ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓንቲ ህብብቲ ደራፊት፡ ስራሓ ሓዲጋ ሃይማኖታዊት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ሓደ ብዳኛ ኺመሓየሽ ከም ዘይክእል እተነግሮ ገበነኛ፡ ኣፍራዪ ዜጋ ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ፡ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ተመክሮ ኣንብብ።

“ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን።”—ኣንቶሊና ኦርደን ካስቲዮ

ዓመተ ልደት፦ 1962

መበቈል ሃገር፦ ስጳኛ

ታሪኽ፦ ተዋሳኢትን ደራፊትን

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ላ ማንቻ ተባሂላ እትፍለጥ ዞባ ኣብ እትርከብ ትረሹንኮስ እትበሃል ንእሽቶ ቝሸት እየ ተወሊደ። ወለደይ ሓረስቶት እዮም ነይሮም። ኣደይ ካቶሊክ፡ ኣቦይ ግን ፕሮተስታንት እዩ ነይሩ። ኣቦይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ኪህልወኒ ምሂሩኒ እዩ፣ ኵሉ ሳዕ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ከሎ ድማ እርእዮ ነበርኩ። ኣደይ ግን ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ኰይነ ንኽዓቢ ጸዓረት፣ ሰንበት ሰንበት ከኣ ናብ ቅዳሰ ትወስደኒ ነበረት።

ጓል 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ምስ ዓባይ ሓብተይ ምእንቲ ኽነብር ካብታ ቝሸትና ናብ ማድሪድ ከድኩ። ንወለደይ ብዙሕ እናፍቖም እኳ እንተ ነበርኩ፡ ቀስ ብቐስ ግን ናብራ ኸተማ ለመድክዎ። ጓል 17 ምስ ኰንኩ፡ ዛርዝዌላ ዚበሃል ምስ ኦፐራ ዚመሳሰል ባህላዊ ተዋስኦ ስጳኛ ንሒደት ኣዋርሕ ክዓዪ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ነቲ ስራሕ ስለ ዝፈተኹዎ ኸኣ፡ ተዋሳኢት ክኸውን ወሰንኩ። ጸሓፊት ንክኸውን ዝወስዶ ዝነበርኩ ስልጠና ሓዲገ፡ ምስተን ዛርዝዌላ ዚጻወታ እተፈላለያ ኩባንያታት ክዓዪ ጀመርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ምስ ሓው ሓንቲ ኻብ መሓዙተይ ዕርክነት ጀመርኩ። ጽቡቕ ስራሕን ገንዘብን ፍቕርን ዝረኸብኩ ዀይኑ እውን ተሰምዓኒ።

ምስ እተፈላለያ ኩባንያታት ዛርዝዌላ ኣብ መላእ ስጳኛን ኣብ ከም ኮሎምብያን ኮስታ ሪካን ኤኳዶርን ቨነዝወላን ዝኣመሰላ ሃገራት ዑደት ገበርኩ። “ላ ሞቪዳ ማድሪሌንያ” ዚበሃል ህቡብ ሙዚቃ ምስ ዚጻወቱ እተፈላለዩ ጕጅለታት እደርፍ ነበርኩ። እቲ ኣነ ኸም ቀንዲ ድምጻዊት ኰይነ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ጕጅለ ድማ ተፈላጥነት ረኸበ።

ብስራሐይ እሕጐስ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቲ ኣብኡ ዚርአ ርኹስ ናብራ ግን ኣይፈትዎን እየ ነይረ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ትርኢተይን ተፈላጥነተይን ካብ መጠን ንላዕሊ እጭነቕ ነበርኩ። ኣብ ኣገባብ ኣመጋግባይ እምብዛ እጥንቀቕ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዙሕ ምግቢ ኣይበልዕን እየ ነይረ፣ ክበልዕ ከለኹ እውን ነቲ ዝበላዕኩዎ እተፍኦ ነበርኩ።

