ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ 60ታት ዕድሚኣ፡ ኣምልኾ ጣኦት ዝሓደገት ስለምንታይ እያ፧ ሓደ ኻህን ሺንቶ ኣብ ቤተ መቕደስ ንዝነበሮ ዕዮ ሓዲጉ፡ ክርስትያን ኣገልጋሊ ኪኸውን ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ካብ እትውለድ ኣትሒዛ፡ ካልኦት ከም ውሉዶም ገይሮም ዘዕበይዋ ጓል ኣንስተይቲ፡ ነቲ ኸም እተደርበየት ኰይኑ ዚስምዓ ስምዒት ብኸመይ ክትቃለሶ ኸኣለት፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

“ድሕሪ ደጊም ባርያ ጣኦታት ዘይምዃነይ የሐጕሰኒ እዩ።”​—ኣባ ዳንሱ

ዓመተ ልደት፦ 1938

መበቈል ሃገር፦ በኒን

ታሪኽ፦ ኣምላኺት ጣኦት

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ጥቓ ቐላይ ኣብ እተደኰነት ቍሸት ሶ-ቸሁዊ እየ ተወሊደ ዓብየ። ተቐማጦ እታ ቝሸት፡ ዓሳ ይገፍፉ፡ ከብትን ኣጣልን ኣባጊዕን ሓሰማታትን ኣዕዋፍን ከኣ የፋርዩ እዮም። ኣብቲ ኸባቢ መገዲ ስለ ዘየለ፡ ሰባት ብጃልባን ብታንኳን እዮም ዚጐዓዓዙ። መብዛሕትኦም ንኣባይቶም ብዕንጨይትን ብድርቋን ኪሰርሑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ብሕጡብ እዮም ዚሃንጹ። መብዛሕትኦም ሰባት ድኻታት እዮም። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ኣብ ከተማታት ዘሎ፡ ብዙሕ ገበን የለን።

ብግዜ ቝልዕነተይ፡ ኣቦይ ንዓይን ንሓብተይን ናብ ገዳም ጣኦታት ኣእተወና፣ ኣብኡ ኸኣ ባህላዊ እምነት ተምሃርና። ምስ ዓበኹ፡ ዱዱኣ (ኦዱዱዋ) ዚበሃል ኣብ ባህሊ ዮሩባ ዚዝውተር ጣኦት ከምልኽ ጀመርኩ። ነዚ ጣኦት እዚ ቤት ሰራሕኩሉ፣ ያም፡ ዘይቲ ስየ፡ ኣረነታት፡ ደርሁ፡ ረገቢት፡ ከምኡውን ካልኦት እንስሳታት እስውኣሉ ነበርኩ። እዚ መስዋእትታት እዚ፡ ንገንዘበይ ይውድኦ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ እዩ ዜኽፍለኒ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃር ምስ ጀመርኩ፡ የሆዋ ጥራይ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጥኩ። ኣብ ኣምልኾና ጣኦታት ክንጥቀም ከም ዘይደሊ እውን ፈለጥኩ። (ዘጸኣት 20:4, 5፣ 1 ቈረንቶስ 10:14) እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ድማ ተገንዘብኩ። ስለዚ፡ ንዅሉ ምስልታት ኣወገድኩ፣ ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገራት ከኣ ካብ ቤተይ ኣውጻእኩ። ንኣማልኽቲ ምጥያቕ ሓደግክዎ፣ ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ምስኡ ኣብ ዚተሓሓዝ ልምድታት ቀብርን ምክፋል ከኣ ገደፍክዎ።

ኣብቲ እዋን እቲ ጓል 60 ዓመት ስለ ዝነበርኩ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ኽገብር ቀሊል ኣይነበረን። ፈተውተይን ኣዝማደይን ጐረባብተይን ተጻሪሮምንን ኣላጊጾምለይን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብርታዐ ንምርካብ፡ ናብ የሆዋ ጸለኹ፣ ቅኑዕ ዘበለ ንኽገብር ኪሕግዘኒ ለመንክዎ። እተን ኣብ ምሳሌ 18:10 ዚርከባ፡ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ዚብላ ቓላት ኣጸናኒዐናኒ እየን።

ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣኼባታት ምእካበይ እውን፡ ንፈተናታት ክጻወሮ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብቲ ኣኼባታት፡ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኽርኢ ኽኢለ እየ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ብልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪነብሩ ዚጽዕሩ ምዃኖም ድማ ልበይ ተንኪፉኒ እዩ። እቲ ዝረኣኽዎ ነገር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዚስዕቡ ኣእመነኒ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓለይ፡ ምስ ደቀይ ንዝነበረኒ ርክብ ኬመሓይሽ ሓጊዙኒ እዩ። ካብ ዝባነይ ጾር ዘውረድኩ ዀይኑ እውን ይስምዓኒ እዩ። ንጥሪተይ ኣብቶም ዋላ ሓንቲ ኺጠቕሙኒ ዘይክእሉ ህይወት ዘይብሎም ጣኦታት እየ ዘውዕሎ ነይረ። ሕጂ ግና፡ ነቲ ንዅሉ ጸገማትና ነባሪ ፍታሕ ዜምጽእ የሆዋ እየ ዘምልኽ ዘለኹ። (ራእይ 21:3, 4) ባርያ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ድሕሪ ደጊም ባርያ ጣኦታት ዘይምዃነይ የሐጕሰኒ እዩ። ኣብ ትሕቲኡ ናይ ሓቂ ድሕንነትን ዕቝባን ረኺበ እየ።

“ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ንኣምላኽ እደልዮ ነይረ እየ።”​—ሺንጂ ሳቶ

ዓመተ ልደት፦ 1951

መበቈል ሃገር፦ ጃፓን

ታሪኽ፦ ካህን ሺንቶ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ኣብ ኣውራጃ ፉኩኦካ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። ወለደይ ሃይማኖተኛታት እዮም ነይሮም፣ ካብ ግዜ ቝልዕነተይ ከኣ ንኣማልኽቲ ሺንቶ ኣኽብሮት ከም ዚሓድረኒ ገይሮም እዮም ኣዕብዮምኒ። ንእሽቶ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ብዛዕባ ድሕነተይ ብዙሕ እሓስብ ነይረ፣ ንእተሸገሩ ሰባት ንምሕጋዝ እውን ሓያል ባህጊ ነይሩኒ። ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ምስ ዓበና እንታይ ክንከውን ከም እንደሊ ኻብ መምህርና ሕቶ ቐረበልና። ደቂ ኽፍለይ ከም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ምዃን ዝኣመሰለ ዚምነይዎ ነገራት ነበሮም። ኣነ ግና ንኣምላኽ ከገልግል ከም ዝምነ ተዛረብኩ። ኵላቶም ብኣይ ሰሓቑ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ፡ መምህራን ሃይማኖት ኣብ ዜሰልጥን ቤት ትምህርቲ ኣተኹ። ስልጠና ኣብ ዝወስደሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ምስ ሓደ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ጸሊም ገበር ዘለዎ መጽሓፍ ዜንብብ ካህን ሺንቶ ተራኸብኩ። ሓደ እዋን ድማ፡ “ሳቶ፡ እዚ መጽሓፍ እዚ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ገበር እቲ መጽሓፍ ርእየዮ ስለ ዝነበርኩ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እዩ” ኢለ መለስኩሉ። ንሱ ድማ፡ “ካህን ሺንቶ ኪኸውን ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኼንብብ ኣለዎ” በለኒ።

ብኡንብኡ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዓደግኩ። ኣብ እንዳ መጻሕፍተይ ኣብ ብሉጽ ቦታ ኣቐመጥክዎ፡ ጽቡቕ ገይረ ኸኣ ሓዝክዎ። ኰይኑ ግና፡ ብትምህርተይ ትሑዝ ስለ ዝነበርኩ፡ ንምንባቡ ግዜ ኣይረኸብኩን። ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ፡ ካህን ሺንቶ ዀይነ ኣብ መቕደስ ክዓዪ ጀመርኩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ትምኒት ቍልዕነተይ ተፈጸመለይ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ካህን ሺንቶ ምዃን ከምቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ዀይኑ ኣይረኸብክዎን። መብዛሕትኦም ካህናት ንኻልኦት ሰባት ፍቕሪ ወይ ሓልዮት የብሎምን። ብዙሓት፡ እምነት ይጐድሎም እዩ። ሓደ ኻብቶም ካባይ ዝለዓለ ደረጃ ዝነበሮም ሰባት፡ “ኣብዚ ቦታ እዚ ዕዉት ክትከውን እንተ ደሊኻ፡ ብዛዕባ ፍልስፍና ጥራይ ክትምህር ኣሎካ። ብዛዕባ እምነት ምዝራብ ክልኩል እዩ” በለኒ።

