ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ—“ኣምላኽ ሰላም”

የሆዋ—“ኣምላኽ ሰላም”

የሆዋ—“ኣምላኽ ሰላም”

“ኣምላኽ ሰላም ምስ ኵላትኩም ይኹን።”​—ሮሜ 15:33

1, 2. ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 32, 33፡ ከመይ ዝኣመሰለ ውጥረት ዝሰፈኖ ዅነታት እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

 እቲ ቦታ፡ ጥቓ እታ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ሩባ ያቦቅ እትርከብ ከተማ ጵኒኤል እዩ ነይሩ። ኤሳው፡ ያእቆብ ሓዉ ናብ ዓዱ ይምለስ ከም ዘሎ ሰምዐ። ያእቆብ፡ ኤሳው ንብዅርናኡ ኻብ ዚሸጣ 20 ዓመት ከም ዝሓለፈ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ምስ 400 ሰብ ኰይኑ ናብኡ ዚመጽእ ዝነበረ ሓዉ ቒም ሒዙ ኸይቀትሎ ፈርሀ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ንኤሳው ልዕሊ 550 ማል ዜጠቓልል ገጸ በረኸት ለኣኸሉ። ግዙኣት ያእቆብ ነቲ ገጸ በረኸት ሒዞም ብምኻድ ምስ ኤሳው ኪራኸቡ ኸለዉ፡ ሓዉ ዝለኣኾ ምዃኑ ይገልጹ ነበሩ።

2 ኣብ መወዳእታኡ፡ ያእቆብን ኤሳውን ተራኸቡ። ያእቆብ ናብ ኤሳው ገጹ ኪኸይድ ከሎ፡ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሸውዓተ ሳዕ ሰገደ። ልቢ ሓዉ ምእንቲ ኸይጭክነሉ፡ ድሮ ኣገዳሲ ስጕምቲ ወሲዱ ነይሩ እዩ። እወ፡ የሆዋ ኻብ ኢድ ኤሳው ምእንቲ ኼድሕኖ ጸልዩ ነይሩ እዩ። እሞኸ የሆዋ ንጸሎቱ መሊሱሉዶ፧ እሂናይ ደኣ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኤሳው ከኣ ኪቕበሎ ጐየየ፡ ሐቘፎ፡ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ ኸኣ ሰዐሞ” ይብል።​—ዘፍ. 32:11-20፣ 33:1-4

3. ካብቲ ብዛዕባ ያእቆብን ኤሳውን ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ንመሃር፧

3 እቲ ብዛዕባ ያእቆብን ኤሳውን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎና ሰላም ዚዘርግ ጸገም ኣብ ዚለዓለሉ እዋን፡ ንምፍታሑ ልባውን ግብራውን ጻዕሪ ኽንገብር ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ። ያእቆብ ምስ ኤሳው ኪተዓረቕ ዝጸዓረ፡ ንሓዉ ስለ ዝበደሎ እሞ ይቕረ ኺብለሉ ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኤሳው እዩ ንብዅርናኡ ስለ ዝነዓቓ፡ ብጸብሒ ብርስን ሸይጥዋ። (ዘፍ. 25:31-34፣ እብ. 12:16) ይኹን እምበር፡ ያእቆብ ምስ ኤሳው ቅድሚ ምርኻቡ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ምስ ክርስትያን ኣሕዋትና ዘሎና ሰላም ንምዕቃብ ክንገብሮ ብዛዕባ ዚግብኣና ጻዕሪ ይሕብረና እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ነቲ ሰላም ንኸነስፍን ኢልና እንገብሮ ብጸሎት እተሰነየ ጻዕሪ ኸም ዚባርኾ እውን ዜርኢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገበርቲ ሰላም ንኽንከውን ዚምህረና ኻልእ ሓያሎ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ።

ክንስዕቦ እንኽእል ብሉጽ ኣብነት

4. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንኼድሕኖም እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩ፧

4 የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ገባሪ ሰላም ስለ ዝዀነ፡ ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ፣ “ኣምላኽ ሰላም” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ። (ሮሜ 15:33) ምስኡ ሰላማዊ ርክብ ንኺህልወና ኢሉ ብዛዕባ ዝገበሮ ነገራት እሞ ሕሰብ። ሓጢኣተኛታት ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ከም ምዃንና መጠን፡ “ዓስቢ ሓጢኣት” እዩ ዚግብኣና ነይሩ። (ሮሜ 6:23) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረና፡ ነቲ ዚፈትዎ ወዱ፡ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ምእንቲ ኺውለድ ካብ ሰማይ ብምልኣኽ፡ ንድሕነትና ዚኸውን መሰናድዎ ገበረ። የሱስ ድማ ብፍታው ምስቲ መሰናድዎ ተሰማምዐ። ብጸላእቲ ኣምላኽ ኪቕተል ከኣ ፍቓደኛ ዀነ። (ዮሃ. 10:17, 18) ድሕሪኡ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ዚፈትዎ ወዱ ኻብ ሞት ኣተንስኦ፣ ሽዑ የሱስ ዋጋ መስዋእቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረበ። በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ዚንስሑ ሓጢኣተኛታት ካብ ሞት ተበጀዎም።​—እብራውያን 9:14, 24 ኣንብብ።

5, 6. የሱስ ዘፍሰሶ ደም፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ ሓጥኣን ደቂ ሰብን ዝነበረ እተበላሸወ ርክብ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧

5 መስዋእታዊ በጃ ወዲ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ ሓጥኣን ደቂ ሰብን ዝነበረ እተበላሸወ ርክብ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧ ኢሳይያስ 53:5፡ “ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሐዌና” ትብል። ስለዚ፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ከም ጸላእቲ ኣምላኽ ጌርካ ኣይኰኑን ዚረኣዩ፣ የግዳስ፡ ምስ የሆዋ ሰላማዊ ርክብ ኪምስርቱ ይኽእሉ እዮም። እወ፡ “ብእኡ [ብየሱስ] ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፤ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።”​—ኤፌ. 1:7

6 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘሎ ምልኣት ኣብኡ [ኣብ ክርስቶስ] ኺሐድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ አሎ” ይብል። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ክርስቶስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ቀንዲ ግደ ስለ ዘለዎ እዩ። ዕላማ የሆዋ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብእኡ [ብየሱስ ክርስቶስ] ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ” ይብል። እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን” እተባህለ እንታይ እዩ፧​—ቈሎሴ 1:19, 20 ኣንብብ።

7. እቲ ምስ ኣምላኽ እተዓረቐ “ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን” እተባህለ ነገራት እንታይ እዩ፧

7 ሳላ እቲ በጃ፡ እቶም ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ‘ዝጸደቑ’ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ‘ምስ ኣምላኽ ሰላማዊ ርክብ ኪህልዎም’ ክኢሉ እዩ። (ሮሜ 5:1 ኣንብብ።) ሰማያዊ ተስፋ ስለ ዘለዎምን ‘ኣብ ምድሪ ስለ ዚነግሱን’ ንኣምላኽ ከም ካህናት ኰይኖም ስለ ዜገልግሉን፡ “ኣብ ሰማያት ዘሎ” ተባሂሎም ኣለዉ። (ራእ. 5:10) እቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎ” እተባህለ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ እተነስሑ ደቂ ሰብ ዜመልክት እዩ።​—መዝ. 37:29

8. የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ምስኡ ሰላማዊ ርክብ ምእንቲ ኺምስርቱ ኢሉ ብዛዕባ ዝገበሮ ነገራት ምሕሳብካ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧

8 ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ንመሰናድዎ የሆዋ ዘለዎ ልባዊ ሞሳ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ . . . ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡—ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡—” በለ። (ኤፌ. 2:4, 5) ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ሳላ ምሕረትን ጸጋን ኣምላኽ፡ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺብና ኢና። የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ምስኡ ሰላማዊ ርክብ ምእንቲ ኺምስርቱ ኢሉ ብዛዕባ ዝገበሮ ነገራት ክንሓስብ ከለና፡ ልብና ብሞሳ እዩ ዚምላእ። ንሰላማዊ ሓድነት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚዘርግ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዛዕባ ኣብነት ኣምላኽ ክንሓስብን ገበርቲ ሰላም ክንከውንን ደይኰነን ዚግብኣና፧

