ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመሲሕ ረኺቦምዎ

ንመሲሕ ረኺቦምዎ

ንመሲሕ ረኺቦምዎ

“ንመሲህ . . . ረኺብናዮ።”​—ዮሃ. 1:41

1. እንድርያስ፡ “ንመሲህ . . . ረኺብናዮ” ኺብል ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

 ዮሃንስ መጥምቕ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኢሉ፡ ንየሱስ ናብኦም ገጹ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ “እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ” በለ። እንድርያስን ካልእ ወደ መዝሙርን ከኣ ብኡንብኡ ንየሱስ ሰዓብዎ፣ ምስኡ ድማ ወዓሉ። ጸኒሑ፡ እንድርያስ ነቲ ስምኦን ጴጥሮስ ዝስሙ ሓዉ ረኸቦ እሞ፡ “ንመሲህ . . . ረኺብናዮ” ኢሉ ናብ የሱስ ሒዝዎ ኸደ።​—ዮሃ. 1:35-41

2. ተወሳኺ መሲሓዊ ትንቢታት ምምርማርና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

2 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እንድርያስን ጴጥሮስን ካልኦት ሰባትን ንቕዱሳት ጽሑፋት ብጥንቃቐ ብምጽናዕ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት መሲሕ ምዃኑ ኸም ዝገለጹ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ቀጺልና ተወሳኺ መሲሓዊ ትንቢታት ክንምርምር ከለና፡ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ቅቡእ የሆዋን ዘላትና እምነት ክትድልድል እያ።

“እንሆ ንጉስኪ . . . ይመጽእ አሎ”

3. የሱስ ናብ የሩሳሌም ብዓጀባ ኺኣቱ ኸሎ፡ ኣየናይ ትንቢታት እዩ ተፈጺሙ፧

3 እቲ መሲሕ ናብ የሩሳሌም ብዓጀባ ኸም ዚኣቱ ተነጊሩ ነይሩ። ትንቢት ዘካርያስ፡ “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሐጐሲ፡ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ፡ ንሱ ጻድቕ፡ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ፡ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ” ይብል። (ዘካ. 9:9) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር እውን፡ “እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ” በለ። (መዝ. 118:26) የሱስ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ጽልዋ ብምሕዳር፡ ከም ዚጭድሩ ኣይገበሮምን። ኰይኑ ግና፡ ህዝቢ እስራኤል ከም መፈጸምታ እቲ ትንቢት፡ ዓው ኢሎም ብሓጐስ ጨደሩ። ነቲ ጸብጻብ ከተንብቦ ኸለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎን ነቲ ናይ ሓጐስ ጭድርታ ኽትሰምዖን እሞ ፈትን!​—ማቴዎስ 21:4-9 ኣንብብ።

4. ከም መፈጸምታ መዝሙር 118:22, 23፡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ግለጽ።

4 የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዚሕብር መርትዖታት እናሃለወ ኽነሱ፡ ብብዙሓት ተናዕቐ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኽቡር እዩ። ከምቲ ብትንቢት እተገልጸ፡ የሱስ በቶም ነቲ መርትዖ ዝነጸግዎ ሰባት ‘ተዋሪዱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ገለ እውን ኣይተቘጽረን።’ (ኢሳ. 53:3፣ ማር. 9:12) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ብመንፈሱ ደሪኹ፡ “ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ። እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ” ኢሉ ኸም ዚጽሕፍ ገይርዎ እዩ። (መዝ. 118:22, 23) ሓደ እዋን፡ የሱስ ነቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቱ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ጠቐሰሎም፣ ጴጥሮስ እውን፡ እታ ጥቕሲ ኣብ ክርስቶስ ከም እተፈጸመት ገሊጹ ነበረ። (ማር. 12:10, 11፣ ግብ. 4:8-11) ስለዚ እምበኣር፡ የሱስ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ “እምኒ መኣዝን” ኰይኑ እዩ። ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት እኳ እንተ ነጸግዎ፡ “ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን” እዩ።​—1 ጴጥ. 2:4-6

ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተራሕርሐን

5, 6. ብዛዕባ እቲ ንመሲሕ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሰብ እተነግረ ኣየናይ ትንቢት እዩ ተፈጺሙ፧

5 እቲ መሲሕ ብናይ ቀረባ ፈታዊኡ ኣሕሊፍካ ኸም ዚወሃብ ተሓቢሩ ነይሩ። ዳዊት፡ “እቲ ዝእመኖ፡ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዐለለይ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (መዝ. 41:9) ብሓደ ዄንካ እንጌራ ምብላዕ፡ ምልክት ዕርክነት እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 31:54) ስለዚ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንየሱስ፡ ዝኸፍአ ዓይነት ክሕደት እዩ ኽሒድዎ። የሱስ ነቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ሰብ ብዚምልከት ንሃዋርያቱ ኺነግሮም ከሎ፡ ትንቢት ዳዊት ይፍጸም ከም ዝነበረ ሓበሮም፣ “ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፤ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዐለ” በለ።​—ዮሃ. 13:18

