ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕጅን ንሓዋሩን ትርጕም ዘለዎ ህይወት

ሕጅን ንሓዋሩን ትርጕም ዘለዎ ህይወት

ሕጅን ንሓዋሩን ትርጕም ዘለዎ ህይወት

ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ስርዓታት ብምስዓብ። ሒደት ካብኡ እስከ ንመርምር።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን።”​መክብብ 2:24

ካብ ጽቡቕ ስራሕ ዕግበት ክንረክብ ከም እንኽእል ኴንና ኢና ተፈጢርና። ኣብ ጽንኩር ኵነታት እውን እንተ ዀነ፡ ብትግሃትን ብሓቀኛነትን ብምዕያይ፡ ኣብ ህይወትካ እተወሰነ ዕግበት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ።”​ግብሪ ሃዋርያት 20:35

ብዙሓት ሰባት፡ ንኻልኦት ዚጠቅም ነገር ምግባር—ንኣብነት፡ ንእተጸገሙ ንምሕጋዝ ግዜኦምን ጕልበቶምን ምሃብ​—ብዙሕ ዓስቢ ኸም ዘለዎን ንህይወቶም ናይ ሓቂ ትርጕም ከም ዝሃቦምን ኣስተውዒሎም እዮም። ሰሎሞን፡ “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ኢሉ ጸሓፈ።​—ምሳሌ 3:27

ንራልፍ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ጡረታ ምስ ወጸ፡ ምስታ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እትካፈል ዝነበረት ሰበይቱ ሓቢሩ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸምደ። ክልቲኦም ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብዙሕ ሰዓታት የሕልፉ እዮም። ራልፍ ከምዚ በለ፦ “ምሸት ምሸት ናብ ቤትና ኽንኣቱ ኸለና ድኻም ዚስምዓና፡ ሓይልና ጸንቂቕና ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ስለ ዘገልገልናዮ ደኣ እምበር፡ ስለ ዝኣረግና ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ ድኻም እዩ።” ንሱን ሰበይቱን፡ ኣብ ምሃብ ዘተኰረ ህይወት ስለ ዚመርሑ፡ ሕጉሳት እዮም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።”​ምሳሌ 17:17

መኻፍልቲ ጸገማትካ እንተ ረኺብካ፡ ጸበባኻ ንምጻሩ ቐሊል እዩ ዚዀነልካ። ፍራንሲስ ቤከን ዚበሃል እንግሊዛዊ ፈላስፋ፡ ነቶም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ዘይብሎም፡ “ዓለም በረኻ ጥራይ” ከም እትዀኖም ጸሓፈ። ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ እንተ ረኺብካን ንኻልኦት ጥዑይ ዓርኪ እንተ ዄንካን፡ ጸገማትካ ንኽትጾሮ ዝቐለለ ይዀነልካ፣ ህይወትካ እውን ባህ ዜብልን ዜዕግብን ይዀነልካ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሕጉሳት እዮም።”​ማቴዎስ 5:3NW።

መብጽዓታት ኣምላኽ ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን ካብኡ ተጠቃሚ ኽትከውን እንተ ደሊኻ፡ ‘መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየካ’ ኣስተውዒልካ ዜድልየካ ኸተማልእ ኸም ዚግባእ የሱስ ገሊጹ እዩ። ንሕና ከም እንስሳታት ዘይኰነስ፡ ብተፈጥሮና ትርጕምን ዕላማን ህይወት ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ነዚ ዜድልየና ነገር እዚ ኼማልኣልና ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ፣ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኸኣ እዩ ነዚ ዜማልኣልና። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ይገልጽ እዩ። ስለምንታይ ከም እተፈጠርናን ስለምንታይ መከራ ኸም ዘሎን ኣምላኽ ካባና እንታይ ከም ዚጽበን ይነግረና እዩ። ትርጕምን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ንምምራሕ፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ምፍላጥና ኣገዳሲ እዩ። እቶም ግዜ መዲቦም መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑን ንእተማህርዎ ኣብ ግብሪ ዜውዕሉን ሰባት ሕጉሳት እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ምስቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ ፈጣሪና የሆዋ ኣብ ምትእምማን እተመስረተ ርክብ ይምስርቱ እዮም።​—1 ጢሞቴዎስ 1:11NW።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።”​መክብብ 12:1