ቀንዲ ሸቶይ ተዋሳኢት ምዃን እዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ድራማዊ ስነ-ጥበብ ማድሪድ ኣተኹ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ፡ ተዋስኦ ብዛዕባ እቲ እትዋስኣሉ ገጸ-ባህርይ ኣዕሚቝካ ኽትሓስብን ምሉእ ብምሉእ ንዕኡ መሲልካ ኽትዋሳእን ከም ዚሓትት ተማሂርና ኢና። ነዚ ትምህርቲ እዚ ኸተግብሮ ምስ ጀመርኩ፡ ኣነ ንባዕለይ ስምዒት ዘይብለይ ኰንኩ። ንማለቱ ዝነብርን ንርእሰይ ዚጥዕመኒ ዝደልን ሰብ እየ ነይረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ጽቡቕ ባህርያት ንኸማዕብል ኣበርቲዐ ኽዓዪ ኸም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ እየ። ብኸመይ ከምኡ ኽገብር ከም ዝኽእል ግን ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ናብታ ቕድሚ ሕጂ ምስ ወለደይ ዝኸድኩዋ ኣብ ማድሪድ እትርከብ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ከድኩ። ናብ ኣምላኽ፡ በቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ተጠቒመ ጸለኹ።

ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ መጻ። ምሳታተን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ እኳ እንተ ገበርኩ፡ ብዛዕባ እቲ ዚምህራኦ ዝነበራ ትምህርትታት ግን ብዙሕ ተቓውሞ ኣልዓልኩ። እታ ኣዘውቲራ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህረኒ ዝነበረት ኤስተር እትበሃል ናይ የሆዋ ምስክር፡ ዕግስቲ እያ ነይራ። ንሳን ስድራ ቤታን ብዙሕ ፍቕርን ሓልዮትን ኣርእዮምኒ እዮም። ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ኣኼባታት ክካፈል ጀመርኩ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ነታ ዘናድያ ዝነበርኩ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩዋ ተገንዘብኩ።

ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ስነ-ጥበብ ድራማ ምስ ዛዘምኩዎ፡ ብኡንብኡ ብዙሕ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት ረኸብኩ። ኣብቲ ኣብ ማድሪድ ዚርከብ ህቡብ ትያትር ኣብ ዚርአ ድራማ ኽዓዪ ተመደብኩ። ይኹን እምበር፡ ዕውትቲ ተዋሳኢት ክኸውን እንተ ዀይነ፡ ዝንባለይ ብምሉኡ ኣብ ትያትር ክኸውን ከም ዘለዎ ኣስተብሃልኩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ንኸተኵር ኪሕግዘኒ ዚኽእል ካልእ ስራሕ ከናዲ ወሰንኩ። እተን የሱስ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ” ኢሉ እተዛረበን ቃላት ኣብ ልበይ ኣሕደርክወን። (ማቴዎስ 6:24) እቲ ንሸሞንተ ዓመት ዚኣክል ዓርከይ ዝነበረ ወዲ ንእምነተይ ስለ ዘይተቐበሎ፡ ምስኡ ዝነበረኒ ርክብ ከቋርጽ ወሰንኩ። እዚ ዅሉ ለውጥታት ምግባር ግን፡ ቀሊል ኣይነበረን።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሎሚ፡ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ እየ ዝሰርሕ፣ ስራሐይ ከኣ፡ ንኣረጋውያን መሕለፍ ግዜን መዘናግዕን ኪረኽቡ ምሕጋዝ እዩ። እዚ ስራሕ እዚ፡ ዝበዝሕ ግዜይ ነቶም ኣብቲ ዝነብረሉ ኸባቢ ዚርከቡ ዓረብኛ ዚዛረቡ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር ከሕልፎ ኣኽኢሉኒ እዩ። ነዚ ሓድሽ ቋንቋ እዚ ንኽመሃር ኣበርቲዐ ኽጽዕር እኳ እንተ ነበረኒ፡ እቲ እተመሃርክዎ ጽቡቕ ነገራት ነዞም ምቝሉላትን መንፈሳዊ ድሌት ዘለዎምን ሰባት ምክፋል ግን ኣዝዩ ባህ ይብለኒ እዩ።

ተዋሳኢት ንክኸውን ክመሃር ከለኹ ዝስምዓኒ ዝነበረ ባዶነት ጠፊኡ፡ ሕጂ ዕላማ ዘለዎ ህይወት እመርሕ ኣለኹ። የሆዋ፡ ዝሓሸን ዜሐጕስን ህይወት ንኽህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ።