ካብ ኣብርሃምን ይስሃቅን እንመሃሮ ትምህርቲ

9, 10. ኣብ መንጎ ጓሶት ኣብርሃምን ሎጥን ባእሲ ምስ ተላዕለ፡ ኣብርሃም ገባር ሰላም ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብርሃም ንኣምላኽ አመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ . . . ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ” ይብል። (ያእ. 2:23) እምነት ኣብርሃም፡ ኣብቲ ሰላማዊ ኪኸውን ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ተራእያ እያ። ንኣብነት፡ ጥሪቱን ጥሪት ሎጥ ወዲ ሓዉን እናበዝሓ ምስ ከዳ፡ ኣብ መንጎ ጓሶቶም ባእሲ ተላዕለ። (ዘፍ. 12:5፣ 13:7) ኣብርሃምን ሎጥን ድማ ኪፈላለዩ ወሰኑ። እሞኸ ኣብርሃም ነቲ ዅነታት ብኸመይ ሓዞ፧ ንሎጥ ብዕድመ ስለ ዚዓብዮን ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ስለ ዘለዎን፡ ባዕሉ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኺገብር ኣብ ክንዲ ዚፍትን፡ ብሓቂ ገባር ሰላም ምዃኑ ኣርኣየ።

10 ኣብርሃም ንወዲ ሓዉ፡ “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእሲ ኣይኹን” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኵላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፧ ሕድርኻ፡ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ፡ ኣነ ድማ ናብ የማን ኤብል፡ ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኸኣ፡ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም ኤብል” በሎ። ሎጥ ንለምለም ክፋል እታ ምድሪ እኳ እንተ ሓረየ፡ ኣብርሃም ግና ኣይተቐየሞን። (ዘፍ. 13:8-11) ጸኒሑ ሎጥ ብወረርቲ ምስ ተማረኸ እውን፡ ንወዲ ሓዉ ንምድሓን ድሕር ምሕር ኣይበለን።​—ዘፍ. 14:14-16

11. ኣብርሃም ምስቶም ፍልስጥኤማውያን ጐረባብቱ ብሰላም ዚነብር ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብርሃም ምስቶም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ጐረባብቱ ብኸመይ ብሰላም ይነብር ከም ዝነበረ እውን እሞ ሕሰብ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ነታ ግዙኣት ኣብርሃም ኣብ ብኤር-ሸባዕ ዝዀዓትዋ ዒላ ማይ ‘ብሓይሊ ሓዝዋ።’ እሞኸ እቲ ንወዲ ሓዉ ኻብ ኣርባዕተ ነገስታት ዘድሓነ ሰብኣይ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ተባኢሱ ነታ ዒላ ኣብ ክንዲ ዜምልሳ፡ ነቲ ጕዳይ ሸለል በሎ። ድሕሪ ግዜ፡ ንጉስ እቶም ፍልስጥኤማውያን ምስ ኣብርሃም ኪዳን ሰላም ኪገብር መጸ። ንኣብርሃም፡ “ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም ብኣምላኽ ምሐለለይ” ኢሉ ምስ ሓተቶ ኸኣ፡ ኣብርሃም ብዛዕባ እታ ብሓይሊ እተታሕዘት ዒላ ነገሮ። እቲ ንጉስ በቲ እተገብረ ነገር ሰንቢዱ፡ ነታ ዒላ መለሰሉ። ኣብርሃም ከኣ ኣብታ ምድሪ ስደተኛ ዀይኑ ብሰላም ይነብር ነበረ።​—ዘፍ. 21:22-31, 34

12, 13. (ሀ) ይስሃቅ ንኣብነት ኣቦኡ ዝሰዓበ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ሰላማዊ ዝነበረ ይስሃቅ ዝባረኾ ብኸመይ እዩ፧

12 ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም እውን፡ ልክዕ ከም ኣቦኡ ሰላማዊ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሮ ርክብ ተራእዩ እዩ። ይስሃቅ ብምኽንያት ጥሜት ንስድራ ቤቱ ሒዙ ኻብቲ ኣብ ሰሜን ብኤር-ላሓይ-ሮይ ዚርከብ ምድሪ ኣጻምእ ነጌብ፡ ናብቲ ኣብ ጌራር ዚርከብ ልሙዕ ክሊ ፍልስጥኤማውያን ገዓዘ። የሆዋ ብዙሕ ምህርትን ብዙሓት ማልን ብምሃብ ምስ ባረኾ ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ቀንኡሉ። ከም ኣቦኡ ምእንቲ ኸይህብትም ከኣ፡ ነቲ ግዙኣት ኣብርሃም ዝዀዓትዎ ዒላታት ብሓመድ መልእዎ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን ንይስሃቅ፡ ‘ካባታቶም ኪኸይድ’ ነገሮ። እቲ ሰላማዊ ዝነበረ ይስሃቅ፡ ከምቲ ዝበልዎ ገበረ።​—ዘፍ. 24:62፣ 26:1, 12-17

