ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሸውዓተ ፍርያት” እታ ጽብቕቲ ምድሪ

“ሸውዓተ ፍርያት” እታ ጽብቕቲ ምድሪ

“ሸውዓተ ፍርያት” እታ ጽብቕቲ ምድሪ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምድሪ እስራኤል፡ ኵድዅዶን ስንጭሮታትን ጐላጕልን ኵርባታትን ወሓይዝን ዓይኒ ማያትን ከም ዘለዎ ተገሊጹ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድን ኵነታት ኣየርን እዩ ዘለዎ፣ ነቲ ኣብ ደቡብ ዚርከብ ደረቕ ምድረ በዳን ነቲ ኣብ ሰሜን ዚርከብ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራንን ስለ ዜጠቓልል ከኣ፡ እተፈላለየ ዓይነት ፍርያት እዩ ዜፍሪ። ሙሴ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ኣብታ “ጽብቕቲ ምድሪ” ዚረኽብዎ ነገራት ብሓጺሩ ኺነግሮም ከሎ፡ ብፍላይ ሸውዓተ ዓይነት ፍርያት፡ ማለት ‘ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን’ ጠቐሰ።​—ዘዳግም 8:7, 8

ሎሚ እውን እታ “ሸውዓተ ፍርያት” እትብል መግለጺት፡ ንፍርያት እታ ምድሪ ንምግላጽ ኣብ ጥቕሚ ትውዕል እያ። እዚ ፍርያት እዚ፡ ከም ምልክት ፍርያምነት እታ ምድሪ ዀይኑ፡ ኣብ ሰልድን ቴምብርን እታ ዓዲ ይወጽእ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዝራእ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ንህይወት እቶም ተቐማጦ ዚጸልዎ ዝነበረኸ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ እስከ ንመርምሮ።

“ስርናይን ስገምን”፦ ስርናይን ስገምን ኣብ ግዜ ኣዝመራ እስራኤላውያን ይዝራእ እኳ እንተ ነበረ፡ ስገም ግና ካብ ስርናይ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ እዩ ዚፈሪ ነይሩ። ካብቲ በዅሪ ፍርያት ስገም ሓደ እንዳእቲ ተወሲዱ ኸኣ፡ በዓል ቅጫ ኣብ ዚኽበረሉ እዋን፡ ማለት ኣብ መጋቢት ወይ ሚያዝያ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ንየሆዋ ኸም መስዋእቲ ይቐርበሉ ነበረ። ኣብቲ ኣብ ግንቦት ዚኽበር በዓል ሰሙናት ወይ ጴንጠቆስጠ ድማ፡ እንጌራ ስርናይ ይቐርብ ነበረ።​—ዘሌዋውያን 23:10, 11, 15-17

ካብ ነዊሕ ዘመናት ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ቐረባ እዋን፡ እስራኤላውያን ሓረስቶት ነቲ ዚዘርእዎ እኽሊ ኣብ ነጸላኦም ሒዞም፡ ብኢዶም እዮም ዚብትንዎ ነይሮም። ስገም ስቕ ኢልካ እዩ ዚብተን ነይሩ። ስርናይ ግና፡ ብሓመድ ኪሽፈን ኣለዎ። እቶም ዚሓርሱ እንስሳታት ነቲ እተበተነ ስርናይ ኪረግጽዎ ኸለዉ ወይ እቲ ግራት እንደገና ኺሕረስ ከሎ ኸኣ፡ ብሓመድ ይሽፈን ነበረ።

መብዛሕትኡ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ምዝራእን ምዕጻድን ምኽያድን ምዝራውን ምርጋጽን እኽሊ ይገልጽ እዩ። ኵሉ ዕዮ፡ ብርቱዕ ጻዕሪ እዩ ዚሓትት ነይሩ። በብመዓልቱ እኽሊ ተጣሒኑ፡ ንስድራ ቤት ዚኸውን እንጌራ ይስንከት ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ፡ “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና” ኢልና ኽንጽሊ ዝኣዘዘና። (ማቴዎስ 6:11) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንጌራ ስርናይ ወይ ስገም፡ መዓልታዊ ምግቢ እዩ ነይሩ።​—ኢሳይያስ 55:10

