ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. እከይ ብኸመይ ጀመረ፧

እከይ ኣብ ምድሪ ዝጀመረ፡ ሰይጣን ንፈለማ እዋን ምስ ሓሰወ እዩ። ሰይጣን፡ ኪፍጠር ከሎ እኩይ ኣይነበረን። እኳ ደኣስ፡ ፍጹም መልኣኽ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግን፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን።” (ዮሃንስ 8:44) ነቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ኣምልኾ ንርእሱ ደለዮ። ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ሓሰዋ፡ ካብ ንኣምላኽ ንዕኡ ኸም እትእዘዞ ድማ ገበረ። ኣዳም እውን ምስ ሰበይቱ ሓቢሩ ኻብ ኣምላኽ ዓለወ። እቲ ኣዳም ዝገበሮ ውሳነ ኸኣ፡ እከይን መከራን ኣስዓበ።—ዘፍጥረት 3:1-6, 17-19 ኣንብብ።

ሰይጣን ንሄዋን፡ ንኣምላኽ ከይትእዘዞ ኺሓብላ ኸሎ፡ ኣንጻር ልዑላውነት ኣምላኽ እዩ ዕልወት ዜለዓዕል ነይሩ። መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ምስ ሰይጣን ሓቢሮም ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ነጺጎምዎ እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዀነ።—ዮሃንስ 14:30፣ ራእይ 12:9 ኣንብብ።

2. ኣምላኽ ንፍጡራቱ ምስ ጕድለቶም ድዩ ፈጢርዎም፧

እቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም ደቂ ሰብን መላእኽትን፡ ንመለክዒታት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪእዘዙ ኽእለት ነይርዎም እዩ። (ዘዳግም 32:5) ኣምላኽ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ፈሊና ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። እዚ ናጽነት እዚ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ።—ያእቆብ 1:13-15፣ 1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።

3. ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ነቲ ኣንጻር ልዑላውነቱ እተላዕለ ዕልወት ንእተወሰነ ግዜ ተዓጊስዎ እዩ። ስለምንታይ፧ ንኣገዛዝኣኡ ነጺግካ ብርእስኻ ምምራሕ፡ ንደቂ ሰብ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ኸም ዘየምጽኣሎም ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) እዚ ሓቂ ኸም ዝዀነ ድማ፡ ኣብቲ 6,000 ዓመት ዝገበረ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ እዩ። ሰብኣውያን ገዛእቲ፡ ውግእ፡ ገበን፡ ምጕዳል ፍትሒ ዀነ ሕማም ኬወግዱ ኣይከኣሉን።—መክብብ 7:29፣ 8:9፣ ሮሜ 9:17 ኣንብብ።

ብኣንጻሩ ግን፡ እቶም ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ እተቐበሉ ሰባት ተጠቒሞም እዮም። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን እዩ። እቶም ኣምላኽ ኪገዝኦም ዝመረጹ ሰባት ጥራይ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።—ኢሳይያስ 2:3, 4፣ 11:9፣ ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

4. ትዕግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና፧

ሰይጣን፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዚእዘዞ ሰብ ከም ዘይህሉ እዩ ገሊጹ። ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ምዕጋሱ፡ ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ወይ ንኣገዛዝኣ ደቂ ሰብ ክንመርጽ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። ምርጫና ድማ ብኣነባብራና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።እዮብ 1:8-11፣ ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።

5. ንኣምላኽ ገዛኢና ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ እንደልዮን ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎን፡ ንኣምላኽ ከም ገዛኢና ጌርና ንቕበሎ ኣሎና ማለት እዩ። (ዮሃንስ 4:23) ብዘይካዚ፡ ከም የሱስ ኣብ ፖለቲካን ውግእን ኢድና ኣይነእቱን ኢና።—ዮሃንስ 17:14 ኣንብብ።

ሰይጣን ብሓይሉ ተጠቒሙ፡ ርኹስን ጐዳእን ተግባራት ንኺግበር ይደፋፍእ እዩ። ካብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክንርሕቕ ከለና፡ ገሊኦም ፈተውትናን ኣዝማድናን የላግጹልና ወይ ይቃወሙና ይዀኑ። (1 ጴጥሮስ 4:3, 4) ስለዚ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ምርጫ ኽንገብር የድልየና። እሞኸ ምስቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኽንሓብር ዲና፧ ነቲ ጥበብን ፍቕርን ዚንጸባረቐሉ ሕግታት ኣምላኽ ክንእዘዝ ዲና፧ ከምኡ እንተ ደኣ ጌርና፡ እቲ ሰይጣን፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ኸም ዘይገብር እተዛረቦ ቓል፡ ሓሶት ምዃኑ ኢና እነርኢ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 15:33 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳም ሕማቕ ምርጫ ገበረ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ምርጫና፡ ኣምላኽ ገዛኢና ኪኸውን ንደሊ እንተ ዄንና ይሕብር