ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሕግታት ዩኒቨርስ ዝሰርዖ መን እዩ፧

ንሕግታት ዩኒቨርስ ዝሰርዖ መን እዩ፧

ንሕግታት ዩኒቨርስ ዝሰርዖ መን እዩ፧

“ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ፧” (እዮብ 38:33) ኣምላኽ ነቲ ተጨኒቑ ዝነበረ ኣገልጋሊኡ እዮብ ነዛ ሕቶ እዚኣ ብምሕታት፡ ፍልጠት ደቂ ሰብ ምስቲ ደረት ዘይብሉ ጥበብ ኣምላኽ ኪወዳደር ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ ንኺርዳእ ሓገዞ። ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ ንጽጽር እዚ እንታይ ይመስለካ፧

ደቂ ሰብ ብዛዕባ እቲ ግኡዝ ሰማያት ዚመሓደረሉ ሕግታት ብዙሕ እኳ እንተ ፈለጡ፡ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግና፡ ገና ብሕጂ እንፈልጦ ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ ይእመኑ እዮም። ብምኽንያት ሓድሽ ርኽበታት፡ ነቲ ብዛዕባ ዩኒቨርስ ዝነበሮም ክልሰ-ሓሳብ ብተደጋጋሚ ዳግመ-ግምት ኪገብሩሉ ተገዲዶም እዮም። እሞኸ እቲ ርኽበታት ነቲ ኣምላኽ ንእዮብ ዝሓተቶ ሕቶ ግዜኡ ዝሓለፎ ድዩ ዚገብሮ፡ ወይስ የሆዋ ምንጪ ሕግታት ዩኒቨርስ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጽ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚምልስ ዜደንቕ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። ሓቂ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ-ፍልጠት መጽሓፍ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያት ኪገልጽ ከሎ፡ ቅኑዕ እዩ፣ መብዛሕትኡ እዋን እውን ኣቐዲሙ እዩ ሓበሬታ ዚህብ።

ገሊኦም ሰባት ንዩኒቨርስ ብኸመይ ከም ዝገለጽዎ

ሰባት ብዛዕባ ዩኒቨርስ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም ንምፍላጥ፡ ናብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. እስከ ንመለስ፣ ሽዑ እቲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኻብ ዚዛዘም ሓደ ዘመን ሓሊፉ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣሪስቶትል ዚበሃል ግሪኻዊ ፈላስፋ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ዓበይቲ ምሁራት ብዛዕባ ግኡዝ ሰማያት ይምህሮም ነበረ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነበሩ ልዕሊ ዅሉ ጽልዋ ዘሕደረ ተመራማሪ ስነ-ፍልጠት እዩ። (ነታ ኣብ ገጽ 25 ዘላ ሳጹን ርአ።) ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣሪስቶትል ኣብ ታሪኽ ካብ ዝነበሩ፡ እቲ ናይ ሓቂ ተመራማሪ ስነ-ፍልጠት እዩ። . . . ነፍሲ ወከፍ ተመራማሪ ስነ-ፍልጠት ኬመስግኖ ኣለዎ” በለ።

ኣሪስቶትል ብጥንቃቐ ሞደል ቆዝሞስ ሰርሐ። ካብ ልዕሊ 50 ክሪስታላዊ ኽብታት እተሰርሐን ምድሪ ዝማእከሉን ስርዓት ከም ዘሎ፡ እቲ ኽብታት ከኣ፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ እተሓቚፈ ምዃኑ ገለጸ። ከዋኽብቲ ኣብ ወጻኢ ሸነኽ እቲ ኽቢ እዮም ዚርከቡ፣ እተን ፕላነታት ከኣ ኣብ ጥቓ ምድሪ ኣብ ዚርከብ ክቢ እየን ዚርከባ። ክንዮ ምድሪ ዘሎ ዅሉ፡ ዘለኣለማውን ዘይቅየርን እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ነዞም ሎሚ ዘለና ጽውጽዋይ እዩ፣ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግና፡ ንኣስታት 2,000 ዓመት ብእኡ ተጸልዮም እዮም።