“ወይንን በለስን ሮማንን”፦ ሙሴ ንእስራኤላውያን ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ምስ መርሖም፡ ፍረ እታ ምድሪ ተስፋ ኸም ዚበልዑ ዚገልጽ ዜሀንጢ ተስፋ ነገሮም። ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት፡ እቶም ንፍርያምነት እታ ምድሪ ተስፋ ኺስልዩ ዝኸዱ ሰለይቲ እንታይ ሒዞም እዮም ተመሊሶም፧ “ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቘሪጾም” ሒዞም እኳ እንተ መጹ፡ ኣመና ኸቢድ ስለ ዝነበረ፡ “ክልተ ዀይኖም ብመሰላ ጾርዎ።” ሮማንን በለስን እውን ሒዞም መጺኦም እዮም። እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ሰባት ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ኣፎም ብማይ መሊኡ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ግና፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራይ እዩ ነይሩ።​—ዘሁልቍ 13:20, 23

ኣታኽልቲ ወይኒ ፍርያም ምእንቲ ኪኸውን፡ ቀጻሊ ኽንክን እዩ ዜድልዮ፣ ስለዚ፡ ክትጽልጽሎን ማይ ከተስትዮን ንፍሪኡ ኽትእክቦን ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ኣብ ኵርባ ዚርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ መካበብያን ዛላን ሓላዊ ዚቕመጠሉ ዳስን ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ብግቡእ ተታሒዙ ኣሎ ኺበሃል ይከኣል እዩ። እስራኤላውያን ንኣታኽልቲ ወይኒ ብኸመይ ኪሕዝዎ ኸም ዘለዎምን ዕሽሽ እንተ ኢሎምዎ እንታይ ከም ዜጋጥምን ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነበሩ።​—ኢሳይያስ 5:1-7

ኣብ እዋን ዓጺድ ወይኒ፡ ምጽማቝ ወይኒ ይጅመር ነበረ። ዘለላ ወይኒ ኸኣ፡ ኣብ ገንኢ ይጭፍለቕ ወይ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ይሕምተል ነበረ። ነቲ ጽማቝ ድማ፡ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሽኮሩ ንምፍላይ ብሓዊ የፍልሕዎ ወይ ባዕሉ ንኺፈልሕ የቐምጥዎ ነበሩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ምድሪ እስራኤል፡ ወይኒ ንምፍራይን ንምጽማቝን ዚምሽእ ኵነታት ኣየር እዩ ነይርዎ። *

ካብቲ በለስ ዚፈርየሉ ኸባቢ ርሒቖም ዚነብሩ ሰባት፡ ዝነቐጸን እተጸምቈን በለስ ጥራይ እዮም ኪርእዩ ዚኽእሉ ነይሮም። ሓድሽ እተቐንጠበ በለስ ግና፡ ብዙሕ ፈሳሲ እዩ ዘለዎ። እስራኤላውያን ንፍረ በለስ፡ ክንዮ እቲ ዚእከበሉ እዋን ምእንቲ ኼጽንሕዎ፡ መብዛሕትኡ እዋን ብጸሓይ ኣንቂጾም የቐምጥዎ ነበሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐጎ በለስ” ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ኣሎ።—1 ሳሙኤል 25:18

ነቲ ቝሩብ ርጕድ ዝበለ ቘርበት ሮማን ምስ ጨደድካዮ፡ ብኣማእታት ዚቝጸር “ንኣሽቱ ፍረታት” ኢኻ እትረክብ፣ ነዚ ፍረታት እዚ ኣብኡ ኸሎ እንተ በሊዕካዮ ወይ እንተ ጸሚቝካዮ፡ ባህ ዜብልን ንጥዕና ዚጠቅምን ዜዐንግልን ኪዀነልካ ይኽእል እዩ። እቲ ሊቀ ኻህናት ንዘፈር ሓደ ኻብቲ ኽዳውንቱ ሮማናት ይገብረሉ ምንባሩ ኸምኡውን ኣብታ ሰሎሞን ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ጕልላት ብሮማናት ዝወቀበ ምንባሩ፡ እስራኤላውያን ንሮማን ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ።—ዘጸኣት 39:24፣ 1 ነገስት 7:20