6 እቲ ነቲ መሲሕ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሰብ፡ 30 ቕርሺ፡ ማለት ሓደ ባርያ ዚዕደገሉ ዋጋ ኸም ዚቕበል ተገሊጹ ነይሩ። ማቴዎስ፡ ከም መፈጸምታ እቲ ኣብ ዘካርያስ 11:12, 13 ዚርከብ ትንቢት፡ የሱስ ብዘይረብሕ ዋጋ ኣሕሊፍካ ኸም ዚወሃብ ገለጸ። ኰይኑ ግና፡ “እቲ ብነብዪ ኤርምያስ . . . እተባህለ” ኢሉ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ ብግዜ ማቴዎስ፡ ኣብቲ ንዘካርያስ እውን ዜጠቓልል መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኤርምያስ መጀመርታ ስለ እተጠቕሰ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምስ ሉቃስ 24:44 ኣረኣኢ።) ይሁዳ ነቲ ዘይሕጋዊ ገንዘቡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ርእሱ ስለ ዝቐተለ፡ ኣይተጠቕመሉን።—ማቴ. 26:14-16፣ 27:3-10

7. ዘካርያስ 13:7 እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧

7 ደቀ መዛሙርቲ እቲ መሲሕ እውን ከይተረፉ ፋሕ ከም ዚብሉ ተነጊሩ ነይሩ። ዘካርያስ፡ “ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ኪብላ እየን” ኢሉ ጸሓፈ። (ዘካ. 13:7) ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም” በሎም። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኰነ፣ ከመይሲ፡ ማቴዎስ ከም ዝገለጾ፡ “እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዅሎም [ንየሱስ] ሐዲጎምዎ ሀደሙ።”​—ማቴ. 26:31, 56

ተኸስሰን ተወቕዐን

8. ኢሳይያስ 53:8 እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧

8 እቲ መሲሕ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቐርብን ከም ዚፍረዶን ተሓቢሩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 53:8 ኣንብብ።) ብ14 ኒሳን ኣብ ኣጋ ወጋሕታ፡ ብምሉኦም ኣባላት ዋዕላ ኣይሁድ ተኣኪቦም፡ ንየሱስ ብምእሳር ነቲ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝስሙ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ኣረከብዎ። ጲላጦስ ከኣ ንየሱስ ድሕሪ ምምርማር፡ ዋላ ሓንቲ ገበን ኪረኽበሉ ኣይከኣለን። ድሕሪኡ፡ ንየሱስ ኪፈትሖ እኳ እንተ ሓሰበ፡ እቶም ህዝቢ ግና፡ “ስቐሎ” ኢሎም ጨደሩ፣ ነቲ ገበነኛ ዝነበረ በርባን ኪፈትሓሎም ከኣ ሓተቱ። ጲላጦስ ነቶም ህዝቢ ኼሐጕስ ስለ ዝደለየ፡ ንበርባን ፈትሖ፣ ንየሱስ ግና ገሪፉ ንኺስቀል ኣሕሊፉ ሃቦ።​—ማር. 15:1-15

9. ከምቲ ኣብ መዝሙር 35:11 ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ ብግዜ የሱስ እንታይ ኣጋጠመ፧

9 ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣንጻር እቲ መሲሕ ከም ዚምስክሩ ተገሊጹ ነይሩ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት፡ “ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፡ ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ” ኢሉ ነበረ። (መዝ. 35:11) ከም መፈጸምታ እዚ ትንቢት እዚ፡ “ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን . . . ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ።” (ማቴ. 26:59) እወ፡ “በዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን።” (ማር. 14:56) እቶም ሞት የሱስ ዚምነዩ ዝነበሩ ጸላእቲ፡ ብዛዕባ እቲ ዚወሃብ ዝነበረ ናይ ሓሶት ምስክር ቅጭጭ ኣይበሎምን።

10. ኢሳይያስ 53:7 ብኸመይ ከም እተፈጸመት ግለጽ።

10 እቲ መሲሕ ንኸሰስቱ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይምልሰሎም ተነጊሩ ነይሩ። ኢሳይያስ፡ “መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን” ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ኢሳ. 53:7) የሱስ፡ “ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ኪኸስዎ ኸለዉ፡ . . . ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን።” ጲላጦስ እውን ንየሱስ፡ “ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፧” ኢሉ ሓቲትዎ ነበረ። የሱስ ግና፡ “እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ . . . ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን።” (ማቴ. 27:12-14) ንኸሰስቱ እውን ኣይጸረፎምን።​—ሮሜ 12:17-21፣ 1 ጴጥ. 2:23