13 ይስሃቅ ካብኡ ኸይዱ ኣብ ካልእ ቦታ ምስ ሰፈረ፡ ጓሶቱ ኻልእ ዒላ ዀዓቱ። ፍልስጥኤማውያን ጓሶት መጺኦም ከኣ፡ “ማይና እዩ” ኢሎም ምስቶም ጓሶት ተበኣሱ። ይስሃቅ ልክዕ ከም ኣቦኡ፡ በቲ ዒላ ኣይተበኣሰን። የግዳስ፡ ግዙኣቱ ኻልእ ዒላ ኸም ዚዅዕቱ ገበረ። እቶም ፍልስጥኤማውያን መሊሶም፡ “ማይና እዩ” ኢሎም ተበኣሱ። ይስሃቅ ምእንቲ ሰላም ኢሉ፡ እንደገና ናብ ካልእ ቦታ ገዓዘ። ኣብኡ ኸኣ ግዙኣቱ፡ ረሓቦት ኢሉ ዝሰመዮ ዒላ ዀዓቱ። ድሕሪ ግዜ፡ ናብቲ ኣብ ከባቢ ብኤር-ሸባዕ ዚርከብ ልሙዕ ቦታ ገዓዘ፣ ኣብኡ ኸኣ የሆዋ ባረኾ፣ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ክባርኸካ፡ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ።​—ዘፍ. 26:17-25

14. ንጉስ ፍልስጥኤማውያን ምስ ይስሃቅ ኪዳን ሰላም ኪገብር ምስ ደለየ፡ ይስሃቅ ገባር ሰላም ምዃኑ ብኸመይ ኣርኣየ፧

14 ይስሃቅ ንዅሉ እቲ ግዙኣቱ ዝዀዓትዎ ዒላ ንኼምልስ ኪበኣስ ይኽእል ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከሎ፡ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን ኪዳን ሰላም ኪገብር ደልዩ ምስ ሰበ ስልጣኑ ዀይኑ ናብኡ ብምምጻእ፡ “እግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ፡ ኣርጊጽና ርኢና ኢና” ኢልዎ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ይስሃቅ ምእንቲ ሰላም ኢሉ፡ ብተደጋጋሚ ንኺግዕዝ እዩ መሪጹ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ገባር ሰላም ምዃኑ ኣርኣየ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ “ንሱ ኸኣ [ንኣጋይሹ] ምሳሕ ገበረሎም፡ እሞ በልዑን ሰተዩን። ንጽብሒቱ ንግሆ ተንሲኦም ድማ ንሓድሕዶም ተማሓሐሉ፡ ይስሃቅ ከኣ ኣፋነዎም፡ ካብኡ ድማ ብሰላም ከዱ” ይብል።​—ዘፍ. 26:26-31

ካብ ዮሴፍ እንመሃሮ ትምህርቲ

15. ኣሕዋት ዮሴፍ ንሓዎም ብሰላም ኪዛረብዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

15 ያእቆብ ወዲ ይስሃቅ፡ “ህዱእ ሰብኣይ” ነበረ። (ዘፍ. 25:27) ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝረኣናዮ፡ ያእቆብ ምስ ኤሳው ንኺተዓረቕ ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። ካብቲ ሰላማዊ ዝነበረ ኣቦኡ ይስሃቅ ከም እተማህረ ኣየጠራጥርን እዩ። ደቂ ያእቆብከ ኻብቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት ተማሂሮምዶ፧ ያእቆብ ካብቶም 12 ደቁ፡ ንዮሴፍ ኣብሊጹ ይፈትዎ ነበረ። ዮሴፍ እዙዝን ንኣቦኡ ዜኽብርን ትውክልቲ ዚግበሮን እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 37:2, 14) ዓበይቲ ኣሕዋቱ ግና ቐንኡሉ፣ ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከአሉን። ብጭካነ ናብ ባርነት ሸጥዎ፣ ብኣራዊት ከም እተቐትለ ኣምሲሎም ከኣ ንኣቦኦም ነገርዎ።—ዘፍ. 37:4, 28, 31-33