ይኹን እምበር፡ ትምህርትታት ኣሪስቶትል ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚነጻጸር ብኸመይ እዩ፧ ብሉጽ ትምህርቲ ምዃኑ ዘመስከረ ኣየናይ እዩ፧ ቀጺልና እስከ ስለስተ ሕግታት ዩኒቨርስ ንርአ። መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ ሓጋጊ “ሕጋጋት ሰማይ”ን ዘላትና እምነት ንኽትድልድል ኪሕግዘና እዩ።​—እዮብ 38:33

1. ዩኒቨርስ ፈጺሙ ዘይቅየር ድዩ፧

ኣሪስቶትል፡ ኣብ ሰማይ ዚርከቡ ኽብታት ፈጺሞም ከም ዘይቅየሩ ገይሩ ይሓስብ ነበረ። እቲ ንኸዋኽብቲ ዀነ ንኻልኦት ፕላነታት ካብ መስመሮም ከይወጹ ሒዝዎም ዘሎ ነገር፡ ኪጭበጥ ወይ ኪዝርጋሕ ኣይክእልን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ ዚመሳሰል ግምታዊ ሓሳብ ድዩ ዚህብ፧ ኣይፋሉን፣ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ድርቕ ዝበለ ኣረኣእያ ኣይኰነን ዘለዎ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ዚስዕብ ዜደንቕ ስእላዊ ዘረባ እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዚሰጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚግትሮ ንሱ እዩ።”​—ኢሳይያስ 40:22 *

ሎሚ፡ እቲ ኣሪስቶትል ዘዳለዎ ሞደል ድዩ ወይስ መግለጺ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተረኺቡ፧ ዘመናዊ መጽናዕቲ ቖዝሞስ ንዩኒቨርስ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ኣብ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ተመራመርቲ ስነ-ኰዀብ፡ ዩኒቨርስ ዘይቅየር ከም ዘይኰነ ምስ ፈለጡ ተገሪሞም እዮም። ጋላክሲታት ንሓድሕዶም እናተረሓሓቑ እዮም ዚኸዱ ዘለዉ። ዩኒቨርስ ኪሰፍሕ ከም ዚኽእል ገይሮም ዚሓስቡ ዝነበሩ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ክንድቲ ኣይነበሩን። ሎሚ ዘለዉ ተመራመርቲ ቖዝሞስ ብሓፈሻ ግና፡ ዩኒቨርስ ኪጅምር ከሎ ኣዝዩ እተጨበጠ ኸም ዝነበረ፡ ካብኡ ንነጀው ከኣ እናተዘርግሐ ይኸይድ ከም ዘሎ እዮም ዚኣምኑ። በዚ ኸምዚ፡ ብዓይኒ ስነ-ፍልጠት ኪርአ ኸሎ፡ ሞደል ኣሪስቶትል ግዜኡ ዝሓለፎ እዩ።

ብዛዕባ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ከም ነብዪ ኢሳይያስ ዝኣመሰለ ሰብ፡ ናብ ላዕሊ ኣንቃዕሪሩ ብምጥማት፡ እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ ንእተገተረ ድንኳን ከም ዚመስል ገይሩ ኺሓስብ ከም ዚኽእል ምግማቱ ዜጸግም ኣይኰነን። * ነቲ ኣብ መንጎ ጋላክሲ ሊሐን “ጋንጽላ”ን ዘሎ ተመሳሳልነት እውን ኣስተብሂሉሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ቃላት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣእምሮና ስእሊ ይፈጥረልና እዩ። ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ድንኳን እሞ ንሕሰብ፣ ሰባት ነቲ ንመጽለሊ ዚሰርሕዎ ዝነበሩ ድንኳን ብተሪር ዕንጨይቲ ገይሮም ቅድሚ ምትካሎም፡ ነቲ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ቴንዳ ኺዝርግሕዎን ኪግትርዎን ነበሮም። ብዘይካዚ፡ እተጠቕለለ ንእሽቶ ዓለባ ዘርጊሑ ንዓዳጊ ዜርኢ ነጋዳይ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእል ንኽእል ኢና። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ነገር ተዘርጊሑን ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ሰፊሑን እዩ።

ልክዕ እዩ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንድንኳንን ንጋንጽላን ዚጠቕስ ውቁብ ኣገላልጻ፡ ግኡዝ ዩኒቨርስ እናሰፍሐ ኸም ዚኸይድ እዩ ዚገልጽ ማለትና ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዩኒቨርስ ዚህቦ መግለጺ ምስ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ዚሰማማዕ ምዃኑስ ዜገርም ደይኰነን፧ ኢሳይያስ ካብቲ ኣሪስቶትል ዝነበረሉ ግዜ ልዕሊ ሰለስተ ዘመን ኣቐዲሙ፡ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዜእምን መርትዖ ኻብ ዚረክብ ከኣ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ እዩ ዚነብር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ትሑት እብራዊ ነብዪ ዝጸሓፎ መግለጺ፡ ልክዕ ከምቲ ኣሪስቶትል ብውሕልና ዝሰርሖ ሞደል እንደገና ዳግመ-ግምት ኪግበሮ ኣየድልን እዩ።

2. ንሰማያዊ ኣካላት መስመሩ ኸም ዘይስሕት ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ኣሪስቶትል፡ ዩኒቨርስ ኣዝዩ እተጨቓጨቐ ኸም ዝዀነ ገይሩ ይሓስብ ነበረ። ምድርን ሃዋህው ምድርን ብኣርባዕተ ባእታታት፡ ማለት ብሓመድን ብማይን ብኣየርን ብሓውን ከም ዝቘመ፡ ነቲ ኽንዮኡ ዘሎ ዩኒቨርስ ከኣ፡ ኢተር ብዚበሃል ዘለኣለማዊ ውሁድ ዝቘመ ክሪስታላዊ ኽብታት መሊእዎ ኸም ዘሎ ይኣምን ነበረ። ብመሰረት ኣረኣእያኡ፡ ሰማያዊ ኣካላት ምስቲ ብዓይኒ ዘይርአ ኽብታት እተተሓሓዘ እዩ። ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ሓደ ነገር ኣብ ልዕሊ ኻልእ ነገር እንተ ዘይተደጊፉ ወይ ምስ ካልእ ነገር እንተ ዘይተተሓሒዙ ኸም ዚወድቕ ገይሮም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ኣሪስቶትል ዘበገሶ ሓሳብ ንነዊሕ እዋን ይኣምኑሉ ነበሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል፧ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ” በለ። (እዮብ 26:7) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ንኣሪስቶትል ትርጕም ኣልቦ ኸም ዚዀኖ ኣየጠራጥርን እዩ።

ኣብ መበል 17 ዘመን ድ.ክ.፡ ማለት ካብቲ እዮብ ዝነበረሉ እዋን ኣስታት 3,000 ዓመት ጸኒሑ፡ ዩኒቨርስ፡ ብክሪስታላዊ ኽብታት ዘይኰነስ፡ ብሓደ ዓይነት ፈሳሲ እተመልአ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ስነ-ፍልጠት ነበረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ዘመን እቲ ግና፡ ሰር ኣይዛክ ኒውተን ዝስሙ ናይ ፊዚክስ ሊቅ፡ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ሓሳብ ኣቕረበ። ኣብ መንጎ ሰማያዊ ኣካላት ምስሕሓብ ኪህሉ ዝኸኣለ፡ ብምኽንያት ሕጊ ስሕበት ምዃኑ ገለጸ። ምድርን ካልእ ሰማያዊ ኣካላትን ኣብቲ ንሰባት “ገለ ዘይብሉ” ዀይኑ ዚረኣዮም ባዶ ህዋ ተንጠልጢሉ ኸም ዘሎ ተረዲኡ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ሰጒሙ ነይሩ ኺበሃል ይከኣል እዩ።

