ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ስምዒት ኣለዎዶ፧

የሆዋ ስምዒት ኣለዎዶ፧

ንኣምላኽ ቅረቦ

የሆዋ ስምዒት ኣለዎዶ፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ‘እወ’ እንተ ዀይኑ፡ ‘ንሕና እንገብሮ ነገር፡ ንስምዒት ኣምላኽ ይጸልዎ ድዩ፧’ ዚብል ካልእ ሕቶ እዩ ዜበግስ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብተግባራትና ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ወይ ከነጕህዮ ንኽእል ዲና፧ ገሊኦም ጥንታውያን ፈላስፋታት፡ ‘ኣይፋል’ ኢሎም እዮም መሊሶም። ዋላ ሓደ ንኣምላኽ ኪጸልዎ ስለ ዘይክእል፡ ኣምላኽ ስምዒት ከም ዘይብሉ እዮም ተማጒቶም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ካብዚ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ንየሆዋ፡ ስምዒት ከም ዘለዎን ብተግባራትና ኣጸቢቑ ኸም ዚግደስን ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። ኣብ መዝሙር 78:40, 41 ዚርከብ ቃላት እሞ ንመርምር።

መዝሙር 78፡ ነቲ ጥንታውያን እስራኤላውያን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ እያ እተዘንቱ። የሆዋ ነቶም ህዝቢ ኻብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም፡ ምስኡ ፍሉይ ርክብ ንኺምስርቱ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ሕግታቱ እንተ ሓልዮም፡ ‘ገንዘቡ’ ኸም ዚዀኑን ዕላማኡ ንምፍጻም ብፍልይ ዝበለ መገዲ ኸም ዚጥቀመሎምን ተመባጽዓሎም። ንሳቶም ምስ ሓሳቡ ተሰማምዑ፡ ምስኡ እውን ኪዳን ተኣታተዉ። እሞኸ እስራኤላውያን ስምምዖም ኣኽቢሮም ድዮም፧—ዘጸኣት 19:3-8

ብዛዕባ እዚ፡ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፡ ኣብ ጽምዋውን ዘጕሀይዎ” በለ። (ቍጽሪ 40) እታ እትቕጽል ቍጽሪ፡ “ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ” ትብል። (ቍጽሪ 41) እቲ ጸሓፊ፡ ብተደጋጋሚ ንእተገብረ ዕልወት ከም ዘመልከተ ኣስተብህል። እቲ ሕማቕ መንፈስ እቲ፡ ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተራእዩ። እቶም ህዝቢ፡ ኣምላኽ ኪከናኸኖም ዚኽእልን ዚደልን እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ብምእታው፡ ኣብኡ ኼጕረምርሙ ጀመሩ። (ዘሁልቍ 14:1-4) ሓደ ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ “ተጻረርዎ” እትብል ቃል፡ “ብቝንቍኛዊ መገዲ፡ ‘ኣንጻር ኣምላኽ ልቦም ኣትረሩ’ ወይ ‘ንኣምላኽ “እምቢ” በልዎ’ ተባሂላ ኽትትርጐም” ከም እትኽእል ገለጸ። የሆዋ ግና፡ ንሳቶም ኪንስሑ ኸለዉ፡ ብምሕረቱ ተደሪኹ ይቕረታ ይገብረሎም ነበረ። ይኹን እምበር፡ መመሊሶም ናብ መገዲ ዕልወቶም ይምለሱ ነበሩ።—መዝሙር 78:10-19, 38

የሆዋ፡ እቶም ዓሰርተ ሳዕ ዚለዋወጡ ህዝቡ ኺዓልዉ ኸለዉ ኸመይ ይስምዖ ነበረ፧ ቍጽሪ 40፡ “ዘጕሀይዎ” ብእትብል ቃል ገይራ ስምዒቱ ገሊጻቶ ኣላ። ሓደ መወከስ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ጥቕሲ እቲኣ፡ “ኣኻይዳ እብራውያን፡ ከም ኣኻይዳ ዘይእዙዝን ዓለወኛን ውሉድ፡ ስቓይ ከም ዜምጽእ ዚሕብር ትርጕም” ሒዛ ኸም ዘላ ገለጸ። ከምቲ ስዲ ውሉድ ንወላዲኡ ዜጕህዮን ዜቘጥዖን፡ እቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን እውን፡ “ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ . . . ኣቘጥዕዎ።”​—ቍጽሪ 41

ካብዛ መዝሙር እዚኣ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ የሆዋ ምስ ኣምለኽቱ ኣጸቢቑ ኸም ዚቀራረብን ብእኦም ቀልጢፉ ተስፋ ኸም ዘይቈርጽን ምፍላጥና የተባብዓና እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ የሆዋ ስምዒት ዘለዎን ተግባራትና ንስምዒቱ ኺጸልዎ ዚኽእልን ምዃኑ፡ ኬተሓሳስበና ዘለዎ ጕዳይ እዩ። ነዚ ምፍላጥካ ብኸመይ ይጸልወካ፧ ቅኑዕ ንኽትገብር ይድርኸካ ድዩ፧

ብሓጢኣት ተመላሊስና ንልቢ የሆዋ ኣብ ክንዲ እነጕህዮ፡ ብቕንዕና ተመላሊስና ንልቡ ኸነሐጕሶ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ “ወደየ፡ . . . ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ” ብምባል፡ ከምኡ ኺገብሩ እዩ ዚምሕጸኖም። (ምሳሌ 27:11) ካብ ኵሉ እቲ ንየሆዋ ኽንገብረሉ እንኽእል ነገራት፡ ንልቡ ብዜሐጕስ መገዲ ኻብ ምምልላስ ዚበልጽ የልቦን።

ንሓምለ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

መዝሙር 60-86

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ካብቲ ንየሆዋ ኽንገብረሉ እንኽእል ነገራት፡ ንልቡ ብዜሐጕስ መገዲ ኻብ ምምልላስ ዚበልጽ የልቦን