11. ከም መፈጸምታ ኢሳይያስ 50:6⁠ን ሚክያስ 5:1⁠ን፡ እንታይ ኣጋጠመ፧

11 እቲ መሲሕ ከም ዚውቃዕ፡ ኢሳይያስ ተነብዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጕርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጕሪ ሀብኩ፡ ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን” ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳ. 50:6) ሚክያስ እውን፡ “ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ” ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ሚክ. 5:1) እቲ ወንጌል ዝጸሓፈ ማርቆስ፡ እቲ ትንቢት ብርግጽ ከም እተፈጸመ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓያሎ ድማ [ንየሱስ] ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ኬጕስጥዎ፡ ተነበውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ” በለ። ብዘይካዚ፡ ዓቀይቲ ንየሱስ፡ “ርእሱ . . . ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ተንበርኪኾምውን [ብኣሽካዕላል] ሰገዱሉ።” (ማር. 14:65፣ 15:19) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ኣደዳ እዚ ዅሉ ግፍዒ ዚዀነሉ ምኽንያት ኣይነበረን።

ክሳዕ ሞት እሙን ኰነ

12. መዝሙር 22:16⁠ን ኢሳይያስ 53:12⁠ን ኣብ የሱስ እተፈጸማ ብኸመይ እየን፧

12 እቲ መሲሕ ከም ዚስቀል ብትንቢት ተገሊጹ ነይሩ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ “ኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒ፡ ነእዳወይን ነእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም” ኢሉ ነበረ። (መዝ. 22:16) እቲ ወንጌል ዝጸሓፈ ማርቆስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ፍጻመ ኺገልጽ ከሎ፡ “እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት [ከባቢ ሰዓት ትሸዓተ ቕድሚ ቐትሪ] ነበረት” በለ። (ማር. 15:25) እቲ መሲሕ ምስ ሓጥኣን ከም ዚቝጸር እውን ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ኢሳይያስ፡ “ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ” በለ። (ኢሳ. 53:12) በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ [ምስ የሱስ] ሰቐሉ።”​—ማቴ. 27:38

13. መዝሙር 22:7, 8 ኣብ የሱስ እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧

13 ሰባት ነቲ መሲሕ ከም ዚጸርፍዎ፡ ዳዊት ተነብዩ ነይሩ። (መዝሙር 22:7, 8 ኣንብብ።) የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰባት ይጸርፍዎ ነበሩ፣ ማቴዎስ ብዛዕባ እዚ ኺጽብጽብ ከሎ፡ “ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፤ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ” በለ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን እውን፡ “ንኻልኦት ኣድሐኖም፡ ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከአለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንአምን። ብኣምላኽ ተአሚኑ እዩ፡ ድማ፤ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ አሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ” ኢሎም የላግጹሉ ነበሩ። (ማቴ. 27:39-43) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነዚ ዅሉ ላግጺ ብዓቕሊ ኸኣሎ። ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ዚዀነና!

14, 15. ብዛዕባ ኽዳውንቲ እቲ መሲሕን ብዛዕባ እቲ ንኺሰትዮ ዝሃብዎ መጺጽን ዚገልጽ ትንቢት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ግለጽ።

14 ንኽዳውንቲ እቲ መሲሕ ብዕጭ ከም ዚማቐልዎ ተሓቢሩ ነይሩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ” በለ። (መዝ. 22:18) ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኰነ፣ ከመይሲ፡ “[ዓቀይቲ ሮሜ ንየሱስ] ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ።”—ማቴ. 27:35፣ ዮሃንስ 19:23, 24 ኣንብብ።

15 ነቲ መሲሕ፡ መጺጽን ሓሞትን ኪሰቲ ኸም ዚህብዎ ተነጊሩ ነይሩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ኣብ መብልዔይ ሓሞት ገበሩ። ንጽምኤይውን መጺጽ ኣስተዩኒ” በለ። (መዝ. 69:21) ማቴዎስ እውን ከምዚ በለ፦ “[ንየሱስ] ምስ ሓሞት እተሖሰ መጺጽ ወይኒ ኺሰቲ ሀብዎ። ጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ አበየ።” ጸኒሑ ኸኣ፡ “ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡ፡ ብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ።”​—ማቴ. 27:34, 48

16. ኣብ መዝሙር 22:1 ዚርከብ ትንቢታዊ ቓላት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ግለጽ።