“እቲ ዳኛ ተጋግዩ ኸም ዝነበረ ኣመስኪረ እየ።”—ፖል ኪቫን ሩቤሪ

ዓመተ ልደት፦ 1954

መበቈል ሃገር፦ ዓዲ እንግሊዝ

ታሪኽ፦ ገበነኛ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ዌስት ሚድላን እትርከብ ዳዱለይ እትበሃል ዓባይ ኢንዱስትራዊት ከተማ እየ ተወሊደ። ኣቦይ፡ ገና ቘልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ፍቕሪ ንባብ ኣብ ልበይ ኣሕዲሩለይ እዩ። ኣብ ፍልቀት ዝኣምን እኳ እንተ ነበረ፡ ፍጥረታት ንኸድንቕ የተባብዓኒ ነበረ። ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ መሃረኒ። ኰይኑ ግን፡ ወለደይ ናብቲ ብቤተ-ክርስትያን ሜቶዲስት ዚካየድ ዝነበረ ትምህርቲ ሰንበት ይልእኩኒ ነበሩ።

ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ገሊኦም ደቂ ገዛውተይ ኣብ ሓደ ካናለ ንዝነበረት ጃልባ ኼንድድዋ ኸለዉ ረኣኹ። እቶም ኣወዳት ከይነግረሎም ኣፈራሪሆምኒ ስለ ዝነበሩ፡ ፖሊስ መጺኦም መን ከም ዘንደዳ ምስ ሓተቱኒ፡ ኣይነገርኩዎምን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ገበን ኣነ ኸም ዝፈጸምኩዎ ተሓሲበ ብሓሶት ተኸሰስኩ፣ እዚ ስለ ዘሕረቐኒ ድማ ሕነ ንኽፈዲ ተለዓዓልኩ። ብኣሽሓት ዶላር ዚግመት ንብረት እተን ኣብ ከባቢና ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርትን ኣብያተ-ክርስትያንን ፋብሪካታትን ኣዕነኹ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዝዀንኩሉ እዋን፡ ናብ ኣባይትን ድኳናትን ሰይረ ብምእታው እሰርቕ ነበርኩ። ብዙሕ ሳዕ ንብረት ብምቅጻል ገበን እፍጽም ነበርኩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ መምህራነይ ቀይዲ በተኽ ከም ዝዀንኩ ይዛረቡ ነበሩ።

ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ናይ ስራይ መጽሓፍ ረኸብኩ፣ ሰሌዳ ዊጃ ዚበሃል መጠንቈሊ እውን ሰራሕኩ። ወለደይ ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ መናፍስታዊ ተግባራት ምክፋለይ ምንም ከም ዘይጐድኣንን ካብ ሽግር ከም ዜውጽኣንን ሓሰቡ። ተመሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብዙሕ ሳዕ ናብቲ መንእሰያት ዚፍረዱሉ ቤት ፍርዲ ቐሪበ እየ። ድሕሪኡ፡ ምስቶም ልዕልነት ጸዓዱ ዚኣምኑ ርእሶም ዚላጸዩ ጕጅለ ተጸምበርኩ። ሰንጥን ሰንሰለት ብሽክለታን ሒዘ እዘውር ነበርኩ። ስራሕ ረኺበ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንሓጺር እዋን ክእሰር ስለ እተፈርደኒ፡ ኣብቲ ስራሕ ኣይቀጸልኩን። ምስ ተፈታሕኩ፡ መሊሰ ንብረት ከዕኑ ስለ ዝጀመርኩ፡ እንደገና ኽልተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ። እቲ ዳኛ ድማ፡ ኣነ ኽመሓየሽ ከም ዘይክእልን ንሕብረተሰብ ዜስግእ ከም ዝዀንኩን ተዛረበ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ፡ ነታ ኣኒታ ዝስማ ዓርከይ ረኸብኩዋ። ንዓኣ ምስ ተመርዓኹዋ፡ ስርቂ ወይ ዓመጽ ንእተወሰነ እዋን ሓደግኩዎ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግን፡ መሊሰ ገበን ክፍጽም ጀመርኩ። ናብ ቦታታት ንግዲ እናኸድኩ ገንዘብ እሰርቕ ነበርኩ። ሓሽሽ ክወስድን ብዙሕ መስተ ኽሰትን መሳርያ ኽዕጠቕን ጀመርኩ። ስለዚ ኸኣ፡ እንደገና ተኣሰርኩ።

ኣኒታ ብሰንኪ ዅነታተይ ብኸቢድ ጭንቀት ተዋሕጠት። ሓኪማ መደቀሲ መድሃኒታት ኣዘዘላ፡ ሰብኣያ ኽትፈትሕ ከም ዘለዋ ድማ ነገራ። እቲ ዜሐጕስ ግን፡ ነቲ ዝሃባ ምኽሪ ኣይሰምዐትን።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ካብቲ እተመርዓናሉ እዋን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣኒታ ንሓጺር ግዜ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ ነበረት። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ንመወዳእታ ግዜ እተኣሰርኩሉ እዋን፡ ኣኒታ እንደገና ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። እቲ ዜገርም ድማ፡ ኣብታ ንሳ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራኸበትላ መዓልቲ፡ ናብ ኣምላኽ፡ “ብሓቂ እንተ ኣሊኻ፡ ምህላውካ ኣርእየኒ” ኢለ ጸልየ ነበርኩ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕኩ፡ ንሓደ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ኻህን፡ ንዓይን ንኣኒታን መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህረና ሓተትኩዎ። ንሱ ድማ፡ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያንን ጸሎትን ጥራይ ከም ዚምህረና ነገረኒ።

ኣብ መወዳእታ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመርኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓተታ መናፍስቲ ኸም ዚዅንን ምስ ፈለጥኩ ተገረምኩ። (ዘዳግም 18:10-12) ጸኒሑ፡ ሓንቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ረኸብኩ፣ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣብታ ሓገዝ ደልየ ናብ ኣምላኽ ዝጸለኹላ መዓልቲ ናብ ቤትና መጺኦም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣኒታ ዝሃብዋ መጽሔት እያ ነይራ። ምስ ኣንበብኩዋ ኸኣ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽራኸብ ተደረኽኩ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ምስ ጀመርና፡ ስድራናን ፈተውትናን ምሳይ ገበን ዚፍጽሙ ዝነበሩ ሰባትን ባህ ኣይበሎምን። ገሊኦም ከኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣተሓሳስባይ ከም ዘደንዘዝዎ ዀይኑ ተሰምዖም። ከም ሓቂ ግን፡ ገበነኛ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣተሓሳስባይ ደንዚዙ ስለ ዝነበረ፡ ኣተሓሳስባይ ኬዕሪ የድልየኒ ነይሩ እዩ። ሕማቕ ባህርያትን ድንዙዝ ሕልናን ነበረኒ፣ ካልእ ይትረፍ፡ ኣብ መዓልቲ ኽሳዕ 60 ዚኸውን ሽጋራ አትክኽ ነበርኩ። እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሩና ዀኑ እቶም ኣብታ እንእከበላ ጉባኤ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዕጉሳትን ሕያዎትን እዮም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ነቲ ሕማቕ ኣመላተይ ሓደግኩዎ።—2 ቈረንቶስ 7:1

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣነን ኣኒታን ካብ እንምርዖ 35 ዓመት ጌርና ኣለና። ጓልናን ክልተ ደቃን ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ የገልግሉ ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ከኣ፡ ኣነን ኣኒታን ንኻልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩ ኣብ ምሕጋዝ ብዙሕ ሰዓታት ከነሕልፍ ክኢልና ኢና።

ንየሆዋ ኣምላኽ ከነገልግል ምኽኣልና፡ ዕላማን ትርጕምን ዘለዎ ህይወት ንኽንመርሕ ኣኽኢሉና እዩ። ብ1970 ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብኩሉ እዋን፡ እቲ ዳኛ ብዛዕባይ፡ ክመሓየሽ ከም ዘይክእል ገይሩ ተዛሪቡ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ሳላ ኣምላኽን ሳላ መጽሓፍ ቅዱስን፡ እቲ ዳኛ ተጋግዩ ኸም ዝነበረ ኣመስኪረ እየ።