ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽቡቕ ስሙ እተጣበቐሉ ሰላማዊ ህዝቢ

ንጽቡቕ ስሙ እተጣበቐሉ ሰላማዊ ህዝቢ

ንጽቡቕ ስሙ እተጣበቐሉ ሰላማዊ ህዝቢ

ንዜጋታት ሩስያ፦ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዚነብሩ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ በዚ ጽሑፍ እዚ ኣቢሎም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሓርነት ኣምልኾ ዚግበር ዘሎ መሰረት ዘይብሉ ጸቕጢ ኺፈልጡ እዮም። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኻብተን ኣብ መላእ ዓለም ዚሕተማ መጽሔታት፡ ብብዝሒ እትትርጐመሉ ቛንቋታትን ብዝርጋሐኣን ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘት እያ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብ188 ቋንቋታት ክትወጽእ እያ። ልዕሊ 40 ሚልዮን ዚኸውን ቅዳሓት ኪሕተም እዩ። ገሊኦም ሰበ-ስልጣን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዛዕባ እቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሩስያ ዜጋጥሞም ዘሎ ነገራት ኪፈልጥ ኣይደልዩን ይዀኑ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ስዉር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን።”—ሉቃስ 12:2

ኣብ ታሕሳስ 2009 ከምኡውን ኣብ ጥሪ 2010፡ ኣብ ሩስያ ዚርከብ ክልተ ላዕለዎት ኣብያተ-ፍርዲ፡ ንእምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ጥሩፍ ገይሩ በየነ። ታሪኽ ዚድገም ዝነበረ እዩ ዚመስል። ሩስያ ብሰበ-ስልጣን ሶቭየት ትመሓደር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጌጋ ኸም ጸላእቲ ሃገር ጌርካ ይርኣዩ ነበሩ። ተሓዪሮምን ተኣሲሮምን ናብ ደምበታት ሸቕሊ ተወሲዶምን እዮም። ስርዓት ሶቭየት ምስ ወደቐ ግን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ቐሪብሎም ዝነበረ ኽሲ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዀኑ። ብወግዒ ኸኣ ጽቡቕ ስሞም ተመልሰሎም። * ሕጂ፡ ገሊኦም ሰባት እንደገና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምጥቃን ስራሐይ ኢሎም ዚንቀሳቐሱ ዘለዉ እዮም ዚመስሉ።

ኣብ መጀመርታ 2009 ሰበ-ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሓርነት ኣምልኾ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ጀመሩ። ኣብ ለካቲት ጥራይ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ሩስያ ልዕሊ 500 መርመራ ገበሩ። ዕላማ እቲ ወፈራ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጊ ኣፍሪሶም እንተ ዀይኖም ንምፍላጥ እዩ ነይሩ። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ውልቃዊ ኣባይትን ብሰላማዊ መገዲ ዚግበር ዝነበረ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ብፖሊስ ተወርረ። ጽሑፋትን ውልቃዊ ንብረትን ተገበተ። እቶም ሰበ-ስልጣን ድማ ነቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሕግዝዎም ዝነበሩ ኻብ ወጻኢ ዝመጹ ጠበቓታት ካብ ሩስያ ሰጐጕዎም፣ ናብታ ዓዲ ኸይምለሱ ኸኣ ከልከልዎም።