እዚ ዅሉ ድማ፡ ብሃይማኖት ሺንቶ ተስፋ ኸም ዝቘርጽ ገበረኒ። ኣብ ቤተ መቕደስ ምዕያይ እኳ እንተ ቐጸልኩ፡ ንኻልኦት ሃይማኖታት ክምርምር ጀመርኩ። ይኹን እምበር፡ ዝሓሸ ሃይማኖት ክረክብ ኣይከኣልኩን። ዝያዳ ሃይማኖታት ብዝመርመርኩ መጠን፡ ዝያዳ ተስፋ ቘረጽኩ። ኣብ ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት፡ ሓቂ ኸም ዘየልቦ ዀይኑ ድማ ተሰምዓኒ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ ብ1988፡ ሓደ ሰዓቢ እምነት ቡድህና መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ኣተባብዓኒ። ብዛዕባ እቲ ዓመታት ኣቐዲሙ ኸምኡ ኽገብር ኣተባቢዑኒ ዝነበረ ኻህን ሺንቶ ድማ ሓሰብኩ። ነቲ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ወሰንኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ምስ ጀመርኩ፡ ብኡንብኡ መሰጠኒ። ሓድሓደ እዋን፡ ጸሓይ ክሳዕ እትበርቕ ምሉእ ለይቲ አንብቦ ነበርኩ።

እቲ ዘንበብኩዎ ድማ፡ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣምላኽ ክጽሊ ድሌት ኣሕደረለይ። በታ ኣብ ማቴዎስ 6:9-13 ተጠቒሳ ዘላ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ጀመርኩ። ነዛ ጸሎት እዚኣ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ሺንቶ ኸገልግል ከለኹ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ከክልተ ሰዓት እደጋግማ ነበርኩ።

ብዛዕባ እቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ብዙሕ ሕቶታት ነበረኒ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ተመርዕየ እየ ነይረ፣ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰበይተይ ኣዘራሪቦምዋ ስለ ዝነበሩ፡ ንሳቶም ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምህሩ እፈልጥ ነይረ እየ። ንሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ረኺበ፡ ሓያሎ ሕቶታት ሓተትክዋ። ንዅሉ ሕቶታተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝመለሰትለይ፡ በዚ ልበይ ተተንከፈ። ንሳ ድማ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምህረኒ መሰናድዎ ገበረት።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከብ ጀመርኩ። ብዘይእሩም መገዲ ዘዘራረብክዎም ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብኡ ኸም ዝነበሩ ኣብቲ እዋን እቲ ኣየስተውዓልኩን ነይረ። ንሳቶም ግና፡ ብፍሽሑው ገጽን ብሓጐስን እዮም ተቐቢሎምኒ።

ኣብቲ ኣኼባታት እቲ፡ ኣምላኽ፡ ሰብኡት ንኣባላት ስድራ ቤቶም ኬፍቅሩን ኬኽብሩን ከም ዚደልዮም ተመሃርኩ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ኣብቲ ኸም ካህን ኰይነ ዝዓዮ ዝነበርኩ ዕዮ ጥራይ አተኵር ስለ ዝነበርኩ፡ ንሰበይተይን ንኽልተ ደቅናን ዕሽሽ ኢለዮም እየ ነይረ። ነቶም ንኣምልኾ ናብ ቤተ መቕደስ ዝመጹ ሰባት ጽን ኢለ እሰምዖም እኳ እንተ ነበርኩ፡ ዋላ ሓደ መዓልቲ ንሰበይተይ ብተገዳስነት ሰሚዐያ ኸም ዘይፈልጥ ተገንዘብኩ።

መጽናዕተይ ምስ ቀጸልኩ፡ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ተመሃርኩ፣ እዚ ኸኣ፡ ናብኡ ብዝያዳ ኸም ዝቐርብ ገበረኒ። እቲ ኣብ ሮሜ 10:13 ዘሎ፡ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ዚብል ጥቕሲ ኸኣ፡ ኣዝዩ ተንከፈኒ። ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ንኣምላኽ እደልዮ ነይረ እየ፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ረኸብክዎ!

ኣብቲ ዜገልግለሉ ዝነበርኩ ቤተ መቕደስ፡ ከም ጓና ዝዀንኩ ዀይኑ ኺስምዓኒ ጀመረ። ኣብ ፈለማ፡ ካብ ሃይማኖት ሺንቶ እንተ ወጺአ፡ ካልኦት ብዛዕባይ እንታይ ከም ዚሓስቡ ኣጨነቐኒ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ካልእ እምነት እንተ ረኺበዮ፡ ናብኡ ኸም ዝኸይድ ንርእሰይ ቃል ኣትየ ነይረ እየ። ኣብ ጽድያ 1989፡ ንሕልናይ ክሰምዖ ወሰንኩ። ካብቲ ቤተ መቕደስ ወጻእኩ፡ ንርእሰይ ድማ ኣብ ኢድ የሆዋ ኣማዕቈብክዋ።

ነቲ ቤተ መቕደስ ምሕዳግ፡ ንዓይ ቀሊል ኣይነበረን። እቶም ካባይ ዝለዓለ ደረጃ ዝነበሮም ሰባት፡ ገንሑኒ፣ ከይሓድጎ ጸቕጢ ኺገብሩለይ ድማ ፈተኑ። ንወለደይ ብዛዕባ ውሳነይ ምንጋር እሞ ኸኣ ዝገደደ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ናብ ቤቶም ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ ካብ ፍርሂ እተላዕለ ኣብ ደረተይ ሕማቕ ተሰምዓኒ፡ ኣእጋረይ እውን ራዕራዕ በላ። ኣብኡ ቕድሚ ምብጻሐይ፡ ብተደጋጋሚ እናዕረፍኩ ናብ የሆዋ ጸለኹ።

ኣብ ቤት ወለደይ ምስ በጻሕኩ፡ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምልዓል ኣዝዩ ኣፍሪሁኒ ነበረ። ንነዊሕ ሰዓታት ኣይነገርክዎምን። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ብዙሕ ምስ ጸለኹ፡ ንኣቦይ ኵሉ ነገር ገለጽኩሉ። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝረኸብክዎ፡ ንዕኡ ምእንቲ ኸገልግሎ ድማ ንሃይማኖት ሺንቶ ኸም ዝሓድጎ ነገርኩዎ። ኣቦይ በዚ ሰምበደን ጐሃየን። ኣዝማደይ ናብ ቤት መጺኦም፡ ሓሳበይ ኬቐይሩኒ ጸዓሩ። ንቤተሰበይ ከጕህዮም እኳ እንተ ዘይደለኹ፡ ንየሆዋ ኸገልግል ከም ዚግብኣኒ ግና እፈልጥ ነይረ እየ። ድሕሪ ግዜ፡ ቤተሰበይ ንውሳነይ ኣኽቢሮምለይ እዮም።

ናብቲ ቤተ መቕደስ ምኻድ እኳ እንተ ሓደግክዎ፡ ኣተሓሳስባይ ምዕራይ ቃልሲ ዀይኑኒ እዩ። ኣነባብራ ኻህን ኣብ ደመይ ኣትዩ እዩ ነይሩ። ክርስዖ እኳ እንተ ጸዓርኩ፡ ኣብ ዅሉ ቦታታት ንናይ ቀደም ህይወተይ ዜዘኻኽር ነገራት የጋጥመኒ ነበረ።