ኒውተን ዘቕረቦ ኽልሰ-ሓሳብ ስሕበት፡ ብዙሕ ምጽራር ኣጋጠሞ። ንብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ከዋኽብትን ካልእ ሰማያዊ ኣካላትን ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጭቡጥ ነገር ብርእሶም ደው ኢሎም ከም ዘለዉ ዚገልጽ ሓሳብ ኪወሓጠሎም ኣይከኣለን። እዛ ገዛፍ ምድርና ወይ ሰማያዊ ኣካላት ኣብ ባዶ ህዋ ኺንጥልጠል ዚኽእል እሞ ብኸመይ እዩ፧ እቲ ሓሳብ ንገሊኦም ሰባት፡ ልዕለ-ባህርያዊ ዀይኑ ተሰምዖም። ከመይሲ፡ ካብ ግዜ ኣሪስቶትል ኣትሒዞም፡ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ህዋ ብገለ ነገር እተመልአ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም።

ልክዕ እዩ፡ እዮብ ብዛዕባ እቲ ምድሪ ኣብ ከባቢ ጸሓይ ክትዘውር ከላ ኻብ መስመር ከይትወጽእ ዚሕዛ ነገር ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ፕላነትና “ኣብ ገለ ዜብሉ” ተንጠልጢላ ኸም ዘላ ኺገልጽ ዝኸኣለ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧

ምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ ተንጠልጢላ ኸም ዘላ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ‘ንምድርን ንኻልእ ሰማያዊ ኣካላትን መስመሩ ኸም ዘይስሕት ዚገብሮ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኼበግስ ይኽእል እዩ። ሓደ እዋን፡ ኣምላኽ ንእዮብ፡ “ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞ፡ ንኦርዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከአለካ እዩ፧” ዚብል ዜደንቕ ሕቶ ሓቲትዎ ነበረ። (እዮብ 38:31) እዮብ ነዞም እኩባት ከዋኽብቲ እዚኣቶም፡ ምሸት ምሸት ይርእዮም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። * ኰይኑ ግና፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት እውን ከይተረፈ፡ ከምታ ዘለውዋ ዚቕጽሉ ስለምንታይ እዮም፧ ነዞም ከዋኽብቲ እዚኣቶም ኰነ ንኻልኦት ሰማያውያን ኣካላት ኣብታ ቦታኦም ከም ዚተኣኻኸቡ ዚገብሮም ማእሰር እንታይ እዩ፧ እዚ ዅሉ ንእዮብ ኣደንጽይዎ ኪኸውን ኣለዎ።

እቶም ከዋኽብቲ ኣብ ሰማይ ምስ ዚርከብ ክብታት እተጣበቑ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ኣብ ቦታኦም ከም ዚተኣኻኸቡ ዚገብሮም ማእሰር ኣይመድለዮምን። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሖም እዮም ብዛዕባ እቲ ንሰማያዊ ኣካላት ኣብ ህዋ ኺጐዓዙ ኸለዉ ኻብ መስመሮም ከይወጹ ዚሕዞም “ማእሰር”ፈሊጦም። ኣይዛክ ኒውተን፡ ጸኒሑ ኸኣ ኣልበርት ኣንስታይን፡ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ብዝረኸብዎ ርኽበት፡ ህቡባት ኰይኖም እዮም። ልክዕ እዩ፡ እዮብ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሰማያውያን ኣካላት ብሓደ ንምእሳር እተጠቕመሉ ሓይሊ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት፡ ካብቲ ምሁር ዝነበረ ኣሪስቶትል ዘቕረቦ ሓሳብ ንላዕሊ ብሉጽ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ካብቲ ሓጋጊ ሕጊ ንላዕሊ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስትውዓል ኪህልዎ ዚኽእል እሞ መን ኣሎ፧

3. ዘለኣለማዊ ድዩ ወይስ ጠፋኢ፧

ኣሪስቶትል፡ ኣብ መንጎ ሰማያትን ምድርን ኣዝዩ ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ ይኣምን ነበረ። ምድሪ ኽትቅየርን ክትበላሾን ክትዓኑን ከም እትኽእል፡ እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያት እተሰርሓሉ ኢተር ግና፡ ዘይልወጥን ዘለኣለማውን ከም ዝዀነ ገይሩ ይሓስብ ነበረ። እቲ ኣሪስቶትል ዘዳለዎ ክሪስታላዊ ኽብታትን እቲ ምስኡ ተጣቢቑ ዘሎ ሰማያዊ ኣካላትን፡ ኪልወጥ፡ ኪበሊ፡ ወይ ኪጠፍእ ኣይክእልን እዩ።

ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኢሉ ድዩ ዚምህር፧ መዝሙር 102:25-27 ከምዚ ትብል፦ “ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፡ ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፡ ኪልወጡውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን።”

እቲ ምናልባት ካብ ኣሪስቶትል ክልተ ዘመን ኣቐዲሙ ዝነበረ ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ መዝሙር ዝጸሓፋ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ምድሪ ኽትጠፍእ ከም እትኽእል፡ እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ ግና ዘለኣለማዊ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ንጽጽር ኣይኰነን ጠቒሱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሰማይን ንምድርን ምስቲ ዝፈጠሮም ሓያል ኣምላኽ እዩ ኣነጻጺርዎም። * ስለዚ፡ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ከዋኽብቲ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ነገራት፡ ኪጠፍእ ከም ዚኽእል እዩ ዚሕብር ነይሩ። እሞኸ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል፧

ብዛዕባ ስነ-መሬት ዜጽንዕ ስነ-ፍልጠት፡ ምድሪ ኽትጠፍእ ከም እትኽእል ስለ ዚገልጽ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንኣሪስቶትልን ይድግፎም እዩ። ኣብ ምድርና ዚርከቡ ኣኻውሕ፡ ብፍግረ-መሬት ይብሕጐጉ፡ ብእሳተ-ጎመራን ብኻልእ ንጥፈታትን ከኣ እንደገና ይትክኡ እዮም።

ብዛዕባ ኸዋኽብቲኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ ኪጠፍኡ ይኽእሉ ድዮም፡ ወይስ ከምቲ ኣሪስቶትል ዝበሎ ዘለኣለማውያን እዮም፧ ኤውሮጳውያን ተመራመርቲ ስነ-ኰዀብ ኣብ መበል 16 ዘመን ድ.ክ. ንፈለማ እዋን ሓደ ኰዀብ ኪፍንጀር ከሎ ምስ ረኣዩ፡ እቲ ኣሪስቶትል ዘቕረቦ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ኸዋኽብቲ ዚገልጽ ሓሳብ ኬጠራጥሮም ጀመረ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ከዋኽብቲ ኺፍንጀሩ ወይ ቀስ ብቐስ ኪነዱ ወይ ከኣ ሃንደበት ኪጠፍኡ ኸም ዚኽእሉ ተዓዚቦም እዮም። ይኹን እምበር፡ ካብቲ እቶም እተፈንጀሩ ኸዋኽብቲ ዚፈጥርዎ ጋዝ፡ ሓደስቲ ኸዋኽብቲ ኺፍጠሩ ኸለዉ እውን ተዓዚቦም እዮም። ስለዚ፡ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንምድርን ንሰማያዊ ኣካላትን፡ ምስ ዚበልን ብኻልእ ምስ ዚትካእን ክዳን ኬመሳስሎ ሓቁ እዩ። * እቲ ብግዜ ጥንቲ ዚነብር ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር ምስቲ ሎሚ ዘሎ ርኽበታት ዚሰማማዕ ቃላት ኪጽሕፍ ምኽኣሉ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ ወይ እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያት ከም ዚጠፍእ ወይ ከም ዚቕየር ይምህር ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መልሱ፡ ‘ኣይፋልን’ ዚብል እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድርን እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያትን ንዘለኣለም ከም ዚነብር እዩ ዚመባጻዕ። (መዝሙር 104:5፣ 119:90) ከምኡ ኺበሃል ከሎ ግና፡ እዞም ፍጥረታት እዚኣቶም ብርእሶም ዘለኣለማውያን እዮም ማለት ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ብመሰረት እቲ ዝፈጠሮም ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ እዮም ቈይሞም ዘለዉ። (መዝሙር 148:4-6) ብኸመይ ከም ዜቝሞም እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ እቲ ንዩኒቨርስ ዝፈጠረ ኣምላኽ ንዕኦም ንምቛም ዜኽእሎ ሓይሊ ኣይህልዎንዶ፧ እዚ ምስቲ ነታ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ኢሉ ዝሃነጻ ቤት ብፍቕሪ ተደሪኹ ዚሕድሳ ወሓለ ሃናጺ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ።