ብ5 ጥቅምቲ 2009፡ ሰበ-ስልጣን ጉምሩኽ ኣብ ጥቓ ዶብ ሰይንት ፒተርስበርግ ንዝነበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዝሓዘ ጽዕነት ከይሓልፍ ከልከሉ። እቲ ጽሑፋት ኣብ ጀርመን እተሓትመን ኣብ ሩስያ ናብ ዚርከባ ሓያሎ ጉባኤታት እተላእከን እዩ ነይሩ። ሓደገኛ ኮንትሮባንድ ከይኣቱ ዚቈጻጸሩ ፍሉያት ጕጅለ ጉምሩኽ ሩስያ እዮም ነቲ ጽዕነት ፈቲሾምዎ። ስለምንታይ፧ ሓደ ወግዓዊ ሰነድ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ጽዕነት “ሃይማኖታዊ ጽልኢ ኼለዓዕል ዚኽእል ጽሑፋት ዝሓዘ ኸይከውን” ስለ እተሰግአ እዩ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቲ ብተደጋጋሚ ዚፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣብ ወሳኒ ደረጃ በጽሐ። ላዕለዎት ኣብያተ-ፍርዲ ፈደረሽን ሩስያን ሪፓብሊክ ኣልታይን (ክፋል ሩስያ) ንሓያሎ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እንተላይ ነዚ እተንብቦ ዘለኻ መጽሔት፡ ጽሑፋት ጥሩፋት ከም ዝዀነ ገለጸ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይግባይ እኳ እንተ በሉ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እውን ስግኣቱ እኳ እንተ ገለጸ፡ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣየፍረየን። ብይን እቲ ኣብያተ-ፍርዲ ኽሳዕ ሕጂ ስለ ዝጸንዐ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ምእታውን ምዝርጋሕን፡ ኣብ ሩስያ ብሕጊ ኽልኩል ኰይኑ ኣሎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ንስሞም ንምጽላምን ንንጥፈታቶም ንምግታእን እተገብረ ጻዕሪ እንታይ ምላሽ ሃቡሉ፧ ብይን እቲ ኣብያተ-ፍርዲኸ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ኵሎም ዜጋታት ሩስያ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

እናወሰኸ ይኸይድ ንዘሎ ምጕብዕባዕ እተዋህበ ቕልጡፍ ምላሽ

ዓርቢ 26 ለካቲት 2010፡ ኣስታት 160,000 ዚዀኑ ኣብ መላእ ሩስያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 12 ሚልዮን ቅዳሕ እታ ኩድ ኢት ሃፐን አጌን፧ አ ኰስችን ፎር ዘ ሲቲዘንስ ኦቭ ራሽያ (ዳግም የጋጥም ደዀን ይኸውን፧ ንዜጋታት ሩስያ ዝቐረበ ሕቶ) ዘርእስታ ፍልይቲ ትራክት ኪዝርግሑ ጀመሩ። ንኣብነት፡ ኣብታ ኡሶልየ-ሲቢርስኮየ እትበሃል ኣብ ሳይበርያ እትርከብ ከተማ ዚነብሩ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰዓት 5:30 ናይ ንግሆ ኣብ መገዲ ተኣከቡ። ገለ ኻባታቶም ብ1951 ብምኽንያት እምነቶም ናብ ሳይበርያ ተወሲዶም እተሓየሩ እዮም ነይሮም። ነተን እተዋህባኦም 20,000 ትራክት ንምዝርጋሕ፡ ነቲ ሽዑ ትሕቲ ዜሮ ኽሳዕ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ በጺሑ ዝነበረ ዛሕሊ ተጻዊሮም እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ንሰለስተ መዓልቲ እተኻየደ ወፈራ ቕድሚ ምጅማሮም፡ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ሩስያ ዝዀነት ሞስኮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሃቡ። ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ኺምድሩ እተዓደሙ ሰባት፡ ሚስተር ልየፍ ለቪንሶን ዝስሙ ኻብ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝመጸ ኽኢላ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናዚ ጀርመን ኰነ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ሶቭየት ዝወረዶም ዕሽነት ዝመልኦ መጥቃዕትን መስጐጕትን ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸ፣ ድሕሪ እቲ መስጐጕቲ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወግዒ ጽቡቕ ስሞም ከም እተመልሰሎም ከኣ ሓበረ። ወሲኹ ኸኣ፡ “ሩስያ ብሰበ-ስልጣን ሶቭየት ትመሓደር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ መስጐጕቲ ዝወረደን ኵለን ሃይማኖታት፡ ብመሰረት ኣዋጅ ፕረዚደንት የልሲን፡ ጽቡቕ ስመን ተመልሰለን። ኵሉ ዝጠፍአ ንብረተን እውን ተመልሰለን። ኣብ ትሕቲ ሕብረት ሶቭየት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብረት እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ጽቡቕ ስሞም ግን ተመሊሱሎም እዩ” በለ።