16, 17. ዮሴፍ ፈታው ሰላም ምዃኑ ንኣሕዋቱ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

16 የሆዋ ምስ ዮሴፍ ስለ ዝነበረ፡ ዮሴፍ ብስልጣን ደድሕሪ ፈርኦን፡ ማለት ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ዀነ። ኣሕዋቱ ብሰንኪ ጥሜት ናብ ግብጺ ምስ መጹ፡ ብምኽንያት ኣከዳድናኡ ኣየለለይዎን። (ዘፍ. 42:5-7) ኣብቲ እዋን እቲ፡ በቲ ንዕኡን ንኣቦኡን ዝገበርዎ ጭካነ፡ ብቐሊሉ ሕነ ኺፈዲ ይኽእል ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ክንዲ ሕነ ዚፈዲ፡ ምስ ኣሕዋቱ ሰላም ኪገብር ፈተነ። ኣሕዋቱ ኸም እተነስሑ ምስ ነጸረሉ፡ መንነቱ ገለጸሎም፣ “ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለአኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሀዩ፡ ኣይትጨነቑ” በሎም። ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዐሞም።​—ዘፍ. 45:1, 5, 15

17 ኣሕዋት ዮሴፍ፡ ኣቦኦም ያእቆብ ምስ ሞተ፡ ዮሴፍ ሕነ ዚፈዲ መሲልዎም ነበረ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ “በኸየ፣” ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣይትፍርሁ። ኣነ ንኣኻትኩምን ንቘልዑኹምን ክቕልበኩም እየ” በሎም። እወ፡ እቲ ፈታው ሰላም ዝነበረ ዮሴፍ፡ “ኣጸናንዖም ድማ፡ ንልቦም ዜሐጕስውን ተዛረቦም።”​—ዘፍ. 50:15-21

“ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ”

18, 19. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሶም ዘለዉ ገበርቲ ሰላም ብምምርማርካ ብኸመይ ተጠቒምካ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

18 ጳውሎስ፡ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” በለ። (ሮሜ 15:4) ነቲ ብሉጽ ኣብነት የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዮሴፍን ዚገልጽ ጸብጻብ ብምምርማርና እተጠቐምና ብኸመይ ኢና፧

19 የሆዋ ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ ሰብን ዝነበረ እተበላሸወ ርክብ ንምዕራይ ብዛዕባ ዝገበሮ ነገራት ከነስተንትን ከለና፡ ምስ ካልኦት ብሰላም ንኽንመላለስ ደይኰነን ዚድርኸና፧ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዮሴፍን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ወለዲ ኣብ ደቆም ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድሩ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ እዩ። የሆዋ ንጻዕሪ እቶም ሰላም ዚገብሩ ሰባት ከም ዚባርኾ እውን ዚሕብር እዩ። ጳውሎስ ንየሆዋ፡ “ኣምላኽ ሰላም” ኢሉ ኺጽውዖ እምበኣር ሓቁ እዩ። (ሮሜ 15:33፣ 16:20 ኣንብብ።) ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ጳውሎስ ኣስኣሰር ሰላም ክንስዕብ ከም ዘሎና ዘጕልሐ ስለምንታይ ምዃኑን ብኸመይ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ከም እንኽእልን ክንምርምር ኢና።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ያእቆብ ምስ ኤሳው ቀቅድሚ ምርኻቡ፡ ሰላም ንምግባር እንታይ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ፧

• እቲ የሆዋ ምስ ደቂ ሰብ ንኺተዓረቕ ዝገበሮ ነገራት ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧

• ካብቶም ገበርቲ ሰላም ዝነበሩ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዮሴፍን እንታይ ተማሂርካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]

ያእቆብ ምስ ኤሳው ንምትዕራቕ ዝወሰዶ ኣገዳሲ ስጕምቲ እንታይ እዩ ነይሩ፧