ነቲ ጽልዋታት እቲ ንምውጋድ፡ ክልተ ነገራት እዩ ሓጊዙኒ። ቀዳማይ፡ ኣብ ቤተይ ዝነበረ ምስ ናይ ቀደም ሃይማኖተይ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ደልየ ድሕሪ ምርካብ፡ ንዅሉ መጻሕፍትን ስእልታትን ክቡር ዝዋግኡ መዘከርታታትን ኣቃጸልክዎ። ካልኣይ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምቅርራብ ኣጋጣሚታት ከናዲ ጀመርኩ። ዕርክነቶምን ደገፎምን ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ። በብቝሩብ፡ ናይ ቀደም ኣነባብራይ ካብ ተዘክሮይ እናሃሰሰ ጠፍአ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ንሰበይተይን ንደቀይን ዕሽሽ እብሎም ስለ ዝነበርኩ፡ ግሉላት ኰይኑ ይስምዖም ነበረ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት ኪገብርዎ ዚምህሮም፡ ምሳታቶም ግዜ ኸሕልፍ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ተቐራረብና። ድሕሪ ግዜ፡ ሰበይተይ ምሳይ ሓቢራ ንየሆዋ ኸተገልግል ጀመረት። ወደይን ጓለይን ሰብኣይ ጓለይን እውን፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓቢሮምና ኣለዉ።

ብዛዕባ እቲ ብግዜ ቝልዕነተይ ንኣምላኽ ንምግልጋልን ንሰባት ንምሕጋዝን ዝነበረኒ ትምኒት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ ኵሉ እቲ ዝምነዮ ዝነበርኩን ካብኡ ንላዕልን ከም ዝረኸብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ንየሆዋ ዘሎኒ ምስጋና፡ ብቓላት ዚግለጽ ኣይኰነን።

“ገለ ኸም ዝጐደለኒ ይስምዓኒ ነበረ።”​—ሊነት ሃውቲንግ

ዓመተ ልደት፦ 1958

መበቈል ሃገር፦ ደቡብ ኣፍሪቃ

ታሪኽ፦ እተደርበየት ኰይኑ ይስምዓ ነበረ

ሕሉፍ ህይወተይ፦ ጀርሚስቶን ኣብ እትበሃል ማእከላይ ደረጃ መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ዚነብሩላ ብዕደና እትናበር ንእሽቶ ኸተማ እየ ተወሊደ። ኣብታ ኸተማ ብዙሕ ገበን ኣይነበረን። ወለደይ ኬዕብዩኒ ዘይክእሉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ንርዕመት ኣሕሊፎም ሃቡኒ። ገና ጓል 14 መዓልቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ከም ኣደይን ኣቦይን ገይረ ዝረኣኽዎም ፈቃራት ሰብ ሓዳር ኸም ውሉዶም ገይሮም ተቐበሉኒ። ኰይኑ ግና፡ ታሪኸይ ምስ ፈለጥኩ፡ እተደርበኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ነቶም ዝረዓሙኒ ወለዲ ዘይብጽሖም ከም ዝዀንኩን ንሳቶም ብሓቂ ኺርድኡኒ ኸም ዘይክእሉን ኰይኑ ኺስምዓኒ ጀመረ።

ጓል 16 ዓመት ኣቢለ ምስ ኰንኩ፡ ምስ ፈተውተይ ናብ ቤት መስተታት ከይደ፡ ሙዚቃ ኽሰምዕን ክልሀን ጀመርኩ። ጓል 17 ምስ ኰንኩ ኸኣ፡ ሽጋራ ኸትክኽ ጀመርኩ። ከምተን ኣብ መወዓውዒ ሽጋራ ዚርኣያ ሞደላት፡ ቀጣን ክኸውን ደለኹ። ጓል 19 ምስ ኰንኩ፡ ኣብ ጆሃንስበርግ ክሰርሕ ጀመርኩ፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ብኡንብኡ ምስ ሕማቓት ሰባት ተቐራረብኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ጽዩፍ ዘረባ ኽዛረብ፡ ብዙሕ ሽጋራ ኸትክኽ፡ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኸኣ ብዙሕ መስተ ኽሰቲ ጀመርኩ።

ይኹን እምበር፡ ኣዘውቲረ ኣካላዊ ምውስዋስ እገብር ነበርኩ። ወትሩ ኤሮቢክስ እገብር፡ ኵዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮን ካልእ ጸወታን እውን እጻወት ነበርኩ። ኣብ ሞያይ ኣበርቲዐ እሰርሕ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ኮምፕዩተር ጽቡቕ ስም ከትርፍ ክኢለ እየ። ስለዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ እቶት ነበረኒ፡ ሓያሎ ሰባት ድማ ዕውትቲ ኸም ዝዀንኩ ገይሮም ይቘጽሩኒ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ብህይወተይ ሕጉስቲ ኣይነበርኩን። ገለ ነገር ከም ዝጐደለኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ ኸም ዝዀነ ፈለጥኩ። ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሃቡ እውን፡ ፍቕሩ ኸም ዘርኣየ ተምሃርኩ። ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምሃቡ፡ መምርሒ ዝዀነና ውልቃዊ ደብዳበ ኸም ዝጸሓፈልና ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ካብ ፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ኽጥቀም እንተ ደልየ፡ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ለውጥታት ክገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ።

ሓደ ኻብቲ ኽገብሮ ዝነበረኒ ለውጥታት፡ ንምሕዝነተይ ዚምልከት እዩ ነይሩ። እተን ኣብ ምሳሌ 13:20 ዚርከባ፡ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ዚብላ ቓላት ንልበይ ተንኪፈንኦ እየን። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ፡ ነቶም ናይ ቀደም መሓዙተይ ሓዲገ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ምሕዝነት ክምስርት ሓጊዙኒ እዩ።

ኣዝዩ ኸቢድ ወልፊ ሽጋራ ስለ ዝነበረኒ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ምትካኽ ሽጋራ ኽገድፎ ኣጸጊሙኒ ነበረ። ሽጋራ በብቝሩብ ምስ ገደፍክዎ፡ ካልእ ሽግር ኣጋጠመኒ። ምትካኽ ሽጋራ ብምሕዳገይ፡ ክብደተይ ብ13.6 ኪሎ ግራም ወሰኸ። እዚ ኸኣ ንርእሰይ ኣመና ኣትሒተ ኸም ዝርእያ ገበረኒ፣ ነቲ ዝወሰኽክዎ ኽብደት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ እውን፡ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ወሰደለይ። ኰይኑ ግና፡ ሽጋራ ብምሕዳገይ፡ ከም ዘይተጋገኹ እፈልጥ ነበርኩ። ናብ የሆዋ ብቐጻሊ ጸለኹ፣ ንሱ እውን ንኽዕወት ብርታዐ ሃበኒ።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦ ሕጂ ዝሓሸ ጥዕና ኣሎኒ። ዕግብቲ ስለ ዝዀንኩ፡ ደድሕሪ እቲ ብዓለማዊ ስራሕን ዝናን ሃብትን ከም ዚርከብ ጌርካ ዚሕሰብ ዘይጭበጥ ሓጐስ ኣይጐይይን እየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ብምንጋር፡ ሓጐስ እረክብ እየ። ከም ውጽኢቱ፡ ሕጂ ብዓል ቤተይን ሰለስተ መሳርሕተይን ንየሆዋ የገልግሉ ኣለዉ። እቶም ዘዕበዩኒ ወለደይ ቅድሚ ሙማቶም፡ ንነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤ ኽነግሮም ክኢለ እየ።

ንየሆዋ ክቐርቦ ብምኽኣለይ፡ ምስቲ ኸም እተደርበኹ ዀይኑ ዚስምዓኒ ዝነበረ ስምዒት ንኽቃለስ ሓጊዙኒ እዩ። የሆዋ ኣባል እቲ ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ኣምለኽቱ ብምግባር፡ ይብጽሑኒ ዚብሎም ሰባት ከም ዝረክብ ገይሩኒ እዩ። ኣብ መንጎኦም፡ ብዙሓት ኣዴታትን ኣቦታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉኒ።—ማርቆስ 10:29, 30

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ረኺበ እየ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ቀደም ዘምልኸሉ ዝነበርኩ ቤተ መቕደስ ሺንቶ