ሕጂ ድማ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ጽቡቕ ስም፡ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ኣሎ። ሚስተር ለቪንሶን፡ “እቶም ኣብዛ ጣዕሳኣ ዝገለጸት ሃገር ዚነብሩ ሰባት፡ መሰረት ዘይብሉ መስጐጕቲ ይወርዶም ኣሎ” በለ።

ንሰባት ዝጸለወ ወፈራ

በታ ትራክት እተገብረ ወፈራ ሸቶኡ ወቒዑዶ፧ ሚስተር ለቪንሶን፡ “ናብዚ [ጋዜጣዊ] መግለጺ ኽመጽእ ከለኹ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ደው መበሊ እቲ ናይ ትሕቲ ምድሪ ባቡር ኰይኖም፡ ነታ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ሩስያ ዚዝርግሕዋ ዘለዉ ንእሽቶ ፓምፍለት ኮፍ ኢሎም ኬንብብዋ ኸለዉ ርእየዮም እየ። . . . ሰባት ኮፍ ኢሎም የንብብዋ ኣለው፡ ተመሲጦም ከኣ የንብብዋ ኣለዉ” በለ። * ነዚ ዚስዕብ ተመክሮታት እስከ ንርአ።

ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኣብ ዚበዝሕዎ ኸባቢ ማእከላይ ሩስያ እትነብር ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ፡ ነታ ትራክት ተቐቢላ፡ ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ሓተተት። ብዛዕባ ኣብ ሩስያ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነትን ዚገልጽ ምዃኑ ምስ ተነግራ፡ “ኣብ መወዳእታኡስ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ዜስተብህለሉ ሰብ እምበኣር ተረኺቡ! ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሩስያ ናብ ግዜ ሕብረት ሶቭየት እያ ተመሊሳ ዘላ። ኣዝዩ ዚነኣድ ነገር ትገብሩ ስለ ዘለኹም፡ አመስግነኩም” በለት።

ኣብ ቸልያቢንስክ እትነብር እታ ትራክት እተዋህባ ሰበይቲ ኸምዚ በለት፦ “ነዛ ትራክት እዚኣ ኣቐዲመ ተቐቢለያን ኣንቢበያን እየ። ምሉእ ብምሉእ ከኣ ኣብ ጐድንኹም እየ። ንእምነቱ ኸምዚ ናትኩም ገይሩ ብእተወደበ መገዲ ዚከላኸል ሃይማኖት ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ኣከዳድናኹም እፈትዎ እየ፡ ኵሉ ግዜ ኸኣ ሜለኛታት ኢኹም። ድልድልቲ እምነት ከም ዘላትኩም ንጹር እዩ። ኣምላኽ ምሳኹም ከም ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”

ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ዚነብር እታ ትራክት ከም እተዋህበቶ ዝገለጸ ሰብኣይ፡ ነቲ ዘንበቦ እንተ ፈትይዎ ተሓትተ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “እወ ፈትየዮ። ከንብቦ ኸለኹ፡ ውሽጠይ ስለ እተተንከፈ፡ ነባዕኩ። ዓባየይ [ብግዜ ሕብረት ሶቭየት] ተገፊዓ እያ፡ ብዛዕባ እቶም ምስኣ እተኣስሩ ሰባት ከኣ ብዙሕ ትነግረኒ ነበረት። ብሰሪ ዝፈጸምዎ ገበን እተኣስሩ ብዙሓት ሰባት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብምኽንያት እምነቶም እተኣስሩ ንጹሃት ሰባት እውን ነይሮም እዮም። ኵሉ ሰብ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተፈጸመ ነገራት ኪፈልጥ ዘለዎ ዀይኑ ስለ ዚስምዓኒ፡ እዚ እትገብርዎ ዘለኹም ዚድገፍ እዩ።”

መጻኢ ሩስያ እንታይ ይመስል፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት ኣብ ሩስያ ዝነበሮም እተወሰነ ሓርነት ኣኽቢሮም ይርእይዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓርነት ብቐሊሉ ኺጠፍእ ከም ዚኽእል ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዜጋጥሞም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ጸለመ፡ ሩስያ ናብ መዋእል ጸልማት ትምለስ ከም ዘላ ዚሕብር እንተ ዀይኑ፡ ግዜ ዚምልሶ ጕዳይ እዩ።