ንጉስ ሰሎሞን ነቶም ሓዘን ኬጋጥሞም ዚኽእል ዘይመስሎም መንእሰያት ዝሃቦም ምኽሪ፡ ንዅላትና ዚምልከት እዩ። እምበኣር፡ ንፈጣሪኻ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ሃቦ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ህይወትካ ናይ ሓቂ ዕላማ ኺህልዋ እዩ። ነቲ፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን” ዚብል ኣረኣእያ ኣይትቀበሎ። (1 ቈረንቶስ 15:32) ንኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ እንተ ሂብካዮ፡ ‘ሰናይ ከም ዚዀነልካ’ መክብብ 8:12 ትገልጽ እያ።

ወንዲ ዝስማ ጓል፡ ነዚ ኣብ ህይወታ ተመኪራቶ እያ። ንሳን ሓብታን ናብታ ዝያዳ ሰበኽቲ ብስራት መጽሓፍ ቅዱስ ዜድልዩላ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ምእንቲ ኺግዕዛ፡ ብግዜ ንእስነተን ስጳንኛ ተማህራ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ንምግልጋል ብዙሕ መስዋእቲ እኳ እንተ ኸፈልና፡ ጽቡቕ ግዜ ኢና ኣሕሊፍና። ነተን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዝዀነ ይኹን ነገር ኣይምቐየርክወንን! እቲ ዝረኸብናዮ በረኸት፡ ካብቲ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ኣጸቢቑ ይበልጽ” በለት።

ንኣምላኽ እሙን ምዃን፡ ንህይወት ትርጕም ዘለዋ ይገብራ

ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምምዕባል፡ ህይወትካ ፍሉይ ትርጕም ከም ዚህልዋ ይገብር እዩ። ብኸመይ፧ ሰይጣን ንኣዳምን ንሄዋንን ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ከም ዚዓልዉ ገይርዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንኣምላኽ እሙን ኪኸውን ከም ዘይክእል እውን ኣሚቱ እዩ። (እዮብ 1:9-11፣ 2:4) ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ፡ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ብምሕላው፡ ንስርዓታቱ ለጊብካ ብምስዓብ፡ ከምኡውን ጽቡቕን ክፉእን ንምውሳን ዝለዓለ መሰል ዘለዎ የሆዋ ምዃኑ ኸም እትኣምን ብተግባር ብምርኣይ፡ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ።​—ራእይ 4:11

ቅኑዕ መገዲ ኽንስዕብ እንተ ደሊና፡ ጸገማት ኬጓንፈና ይኽእል እዩ። እዚ ጸገማት እዚ ግና፡ ንህይወትና ትርጕም ከም ዘይህልዋ ይገብራ ድዩ፧ ሓደ ሕሱም ጸላኢ ንእትፈትዎ ዓርክኻ ወይ ኣባል ስድራ ቤትካ የጸልሞ ኸም ዘሎ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ነቲ እትፈትዎ ሰብ ክትጣበቐሉ ኸለኻ ጸላኢኻ ዜሸግረካ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ተግባሩ ንህይወትካ ትርጕም ኣልቦ ይገብሮ ድዩ፧ ኣይፋልን። ብሰንኪ እዚ ንዜጋጥመካ ጸገማት፡ ተሓጒስካ ምተጻወርካዮ። ንኣምላኽ እሙን ምዃን እውን፡ ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ኣብ ትሕቲ እዚ ሕማቕ ኵነታት እሙናት ምዃንና፡ ንልቢ ኣምላኽ የሐጕሶ እዩ።​—ምሳሌ 27:11

ንሓዋሩ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ምርካብ

እምበኣር፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ዕላማኡን ንኽትፈልጥ፡ ሸቶ ግበር። የሱስ ክርስቶስ፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) እቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ ምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ምስ ተፈጸመ፡ እሙናት ሰባት ከምቲ ንሱ ኣብ ፈለማ ዝሓሰቦ፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪረኽቡ እዮም። ሽዑ፡ ህይወት ናይ ሓቂ ትርጕም ኪህልዋን እተዕግብ ክትከውንን እያ።​—መዝሙር 145:16

ነቲ የሱስ እተዛረበሉ ፍልጠት ኣበይ ክትረኽቦ ትኽእል፧ ኣብቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚርከብ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓገዝ እንተ ደሊኻ፡ ከይተሰከፍካ ናብ ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ጽሓፍ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ዚሕግዘካ ሰብ ተሓጒሶም ኬዳልዉልካ እዮም።