ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧

ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧

▪ ብዙሓት ሰባት ነታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ብኑክልየሳዊ ውግእን መጠነ ሰፊሕ ብዝዀነ ባህርያዊ ዕንወትን ዜጋጥም ጃምላዊ ጥፍኣት ኣብ ኣእምሮኦም ይመጾም፣ ነቲ ብምውሳኽ ሙቐት ዓለም ኬጋጥም ዚኽእል ከባብያዊ ዕንወት ንምምልካት እውን፡ ነታ ቓል ይጥቀሙላ እዮም። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ቓል ግና፡ ነዚ ዅሉ ኣይተመልክትን እያ። ንምንታይ ደኣ እያ እሞ እተመልክት፧

እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል፡ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ እያ እትርከብ። ንፍሉይ ዓይነት ውግእ፡ ማለት ‘ነገስታት ኵላ ዓለም ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንዚገብርዎ ናይ መወዳእታ ውግእ’ እያ እተመልክት። ነዚ ውግእ እዚ ዜመልክት ካልእ ሓያሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣሎ።​—ራእይ 16:14-16፣ ህዝቅኤል 38:22, 23፣ ዮኤል 3:12-14፣ ሉቃስ 21:34, 35፣ 2 ጴጥሮስ 3:11, 12

እቲ ውግእ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ውግእ ብምሳልያዊ መገዲ ኽትገልጽ ከላ፡ “ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተአኪቦም” ትብል። እቲ፡ “ኣብ ፈረስ እተቐመጠ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዜመልክት፣ ምስቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መላእኽቲ ዀይኑ ንጸላእቲ ኣምላኽ ኪዋግኦም ከኣ ብኣምላኽ ተሸይሙ እዩ። (ራእይ 19:11-16, 19-21) ኤርምያስ 25:33 ብዛዕባ ብዝሒ እቶም ሽዑ ዚጠፍኡ ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ክትገልጽ ከላ፡ “እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም” ትብል።

ኣርማጌዶን ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ኣህዛብ ንልዑላውነት ኣምላኽ ነጺጎም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ልዑላውነት ስለ ዝመስረቱ እዩ። (መዝሙር 24:1) ኣብ መዝሙር 2:2 ብዛዕባ ዕልወቶም፡ “ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም . . . ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ” ዚብል ነንብብ።

እዞም ዓለወኛታት ኣህዛብ እዚኣቶም፡ ከምቶም ንንብረት እንዳማቶም ወሲዶም ከም ናቶም ገይሮም ዚዛረቡን ዜበላሽውዎን ሰባት እዮም። ሎሚ ኣህዛብ ንምድሪ የበላሽውዋን ንኸባቢኣ ይብክልዎን ኣለዉ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዜሕዝን ኵነታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻውን [ቍጥዓ ኣምላኽ] መጺኡ” ይብል። ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ።’ (ራእይ 11:18) ብኣርማጌዶን ኣቢሉ ድማ፡ ነቲ፡ ‘ንደቂ ሰብ ኪገዝኦም መሰል ዘለዎ መን እዩ፧’ ዚብል ጕዳይ ሓንሳእን ንሓዋሩን መዕለቢ ኺገብረሉ እዩ።​—መዝሙር 83:18

ኣርማጌዶን መዓስ እያ እትመጽእ፧ ወዲ ኣምላኽ ብንጹር፡ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን” በለ። (ማቴዎስ 24:36) ኰይኑ ግና፡ እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣርማጌዶን ኪዛረብ ከሎ፡ “እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። . . . እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (ራእይ 16:15) ስለዚ፡ እዚ ዓለምለኻዊ ውግእ እዚ፡ ምስ ህላወ ክርስቶስ ዚተሓሓዝ እዩ፣ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ ኸኣ፡ ህላወ ክርስቶስ ድሮ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣርማጌዶን ነቶም መገዶም ዘይቅይሩ እኩያት ሰባት ጥራይ እያ እተጥፍኦም፣ ከመይሲ፡ ካብኡ ዚድሕኑ “ብዙሓት ሰብ” ኪህልዉ እዮም። (ራእይ 7:9-14) እዞም ብዙሓት ሰብ እዚኣቶም፡ እቲ፡ “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ዚብል ቃላት ኪፍጸም ከሎ ኺርእዩ እዮም።​—መዝሙር 37:10, 11

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ”