ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ መንግስቲ እያ። ንዅለን ካልኦት መንግስትታት ክትትክአንን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከም ዚኸውን ክትገብርን እያ። ስለዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነቲ ጽቡቕ መንግስቲ ኽንረክብ ዘሎና ሃንቀውታ፡ መልሲ እትኸውን እያ።​—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።

እታ መንግስቲ እቲኣ፡ ንጉስ ኣለዋ። የሆዋ ንወዱ የሱስ፡ ንጉስ እታ መንግስቱ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ።​ሉቃስ 1:30-33 ኣንብብ።

2. የሱስ ብሉጽ ገዛኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ወዲ ኣምላኽ ለዋህ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ጽኑዕ፡ ከምኡውን ንሰባት ንምሕጋዝ ዜድሊ ሓይሊ ዘለዎ ስለ ዝዀነ፡ ብሉጽ ንጉስ እዩ። (ማቴዎስ 11:28-30) የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፡ ኣብ የማን የሆዋ ዀይኑ ተጸበየ። (እብራውያን 10:12, 13) ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ግዝኣቱ ንኺጅምር፡ ኣምላኽ ስልጣን ሃቦ።—ዳንኤል 7:13, 14 ኣንብብ።

3. ምስ የሱስ ዚገዝኡ መን እዮም፧

“ቅዱሳን” ተባሂሎም እተጸውዑ ጕጅለ፡ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ኪገዝኡ ብኣምላኽ ተሓርዮም እዮም። (ዳንኤል 7:27) እቶም ቅዱሳን ኪዀኑ እተሓርዩ ቐዳሞት ሰባት፡ እሙናት ሃዋርያት የሱስ እዮም ነይሮም። የሆዋ፡ ቅዱሳን ዚዀኑ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ክሳዕ ሕጂ ይሓሪ ኣሎ። ንሳቶም ከም የሱስ፡ መንፈሳዊ ኣካል ሒዞም እዮም ዚትንስኡ።—ዮሃንስ 14:1-3፣ 1 ቈረንቶስ 15:42-45 ኣንብብ።

ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት እዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፧ የሱስ ንዓታቶም፡ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዎም። (ሉቃስ 12:32) ኣብ መወዳእታ፡ ቍጽሮም 144,000 ኪኸውን እዩ፣ ምስ የሱስ እውን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ እዮም።—ራእይ 5:9, 10፣ 14:1 ኣንብብ።

4. መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ግዝኣታ ጀሚራ፧

ብ1914 የሱስ ንጉስ ኰነ። * ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ናብ ምድሪ ደርበዮም። (ራእይ 12:7-10, 12) ካብ ሽዑ ንነጀው፡ መከራ ደቂ ሰብ ኣመና ወሲኹ ኣሎ። ውግእን ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ዓመጻን፡ ክፋል እቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ ትእምርቲ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኵሎም እቶም ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀሙ ዚደልዩ፡ ነቲ ንጉሳ ዝዀነ የሱስ ብኸመይ ኪስዕብዎ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ ኣለዎም።​—ሉቃስ 21:7, 10, 11, 31, 34, 35 ኣንብብ።

5. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ እትዓምም፧

መንግስቲ ኣምላኽ ብዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ኣቢላ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንእተዋጽኡ ሚልዮናት ሰባት፡ መገድታት ኣምላኽ ንኺመሃሩ ትሕግዞም ኣላ። (ማቴዎስ 24:14) ነዚ ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘሎ እኩይ ስርዓት ምስ ኣጥፍኣቶ፡ ነቶም እሙናት ተገዛእቲ የሱስ ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ከተዕቍቦም እያ።​—ራእይ 7:9, 10, 13-17 ኣንብብ።

ኣብ 1,000 ዓመት፡ ንምድሪ በብቝሩብ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ። ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ነታ መንግስቲ፡ ንኣቦኡ ኺውፍያ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:24-26) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግሮ እትደሊ ሰብ ኣሎዶ፧​—መዝሙር 37:10, 11, 29 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 8ን 9ን እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 13 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመተ 1914 እንታይ ከም ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 215-218 ርአ።