ኰይኑ ግን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ነቲ ሰላምን ተስፋን ዝሓዘለ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምስባኽ ፈጺሞም ንኸየቋርጹ ቘሪጾም እዮም። እታ ፍልይቲ ትራክት ነዚ ቘራጽነቶም በዚ ዚስዕብ ቃላት ኣስፊራቶ ኣላ፦ “ጭቈና ፈጺሙ ኣይኪዕወትን እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ብሜላን ብኣኽብሮትን ካብ ምዝራብ ኣይከነቋርጽን ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:15) ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጀርመን ዝነበረ ዜስካሕክሕ ስርዓት ናዚ ኣየቋረጽናን፣ ኣብ ሃገርና ጭቈና ኣብ ዝነበረሉ ጸልማት እዋን ኣየቋረጽናን፣ ሕጂ እውን ኣይከነቋርጽን ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 4:18-20።”

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 3 ነታ፡  “ብወግዒ ጽቡቕ ስሞም ተመልሰሎም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 13 ካብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ ኣብ ሞስኮ ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሮ ነታ ትራክት ኪዝርግሓኣ ጀሚረን ነበራ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ቭላዲሚር ሊትቪን (ወዲ 81 ዓመት) ወዲ 14 ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተሓዪሩ ናብ ክራስኖያርስኪ ክረይ ተወስደ። ኣብታ ወፈራ እተገብረላ ዓርቢ፡ ሓደ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጊሆም ነታ ፍልይቲ ትራክት ኪዕድሉ ኸለዉ፡ ይመርሖም ነበረ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኒኮላይ ያሲንስኪ (ወዲ 73 ዓመት) ኣብቲ ወፈራ ብሃንቀውታ ተሳተፈ። “ብሓቂዶ እንደገና ኺሰጕጉናን ንየሆዋ ንምምላኽ ዘሎና መሰል ኬሕድጉናን እዮም፧” በለ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ስተፓን ለቪትስኪን (ወዲ 85 ዓመት) የሌና ሰበይቱን። ሓንቲ ቕዳሕ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ሒዙ ስለ እተረኽበ፡ ንዓሰርተ ዓመት ተኣስረ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ብወግዒ ጽቡቕ ስሞም ተመልሰሎም

ካብቶም ብዘመን ሶቭየት ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቶም ናይ መወዳእታ ብ1990 እዮም ተፈቲሖም። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ጸላእቲ ሃገር” ዘይምዃኖም፡ የግዳስ ንጹሃት ግዳያት ምዃኖም ዚሕብር ወግዓዊ ሰነዳት ምስ ተዋህቦም ተሓጒሶም እዮም። እዚ ሰነዳት እዚ፡ ነቲ ጽቡቕ ስሞም መሊሱሎም እዩ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

እዝስ ጽሑፋት ጥሩፋትዶ ይመስለካ፧

ካብቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደረሽን ሩስያ ኸም ናይ ጥሩፋት ገይሩ ዝመደቦ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ገለ እንሆ፦

መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት * (ላዕሊ)

ንየሆዋ ቕረቦ

ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክርኤሽን

ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ *

መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ *

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ *

እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ንኣምላኽን ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ኣኽብሮት ከም እተሕድር እዩ ዚገብር። ንኣንበብቲ፡ ናይ ምምዝዛን ክእለቶም ንኼማዕብሉን ነቲ ዚመሃርዎ ሰረተ-እምነታትን ፍልስፍናታትን ተጠንቂቖም ንኺምርምርዎን ይምህሮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋትሲ፡ ኪእገድ ዘለዎዶ ይመስለካ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 35 ነዚ ጽሑፋት እዚ፡ www.watchtower.org ኣብ ዚብል ወብ ሳይት ብሓያሎ ቛንቋታት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 38 ነዚ ጽሑፋት እዚ፡ www.watchtower.org ኣብ ዚብል ወብ ሳይት ብሓያሎ ቛንቋታት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 39 ነዚ ጽሑፋት እዚ፡ www.watchtower.org ኣብ ዚብል ወብ ሳይት ብሓያሎ ቛንቋታት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 40 ነዚ ጽሑፋት እዚ፡ www.watchtower.org ኣብ ዚብል ወብ ሳይት ብሓያሎ ቛንቋታት ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሓያል መልእኽቲ