ክብርን ስብሓትን ዚግብኦ መን እዩ፧

ብዛዕባ እተወሰነ ሕግታት ዩኒቨርስ ምምርማርና፡ ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንኽንፈልጦ ይሕግዘና እዩ። ነቶም ማእለያ ዘይብሎም ከዋኽብቲ ኣብ ህዋ ዚዝርግሖም፡ ብማእሰር ስሕበት ገይሩ መስመሮም ከይስሕቱ ዚኣስሮም፡ ከምኡውን ኣብቲ ዘለውዎ ዜቝሞም መን ምዃኑ ምስ ፈለጥና፡ ኣዚና ደይኰንናን እንምሰጥ፧

ምናልባት እቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:26 ዚርከብ ቃላት፡ ነቲ ኣዚና እንምሰጠሉ ምኽንያት ኪገልጾ ይኽእል ይኸውን፣ እታ ጥቕሲ፡ “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ” ትብል። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ከዋኽብቲ ምስቲ ንብዙሓት ወተሃደራት ዜጠቓልል ሰራዊት ተመሳሲሎም ኣለዉ። ሓደ ሰራዊት፡ ብዘይ መምርሒ ኣዛዚ፡ ፋሕ ጭንግራሕ ዝኣተዎ ጭፍራ ዀይኑ እዩ ዚተርፍ። ብተመሳሳሊ፡ ብዘይ እቲ የሆዋ ዘውጸኦ ሕጊ፡ ፕላነታትን ከዋኽብትን ጋላክሲታትን ብስርዓት ኣይምተጓዕዙን፡ ሕንፍሽፍሽ ከኣ ምኣተዎም ነይሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ንወተሃደራቱ ዚእዝዝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንስምን ሃለዋትን ኵነታትን ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ብልቡ ዚፈልጥ ኣዛዚ ዘለዎ ብቢልዮናት ዚቝጸር ሰራዊት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል!

ሕግታት ሰማይ ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣተሓሳስባ ኣዛዚኡ ይሕብረና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ኬውጽእ ዚኽእል መን እዩ፧ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ ሕግታት ሰማይ ቅድሚ ምርዳኦም ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ሰባት ብዛዕባ ሕግታት ሰማይ ንኺጽሕፉ ብመንፈሱ ኺመርሖም ዚኽእል መን እዩ፧ ስለዚ እምበኣር፡ ንየሆዋ “ኽብርን ስብሓትን” እንህበሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።​—ራእይ 4:11

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 11 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ትርጕም እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ብዚመሳሰል መገዲ፡ ምድሪ ኸባብ ምዃና ምግላጹ ዜደንቕ እዩ። ኣሪስቶትልን ካልኦት ጥንታውያን ግሪኻውያንን፡ ምድሪ ኸባብ ምዃና ብደረጃ ኽልሰ-ሓሳብ እኳ እንተ ገለጹ፡ እዚ ግና ንነዊሕ ዘመናት ኣከራኻሪ እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 13 ከምዚ ዓይነት ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ተዓዪሉ ኣሎ።​—እዮብ 9:8፣ መዝሙር 104:2፣ ኢሳይያስ 42:5፣ 44:24፣ 51:13፣ ዘካርያስ 12:1

^ ሕ.ጽ. 22 እቲ “ሾብዓተ ኸዋኽብቲ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንጥምሮ ኸዋኽብቲ ፕልያድስ ኬመልክት ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብታ ጥቕሲ ተጠቒሱ ዘሎ ኻልኣይ ጥምሮ ኸዋኽብቲ ን“ኦርዮን” ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ እኩብ ከዋኽብቲ እዚ ግሁድ ለውጢ ንኺገብር፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ዓመታት እዩ ዜድልዮ።