16 ኣምላኽ ነቲ መሲሕ ዝሓደጎ ኸም ዚመስል ተገሊጹ ነይሩ። (መዝሙር 22:1 ኣንብብ።) ምስቲ ትንቢት ብዚሰማማዕ መገዲ፡ “ብታስዐይቲ ሰዓት [ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ] የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፤ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፤ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ።” (ማር. 15:34) የሱስ ኣብ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበረቶ እምነት ስለ ዝጠፍአት ኣይኰነን ከምኡ ኢሉ። ንጽህናኡ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍተን፡ ኣምላኽ ካብ ጸላእቱ ኸም ዘየዕቍቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኢሉ ብምጭዳር ከኣ፡ ንመዝሙር 22:1 ፈጸማ።

17. ዘካርያስ 12:10⁠ን መዝሙር 34:20⁠ን እተፈጸማ ብኸመይ እየን፧

17 እቲ መሲሕ ጐድኑ እኳ እንተ ተወግአ፡ ኣዕጽምቱ ግና ኸም ዘይስበር ተሓቢሩ ነይሩ። ተቐማጦ የሩሳሌም “ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምቱ” ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘካ. 12:10) መዝሙር 34:20 እውን፡ “ንሱ [ኣምላኽ] ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፡ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን” ኢላ ነይራ እያ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ነጥብታት እዚ ብምርግጋጽ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሓደ ኻብቶም ዓቀይቲ ግና [ንየሱስ] ጐድኑ ብዅናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። እቲ ዝረአየ ኸኣ [ማለት ዮሃንስ] መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። . . . እቲ፤ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ። ካልእ ጽሑፍውን፤ እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ።”​—ዮሃ. 19:33-37

18. የሱስ ምስ ሃብታማት እተቐብረ ብኸመይ እዩ፧

18 እቲ መሲሕ ምስ ሃብታማት ከም ዚቕበር ተነጊሩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 53:5, 8, 9 ኣንብብ።) ብ14 ኒሳን ኣጋ ምሸት፡ “ዮሴፍ ዚብሀል ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ” ናብ ጲላጦስ መጺኡ፡ ስጋ የሱስ ለመኖ፣ ጲላጦስ ከኣ ሃቦ። እቲ ኣብ ማቴዎስ ዚርከብ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ዮሴፍ ነቲ ስጋኡ ወሲዱ፡ ብሓድሽ በፍታ ገነዞ። ንርእሱ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ፡ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዐጽይዎ ኸደ።”​—ማቴ. 27:57-60

ንመሲሓዊ ንጉስ ወድስዎ

19. መዝሙር 16:10 እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧

19 እቲ መሲሕ ካብ ሞት ከም ዚትንስእ ተገሊጹ ነይሩ። ዳዊት፡ “[ንስኻ የሆዋ] ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (መዝ. 16:10) ናብቲ ስጋ የሱስ እተቐብረሉ ቦታ ዝኸዳ ኣንስቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተገረማ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብቲ መቓብር፡ ሓደ መልኣኽ፡ “ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ አሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ” በለን። (ማር. 16:6) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ፡ “[ዳዊት] ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ” በሎም። (ግብ. 2:29-31) ኣምላኽ፡ ስጋ እቲ ዚፈትዎ ወዱ ኺምሽምሽ ኣይፈቐደን። ብዘይካዚ፡ ንየሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ኣተንስኦ።​—1 ጴጥ. 3:18

20. ብዛዕባ ግዝኣት መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት ዚፍጸም ብኸመይ እዩ፧

20 ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ ኣምላኽ ንየሱስ፡ ወዱ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። (መዝሙር 2:7፣ ማቴዎስ 3:17 ኣንብብ።) ብዙሓት ሰባት ንየሱስን ነታ እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽን ወዲሶም እዮም፣ ንሕና እውን ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ብሩኽ ግዝኣቱን ተሓጕስና ንዛረብ ኢና። (ማር. 11:7-10) ክርስቶስ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ‘ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን ኢሉ ኣብ ዚወጽኣሉ እዋን፡’ ንጸላእቱ ኼጥፍኦም እዩ። (መዝ. 2:8, 9፣ 45:1-6) መንግስቱ ኸኣ ኣብ መላእ ምድሪ፡ ሰላምን ብልጽግናን ከተስፍን እያ። (መዝ. 72:1, 3, 12, 16፣ ኢሳ. 9:6, 7) ብዛዕባ እቲ ድሮ ኣብ ሰማይ ዚገዝእ ዘሎ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቅታት ክንእውጅ ምኽኣልናስ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ኣሕሊፍካ እተዋህበን እተራሕርሐን ብኸመይ እዩ፧

• ብዛዕባ ሞት የሱስ እተነግረ ትንቢታት እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

• የሱስ፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ናብ የሩሳሌም ብዓጀባ ምስ ኣተወ፡ ኣየናይ ትንቢት ተፈጺሙ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]

የሱስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ሕጂ ግና መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