እታ ኩድ ኢት ሃፐን አጌን፧ አ ኰስችን ፎር ዘ ሲቲዘንስ ኦቭ ራሽያ (ዳግም የጋጥም ደዀን ይኸውን፧ ንዜጋታት ሩስያ ዝቐረበ ሕቶ) ዘርእስታ ትራክት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥሩፋት ዘይምዃኖም ንህዝቢ ብንጹር ተርኢ። ነቲ ኣብ መንጎ እዚ ሕጂ ንንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምጽላም ዚገብር ዘሎ ፈተነታትን ኣብ መንጎ እቲ ብዘመን ሶቭየት ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወረደ ዘይሕጋውን ዜሕዝንን መስጐጕትን ዘሎ ምምስሳል ተቃልዕ። እታ ትራክት፡ ብቛንቛ ሩስያ ናብ እተዳለወ www.jw-russia.org ዚበሃል ፍሉይ ወብ ሳይት ትዕድም፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ብዛዕባ ታሪኽን ንጥፈታትን እቶም ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪርከብ ይከኣል። እታ ትራክት፡ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ዲሚትሪ መድቨድየቭ፡ ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ፖለቲካዊ ጭቈና ብኢንተርነት ዝሃቦ መደረ ትጠቅስ። * ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ምስቶም ውሑዳን ዚምደቡ ጕጅለ ሃይማኖት እኳ እንተ ነበሩ፡ ካብቶም በቲ ስርዓት ሶቭየት ከቢድ ጭቈና ዝወረዶም እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 49 ነታ፡  “ዝኽሪ ግፉዓት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘላ ሳጹን]

 ዝኽሪ ግፉዓት

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሩስያውያን ነቶም ኣብ ትሕቲ ስርዓት ሶቭየት እተወጽዑ ግፉዓት ኣብ ዚዝክሩላ ዕለት፡ ፕረዚደንት ዲሚትሪ መድቨድየቭ ከምዚ ዚስዕብ በለ፦

“ሎሚ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ፖለቲካዊ ጭቈና እዩ። . . . ነቲ ኣብ መላእ ሃገር ዘጋጠመ ዜርዕድ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ዜጸግም እዩ። . . . ምሉእ ጽላታትን ደርብታትን ህዝብና ጸኒቱ እዩ። . . . ሰዓብቲ ዅለን ሃይማኖታት ተሰጒጎም እዮም። [እዛ መዓልቲ ዝኽሪ እዚኣ] ነቶም ህይወቶም እተበላሸወ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እያ፣ ማለት ነቶም ብዘይ ፍርዲ ወይ ብዘይ መዝገብ እተቐትሉ ሰባት፣ ነቶም ‘ግጉይ’ ስራሕ ወይ ‘ጽዩፍ ማሕበራዊ መበቈል’ ስለ ዝነበሮም ሲቪላዊ መሰሎም ተነፊግዎም እተሓየሩን ናብ መዳጐኒ ደምበ እተላእኩን እያ። ምሉኣት ስድራ ቤታት፡ ‘ጸላእቲ ሃገርን’ ‘መለዓዓልትን’ ተባሂለን ተጠቂነን እየን። ሕስብ እሞ ነብሎ፦ ብሰንኪ ራዕድን ናይ ሓሶት ክስን፡ ሚልዮናት ሞይቶም እዮም። ኵሉ መሰሎም፡ እንተላይ ሰብኣዊ ኣቀባብራ ናይ ምርካብ መሰሎም ተነፊግዎም እዩ። ንብዙሕ ዓመታት ስሞም ካብ ታሪኽ ተሓኺኹ እዩ።

“ንግፍዒ መመኽነይታ ኸተቕርበሉ ኣይከኣልን እዩ።”