“ኣውልዕን መዓርን”፦ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምንጪ ምግብን ዘይትን ዝዀነ ኣውሊዕ፡ ኣስታት 60 ሳዕ እዩ ዚጠቕሶ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋላት እስራኤል፡ ኣእዋም ኣውልዕ ይርከብ እዩ። (ዘዳግም 28:40) ክሳዕ ሎሚ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዚግበር ምህርቲ ናይ ምእካብ ዕዮ፡ ብስድራ ቤት ኴንካ እዩ ዚዕየ። እቶም ምህርቲ ዚእክቡ ሰባት ንጨናፍር እቲ ኣእዋም ኣውልዕ ብምውቃዕ ይንቕንቕዎ፡ ነቲ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ይእክብዎ ነበሩ። እስራኤላውያን ነቲ ፍረ ኣውልዕ፡ ቀለብ ዓመት ኪዀኖም የቐምጥዎ ወይ ከኣ ናብ መጽመቝ ዘይቲ ይወስድዎ ነበሩ። ኣብ ስነ ጥንታዊ ቦታታት፡ ብኣማእታት ዚቝጸር እተፈላለየ ዓይነት መጽመቝ ወይኒ ተረኺቡ እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ሃሳስ ቀጠልያ ዝሕብሩ ዘይቲ፡ ንስድራ ቤት ኪኸውን ተባሂሉ ይቕመጥ ወይ ኣብ ዕዳጋ ተሸይጡ ምንጪ ኣታዊ ይኸውን ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ንምግቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም መጸባበቕን ንመብራህቲ ኸም ዚኸውን ነዳድን ጌርካ እውን ክትጥቀመሉ ይከኣል ነበረ።

እቲ ሙሴ ዝጠቐሶ መዓር፡ ናይ ንህቢ መዓር ወይ ከኣ ካብ ተምርን ወይንን ዚርከብ ምቁር ፈሳሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ፍረታት እዚ ዚርከብ መዓር፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኸም መማቕርቲ ይዝውተር ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ምስ ሲምሶንን ዮናታንን ተተሓሒዙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መዓር፡ ካብ ቆፎ እተረኽበ መዓር ሰንካል እዩ ነይሩ። (መሳፍንቲ 14:8, 9፣ 1 ሳሙኤል 14:27) ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል እትርከብ ከተማ ተል ረሆቭ እተረኸበ ልዕሊ 30 ቖፎ ንህቢ ዘለዎ መንህብ፡ ካብ ግዜ ሰሎሞን ኣትሒዙ፡ መፍረ ንህቢ ዝውቱር ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።

ሎሚ በቲ እንዳ ሕብስቲ ዘለዎ፡ ከምኡውን ብስርዓት እተደርደረ ፍረታትን ኣሕምልትን ዚረኣየሉ ባህ ዜብል ዕዳጋ እስራኤል ዚጐዓዝ ሰብ፡ ነቲ “ሸውዓተ ፍርያት” ብእተፈላለየ ኣገባብ ኪረኽቦ ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ እዚ ሸውዓተ ፍርያት እዚ፡ ምስቲ ኣብታ ዓዲ ዚፈሪ መወዳእታ ዘይብሉ ምህርቲ ኺወዳደር ከሎ፡ ውሑድ እዩ። ሎሚ ዘሎ ኣገባብ ሕርሻ፡ ኣብ ካልእ ሃገራት ጥራይ ዚበቍል ዝነበረ ፍርያት ኣብ እስራኤል ከም ዚበቍል ገይሩ እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ እቲ ኣብዛ ንእሽቶ ዓዲ እዚኣ ዘሎ ብዙሕ ምህርቲ፡ እታ ዓዲ ልክዕ ከም ስማ “ጽብቕቲ ምድሪ” ምዃና ዚሕብር እዩ።​—ዘሁልቍ 14:7

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 9 ንፍረ ወይኒ ኣንቂጽካ እውን ዘቢብ ይስራሕ ነበረ።​—2 ሳሙኤል 6:19

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ስርናይ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ስገም

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ወይኒ

[ኣብ ገጽ 12, 13 ዘሎ ስእሊ]

በለስ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሮማን

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣውልዕ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

መዓር