^ ሕ.ጽ. 27 የሆዋ ንዅሉ ነገራት ናብ ህልውና ኣብ ምምጻእ ነቲ ሓደ መንፈሳዊ ወዱ ኸም “ሰራሕተኛ” ገይሩ ስለ እተጠቕመሉ፡ እተን ኣብዛ ጥቕሲ ዚርከባ ቓላት ንየሱስ እውን ኬመልክታ ይኽእላ እየን።​—ምሳሌ 8:30, 31፣ ቈሎሴ 1:15-17፣ እብራውያን 1:10

^ ሕ.ጽ. 29 ኣብ መበል 19 ዘመን፡ ዊልያም ቶምሰን ዝስሙ፡ ሎርድ ከልቪን ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ተመራማሪ ስነ-ፍልጠት፡ ካልኣይ ሕጊ ተርሞዲናሚካ ረኸበ፣ ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ድሕሪ ግዜ፡ ተፈጥሮኣዊ ስርዓታት እናተበላሸወን እናዓነወን እዩ ዚኸይድ። እቲ ተመራማሪ ስነ-ፍልጠት ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኸም ዚበጽሕ ካብ ዝገበሮ ረቛሒታት እቲ ሓደ፡ ንመዝሙር 102:25-27 ብጥንቃቐ ምጽናዑ እዩ።

[ገጽ 24-25 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ሓያል ጽልዋ

“ኣሪስቶትል ካብቶም ኣብ ጥንታዊት ዓለም ዝነበሩ ሰባት፡ እቲ ዝዓበየ ፈላስፋን ተመራማሪ ስነ-ፍልጠትን እዩ ነይሩ።” ዘ 100​—ኤ ራንኪንግ ኦቭ ዘ ሞስት ኢንፍሉወንሻል ፐርሰንስ ኢን ሂስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ እያ ኸምዚ ኢላ። ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ሰብኣይ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርእይቶ ዚወሃበሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ኣሪስቶትል (384-322 ቅ.ክ.)፡ ተመሃራይ እቲ ህቡብ ፈላስፋ ዝነበረ ፕላቶ እዩ ነይሩ፣ ንእስክንድር ዓብዪ እውን ምሂርዎ እዩ። ብመሰረት ጥንታዊ መዝገብ፡ ኣሪስቶትል 170 መጻሕፍቲ ጽሒፉ እዩ፣ ካብዚ ዅሉ ግን፡ 47 መጻሕፍቲ ጥራይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል። ብዛዕባ ስነ-ኰዀብን ስነ-ህይወትን ስነ-ቐመምን ስነ-እንስሳን ፊዚክስን ስነ-መሬትን ስነ-ኣእምሮን ብሰፊሑ ጽሒፉ እዩ። ካብ ካልኦት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ንህያዋን ፍጥረታት ብዚምልከት ዝርዝር ነገራት ጽሒፉ እዩ። እታ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናያ መጽሓፍ፡ “ኣሪስቶትል ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ምዕራባዊ ስልጣነ ዓብዪ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ” በለት። ይኹን እምበር፡ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ንኣሪስቶትል ዚወሃቦ ዝነበረ ናእዳ ኣመና እናዓበየ ብምኻድ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ማእከላይ ዘመን ዳርጋ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ተቐየረ” በለት።

[ምንጪ ስእሊ]

Royal Astronomical Society/​Photo Researchers, Inc.

From the book A General History for Colleges and High Schools, 1900

[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ስእሊ]

ስሕበት ንሰማያዊ ኣካላት፡ መስመሩ ኸም ዘይስሕት ይገብሮ

[ምንጪ ስእሊ]

NASA and The Hubble Heritage Team (AURA/​STScl)

[ኣብ ገጽ 26 27 ዘሎ ስእሊ]

ጥምሮ ኸዋኽብቲ ፕልያድስ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ገሊኦም ከዋኽብቲ ተፈንጂሮም ይሞቱ

[ምንጪ ስእሊ]

ESA/​Hubble

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

እተፈንጀሩ ኸዋኽብቲ ብዚፈጥርዎ ጋዝ፡ ሓደስቲ ኸዋኽብቲ ይፍጠሩ

[ምንጪ ስእሊ]

J. Hester and P. Scowen (AZ State Univ.), NASA

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Peter Arnold, Inc./​Alamy