ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

“የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

ንኣምላኽ ቅረቦ

“የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

ነቲ ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘሎ ስእሊ እሞ ርኣዮ። እታ ኣብ ሕቝፊ እቲ ጓሳ ዘላ ዕየት ብዛዕባ ዚስምዓ ድሕንነት ክትሓስብዶ ምኸኣልካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 23፡ ነቲ የሆዋ ንኣምለኽቱ ዜርእዮም ለውሃት ምስቲ ሓደ ጓሳ ምስ ኣባጊዑ ዘለዎ ርክብ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። የሆዋ እቶም ከም ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ” ዚብሉ ሰባት ዚስምዖም ዓይነት ድሕንነት ኪስምዓና ይደሊ እዩ። *ቍጽሪ 1NW።

እቲ ነዛ መዝሙር እዚኣ ዝጸሓፋ ዳዊት፡ ብንእስነቱ ጓሳ እዩ ነይሩ። ድሌት ኣባጊዕን ሓላፍነት ጓሳን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ነታ “መዝሙር ውሕስነት ወይ ትውክልቲ” ተባሂላ እትፍለጥ መዝሙር ዝጸሓፋ ዳዊት፡ ብዙሕ ሳዕ የሆዋ ሓልዩሉ እዩ። ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ ኣብ መጀመርታን ኣብ መወዳእታን እታ መዝሙር፡ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ይርከብ እዩ። (ቍጽሪ 16) እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሓሳባት ከኣ፡ የሆዋ ኸምቲ ጓሳ ንኣባጊዑ ዚሓልየለን ገይሩ ንህዝቡ ዚሓልየሉ ሰለስተ መገዲ ይገልጽ እዩ።—መዝሙር 100:3

የሆዋ ንኣባጊዑ ይመርሐን። ኣባጊዕ ጓሳ እንተ ዘይብለን፡ ኪጠፍኣ ይኽእላ እየን። ንሕና እውን፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ ህይወት ንኽንፈልጥ ሓገዝ የድልየና እዩ። (ኤርምያስ 10:23) ዳዊት፡ “ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ” ብምባል፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዚመርሖም ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ” በለ። (ቍጽሪ 23) እዚ ኣገላልጻ እዚ፡ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም እንኽእል የረጋግጸልና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምእዛዝ ንመሪሕነት ኣምላኽ ምስ እንስዕብ፡ ዕግበትን ደስታን ድሕንነትን ዘለዎ ህይወት ክንመርሕ ንኽእል ኢና።

የሆዋ ንኣባጊዑ የዕቍበን። ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ፡ ፈራሃትን ርእሰን ኪኣልያ ዘይክእላ መሳኪንን እየን። የሆዋ ንህዝቡ፡ ‘ብርባርባ ድነ ሞት ኪኸዱ ኸለዉ’ ማለት፡ ኣብ ህይወቶም ጽንኩር ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ኪፈርሁ ኸም ዘይብሎም ገሊጹ ኣሎ። (ቍጽሪ 4) ከመይሲ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ ይቋመቶም እዩ። ንኣምለኽቱ፡ ንፈተናታት ኪዋጽኡሉ ዜኽእሎም ጥበብን ብርታዐን ኪህቦም ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 4:13፣ ያእቆብ 1:2-5

የሆዋ ንኣባጊዑ ይምግበን። ኣባጊዕ ምግበን ንኺረኽባ ኣብ ጓሰአን እየን ዚውከላ። ንሕና እውን፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ጥራይ ክንረኽቦ እንኽእል ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ኣሎ። (ማቴዎስ 5:3NW) እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ የሆዋ ለጋስ ወሃቢ ስለ ዝዀነ፡ ንኣገልገልቱ ኣኺሉ ዚተርፍ መኣዲ ኣዳልዩሎም ኣሎ። (ቍጽሪ 5) መጽሓፍ ቅዱስን ከምዛ መጽሔት እዚኣ ዝኣመሰለ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋትን፡ ትርጕም ህይወትን ኣምላኽ ብዛዕባና ዘለዎ ዕላማን ንኽንፈልጥ ዚሕግዝ መንፈሳዊ ምግቢ እዩ።

ዳዊት ነቲ ሰማያዊ ጓሳኡ ብዝያዳ እንተ ቐሪብዎ፡ ‘ብዅሉ ዕድሚኡ’ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ኸም ዘይፍለዮ ተሰሚዕዎ እዩ። (ቍጽሪ 6) ንስኻኸ ኸምኡ ኺስምዓካ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ብኸመይ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኸም እትኽእል ተምሃር። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ሕቝፊ እቲ ንእሙናቱ ዚመርሖምን ዜዕቍቦምን ዚምግቦምን ዓብዪ ጓሳ ኣቲኻ ዕቝባ ኽትረክብ ኢኻ።—ኢሳይያስ 40:11

ንግንቦት ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

እዮብ 38መዝሙር 25

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 3 ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ ነዛ ጥቕሲ፡ “እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ” ኢሉ እዩ ዚትርጕማ። እቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ካብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ከም ዝወጸ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 195-197 ርአ።