12፣ 36:4, 10, 26፣ 38:1፣ 51:59

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ውሽጢ መዓልቲ ዚርከብ እተፈላለየ እዋናት ብኸመይ ይፍለጥ ነበረ፧

▪ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ከም “ጊሓት፡” “ፍርቂ መዓልቲ፡” “ቀትሪ፡” “ምሸት” ዝኣመሰለ ቓላት ይጥቀም እዩ። (ዘፍጥረት 24:11፣ ዘዳግም 28:29፣ 1 ነገስት 18:26) እብራውያን ንለይቲ፡ ኣኣርባዕተ ሰዓት ናብ ዘለዎ ሰለስተ ሓለዋ ይኸፋፍልዎ ነበሩ፣ ጸኒሖም ግን ኣርባዕተ ሓለዋ ናብ ዘለዎ ናይ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ስርዓት ቀየሩ። የሱስ፡ “እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ [ምዃኑ ስለ ዘይትፈልጡ] . . . ንቕሑ” ኺብል ከሎ፡ ነቲ ዳሕረዋይ ሜላ ኣከፋፍላ ግዜ ይጥቀም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ማርቆስ 13:35) እቲ “ምሸት” ተባሂሉ ዘሎ ሓለዋ፡ ጸሓይ ካብ እትዓርበሉ እዋን ጀሚሩ፡ ክሳዕ ሰዓት 9:00 ምሸት እዩ ነይሩ። እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ሓለዋ፡ ፍርቂ ለይቲ የብቅዕ ነበረ፣ እቲ “ደርሆ ነቆ” ተባሂሉ ዘሎ ሳልሳይ ሓለዋ ኸኣ፡ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ይቕጽል ነበረ። እቲ “ንግሆ” ተባሂሉ ዘሎ ናይ መወዳእታ ሓለዋ ድማ፡ ጸሓይ ክሳዕ እትበርቕ ይቕጽል ነበረ። የሱስ “ብራብዓይ ምቃል ለይቲ” እዩ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ብማየ ማይ ዝኸደ።—ማቴዎስ 14:23-26

ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እታ “ሰዓት” እትብል ቃል፡ ሓንቲ ኻብ ዓሰርተው ክልተ ኽፋል እታ ኻብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ጸሓይ ዘላ መዓልቲ ተመልክት። (ዮሃንስ 11:9) ኣብ እስራኤል ጸሓይ እትበርቀሉን እትዓርበሉን ሰዓት ከከም ወቕቱ ስለ ዚቀያየር፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከም “ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ” ዚብል ግምታዊ ግዜ እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:9

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ስም ህዝቅያስን ስም ኣሃዝን ዝሓዘ ማሕተም ካይላ (ኣብ ቅድሚት)፡ ምናልባት ስም ባሩኽ ዝሓዘ ማሕተም ካይላ (ኣብ ድሕሪት)

[ምንጭታት ስእሊ]

Back: Courtesy of Israel Museum, Jerusalem

Front: www.BibleLandPictures.com/Alamy

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብግዜ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ሰዓት ጸሓይ (27 ቅ.ክ.–476 ድ.ክ.)

[ምንጪ ስእሊ]

© Gerard Degeorge / The Bridgeman Art Library International