ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት ናይ ሓቂ ትርጕም ኣለዋዶ፧

ህይወት ናይ ሓቂ ትርጕም ኣለዋዶ፧

ህይወት ናይ ሓቂ ትርጕም ኣለዋዶ፧

“ህይወት ትርጕም ኣለዋዶ፧” ማእለያ ዘይብሎም ሰባት፡ ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ይሓስቡ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ኣረኣእያ ብዘየገድስ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወቶም ከምቲ ኦስትርያዊ ሓኪም ስነ-መትኒ ቪክቶር ኢ. ፍራንክል “ትርጕም ኣልቦነትን ባዶነትን” ኢሉ ዝገለጾ ዓይነት ስምዒት እዩ ዚስምዖም።

ብዙሓት ሰባት ከምኡ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት፡ ኣብ ከርፋሕን ልቢ ዚሰብርን ኵነታት እዮም ዚነብሩ። ድኽነትን ሕማምን ዓመጻን ግፍዕን ክፍሊ መዓልታዊ ህይወቶም እዩ። ህይወቶም ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ እዮብ ዝገለጾ፡ ብሓቂ “ጽጉብ ሓሳር” እዩ። (እዮብ 14:1) ቀንዲ ሸቶኦም፡ ነዛ ድራር ዕለቶም ምርካብ ጥራይ እዩ።

ሚልዮናት ካልኦት ከኣ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ሃብቲ ኣለዎም። ኵሉ እቲ ኣብ ህይወቶም ናይ ሓቂ ዕግበት ንኺረኽቡ ዜድልዮም ነገራት እተማልአሎም እዮም ዚመስሉ። ይኹን እምበር፡ ሕጉሳት ኣይኰኑን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ጻዕርን መከራን፡” ማለት ሃንደበታዊ ቝጠባዊ ጸገማት ወይ ከም ሞት ውሉድ ዝኣመሰለ መሪር ሓዘን ኬጋጥሞም ከሎ፡ ተስፋኦምን ትምኒቶምን ይጽልምት እዩ​።—መዝሙር 90:10

ነዚ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ “ትርጕም ኣልቦነትን ባዶነትን” ዜጋድዶ ኻልእ ረቛሒ ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ ዕምሪ ሰብ ኣመና ሓጺር ምዃኑ እዩ። ደቂ ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ተኽእሎ እናሃለዎም ክነሱ፡ ኣመና ሓጺር ዕድመ ዚነብሩ ምዃኖም፡ ንብዙሓት ዘይወሓጠሎም ጕዳይ እዩ። ነቲ ንዅላትና ዘይተርፈና ኽውንነት ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም። ዋላ እውን ካብቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚወርድ ሓሳረ መከራ እንተ ኣምለጥና፡ ውዒልና ሓዲርና ኻብ ሞት ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና።​—መክብብ 3:19, 20

ህይወት ንሓዋሩዶ ትርጕም ኣልቦ ኽትመስል እያ፧

ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ብዘመኑ ዝነበሩ ሰባት፡ ከምዚ ሎሚ ንሕና እንገብሮ ዘለና፡ ብተውህቦኦምን ብኽእለቶምን ተጠቒሞም፡ ብዙሕ ይጽዕሩ ኸም ዝነበሩ ረኣየ፣ እወ፡ ይተኽሉን ይዅስኵሱን ይሃንጹን ስድራኦም ይከናኸኑን ነይሮም እዮም። ‘እዚ ዅሉ ኣብ መወዳእታኡ እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧’ ዚብል መልእኽቲ ዘለዎ ሕቶ ድማ ኣበገሰ። ኵሉ እቲ ሰባት ዚገብርዎ ተግባር፡ “ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን” ከም ዝዀነ ደምደመ።​—መክብብ 2:17

ኰይኑ ግና፡ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኵሉ እቲ ደቂ ሰብ ዚገብርዎ ተግባር፡ ወትሩ “ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን” ከም ዝዀነ ገይሩ ይኣምን ነይሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ህይወት ኣብዛ ዘይፍጽምቲ ዓለም ከመይ ከም እትመስል እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ፡ ህይወት ወትሩ ኸምኡ ኢላ ኸም ዘይትቕጽል የረጋግጸልና እዩ።

ብኸመይ ኢኻ ኣብዚ ተስፋ እዚ ኽትተኣማመን እትኽእል፧ ነዘን ዚስዕባ ኽልተ ዓንቀጻት እሞ ኣንብበን። ህይወት ስለምንታይ ትርጕም ዘይብላ ኸም እትመስልን እዚ ዅነታት እዚ ብኸመይ ፍታሕ ከም ዚረክብን ሕጂ እውን ከይተረፈ ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ናይ ሓቂ ትርጕም ክትረክብ ከም እትኽእልን ኪሕብራኻ እየን።